Sunday 14 December 2014

እቲ ዘፍርህ ኣገልግሎት!

ጠባየይ ግዲ ምሒር ረቒቑስ ምንባረይ’ውን ትርጉም ስኢነሉ፡ ክርስትና ሓለፋ ጣዕሙ ናጽነቱ፡ ሓለፋ ናጽነቱ ድማ ክብረቱ ይዓዝዝ፡ ንዓይ ግና ምሒር ነዊሑኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ዘሎ ትዝታ መወዳርርቲ የብሉን፡ ንዕኡ ክዝክር ከለኹ እኳ ይሓይሽ እምበር ሎምስ ከም ውሉዱ ዝሰኣነ ህጻን ዝኽትምና ጥራሕ ኢዩ ዝፈታተነኒ ዘሎ፡ ትዝታይ ክዝኽር ከለኹ ቁሩብ እጸናናዕ፡ ናይ ትማሉ ጉያይ፡ ናይ ትማሊ ፍቅረይ፡ ናይ ትማሊ መዋዕልተይ፡ እቶም ብድኽነት ሓሊፎም ናብ ክብሪ ዝበጽሑ መጓይይተይ ክዝክር ከለኹ እሕጎስ፡ ንምንታይ ኣብ ትማሊ ዘይተረፍኹ ብምባል ድማ ምስ ፈጣርየይ ይማጎት። ንጽምዋይ ከም ሎሚ ጌረ ኣየስተማቀርኩዎን፡ እቲ ዘለኒ ኩሉ ተወሲዱ፡ ውሕስነት ምንባረይ ኩሉ ብፍርሃት ተዓብሊሉ፡ እንታይ ኢየ'ሞ ዝገብሮ፡ ዘይፍትን መዓስ ኾይነ፡ መዓልታት ምንባረይ ግና ምሒር ኣፍርሄናኒ፡ ኣገልግሎተይ እኳ ዓስቢ ዘለዎ ኾይኑ ኣይስመዓንን። ኣብ ልበይስ ፍርሃት እምበር ትብዓትስ ቦታ የብሉን። ነጸላይ ከልዕል እጠራጠር፡ መንገደይ ድዩ መንገዲ'ቶም ዘገልግሎም ብፍጹም ዘይቀንዐ፡ ሓሳበይ'ድዩ ሓሳብ'ቶም ዘገልግሎም ዘይጸረየ፡ ክንዲ ኣገልጊለ ዝሕጎስ፡ ክንዲ ዘሚረ ዝጸናናዕ፡ ብፋይዳ ኣልቦ ኣገልግሎት መመሊሰ ይዳኸም። ዘለኻኒ ንስኻ'ዶ ኣይኮንካን? ትማሊ ንዓኻ ኣሚነ'ዶ ኣይኮንኩን ዝወጻኩ? እተን ብሩኻት ኣኽናፍ፡ እቲ ዘይክማህ ትርኢትኻ ኣሚነ እንድየ ቤት-ኣቦይ ዝገደፍኩ። ሎሚ ግና ካብቲ ኣሚነ ዝተጸጋዕኩዎ ቤተ-መቅደስካ እቶም ልኡኻት ሳጥናኤል ከሳጉጉኒ በቲ ክፉእ ልቦም የወጣውጡለይ ኣለዉ። ፈቲኻኒ ኢኻ ንፍቅርኻ’ውን ቀሚሰዮ'የ፡ መርከበይ ኣብ ሕቚፊ ወደብካ የማዕቁባ ኣለኹ። ፈታውን ዘመድን መን ኣሎኒ ድዩ ብዘይኻኻ? ምረት ወንጌል ምዕርዓሩ (መከርኡ) መዓስ ከምዚ ኢለዮ፡ መከራ ዝዘመን ፍሉይ ዝገብሮ ዘይከም ናይ ትማሊ ኣብ ነንሕድሕድና ሙኻኑ'ዩ።


