Tuesday 4 February 2014

“ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ኤፌ 4፡32


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ይቕሬታ እንታይ ኢዩ?
ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቂም ካይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ይቕረ ወይ ይትረፍ ይረሳዕ ከም ዘይኮነ ይኹን ማለት ኢዩ። መንፈሳውያን ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታትና ክምህሩና ከለዉ “ይቕሬታ ማለት ንዝበደልካዮ ሰብ ኬድካ ይቕረ በለለይ ማለት ዘይኮነስ ንዝበደለካ ሰብ ይቕረ በለለይ ንኽትብድለኒ ኣነ ኢየ ደፋፊአካ ወይ ከኣ ንዝተበደልካዮ በደላት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምግዳፍ ማለት ኢዩ” ይብሉና። ሰባት ብዙሕ ጊዜ ይቕረ ምእንቲ ክብሉ ዘቐምጥዎ ቅድመ ኩነት ኣሎ ንሱ ድማ ዝተበደሉዎ በደል፡ ሽዑ ዘጋጠሞም ናይ ሞራል ውድቀት፡ ሽዑ ንዝከሰርዎ ክሳራታት፡ ኽብሮም ......ወዘተ ነዞም ነገራት እዚኦም ኣብ ንጸባጸበሉ ጊዜያት ግን ንገብሮ ዘለና ይቕሬታ ዘይኮነስ ናይ ሞራል ኻሕሳ ኢዩ፡ ይቕሬታ ግን ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰነፍ ሓሳባት ዝረሓቐ ናይ ኣምላኽ ህያባት ኢዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ”ኤፌ 4፡32 ኣብዚ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስና ዘቐመጠልና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና ውን ኢዩ፡ እቲ ቃል ከምቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም” ኢዩ ዝብል። ኣብዚ ክፍሊ እዚ እንበኣር ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ክንፍትሽ ኢና፦


