Friday 27 November 2015

ስሩይ ዕላማ ብጉልባብ ጵጵስናን ምሕደራን! 2ይ ክፋል

ጉዕዞ ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ብዓይኒ መነጽር!
ትዝ እንካ በበኒ! እንታይ ንግበር ቅድሚ ምባልካ፣ ትማል እንታይ ተገብረ ዝብል ሓሳብ ሒዝካ ንድሕሪት ምለሰኒ ብምባል ቀፊዱ ዝሓዘኒ ሕልናይ'ዩ። ንትማል ሕተታ፣ ትብሎ'ለዋ፣ ብምባል ንልዕሊ ሓደ ምኢቲ (100) ዓመት ንድሕሪት ጎቲቱ፣ ግዜ! ምስ ታሪኽ ቆረነኒ።
ነዛ ብጥንታውነታን ቅድስንኣን ዘውዲ' ዓለም ብሙኳን ንብዙሓት ኣርኣያ ኮይና ሰላምን ራህዋን እንዳ ኣስተንፈሰት፣ ናይ ቅዱስ ያሬድ ዜማ እንዳ'ዝየመት፣ ብናይ ኣባ ህርያቆስ ቅዳሴ፣ ከም ዳዊት ጎስኣ ልብየ ብምባል ሰማያት እንዳ ኣመስጠረት፣ ምስ ኣባ ጊዮርጊስ ብሰኣታት ንዝጸልመተ ለይቲ' ጋልሀት፣ ብናይ ቅዱሳን ጣዕሚ፣ ብናይ ሰማእታት መኣዛ እንዳ ተፈስሀት፣ ሰማያዊ ዝኾነ ናብራ ትነብር ዝነበረት ምድሪ፣ ምድሪ ኣቡነ ሰላማ፣ ምድሪ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዋስ፣ ምድረ ኣቡነ ኣብራንዮስ፣ ዮናስ፣ እንድርያስ፣ ምድረ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል፣ ቦኽረ ድንግል፣ ምድረ ቡጹኣኣምላኽ፣ እታ ናይ ፱ቱ ቅዱሳን ጸወን ዝኾነት፣ ናይ ድንግል ማርያም ናይ ኣስራትን ቦክራትን ምድሪ፣ ሃገር ምድሪ ደብረ ሲና፣ ከምዚ' ብቅድስና ከተጉላዕልዕንን ቅዱሳን ደቃ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብተኣምራት ካበየ ገዳማቱ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክዕምብቡን ክውለዱን፣ ኣብዚ ናይ በረኸት ዘመን ሽዑ' ፈተና ብምልዕዓል ነቲ ሰማያዊ ምስሊ ንምሕዳስ ምዕራባዊት ቤተ-ክርስትያን ብክፍኣት ዝተላዕለት።
 ቅድስት ቤተ-ክርስትያንና ኣብ ዝሓሸን ዝበለጸን መኣዝን እኳ በጺሓ እንተ ነበረት ምድራዊ ፈተና፣ ነገስታት ምስ ነገስታ፣ መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ንዝፍጠር ቁርቁስ ኣብ ዙርይኣ ዋላኳ እንተ ዘየዕረፈ፣ ንኹሉ ክኢላ ንህዝባ ብምሕቋፍ ንኣበር ህዝባ ናብ ባዕዲ ኣየውጽአትን። ብኣንጻሩ እታ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ብምሽፋት ብናይ ሮማ ቤተ-ክርስትያን ትመሓደር ዝነበረት ካቶሊካዊት ግና ገና ካብ ትኹብልል ኣይጠዓማን ዝነበረ። ሓሰኻ ከም ዝኣተዎ ፈልጺ ጉንዲ ክትበታተንን ሰንኪ' ሰንኮፍ ኣተሓሕዝኣን ምሕደርኣን ክትመቓቀልን፣ ከምቲ ቀደም ክትፍለ ከላ ንብዓት