Monday 8 May 2017

ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ቤተክርስትያን መን እዩ?

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!

ፓትርያርክ ድዩ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ስልጣን ዘለዎ ወይ ቅዱሲ ሲኖዶስ እዩ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ስልጣን ዘለዎ፧

 ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 28)።

 ምስክር ኣለና’ዶ፧

o ቅዱስ ፓትርያርክ ሓደ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኑ፥ ኣበ ወንበር ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ እዩ። (ቃል ቃዋዲ ኣንቀጽ 28/ሀን ኣንቀጽ 92/ሀን)
o ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትርያርክ ክሸይምን ከውርድን ስልጣን ስለ ዝለዎ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ስልጣን ዘለዎ ኣካል እዩ። (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 30ሐ፥ ኣንቀጽ 89/ሀ-ሠ፥ ኣንቀጽ 93)

 እሞ ውሳኔ ናይ ቤተክርስትያን ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ድዩ፧ ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ፧

o ቅዱስ ፓትርያርክ ከም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ድምጺ ክህብ ይኽእል እዩ። ውሳኔ ግን ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝወሰንዎ እዩ ዝጸድቕ። (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 93)።

 እዚ ኣካይዳ ግን ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትራይ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ክልኦት ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ከመይ እዩ፧
o ኣንኮነን ኣብ ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ውን ዝልዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ።

 ምስክር ኣለና’ዶ፧

o ከም ኣብነት ናይ ኢትዮጲያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ከም ኣብነት ምስ እንርኢ ብ1991 ዓ.ም.ግ. ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝውጽኤ “ሕገ ቤተ ክርስቲያን ” ዝብል መምርሒ ከም’ዚ ይብል “በመንፈስ ቅዱስ የሚመራው ቅዱስ ሲኖዶስ የመንበረ ሐዋርያት ወራሽ ስለሆነ በቤተ ክርስቲያኒቱ የመጨረሻው ከፍተኛ ሥልጣን ባለቤት ነው፡፡” ትርጉም “ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ቅዱስ ሲንዶስ ወራሲ መንበረ ሓዋርታ ስለ ዝኾነ፥ ዝልዓለ ስልጣን ኣለዎ።” (ሕገ ቤተ ክርስትያን ኣንቀጽ 5)

o ኣብ ተመሳሳሊ መምርሒ ብዛዕባ መርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ ዝጠቅስ ኣንቀጽ ኣብ ኣንቀጽ 13 “የምርጫው አፈጻጸም ቅዱስ ሲኖዶስ በሚያወጣው መመሪያ መሠረት ይሆናል፡፡” ይብል። ትርጉም “ናይ ፓትርያርክ ምርጫ ኣፈጻጽማ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጸውጽኦ መምርሒ መሰረት ይኸን” ብምባል ልዕልናን ስልጣንን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ይገልጽ።

o ብዛዕባ ምስዓር ካብ መዓርግ ድማ ኣብ ኣንቀጽ 16 ናይ’ዚ መምርሒ “በተሾመበት ቀን የፈጸመውን ቃለ መሐላ ያልጠበቀ በአጠቃላይ ታማኝነቱና መንፈሳዊ አባትነቱ በካህናትና በምእመናን ዘንድ ተቀባይነትን ያጣ ሆኖ ቤተ ክርስቲያኒቱን የሚያስነቅፍ መሆኑ በትክክል ከተረጋገጠ በቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ከሥልጣኑ ይወርዳል፤ በምትኩም ሌላ ፓትርያርክ ተመርጦ ይሾማል፡፡” ትርጉም “ፓትርያርክ ኣን ዝተሸሞሉ ግዜ ንዝኣተዎ ቃል ዘይዕቅብ፥ ብሓፈሻ እሙንነቱን መንፈሳዊ ኣቦነቱን ብካህናት ኮነ ምእመናን ተቐባልነት ምስ ዝስእንን ቤተ ክርስትያን ዘንቅፍ ኮይኑ ብቅዱስ ሲኖዶስ እንተ ተረጋጊጹ፥ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ስልጣኑ ይወርድ። መተካእታ ድማ ካልእ ፓትርያርክ ይሽየም።”

o ኣብ ናይ ቅብጣዊት (ግብጻዊት) ቤተ ክርስትያን’ውን ኣብ’ቲ The Constitution and By-Laws of the Holy Synod of the Coptic church (ቅዋምን መምርሕን ናይ ቅብጢ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ) ዝብል መምርሒ ኣብ ኣንቀጽ 1 (article 1) ““The Holy Synod is the highest priestly authority in the Coptic Orthodox Church. Both the clergy and all the people are subjected to this authority.” (Article No. 4)። ትርጉም “ኣብ ቅብጣዊት ቤተ ክርስትያን ዝልዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ  እዩ። ኩሎም ውሉደ ክህነትን (ካብ ፓትርያርክ ክሳዕ ዲቁና ዘሎ ክህነታዊ መዓርግ ዘጠቓልል እዩ) ምእመናን ድማ ነዚ መንፈሳዊ መዓርግ ይምእዘዙ።”