ኣምላኽ ብኽርስቶስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ይቕረ ኢሉና?
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ ከምዚ ብምባል ብዘደንቕ ኣገላልጻ የቐምጠልና “ንስካትኩም ቀደም ብበደልኩም ምውታት ነበርኩም።ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ ሓለቃ ገዛእቲ ኣየርን ትእዘዙ ነበርኩም ቀደም ንሕና ውን ኩልና ከምኦም ትምኒት ስጋና እንዳፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ሰባት ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረቱ ሃብታም ዝኮነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ ንኣና ብበደልና ምዉታት እኳ አንተነበርና ምስ ኽርስቶስ ህያዋን ገበረና፡-ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም”ኤፌ 2፡1-5 እወ ኣምላኽ ነቶም ንኽብሩ ዘይንበቅዕን ንኣምላኽነቱ ብምስሊ ዝተፈላለዩ ኣምልኾታት ለዊጥና ነሕዝኖ ዝነበርና ሰባት ኢዩ ኣፍቂሩና እወ ነቶም ምዉታት ዝነበርና፡ እዚ ሃዋርያ እዚ መሊሱ እውን ከምዚ ይብለና ኣሎ “ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስለን። እንድዒ! ኣብ ኽንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኪመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን። ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ እሞ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” ሮሜ5፡7-8 ይብል እስኪ ኣብዚ ነስተዕል ክርስቶስ ይቅረ ክብለና ከሎ ከመይ ዓይነት ሰባት ኔርና ነየናይ መንነትና ኢዩኸ ገለ ከም ዘይንፈልጥ ብጹኣት ገይሩ ዝተቐበሎ? መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝምልሰልና
ምዉታት ኮለና
ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲ እንነብር ሰባት ኮለና
ነቲ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንእዘዝ ኮለና
ትምኒት ስጋና ንፍጽምን ብሓሳብናን ድሌትናን ንነብርን ጸላእቱ ኮለና
ኢዩ ኣምላኽ ይቕረ ኢሉና። እንበኣር መጽሓፍ ቅዱስና ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣብዚ ንኽብሩ ዘይበቕዕ ዓለም ትነብሩ ሰባት ኮለኹም ኣምላኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩም እውን ብዘይ ቕድመ ኩነት ብዘይ ቕጥዕታት ብዘይ መለክዒታትን ካሕሳታትን ይቕረ ተበሃሃሉ ማለቱ ኢዩ።
ይቕሬታ ንምንታይ የድሊ?
ደቂ መዛምርቱ ንጎይታ መጺኦም ጎይታ ጸሎት መሃረና ክብሉዎ ኮለዉ ኣብ ዝመሃሮም “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ማቴ 6፡9፡13 እትብል ጸሎት ሓሙሽተ መሰረታውያን ነገራት ንረክብ ኢና፡ እታ ሓንቲ ካብእተን እንበኣር ነዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ቕድስና መሰላል እንሳለየሉ ይቕሬታ ኢየ ተመልክት “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” ማቴ 6፡12 ንሕና ንዝበደሉና ሰባት ብዝሓደግናሎም መጠን ኣምላኽ ድማ በደልና ይሓድገልና ንሕና በደል ናይ ደቒ ሰባት ብዝሓዝናዮ መጠን ድማ ኣምላኽ በደልና ይሕዘልና ማለት ኢዩ። ነዚ ኢዩ ከኣ እቲ ናይ ሰላም ኣዋጅ ሒዙ ዝመጸ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ጎይታ ከምዚ ዝበለና “ንሰብ በደሎም እንተሓደግኩምሎም ንኣካትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ኽሓድገልኩም ኢዩ፡ ንሰብ በደሎም እንተዘይሓደግኩምሎም ግና ንእካትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይክሓድገልኩምን ኢዩ” ማቴ 6፡14-15 እንበኣር ይቅሬታ ካብ ዘድልየሉ መሰረታዊ ነገራት ሓደ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ምርካብ ኢዩ። ደቂ እስራኤል ብዙሕ ጊዜ ምስ በደሎም ከለዉ ጾይሞምን ጸልዮምን መዓቶም ስለዘየቑረሩ ናብ ኣምላኾም ጠርዑ እሞ ኣምላኽ ከምዚ ክብል መለሰሎም “ኣይፋልኩምን ንኣኻትኩምን ንእምላኽኩምን ኣብ መንጎ ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም ኢዩ ካይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቕድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚኣብሔር ዝሓብኣልኩም ዘሎሲ ሓጢኣትኩም ኢዩ.......... ንመገድኹም ትጠዋውዩዎ እቲ ብእኡ ዝኸይድ ፡ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን” ኢሳ 59፡1-8 በሎም ናይዞም ሰባት መሰረታዊ ሽግር ሕድገት ዘይምግባር ወይ ድማ የእዳውካ ዘይምንጻህ ኢዩ ስለዚ ካብ ኣምላኽ ስርየት ሓጢኣት ዝደሊ ዘበለ ንሰባት ብዘይ ዝኾነ ተጉላባነት ይቕረ ክብል ይግባእ።
ብተወሳኺ ይቕሬታ ስጋዊ በረኸታት ንኽንረክብ ይገብረና፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ሕራይ እንተኢልኩምን እንተተኣዚዝኩምን ምድሪ ተፍርዮ ሰናይ ዘበለ ክትበልዑ ኢኹም” ኢሳ 1፡18 ይብለና ሕራይ ዝበለ ዝተሰማመዐ በረከት ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ኣይጎድሎን ኢዩ። ኣምላኽ ዘይባረኾ ነገር ከንቱ ከም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ክብል ይገልጸልና “ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሃነጻ ሃነጽቲ ንከንቱ ይጽዕሩ ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሓለዋ ሓለውቲ ንኸንቱ ይነቕሑ” መዝ 127፡1 ስለዚ ካብ ትእዛዛቱ ሓንቲ ዝኾነት እንበኣር ነንሕድሕድና ንኽንፋቐርን ንኽንተሓቛቖፍን ኢዩ 2ይ ዮሃ 1፡5። ነዛ ትእዛዝ ኣምላኽ እዚኣ ብዝሓለናያ መጠን ድማ ምድሪ ተፍርዮ ሰናይ ዘበለ ንረክብ። ኣብዚ ክነስተውዕለሉ ዘለና ነጥቢ ምድሪ ተፍርዮ ክበሃል ከሎ ኣብ መሬት ዝፈረየ ኩሉ ዘይኮነስ ነቲ ሰናይ ዘበለ ጥራሕ ከም ዝህበና ኢዩ እቲ መሓሪ ኣምላኽ ዝነግረና ዘሎ። ኮይኑ ግን ነቲ ትእዛዝ ናይዚ መሓሪ ዝኾነ ኣቦናን ሕያዋይ ጓሳና እግዚኣብሔር ክፍጽሙ ንዘይደለዩ ሰባት ከምዚ ኽብል የዘክሮም “እንታይ ወሪዱኩም ከም ዘሎ እስኪ ኣስተውዕሉ ብዙሕ ዘራእኩም ሒደት ኣእቶኩም፡ በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረወኹምን፡ተኸደንኩም ኣይሞቕኩምን፡ እቲ ንውዕለቱ ዘእቱ ንመነባብሩኡ ዝኸውን ኣየዋህልልን” ሓጌ 1፡6-7 ብምባል ነቶም መቕደስ ኣምላኽ ዓንያ ኮላ ኣብ ስሉም ኣባይቲ ክቕመጡ ዝደፈሩ ሰባት ይዛረብ። እንበኣር ንሕናውን ኣብ ልብና ዝሰፈሩ መቕደስ ኣምላክ ብዝተፈላለዩ ሓጣውእ ኣዕኒና ደጋዊ ጽባቔን ጥራሕ እንተሰለምና ዕጫና ካብዚ ዝፍለ ኣይክኸውንን ኢዩ።

