Saturday 26 July 2014

"እቲ ኢደይ ዘንብረሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቅበልሲ፡ ንዓይ ከኣ እዚ ሥልጣን እዚ ሃቡኒ" ግሓ 8፥19

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አዱ አምላኽ አሜን!
ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብገዛእ ፍቃዱ ንናይ ወዲ ሰብ ሞት ናብ ሕይወት ክልውጥ ናብ'ዚ ዓለም እዚ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ፡ ንቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ "ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንጻ እየ...." ብምባል ዝተዛረቦ ሕያው ቃል ኣብ ማቴ 16፥18 ነንብብ።

ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ 40 መዓልትን ለይትን ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጾሞሉ ግዜ፡ ንኣገልጉሎቱ ብስብከት ወይ ብትኣምራት ኣይኮነን ጀሚርዎ። ኣቀዲሙ ካብ 12ተ ነገደ እሥራኤል 12ተ ሓዋርያት ኣብ ዝወዓሎ ዝውዕሉ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓድሩ ቃሉ ዝምገቡ ንሱ ካብዛ ዓለም ምስተፈለየ ነዛ ብኃጢኣት ዝጸልመተት ዓለም ብርሃን ዝኾንዋ እዩ ኣቀዲሙ ብምምራጽ ንኣገልግሎቱ ጀሚሩ። ማር 1፡16።