 “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” (ግብ2:37)፧
o መጀምርታ ቅድሚ ኣፍና ምኽፋትና ኣእምሮና ክንከፍት በዚ ድማ ሕገ ቤተ ክርስትያን ክንፈልጥ ትግብኣና። ምኽንያቱ ንኹሉ ስርዓት ስለ ዘለዎ፥ ስርዓት ከትፈለጥካ ምዝራብ ግን ስርዓት ኣይኮነን። “ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።”(1ይቆሮ 14:40)።
o ነቶም እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስትያኑን ዝሸሞም ብጹኣን ኣቦታትና ተኣዚዝና፥ ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝወሰንዎ ውሳኔ ተገዚእና፥ ኣብ ቤተ ክርስትያና ክንጸንዕ ይግብኣና። “ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም” (ግብ 20:28)።
o እግዚኣብሔር ብጸጋ ብረዲኤት መሪሑ ንዓና ንደቆም ክጓስዩና ድማ ብጸሎት ምንቃሕ። ምኽንያቱ እዚ ሓደራ ኣቦታትና ስለ ዝኾነ “እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።” (ቆሎ 4:3-4)።

እዚ ክንገብር ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት፥ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት፥ ናይ ቅዱሳን ጸሎት ኣይፈለየና።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

Thursday 13 October 2016

ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒ ድዩ ወይስ መድኃኔ ዓለም፧

ሓደ ሓደ ወገናት፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኻ ገይርካ ተቐቢልካዮ፧ Have you accepted Jesus Christ as your personal savior? ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ (ውልቂ) መድኃኒኻ እንተ ተቐቢልካዮ ጥራይ ኢኻ ትድኅን፤ኪብሉ ንሰምዖም ኢና።


ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌርኩም ተቐበሉ ወይ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኻ ጌርካ ተቐበል፣ተባሂሉ ዝተሰብከ ሕዝቢ ኣሎ ድዩ፧ ወይውን ከምኡ ኢሉ ዝሰበኸ ወይ ዝመሃረ ሓዋርያ ኣሎ ድዩ፧ ወይ ድማ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒተባሂሉ ተጸዊዑ ድዩ፧ ንምዃኑ እዚ፡ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒ!” ዝብል ኣተሓሳስባ ካበይ እዩ መንጭዩ፧ ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

Wednesday 21 September 2016

ሠለስተ አእዋም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

ወዲ ዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት ምስ መላእኩ፡ ካብ ሥድራ ቤተይ ብምፍላይ፡ ንሕሊናይ ጥራይ ኣኸቲለ ካብ ቤተይ ወፃእኩ። ሓሳበይ ነዚ ዓለም እዚ ብምብራቕን ብምዕራብን፡ ብሰሜንን ብደቡብን እናዞርኩ ንምርኣይ (ንምምርማር) እዩ። ብምብራቕ ክዘውር ከለኹ መራሒ ነይሩኒ፤ ብምዕራብ ከኣ ፍርቂ መንገዲ ብመራሒ ዞርኩ። ብሰሜንን ብደቡብን ግና በይነይ እየ ዝዘውር ነይረ። ሕሊናይ ጥራይ ስንቀይ ተሰኪሙ ይስዕበኒ ነበረ። ንሱ’ውን ሓደ ሓደ ጊዜስ ኃዲጉኒ ይኸይድ ነበረ።

Monday 5 September 2016

ታሪኽ አቡነ ሴትን-ገዳሞምን!

ሎሚ ስለ ኣቡነ ሴትን ገዳሞምን ዝምልከት ጽሑፍ ብውሑድ መጠን በታ ዘላትና ዓቅሚ ካብቲ በረኸቶም ምእንቲ ክንሳተፍ ንኣንበብቲ ከነቅርብ ክንፍትን ኢና። 

ኤርትራ ሃገርና ብጥንታውነተንን ቅድስነአንን ቅርስታተንን ዝፍለጣ ብዙሓት ገዳማት እትውንን ሃገር’ያ። እዘን ገዳማት እዚኣተን ነናተን ታሪኽ ዝውንናን፤ ብዝተፋላለዩ ቅዱሳት አቦታትት መናንያን መነኮሳት ዝተገደማ እየን። ዝተገደማሉ ክፍለ ዘመን ድማ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን- ክሳብ ዓሠርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ምዃኑ፣አብ ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። ካብዚ ዝተጠቅሰ ዓመታት ጀሚረን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ተልእኾአን ክልግሳን ከገልግላን ከም ዝጸንሓ እሙን ነገርዩ። እንተኾነ ሎሚ ብዝሐን ቀኒሱ፤ ታሪኸን ሃሲሱ፤ ይርከብ አሎ!   ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሕብሮ ብዝሒ ገዳማተ ኤርትራ ልዕሊ ፫፻/300 ይበጽሕ ከም ዝነብረ’  እዩ። ሕጂ ግና ዝበዝሓ ጥፉኣት ከም ዝኾናን ከም ዝዓነዋን ገሊአን`ውን ናብ ገጠር/ዓዲ ከም ዝተቐየራ ይፍለጥ! እዚ አዝዩ ዘሕዝንን ዘስደምምን ኩነት’ዩ። ሓንቲ ካብዘን ናብ ዓዲ ዝተቀየራ ገዳማት ገዳም ደብረ ሐዋርያት እያ።