ቅዱሳን ክዕያ፣ ምህሮ ወለዲ ረጊጻ ዝተፈልየቶ፣ ናይ ኢዳ ረኺባ ፕሮቴስታንት ዝብል ሓይሊ ካብ መሰረታ ገቢሉ ክውለድን ነታ ዝጠነሰቶ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክመቓቅልን ዝጀመረ። ኣብቲ ግዜ' እዛ ብኽሕደት ዝተፈልየት ቤተ-እምነት ነቲ ዘጋጠማ ዓቢ ነውጺ ዘህድአት መሲልዋ ክሒዶም ንዝበለቶም ህዝባ ብሓዊ ከተቃጽልን፣ ከምቶም ኣረማውያን ኣቦታታ ኣብ መስቀል ክትሰቅልን፣ ብገመድ ክትሓንቕን ደቃ ክትበልዕን ከላ ዘይ ርኣየ ኣይኣምንን ይኸውን። ካብ ሽዑ ንንየው እያ እምበኣር ምዕራባዊት ቤተ-ክርስትያን ብቕንኢ ተላዒላ ተሃድሶ ዝብል ዓቢ ዕላማ ኣንቂዳ ኣብ ልዕሊ ናይ ምድሪ ሓበሻ ቤተ-ክርስትያን ብምኽንያት ወንጌልን ሚስዮናውነትን ብዝብል ጉልባብ ክፋእ ከተስርጽ ኣብ መፋርቕ 19ክፍለ ዘመን ናብ ሃገርና ሶሊኻ ዝኣተወት።
 ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና 16 ክፍለ ዘመን ሰብኪ' ጥርዚ በጺሑ ዝነበረ ምዕባለ ደቂ-ሰባት እቲ ዘመን' ዘመነ ተሃድሶ ተባሂሉ' ዝጽዋዕ ዝነበረ። ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ንድኻማ ዘቃልል ሜሺኔሪትት ኮነ ርኽበታት በዚ ዘመን እዚ' ዝተረኽበ (ዝተማህዘ) ብእኡ መንጽር 16 ክፍለ ዘመን ብመጠን ምዕባሌኡ ንግድን ወፍርን'ውን ስለ ዝዓበየ እቶም መሬት ድኻታት ብምግባት ብጉልበት ውጹዓት ወይንን ስርናይን ዝዘርኡ ዝነበሩ ካህናትን ጳጳሳትን ናይቲ ዘመን፣ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዲቅ ዝበለ ናይ መሬተይ መሬትካ ቁሩቁስ ብምሽማም ዝጣልዑ ዝነበሩ መራሕቲ፣ በቲ ፈኸም እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ቤቶም ዝጥጃእ ዝነበረ ፕሮቴስታንታዊ ዕልዋ ብዙሕ ኣይተገደሱን። 16 ክፍለ ዘመን ግና ኣብ ኣእምሮ ደቂ-ሰባት ጥራይ ኣይነበረን እንታይ ድኣ ነታ ሸለልትነት ዓሲልዋ በቶም ክሳብ ናይ ምውላድን መርዓን ሕቶ ምልዕዓል በጺሖም ዝነበሩ ጳጳሳት ናይ ሮማ እትመሓደር ዝነበረት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን'ውን ኣይቀደዋን። ሽዑ' እምበኣር ካቶሊካዊት ቤተ-እምነት ብምልኣት ክትሕደስ ከም ዘለዋ ማርቲን ሉተር ዝኣመተ። ነቲ ቀደም ክሒዳ ዝተፈልየትሉ እምነት ክሒዱ ካልእ ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ ክሕደት ወሊዱ፣ ዘመነ ካቶሊክ ኣብቂዑ' ክሳብ ዝብሃል ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ዝተጋውሐ። ሽዑ እያ እምበኣር ነቲ ዝነበራ ጨካን ስጉምታ ብምዝያድ ብነገስታት ተሓጊዛ፣ ሮምዊት ቤተ-ክርስትያን ደም ንጹሃት ዜጋታት ብምፍሳስ ኣእዳዋ ብደም ዝጨቀወ። ደድሕሪ ፕሮቴስታንት ኮነ ደድሕሪ' ካልኦት ፈለስቲ ዘልዕልዋ ዝነበሩ ሓደስቲ ክሕደታት ዘዝሰዓቡ ብምቕታል ንክሕደት ዝገትአት መሲልዋ ብደም ንጹሃት ጸሊም ታሪኽ ብምጽሓፍ ክሳብ ኣብ ሮማ ጥራይ ተወሲና እትተርፍ መላእ ኤውሮጳ ብፕሮቴስታንት ኣዕለቕለቀት። እዚ እቲ ይኣኽለኒ ዘይብሉ ምድላብ ሃብትን፣ ምስ መሳፍንትን ሰብ ስልጣንን ተላፊንካ ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍጸም ዝነበረ ወጽዓን ምምዝማዝ ጉልበት፣ ዘኸተሎ ሰነፍ እምነት'ዩ። እምበር ካህን ወይ ጳጳስ ዝኣክል' ድኣ' ግራት መሳኪን ሓረስቶስ ምመንጠለ? እቲ ዝገርም ንዝተቓወሞሞ ዘበለ ኩሉ "ንስኻ ኣይትጸድቕን ኢካ" እንዳ በሉ ማዕጾ ገነት ኣብ ገጹ ብጽሑፍ እንዳ ዓጸው ነቲ ምስኪን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ፍርሂ የንብርዎ ምንባሮም'ዩ። በዚ' እምበኣር እቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነበረ ህዝቢ ብድርብ ወጽዓ ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ስለ ዝተማረረ፣ ድድሕሪ'ቶም ንዓ ከነድሕነካ፣ ጎይታ ተቐበል፣ ናጽነት ከነውህበካ ኢና እንዳበሉ ዝሰልብዎ ዝነበሩ ካልኦት ዓለውቲ ክስዕብ ግዜ ኣይወሰደን። ድሕሪ 4 ክፍለ ዘመን ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ሙኳኑ'ዩ፣ ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ገና ምድሪ-ቤታ ብጋሕማጡ፣ ነታ ብሰላን ቅሳነትን ናይ ቅድስና ናብራ ተስተማቕር ዝነበረት ቅድስት ሃገርና ኣማዕድያ ብምጥማት ብስርዓታ ኮነ ኦርቶዶክሳዊ እምነታ ኣይትሓጎሰትን። እቶም ቤቶም ብዝግባእ ዘየመሓደሩ መሪሕቲ ሮማ ቤት እንዳማቶም ከሓድሱ (ንቄናን ምስሎም ከምስሉና) ነቲ ናይ ጥፍኣት ወረራ ተሃድሶ ቢሎም ሰመይዎ።
 ናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋን ፊደልን ዜማን ወንጌልን ስርዓትን ክቡር ባህልን እምነት ዝውንን እዱብ ህዝቢ በታ ቤታ ዘየመሓደረት በላዒት ደቃ ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ብሓድሽ ወንጌል ክስበኸሉ ተወሰነ። ያኢ እታ መካንስ ነታ ወላድ ምሕራስ ከተላምዳ ዝዓይነቱ እዩ ዝኾነልኩም ዘሎ። ..........ተካል ስማዕ ትብል ዓባየል።.......