ናይ ቤተ ክርስቲያና ጸጋ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸልና ዘይውዳእ ጸጋ እዩ ዘለዋ። ግና ኣምላኽ ብዝጸወዓናን ብዝፈቀደልናን ኢና ድኣ ነገልግሎ እምበር ንሕና ብዝደለናዮ ዓይነት ኣገልግሎት ኣይኮነን ንኣምላኽ ነገልግሎ /1ቆሮ 14/። ከምቲ ኣቦታትና ከምዝምስልዎ "ኩሉ ሰብ እንታይ ክትከውን ትደሊ ኢልካ እንተትሓቶ ኩሉ ንጉሥ ክኸውን" ምበለ ነይሩ ኢሎም ከም ዝመሰልዎ፡ ሎሚ ውን ኲሎም ጳጳሳት ክኾኑ ስለ ዝደልዩ ኣይኮኑን ጳጳሳት ዝኾኑ ወይ ካህናትን ድያቆናትን ዝኾኑ። ኣምላኽ በብዝፈቀደልና ጸጋ ከነገልግል እንተዘይተጸዊዕና ናትና ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ደረቅ ስእሊ ኣብ ቅድሚ ዓለም ግና ዝቀሳቀስ ቪድዮ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ "እቲ ኢደይ ዘንብረሉ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቅበልሲ፡ ንዓይ ከኣ እዚ ሥልጣን እዚ ሃቡኒ" ኢሉ ዝተዛረበ ሲሞን ዝብሃል ኮይኑ ኣብ ሰሜን ፍልስጠኤም ኣብ ሰማርያ ብናይ ጥንቁልና ስራሕ ዝነብር ዝነበረ ኮይኑ ታሪኹ ከምቲ ኣብ /ግሓ8፡13-24/ ተገሊጹ ንረኽቦ። ቀንዲ ንትምህርቲ ግኖስቲካውያን ከስፋሕፍሕ መገዲ ዝኸፈተ፡ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ መናፍቅ ኢላ ትጽውዖ ሰብ ኢዩ። ናይ ሲሞን እምነት (ኣተሓሳስባ) ኩሉ ዝፈጠረ ንኹሉ ክድምስስ ሓይሊ ዘለዎ ሓዊ እዩ። ሓዊ ክልተ ባህሪ ኣለዎ፡ ማለት ዝርአ ግዙፍ እዩ ግና ዘይጭበጥ ውን እዩ። ስለዚ ኣብ ሰማርያ ከም ኣብ፡ ብኣይሁድ ከም ወልድ፡ ብኣሕዛብ ድማ ከም መንፈስ ቅዱስ ኮይነ ዝግለጽ ዘለኹ መሲሕ ክርስቶስ ኣነ እየ። እንዳበለ ናይ "ምንታዌ" ትምህርቲ ዝምህር ዝነበረ ሰብ እዩ። ከም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝሕብረና ውን፡ ሲሞን! ንቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ሮም ደድሕሪኡ ብምስዓብ ዓይቢ ኣፍ ደጌ ናይ ክሕደት ዝኸፈተ ሊቀ ናይ መናፍቅ ከምዝኾነ ትምህረና።
ሲሞን ግና ክሳብ ክንድዚ ንቤተ ክርስቲያን ከሸግራ ዝኽኣለ ስለምንታይ እዩ? ኢልና ክንሓስብ ግድነት እዩ። ሲሞን ኣብ'ዚ ኲሉ ከብጽሖ ዝኸኣለ ነገር እንተሃልዩ ግና ዘይግብኦ ጸጋ ሓቲቱ ስለ ዘይተዋህቦ፡ እግዚአብሔር ከም ሓሳቡ ስለ ዘይከደ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም መስቀል ክርስቶስ ከም ባንዴራ ስለ ዘየንጠልጠለ እዚ ኲሉ ሓሳብ ስለ ዝፈረሶ ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ተላዕለ። እግዚአብሔር ግና ልብን ኮላሊትን ስለ ዝምርምር ንናይ ሲሞን ሓሳብ ኣሕፈሮ ድኣ እምበር ኣይሰወሮን። ሲሞን ኲፉእ ግብሩ ሒዙ ሓለፈ፡ ቤተ ክርስቲያን ግና ከም ጽሓይ ዝድምቀቶም ውሉድ ወለደት።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረና ንዓይ ስልጠነ ክህነት ይግብኣኒ እዩ። እንዳበሉ ንቤተ ክርስቲያንን ንኣገልገልታን ኣዝዮም ዘሸገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን፡ ንብሕጂ እውን ውሑዳት ኣይክኾኑን እዮም። ኣብ ቡሉይ ኪዳን ከምነንብቦ ንካህን ኣሮን ንዓኻ ጥራሕ ኣይኮነን ሥልጣነ ክህነት ዝግብኣካ ንዓና እውን ክህነት ይግብኣና እዩ፡፡ እንዳበሉ ንጸጋ እግዚአብሔር ብሓይሎም ክወስዱ ዝፈተኑ ከም ቆራሕ፡ ዳታን፡ ኣቤሮን ዝኣመሰሉ ምድሪ ተኸፊታ ከምዝወሓጠቶም ዘኁ16፡28-34 ይሕብረና። እቲ እግዚአብሔር ንንግሥነት ዝጸውዖ ኣነ! ንጉሥ ጥራሕ ክኸውን ኣይግብኣንን እዩ፡ ካህን ውን ክኸውን ይግብኣኒ እዩ። ብምባል ጽንሃ ሒዙ ብድፍረት ቤት መቅደስ ኣምላኽ ኣትዩ ክዓጥን ጀመረ፡፡ እንታይ ዓይነት መቅዘፍቲ ከምዝወረዶ ኣብዚ ንረኽቦ ሓቂ እዩ። 2ዜና26፥16-23 