ይቕሬታ ክሳብ ምንታይ?
ይቅሬታ ክሳብ ምንታይ ኢዩ? ገደብከ ኣለዎ ዲዩ? ብዙሕ ጊዜ ሰባት ይቕሬታ ንኽሓቱ ኮነ ንኽሕተቱ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘቐምጡዎ መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ቕድሚ ኣሽሓት ዕመታት ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቲቱዎ ነይሩ “ጎይታይ ሓወይ እንተበደለኒስ ኽሳብ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብሎ ክሳዕ ሾብዓተዶ? ኣብዚ ክፍሊ እዚ እዚ ሃዋርያ ዝሓተቶ ሕቶ ሰብሲ ይብድል ኢዩ እሞ ሾብዓተ ጊዜዶ ይቕረ ክብለሉ ወይሲ ከመይ ይሓይሽ መቸም ዓቅምና ትፈልጦ ኢኻ ...ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ ዝመስል ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ግን ጎይታ ክምልሰሉ ከሎ ከምዚ ኢዩ ዝበሎ “ኢየሱስ ድማ ክሳብ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እንበር ክሳዕ ሾብዓተስ ኣይብለካን ኢየ” በሎ ማቴ 18፡21-24 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ ቁጽሪ ሾብዓተ ንፍጹም ነገር መግለጺ ኮይና ኢያ ተገልግል እምበኣር መልሲ ናይ ጎይታ  ከምቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮ ብቁጽሪ ሾብዓተ ጊዜ ዘይኮነስ ኣነ ግን ፍጹም ይቕረታ ክትብል ይእዝዘካ ኣለኹ ዝብል ነበረ።
ይቕሬታ ዘይስዕሮም ነገራት የለዉን ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ደንዳኒን ከም ከውሒ ምንቅስቃስ ኣብዩ ዝነበረ ልቢ ከንቀሳቅሶ ኮነ ክሰብሮ ዝኽእል ይቕሬታ ጥራሕ ኢዩ።ንሰባት ይቕረ ብዝበልናሎም መጠን ክልተ ነገራት ኢና ንገብር ዘለና መጀመርያ ንነብስና በረኸት ምርካብ ክከውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ሰብ ካብ ናይ ሞራል ውድቀት ኣልዒልና ንዝበለጸ ሓድሽን ሰላማዊ ሂወትን ነዳልዎ ኣለና ማለት ኢዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኮይኑ ድማ ዘይተኽኽ የለን ይብሉና። ሰብ ምብዳል ክጅምር ከሎ ንመጀመርያ ዝብድሎ ንርእሱ ክኸውን ከሎ ከምኡ ድማ ይቕረ ክብል ከሎ ንመጀመርያ ዘርብሕ ንነብሱ ኢዩ፡ ከመይሲ ምናኣልባት እቲ በዲሉና ንብሎ ሰብ ንዝበደለና ነገራት ካብ መሰረቱ እውን በደል ከምዝኾነ ዘይፈልጠሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ተቐያሚ ሰብ በዞም ኣጋጣሚታት ንነብሱ ጥራሕ ኢዩ ዝጎድኣ ንነገራት ኣብ ዝሓድገሉ ጊዜ ግን ነቲ ሰብ ይምህሮን የረድኦን ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የልቦን “ 1ይ ነገ 8፡46 ነዚ ኢዩ ድማ ጎይታ ነታ ሕጊ ኣፍሪሳ በዲላ ንኣምላኽ ኣቖጢዓ ብምባል ክፈርዱዋ ናብ ጎይታ ዘምጽኡዋ ዘማዊት ምስ ረኣየ እቲ ዘይበደለ ኢዱ የንብረላ ዝበሎም ዮሃ 8፡1 ስለዚ ከምቲ ንሕና ሰባት በዲሎምና ኢልና ንሕንሕኖ ንሕና ውን በዲልና ካይንኸውን ርእስና ኽንፍትሽን ክንምርምርን ከምኡ ድማ ዋላ ንሰባት እንተዘይበደልና ንኣምላኽ ዝበደልናዮ በደል ስለዝህልወና ምእንቲ ካብ ኣምላኽ ስርየት ክንቕበል ንሰባኣት ይቕረ ክንብልን ይግብእና።

