Wednesday 10 December 2014

ጣቋ ዘረባ መሲልኩም ወይስ ሕዱር ሕማም እዩ ምዕጋስ ኣቢኩም!!!


††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

(መሠርያን ተሓድሶ) ሕጂ ውን ዝሓደረ መርን ዝተለዓሎም እዮም ዝመስሉ። ናይ ቤተክርስቲያና ጉዳይ ብሩህ ተስፋ ኣብ ዝህበሉ ዘሎ ግዜ፡ እንሆ ናይ ርእሲ ሕማም ክፍወስ ቀሪቡ እንዳተባህለ። ደስ ዘይበሎ ክፋል ኣካል ክርከብ!!! ሙኳኑ ዘንሥር ዮሐንስ ምሳና ኣይኮኑን ኢልዎም እንድዩ።

(መሠርያን ተሓድሶ) እንሆ ሕጂ`ውን ቃል ሓርበጃ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ``መጽሐፍ ርኵስ`` እዩ ንዝበልዎ ናይ 2005 ከም ጣቋ ዘረባ ክደጋግምዎ ኢና ዝበጽሓና ንዕዘብ ዘለና። 

ኣብ ኦሪት ኣንበሳ፣ ተዅላ፣ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዝቀተሎ ኹሉ ንመስዋእቲ ክቀርብ ኣይኮነን ክብላዕ ከማን ዝተኸልከለ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ  +እንስሳ ዝተባህሉ (ኣጋንንት፣ ርኩሳት መናፍስት፣ መናፍቃን፣.... ብኣቶም ዝተሰውኣ ኩሉ ኣሽንኳይ ንእግዚኣብሔር ምቅራብ ንሕና ንምትንካይ ከማን ምርካስ  ማለት’ዩ። 

‘’እንስሳ ዝተጻወተሉ ኣይትተንኪ’’ ዝብል ንባብ ይርከቦ፣ እዚ ናይ መናፍቃን ትምህርትን መንገድን ዝተኸተለ ብናቶም ወሓይዝ ተኸቲሉ ዝተዓሸወ ስለ ዝኮነ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር  ብሁግ መስዋእቲ ኣይኮነን። ንሕና ግን ፈጺምና ከይንትንክፍ ተኣዚዝና ኢና፡ እሞ! ምሓዝ ድማ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ጽድቂ መሳርሕን፡ ናይ ሓጢኣት መሳርሕን ስለ ዝፍለ፡ ነዚ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ዝጸሓፈልና፦

'' መኑ ዘያስተዐርያ ለጽድቅ ምስለ ሓጢኣት፡ ወመኑ ዘየሃብሮ ለክርስቶስ ምስለ በለሆር፡ ወመኑ ዘደመሮ ለብርሃን ምስለ ጽልመት፡ መኑ ዘይከፍሎሙ ለመሃይምናን ምስለ ምኑፉቃን፡ ወመኑ ዘይደምር  ታቦተ እግዚኣብሄር ውስተ ቤተ ጣኦት''

ማለት ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፡ ወይ ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት  እንታይ ሕብረት ኣለዎ፡ ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፡ ኣማኒ ምስ ዘይ ኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፡ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ።  /2ይ ቆሮ 6፡14-16/

 ስለዚ ሕዝበ ክርስትያን ~ሽሙ እሞ እዚ እንድዩ ዝብል ፍልልይ እኳ ዘይብሉ፡ መስቀል ኣለዎ እንድዩ፡ እገለን እገለን ኣብ ምጽሓፍ ተሳቲፎም እንድዮም ወዘተ..... ብምባል ከይንጋገ ዉን ሓቀጃ መጽሐፍ ቅዱስ  ሓደ ታሪክ ገዲፉልና እዩ።
 ኣብ (ግብሪ ሃዋርያት 16፣16) ጀሚሩ እነንብቦ ሓደ ታሪክ ኣሎ እታ መንፈስ ድያብሎስ(ጥንቆላ) ሓዲርዋ ዝነበረት ሰበይቲ ደድሕሪ ሐዋርያት አንዳ ሰዓበት ‘’እዞም ሰባት እዚኦም ኣገልገልቲ ልዑል ኣምላክ እዮም፣ መንገዲ ምድኃን ከኣ ይምህርኹም ኣለዉ እንዳበለት ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት ይብል። ቀጺሉ ጳውሎስ ድማ ድኅሪ ነዊሕ ምጽማም ግልጽ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብኣ ክትወጽእ ብስም ኢየሱስ እእዝዘካ ኣሎኩ በሎ በታ ጊዜ እቲኣ ውን ወጸ ይብለና’’ ስለዚ እቲ ትብሎ ዝነበረት ብደገ ንዝርእዮ ወላሓደ ስሕተት ኣይነበሮን ቀጺልና ብዝራእናዮ ግን ኣብ ውሽጣ ሓዲሩ ዘዛርባ ዝነበረ ድያብሎስ እዩ ነዚ ውን ቅዱስ ጳውሎስ ‘’(እስመ ለሊሁ ሰይጣን ይትሜሰል መልኣከ ብርሃን)’’ እሱ ገዛእ ርእሱ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ (2ቆሮ 11፣14) ዝበሎ የብርሃልና ይምልሰልና። ስለዚ ካብ ኩሉ ዝከበረት ልዕሊ ኩሉ ዝኮነት ቅድስት ቤተክርስቲያን እያ አሞ በዚ መልክዑ ዘይተበላሸወ ፍሉይ ዝኾነ ጸሎት፡ መጽሓፍ፥ መዝሙር(ምስጋና) ሞባእ ቁርባን ነቅርብ።

ነዚ እዩ /ካብ 130-200 ዓ.ም/ ሄሬኔዎስ ዝተባህለ ሊቅ ‘’ ብሓቂ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ቀልቲፉ ተራእዩ፣ መታን ከይግለጽ ዕርቃኑ ፈጺሙ ኣይቆውምን፣ ነገር ግን መስሓቢ ዘለዎ ክዳን ብብልሒ ተኸዲኑ ኣብ ደገ ጸቢቁ ይርከብ፣ ዝዓሸወ ሰብ እንተ ረኺቡ ንምትላል ካብ ሓቂ ንላዕሊ ሓቂ መሲሉ ይርኣይ’’ ብምባል ይገልጾ።  

ኮይኑ ግና ሓደ ክንላበዎ እንደሊ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፤ ነንዝተነስነሰ እሾኽ ካብ ምእላይ፤ ነንዝበቖለ እሾኽ ካብ ምምንቋስ፤ ነቲ ነስናስን ተኻሊ እሾኽን ክንነቕሓሉን ዝግባእ ምዃኑ እዩ። ኣይኮነን ግና 'ምስ እሾኽ ተጸገዐ ቆልቋል …' ብዝዓይነቱ ናብራ ክንሳቐ ክንነብር ኢና።

https://www.youtube.com/watch?v=ONevo1O9n5k&feature=share 
 

No comments:

Post a Comment