ቅዱስ ያሬድ "ቅንኡ ለእንተ ትዓቢ ጸጋ" ከም ዝበለ ብዝዓበየ ጸጋ ክንቀንእ እግዚአብሔር ዝፈቅዶን ዝፈትዎን እዩ። እግዚአብሔር ፍቃዱ ኮይኑ ናብ ዝዓበየ ጸጋ ምስ ዘብጽሓና ከነገልግለሉን ንኣምላኽና ከነስምረሉን ንኽእል ኢና። እግዚአብሔር ከይፈቀደ ከም'ዚ ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና፡ ደቂ ኣንስቲዮ ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት...... ዝኣመሰለ ጸጋ ይግብኣና እዩ፡ እንዳበላ ኣብ ዝነብራሉ ዘለዋ ግዜ፡ ንሕና እውን ናይ'ዚ ምዕራባዊ ዓለም መንፈስ ሓዲሩና ክህነት ይግብኣና እዩ፡፡ ኢልና ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ነዕገርግረሉ ግዜ ካብ እግዚአብሔር እንቅበሎ መቅጻዕቲ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኸውን ካብ'ዞም ኣብ ላዕሊ ኣብነት ኮይኖምና ዘለው ክንምሃር ይግብኣና።

ቅዱስ ጳውሎስ ጵጵስና፡ ክህነት፡ ዲቁና ንዝኾነ ሰብ ከምዘይግብኦ ንጢሞጦስ ወዱ ኣብ ዝጸሓፈሉ ክታብ "ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ኃጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸንበር ንርእስኻ ብንጽሕና ሓሉ፡፡" ስለዚ ጸጋ እግዚአብሔር ብምህዋኽ ዝውሃብ ኣይኮነን። ከምቶም ቀዳሞት ኣቦታትና ዘጽንሑልና ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸን፡ ንመእመናን ዝሰጉግ ዘይኮነስ ብግቡእ ዝጓሲ፡ ብሕግን ሥርዓትን ዝጉዓዝ፡ ካብኡ ብዝዓብዩ ኣቦታቱ ተመሪሑ ዝኸይድ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተቃነየ ሰብ፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝለዓለ ጸጋ ተብጽሖ እያ። /1ጢሞ 3፡8-13/

ዓይቢ ሊቅ ናይ ቤተ ክርስቲያና ዮሐንስ አፈወርቅ ዝተባህለ ኣቦ ኣብ ነገረ ክህነት ዝብል መጽሓፉ ብዛዕባ ጉስነት ክዛረብ እንከሎ "ቅድሚ ኣባጊዕ ክርስቶስ ምጉሳይካ ጥሪት ናይ ኣቦኻ ክትጓሲ ይግብኣካ እዩ" ብምባል ይምህረና። ስለዚ ክህነት ብናይ መንፈስ ኣምላኽ ንኣምላኽ እተገልግለሉ ድኣ እምበር ኣነ ካብ መን ይሓምቅ ኢልካ እትማናጠለሉ ናይ በረኻ ዕንጨይቲ ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እንተተመልኪትና ኣብ 185 ዓ.ም ዝተወልደ ኣብ ግዚኡ ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቅ ዝነበረ ኦርጌንስ /Origen/ ዝተባህለ ምሁር ኣብ ትሕቲ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዲሜጥሮስ 203 ዓ.ም ናይ መምህሩ ቀሌምንጦስ ተኪኡ ክምህር ዝተሾመ፡ ን30 ዓመታት ዝኣክል ንቤተ ክርስቲያን ከምዘገልገለ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይሕብረና። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ግና ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ናብ ጽርዕ ዝብሃል ሃገር ኣብ ዝለኣኾ ግዜ፡ ኦርጌንስ ግና ናብ ዝተላእኾ ቦታ ገዲፉ ናብ ቂሣርያ ናብ ፍልስጥኤም ጉዕዝኡ ቀጸለ። ናብቶም ካብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝዘንበሉ እስክንድሮስን ቲዎክቲቶስን ዝብሃሉ ብምጽንባር ድማ ማዕርገ ክህነተ ተቀበለ። ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ዲሜጥሮስ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰመዐ ግና ንኹሎም ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ኣኪቡ ጳጳስ ብሕይወቱ ከሎ ኣብ ካልእ ቦታ ከይዱ ብሕቡእ ክህነተ ስለ ዝወሰደ ክህነቱ ውጉዝ ከምዝኾነ ቃል ወንጌል ኣመሓላለፈ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ውን ቤተ ክርስቲያን ንውግዘቱ ኣጽኒዓቶ ትነብር ኣላ።