ሮማዊት ቤተ-እምነት ጥበብ ተጣቢባ፣ ኣውሪዳ ኣደይባ፣ ንህዝቢ ምድሪ ሓበሻ ከታልሎምን፣ ንዓና ከእምነናን ይኽእል እዩ ኢላ ብዝሓሰበቶ፣ ነቶም ቶኳሉ ደቃ ቆርበት በጊዕ ከዲና ሚስዮናውያን ብዝብል ስያሜ ከም ናይ ሰላም ልኡኻት ኣኸቲላ፣ ኣብ ከባቢ 1843 / እዚ ዝስዕብ ስዉር ዕላማ ግን ከኣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ውን እንተኾነ ክፍጸም ዘለዎ ኣጀንዳ ነዲፋ ናብ ምድሪ ኣቦታትና ዝተጋዕዘት።

1. ናይ ሓበሻ ቤተ-ክርስትያን (ናይ ሓበሻ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዋ) ስርዓታን ልምዳን ብፍጹም ካብ ናይ ክርስትና እምነት ወጻኢ ከም ዝኾነ ብምቑጻር፣ ብናይ ኦርቶዶክስ እምነትን ስርዓትን ዝተጠምቀ ዘብለ ኩሉ፣ ከም ብሓድሽ ብናይ ሮማ ካቶሊክ ስርዓትን ልምድን ክጥመቕ።
2. ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስትያናት ከም ብሓድሽ ክነጽሃ። 
3. ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ዝርከቡ ታቦታት ክውገዱ። 
4. ቅዳሴ ብግእዝ ሙኳኑ ተሪፉ ብቋንቋ ላቲን ክቕየር። 
5. ናይ ኣጽዋማትን በዓላትን ደምቢ ብናይ ሮማዊት / ስርዓት ክሕደስ ወይ ክትካእ።  
6. ስጋ ሓሰማ ክበልዑ ምግዳ።   
7. ንነገስታት ኮነ መኳንንቲ ዘድልዮም ሂብካ ብምጥባር ኣብ እምነቶም ሸለልትነት ኣሕዲርካ ብንዋይ ምስዳዕን ብእኡ ኣቢልካ ብሓይሊ ነገስታት ንህዝቢ ምግዳድን። ነዚ እምቢ ዝበለ ድማ ነቲ ኣብ ሮማ ዝለመደቶ ደማዊ ስርዓት ብምትካል ናይ ፖለቲካ መልክዕ እንዳ ኣትሓዝካ ሰባት ክትሰቅልን ከተቃጽልን ክትሓንቕን ውራየይ ኢላ ተላዕለት። ስሩይ ዕላማ ዝብሉኹምስ ከምዚ' ኣይኮነን?
እንተኾነ! እንተኾነ! ከምቲ ባዕላቶም ኣብ መጻሕፍቶም ዝመስከርዎ፣ "በቲ ዘመን' ዝነበሩ ካህናትን ነገስታትን ኣፈፌት ቤቶም ዕጹው ብምንባሩ እዚ ዕላማ' ክሰምር ኣይከኣለን።"
ኣገናዕ ኣቦታትና በረኸትኩም ይሕደረና። ሰንኪ' ዘይክማህ እምነቶምን፣ ሰይጣን ዘይስዕሮ ጽድቆምን፣ እምነትና ኣይተናወጸትን።
 እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ተሃድሶ ጸገማት ንምእላይ ወይ ንዘሎ ሃጋፋት ንምምላእ ዘይኮነ፣ "ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝተተኽለ ሰማያዊ ጽድቂ ንምልኣት ድልየታቶም ዘይምችእ ንምድራዊ ሓሳቦም ድማ ዘይጥዕም ስለዝኾነ፣ ብዘለዎም ሓይሊ ክብንቁርዎ'ዮም ዝቃለሱ።" እምበር ኣብ ዓዲ ኣህዛብ ከይዶም እኮ ተሃድሶ ኣይኣወጁን፣ ኣብ ልዕሌና ኣብልዕሊ'ቶም ብወንጌል ዝደመቕና ደኣእምበር። ኣብ ልዕሊ'ቶም ወንጌል ተሓሪምዎም ምድሓን ዝጽበዩ ከይዶም' ወንጌል ኣየስተምሃሩን፣ ንዓና እታ ዘላትና ንምምንጣል፣ ንብርሃንና ከም ዘይ ብርሃን፣ ንወንጌልና ከምዘይ ወንጌል ሓሲቦም ካልእ ብርሃን እንሀልኩም በሉና። ንሰላምና ወሲዶም፣ ንመንገዲ ዓመጻ ኣመልከቱልና። ንእምነትና ዘንጢሎም፣ ናይ ጥፍኣት ዛንትኦም ሰበኹልና። እወ ክንዲ ከም ኣጋይሽ ብጽቡቕ ስነ-ምግባር ዝተቐበልናዮም፣ ብዓመጽ ገዝኡና። ኣብ ልዕሊ' ዝጠመየ' ርህራሄ ስለ ዘይብሎም ኣብታ ናይ ጥሜት ህሞት እምነትካ ክሓድ ከነኾልሰካ በልዋ። ኣብቲ ግዜ' ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ካብ ህዝባ ዝሰኣነቶ ረብሓ ኩሉ ካብ ካልእ ዓለማት ንምግባቱን ቅድስና ኣብያተ ክርስትያናትና ንምድራት ኣጥዕያ ዓየየት። ነዚ ንምፍጻም' እምበኣር ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ዝኣተወት። ብድሕርዚ እቲ ነቦታትና ዘሰክሓ ንገዳማትና ዝፈተነ፣ ኩላትና እንፈልጦ ......