Friday 14 June 2013

ተጠንቀቁ!!!

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
 
ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን  ተባላዕኩምን ግና ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ  ተ ጠንቀቑ! (ገላ5፡15)

ኣሕዋተይ፣ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ካብቲ ሕያው ዝኾነ እግዚኣብሔር  ዘርሕቕ እኩይን ዘይኣምንን ልቢ ከይሕልዎ ተጠንቀቑ!!! ዕብ3፡12

ወይ ከምቲ ንሓንቲ  ግዜ ኺበልዕ  ኢሉ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ!ዕብ12፡16
ካብ ጸጋ ኣምላኽ  ሓደ እኳ ኸይወጽእ፣ ከምኡ  ውን መሪር ሱር ሰዲዱ ኸየጨንቐኩም፡ ንብዙሓት ከኣ ኸየርክስ ተጠንቀቑ! ዕብ12፡15

ኣንቱም ፍቁራተይ፣ ነዚ ድሮ  ትፈልጥዎ ኢኹም።እምበኣር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ከይትወድቁ ተጠንቀቑ! 2ይጴጥ3፡17

'ሓደ እኳ ከየስሕተኹም  ተጠንቀቑ!' ማቴ24፡4

ኢየሱስ ክርስቶስ  ሰብ ኾይኑ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተላዒሎም ኣለዉ።መስሓትን ፀረ ክርስቶስን ምሉእ ዓስቢ ኽትቕበሉ እንበር ነቲ ዝጸዓርክምሉ ምእንቲ ከይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ! 1ይዮው1፡7-9

ኣብ ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፣ ኣብ ባህሊ ሰብን ኣብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን ዝተመስረተ ኸንቱን መዐሸውን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ ሓደ እኳ ከይማርኸኩም  ተጠንቀቑ! ቆላ2፡8-9

ነቲ እግዚኣብሔር ብሙሴ ገይሩ ንድቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግታትን ፍርድታትን ተጠንቂቅኻ እንተሓሎኻዮ፡ ክቀንዓኻ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኣትይፍራሕ ኣይትሸበር። 1ይዜና-22፡13

ሓደ እኳ ነቲ ኽፉእ ዝገብሮ ብኽፉእ ከይፈድዮ ተጠንቀቑ! 1ይ ተሰ-5፡15

ንገዛእ ርእስካን ነቲ እትህቦ ትምህርትካን ተጠንቀቕ! 1ይጢሞ4፡16


ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
 
ወለመስቀሉ ክቡር
  አሜን።

No comments:

Post a Comment