“ወይ ጉድ! ትማልን ሎምን መላቕቦ ስኢነለን'' ብምባል ኪኖ ቤተ-መቅደስ ኮይኑ ነቲ ካብ ላዕሊ ቤተ-መቕደስ ጀሚሩ ንምሉእ ማዓጹ'ቲ ቤት ብምሽፋን ንመሬት ከይተረፈ ብወለልትኡ ጋሪዱ ዝነበረ መጋረጃ ጨቢጡ ብምንብርካኽ፡ እቲ ኣገልጋሊ ዝርንዛሕ ይነብዕ ነበረ። ግዲ ኣብ መንጽሩ ምንባረይ ዘየስተብሃለለይ ኮይኑስ መመሊሱ ''ዕላማይ ንስኻ ኢኻ'' እንዳበለ ይንኽነኽ፡ ጀለምታ ንብዓቱ ዝእበድ ኣይነበረን። ዝተሰብረ ልቡ ንልበይ ተንከፈ፡ ንብዝሒ ፈተንኡ ምጭባጥ ስኣንኩሉ፡ "ወይ ኣገልጋሊ ዝረኽቦ" ብምባል ድማ ኣነኸ ንመን'የ ዝመስል እንዳበልኩ ነቲ ከይተፈለጠኒ ዝከዓኹዎ ንብዓተይ ደረዝኹ። ሃንደበት መሊሱ ከኣ ይውስኽ'ሞ ጐይታየ! ከሉ ከምቲ ዝተጸበኸዎ ኾይኑ ዘይጸንሓኒ ኣይብልን'የ፡ ዓለም ንዓኻ ከምኡ ስለዘይጸንሓትኻ። ጐይታየ! ንምንታይ ኢዮም ንጾረይ ዘይተቀበሉኒ ኣይብልን'የ፡ እቲ ምንታይ'ሲ ጾሮም ንኽጸውር ንዓይ ምሰል ስለ ዝበልካኒ። ምንዋሕ ግዜ ብመከራ ግና ንተስፋይ ከየቕህሞ ኣታ ጸላኢየይ ኣይተድክመኒ ክብል ፍቐደለይ። ኣገልገልትኻ ሎሚ ካብ ናይ ኣህዛብ ኣጻብዕ’ሲ፡ ናይ'ቶም ዝሃብካዮም ስምብራት'ዩ ጸኒዕዎም ዘሎ። 
ህዝበይ ሰኣን ፍላጥ ይጠፍእ ኣሎ ዝብል ቃልስ ሎሚ ምኽንያት ክኸውን ምተገብኦ'ዶ ይመስለኻ ጐይታየ? ብምባል መሊሱ ከም ነብይ እግዚኣብሔር ኤርምያስ ኣብ ፊት'ቲ መሰውኢ ኮይኑ ይዛረብ፡ መሊሱ ድማ ጐይታ መልሰለይ እንዶ? እንሰብኮ ስብከት ዓይነት ከውጽኡሉ፡ ህዝብኻ ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጸ መልእኽቲ ኣይትንገረና ይብሉ'ለዉ። ሓለፋ ሰብኡት ኣንስቲ ኣብ ልዕለይ ተንስኣ፡ ነውሪ ከም ስልማት ግርምአን ገበርኦ፡ ድዩ ዝበለ'ቲ ነብይ፡ እቲ ገና ናብ ምድሓን ገጹ ዘይተሳገረ ህዝቢ እልል እንተበለ ነየናይ እምባ ኢዩ'ሞ ከፍርስ?