መጠቓለሊ
‘’ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ንሰናይ ከኣ ሓዝዎ ኣብ ነንሕድሕድኩም ምዉቕ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃልኹም ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ” ሮሜ 12፡9-10 ከም ዝበለና መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕርና ብነገራትን ብምልክት ሕቶታትን ዝመልአ ዘይኮነስ ፍጹም ግብዝና ዘርሓቐ ክኸውን ይግብእ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ክልተ ኣማራጺታት ኢዩ ዘቐምጠልና ንሳተን ከኣ
1ይ “ሕነ ምፍዳይ ናተይ ኢዩ ኣነ ክፈድዮ ኢየ ይብል እግዚኣብሔር”ዘዳ32፡35 ዝብል ክኸውን ክውሎ እዚ ፍጹም እግዚኣብሔር ይበቀለለይ ኣነ ሕነይ ኣይፈድይን ኢየ ኢልካ ምሕሳብ ኢዩ።
2ይ “ጸላኢኻ እንተጠመየ ኣብልዓቶ እንተጸምአ ውን ኣስትዮ እዚ ብምግባርካ ከም ብጉሁር ሓዊ ከተንድዶ ኢካ ነቲእከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እንበር በቲ እከይሲ ኣይትስዓር” ሮሜ 12፡20 ዝብል ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ንነገራት ርሒቕካ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጦም ኮይንካ ክትገብሮም ዝመርሕ መንገዲ ኢዩ ካብዞም ክልተ ኣማራጺታት ወጻኢ ግን ንኣምላክ ዘይምእዛዝ ኢዩ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ድማ ካብ ንድሪ በረኸት ካብ ሰማይ ድማ ምሕረት ዘርሕቅ ስለዝኮነ ካብዚ ንክንርሕቅ ኣምላኽ ብምሕረቱ ይደግፈና
ሓደ እኳ ተዓሚጹ ከሎ ምእንቲ ኣምላኽ እንተ ተዓገሰ ብኣምላኽ ቅቡል ኢዩ............ ንስኻትኩም እውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ ኣርኣያ ውን ሓደገልኩም “1ይ ጴጥ2፡18-21
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!!!

No comments:

Post a Comment