ወቅታውን ኣገዳሲን ዜና ቤተክርስቲያን

ሻሙናይ ሽሕ ዝቀረበ ይመስል

ሓሶት ነጊሳ ሓቂ ንኽትመስል

ሓጢኣት ዓብሊሉ ሰባት ንኸታልል

ኣሕዋት ኣይንዓሹ ኩልና ነስተውዕል



ሓሰውቲ ነብያት ግዜኦም ኣኺሉ

ፈቀዶ መንገዲ ቆይሞም ዘታልሉ

ካብታ መንገዲ ሓቂ ፍጹም ዝኾብለሉ

መዋርስቶም ከይገብሩና ንጠንቀቀሉ

ሎምስ በዚሑ እቲ ድፍረቶም

ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ግዲ ዘንጊዖም

ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ ኮይኑ ልሳኖም

የድሕነና ካብ ሰሪ መዓቶም

ቅዱስ ገብሪኤል መጺኡ ዘበሰራ

ንጽሕተ ንጹሓን ኢኺ ኢሉ ዘኽበራ

ንጹህ ባሕሪ ወልደ እግዚኣብሄር ዝሓደራ

ቅድሚ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ኔራ

እስከ ናብ ኦሪት ብሉይ ኪዳን ንመለስ

ቅዱስ መጽሓፍና ንገንጽል ታሪኽ ንኽንድህስስ

ካብ ዓበይቲ ነብያት ትንቢተ ኢሳያስ

ከየጉደለ ዝጸሓፈ ተመሪሑ ብመንፈስ ቅዱስ

እግዚኣብሄር ዘር ኢ እንተዘይሓድገልና

ከም ሰዶምን ጎሞራን ምኾና ኔርና

ኢሉ ዝተነበዮ ብዛዕባ ቅድስቲ ወላዲትና

ብመንፈስ ፈሊጡ ጥንተ ኣብሶ ከም ዘይብላ ኣዴና

እንታይ ተራኽበ ደኣ ጋሻ ትምህርቲ

ቤተ ክርስትያን ኽትሕደስ ኣለዋ በሃልቲ

ሰርዓት ኣቦታትና የብሉን መዳርግቲ

ጊደፉ ከይትኾኑ ናይ ዲያብሎስ ኣሳሰይቲ

ጸኒዕና ንጽናሕ ክሳብ ዝፍጸም ቃሉ

ክፈርድ'ዩ ጐይታና ከከም ግብሩ ንዅሉ

ዘመኑ ክፉእ እዩ'ሞ ነፍስና ንሓሉ

ከይንታለል በዞም ናይ ዘመና ተዃሉ

ወስብሓት ለእግዚኣብሄር !



9 comments:

  1. Kale hiwet yesmalna amlak ab emnetina yetsiniana nakum ka bay agelgulot ednekum egzabher ybarikelkum

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ቃለ ህይወት የስመዓልና።

    ReplyDelete
  3. ነዚ ጽሑፍ ምክፋል( ሼር ) ይከኣል ድዩ? ናብ ቭይበርን ፌስ ቡክን ካልእን?

    ReplyDelete
  4. ምክፍፋል (ምስዳድ ናብ ወገናት)ይፍቀድ ድዪ ብውልቃውን ማሕበራዉን ምንጪ ከይረሳእና?

    ReplyDelete
  5. ቃለ ሰናይ ኣምላኽ ጸግኡ የብዝሓልኩም፡ናብ ካልኦት ማሕባራት ይኹን የሕዋትና ብቫይቨር ክንሰዶ ይከኣል ድዩ?

    ReplyDelete