 ኢየሱስ!!!!!! ስምካ ኪኖ መጸውዒ መድሃኒት ሙኻኑ ንዓን'ዶ ንገሮም። ጐይታየ! ናትና ናይ ኣገልገልቲ ሓጢኣትን ክፍኣትን መዓስ ዘንጊዐዮ፡ ንሕናን እዚ ብስምኻ ዝተሰምየ ህዝብን ግና ከብድን ሕቖን ዄንና። ናብ መንጎ'ዚ ንኽፍኣቱ ከም ጽዋእ ዝጭልት ሕሱም ወለዶ ኣገልጋሊካ ጌርካ በትሪ ወንጌል ኣትሒዝኻ ልኢኽካኒ ኢኻ እሞ ጐይታየ! ኣበርትዓኒ። ንዓይ’ውን ሕጸበኒ! ኣይተገደድኩን ፈትየ ኢየ ኣቤት ዝበልኩኻ፡ እንዳበለ በቲ ተዓጢቕዎ ዝነበረ ነጸላ ገጹ ሸፈነ፡ ኣብ መንጎ ኣገልጋልን ተገልጋልን ዘሎ ውጻእ ውረድ ዘድከሞ'ዩ ዝመስል። መመሊሱ ከኣ ነቲ ገባር ክፉእ መሬት እንዳ ጠብጠበ ብስም ኣምላኹ ይረግሞ። ኣብ’ታ ዘገልግለላ ቤተ-መቕደስ ተዛማዲ ሰላም እኳ ይኹን ከም ዘየለ በቲ ካብ ልቡ ዝወጽእ ዝነበረ ቃላት ሰሚዕካ ክትርዳእ ኣይእግመካን'ዩ። "ወእንዘ ኢሃሎ ሰላም በማእከሌሆሙ ይብሉ ሰላም፡ ሰላም ውእቱ" ዝብል ቃል ዘኪረ ኣብ’ታ ዘገልግለላ ቤተ-መቕደስ ንዘለዉ ህዝብን ኣገልገልትን ዘኪረ ኦ ጐይታ ነታ ብደምካ ዝተኸልካያ ፍቕሪ እሞ ንእሽተይ ዘትረፍናያ በረኸት ሓልወልና ብምባል፡ እቲ ኣገልጋሊ ብድንኑ፡ ምስ ገበታ ንብዓቱ ከይተጸናንንዐ፡ ሓንሳብ እንዳሰገደ፡ ሓንሳብ እንዳ ለመነ፡ ኣብ’ቲ ጽሙው ቤተ-መቕደስ ገዲፈዮ በታ ናብ ደቡብ እትርኢ ኣፍደገ በሪ ኣቢለ ንግዳም ብምውጻእ፡ ነቶም ኣፍደገ ኮይኖም ዳዊቶም ዝደግሙ ዝነበሩ ካህን/ቀሺ  ተሳሊመ፡ እዞም ኣቦ’ውን ብዕኡ ሓሊፎም ይኾኑ ወረ ኣብ ከምኡ ይህልዉ እንዳበልኩ፡ በቲ ማንም ዘይርእዮ ናይ ኣገልገልቲ ብኽያት እንዳ ተገረምኹ፡ ንስኻ'ውን ምጽንናዕ ናብ ልቦም ልኣኽ ብምባል ኣብ መጨረሽታ'ቲ ቤተ-ክርስትያን ንዝነበረ ማዕጾ ተሳሊመ ናብ ቤተይ ኣምራሕኩ። ‘’መከራ'ዚ ዘመን ግና ነቲ ኣባና ክግለጽ ኢሉ ዝመጽእ ዘሎ ኽብሪ ከም ዘይመዓራረዮ ኣጸቢቐ ይኣምን’የ’’ ዝብል ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ግና ብፍጹም ካብ ኣእምሮይ ምእላይ ኣበየ መመሊሱ’ውን ንልበይ ኣናወጾ ወይ ጳውሎስ ለካ ነዚ ፈሊጡ'ዩ ስለጽባሕ ዝተነበየ፡ ወይ ጉድ ኣየ ኣገልጋሊ ዝረኽቦ!!!!!!!! 
DM

No comments:

Post a Comment