347 ዓ.ም ዝተወልደ ቤተ ክርስቲያና ናይ ቅጽል ስሙ "አፈወርቅ" ኢላ እትጽውዖ ዓይቢ ኣቦ፡ 398 ዓ.ም ሊቀ ጳጳስ ናይ ቁስጥንጢና ኣብ ዝተሸመሉ ግዜ፡ ኣብ ዘመነ ኣገልግሎቱ ምስ ንግስቲ ኣውዶክያ እትብሃል በቲ ሕማቅ ተግባራ ስምምዕ ስለ ዘይነበሮም ከምዚ ክትብል ናብ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ መልእኽቲ ጸሓፈት "እዚ ሰብ እዚ ምሳይ ብስምምዕ ክነብር ስለ ዘይክእል ካብ ሥልጣኑ ከተውርድዎ ይነግረኩም ኣለኹ፡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ብንጉስ ኔሮን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ግፍዒ ሕጂ ውን ኣነ ክደግሞ እየ" ብምባል ናይ ምፍርራሕ ደብዳቤ ጽሓፈት። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰመዐ ናብ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ብምኻድ ክሰምዓ ከምዘለዎ ለመኖ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ግና እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ብዓይቢ ጸበባ እንተዘይሓልፉ ኣነ ክርስቲያን ክስመ ኣይምኽኣልኩን ብምባል ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ምስማዕ ኣበዮ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ግና ምስታ ንግሲ ዝሰማምዑ ሰባት ኢሉ ዝኣመኖም 5ተ ዝኾኑ ካህናትን ድያቆናትን ከም ዝሾመ እሞ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ ንቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብድፍረት ከምዝገሰጾን ነቶም ዝተሸየሙ ውን ከምዝወገዞምን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይሕብረና።

መጽሓፍ ቅዱስ ውን ብዛዕባ ናይ ክህነት ጸጋ ብኸቢድ ቃል ከምዚ ኢሉ የጠንቅቀና "ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸወዐ እምበር፡ ነዚ ክብርዚ ባዕሉ ክወስድ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን" ዕብ 5፡4። ስለ'ዚ ሕዝበ ክርስቲያን ከነስተውዕሎ ዝግብኣና ጸጋ እግዚአብሔር ተጸዊዕካ ዝውሰድ እምበር ካብ ሓደ ሊቀ ጳጳስ ሃዲምካ ናብ ሓደ ሊቀ ጳጳስ ከይድካ ትቅበሎ ኣይኮነን። ስለ'ዚ እዞም ናይ ሲሞን መንፈስ ዘለዎም ሰባት ንክህነት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክዕድግዎ እንተደለዩ ንሕና ደቂ ቤተክርስቲያን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ "ኣብዚ ነገር እዚ ክፍሊ ወይ ግደ የብልካን" ክንብሎም እታ ሰማያዊ መና እንዳ ኣብልዐት ተንብረና ዘላ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ጌይራ ትደግፈና።
 ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ !!!
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ

2 comments:

  1. egziabhier amlak nay agelglot edmekum ybark tebareku! bhaki agedasi guday eyu ezi bflay nezom abzi wtsae alem zelona! lomi khnet tetehabiom ab zey sinodosomn hagere sbketomn ab kaleot ahat abyate krstyanay enda kedu khnet enda wesedu eyom ezi dma kemzi tsihifkumlna zelukum SRAT BETE KRSTYANA aykonen, srat sle zykone dma eyu nay mfllay mknyat koynu zelo,, emo netom deqi simon nab lbom kmelsom neana netom ab haymanot zelena dma ezi terediena bmgbare haymonoy knkeyd egziabhier yehagzena,

    ReplyDelete
  2. Nay agelglot admekum agzabher ybark

    ReplyDelete