መግዛእቲ 60 ዓመት ሮማዊት መንግስትን፣ ሮማዊት ቤተ-ክርስትያንን ቀጸለ። መግዛእቲ ጥልያን ከላይ ናይ እምነት ወረራ ምንባሩ ንፈልጥስ ክንደይኮን ንህሉ?
የግዳ ሓንቲ ዕላል' ከዕልለኩም ናይ ሎሚ ዛዕባይ ክውድእ፣
 ሚስዮናውያን (ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ መራሕቲ) ናብ መሬትና ምስ ኣተው፣ ካብቶም ኣብቲ ግዜ' ዝነበሩ መራሕቲ ሓደ ተቐቢሉ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሓተቶም።
 ኣቱም ኣሕዋተይ ናብዚ ምድሪ እንታይ ክትገብሩ መጻእኩም ብደሓን ዲኹም? ቢሉ ምስሓተቶም ንሳቶም ድማ፣ ንሕና ወንጌላውያን ኮይንና፣ ወንጌል ክንሰኽ ኢና መጺናኹም በልዎ።
ወዮ መራሒ ነቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ክፍኣትን ናይ ተሃድሶ ተንኮልን ተረዲኡ፣ "ኣየ ንስኹም ንሕና ድኣ ናይ ገዛእ ርእስና መነኮሳት፣መማህራን፣ ካህናት፣ ድያቆናትን መዘምራንን ከለውና ነቶም ወንጌል ዘይተሰብኮም ግብጻውያንን ሱዳናውያንን ሰጊርኩም ናባና እንታይ ኣምጽኣኩም።" ብምባል ንወንጌል ብኻልእ ወንጀል ኣይተነውሩልና ብምባል ኣስተሓፊሩ ሰደዶም።...,. ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።
ብዲያቆን መሪሕ ጠዓመ (DM)
ይቅጽል……..

1 comment:

  1. kbur hawey sleti ab bietekrstiann ab kala egziabhiern zeleka tegedasnet egzabhier tsegu yebzehalka hade neger gn alo kbleka zedeli nezi ab bietkrstiana weridu zeloneger kntslyelu nab amlak rdana knbil dea ygbeana enber nzelo hagafat ab merbeb haberieta enda awtsaaka netom tmali abotatka znebreru enda tesarefka mkad mengedi krstos aykonen. hawey ab haymanot alena endabelna nebsna balna keynetfa kntnkek ygbana. nezi weridu zelo neger bfkri bthtna btagsti knfetho eu zgbeana. bzaseb kab nzareb bzaba nebsna nhseb hatyat seb kab mzrzar hatyatna nzerzr. Haymanotna nay fkri haymanot dea ember nay mtsraf nay msdad haymanot kem zeykonet nzekir. abotatna aynkay namenti kesadudu nkehadti eiom nabza haymanot amtsom euom halifom. Hawey ndekti frus tebahilna dea kntswa ntsar ember mefresti tebahilna keynkses ntenkekelu . sel kulu neger eziabhier ymesgen ab lbna yehdro.

    ReplyDelete