Tuesday 18 June 2013

/መኑ ከመ እግዚአብሔር /

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

እግዚአብሔር ንሰብ ፈጢሩ ኣብ ገነት ከም መላእኽቲ ንፈጣሪኡ እንዳኣመስገነ ብሓጎስን ደስታን ንኽነብር ነጻ ፍቃድ ከምዝሃቦ ኣብ ዘፍጥረት ነንብቦ ሓቂ እዩ። መድኃኔ ዓለም ውን ኣብ መንግስተ ሰማያት ኩላቶም ከም መላእኽቲ ኢዮም እምበር ኣይዋሰቡን ኢዮም ብምባል መስኪሩዎ እዩ። ማቴ ፭፪፤፴/2230 ሰብ ግን ነጻ ፍቃዱ ተጠቂሙ ካብ ድምጺ ፈጣሪኡ፡ ድምጺ ሰይጣን ብምስማዕ፡ ካብ ክብረት ናብ ሕስረት ከም ዝወረደ ኣብ ዘፍጥረት ነንብቦ ሓቂ እዩ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱሰ ክርስቶስ ድማ ካብ ዝነበርናዮ መግዛእቲ ነጻ ኣውጺኡ መሰል ውልድነትን፡ ኣፍደገ ገነትን ከፈተልና። ኣብዚ ዓለም ግን ብዙሕ ውረድ ደይብን፡ ፈተናን ስለዘልዎ፡ ናብ ገነት ንኽንኣቱ ረዲኤት ናይ ቅዱሳን መላእኽትን ኣማላድነት ቅዱሳንን ከም ዘድልየና ኩላትና ዘይንርስዖ ሓቂ እዩ። 
ስለዚ ኢና ድማ ኩላትና ተዋሕዶ ኦርቶዶክሳውያን ብሃንቀውታ ንሚካኤል ሕዳር እንጽበዮ፡ ቤተ ክርስቲያን ውን ብዓቢ ድምቀት እተብዕሎ። ሚካኤል ማለት ብቋንቋ እብራይስጥ ‘’መኑ ከመ አግዚአብሔር’’ መን ከም እግዚአብሔር ማለት እዩ። መን ኽከውን ከሎ ድማ ከም ኤል ማለት ከኣ  እግዚአብሔር እዩ።
 
ኩሉ ብሓንሳብ ክጥቅለል እንከሎ መን ከም እግዚአብሔር ዝብል ሰፊሕ  ትርጉም ዝሓዘ ቅዱስ ስም አዩ። ቅዱሳን መላእክት፡ እግዚአብሔር ክብሩን ሓይሉን ስሙን ዝገልጸሎም ረቂቃን ፍጡራን እዮም። ስም እግዚአብሔር ድማ ማዕረ ክንደይ መሓርን ንደቂ ሰባት ካብ ኃጢኣት  ኣንጺሁ ናብ ድሕነትን ቅድስናን ዘሳጋግር ምዃኑ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብነቢይ ሕዝቅኤል ገይሩ  ከምዚ ብምባል ይገልጾኣቱም ሕዝቢ  እስራኤል ከምቲ እከይ መንገድኹምን ብልሹው ግብርኩምን ዘይኾነስ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ መሓርኩኹም ሽዑ ኣነ እግዚአብሔር ሙዃነይ ክትፈልጡ  ኢኹም‘’ሕዝ፳፤፵፬/2044 ስለዚ ቅዱሳን መላእክት እቲ ቅዱስ ስም እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኦም  ስለ  ዝተሰየመ  ንደቂ  ሰባት ናብ ድሕነትን ንስሓን ዘሰጋግሩ ኢዮም፤ ሓዋርያ  ቅዱስ ጳውሎስ እውን ናብ እብራውያብ  ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲአምበኣር ኩላቶም መላእኽቲ ነቶም ኽድሕኑ ዘለዎም፡ ኪሕግዙ ዝለኣኩ  ኣብ ኣገልግሎት አግዚአብሔር ዘለዉ መናፍስቲ አዮም ’’ ኢሉ ኣስፊርዎ ንረክቦ ዕብ፩፤፲፬/ 114
ናብ ኣርእስት ትምህርትና ምስ እንምለስ ቅዱስ ሚካኤል ወይ ድማ መን ከም እግዚአብሔር ስለዝኾነ፡ ኣብ ዕለትዚ ኣቦታትና ከምዝነግሩና ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኢዮር ዝርከቡ ነገደ መላእኺቲ ሓለቃ ኾይኑ ዝተሸመሉ ዕለት ሙኻኑ መጽሓፍ ኣክሲማርዮስ ይገልጽ። ብተውሳኺ ውን ቅዱስ ሚካኤል ንእስራኤላውያን ኣብ መግዛእቲ ግብጺ ንልዕሊ 430 ዓምታት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ፡ እግዚአብሔር መልኣኹ ሊኢኹ ቀትሪ ብደመና፡ ለይቲ ብሓዊ አናመርሐ ናብ ምድረ ከንኣን ከእትዎም ዝተሸመ ሙኻኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት የስተምህሩና። ሊቀ ነብያት ቅዱስ ሙሴ ኣብ ዝጸሓፎ  ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኹዎ ቦታ ድማ ከእትወካ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቂድሜኻ እልእክ ኣለኹ። ኣብ  ቅድሚኡ ተጠንቀቕ! ድምጹ ከኣ ስማዕ፡ እምቢ ኣይትበሎ ስመይ ኣብኡ ተሰይሙ አዩ እሞስለዚ ድምጹ ክሰምዕ ረዲኤቱ ክኣምን ከምዘለዎ ኢሉ ዝገለጾምኽንያቱ መን ከም እግዚአብሔር ዝብል ቅዱስ ስም ሓዚሉ ስለ ዝርከብ  እዩ ስመይ ኣብኡ ተሰይሙ ዝበሎ፡  ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ ብምባል እዩ ዝገልጾ፡ እሞ በደልካ ኣይኸኃድገልካን እዩ። ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ ኣነ ዝብለካ ኩሉ ድማ እንተገበርካ ኣነ ንጸላእትካ ክጸልኦም ንዝጻረርካ ድማ ክጻረሮም እየ። መልኣኸይ ቀቅድሜካ ክኸይድ እዩ እሞ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ከእትወካ እዩ። ዘጻ፳፫፤፳/2320 ብምባል መራሒ ሕዝቢ እስራኤል ከም ዝኾነ ንቅዱስ ሚካኤል ይገለጾ። ስለዚ ቅዱስ ሚካኤል ቀቂድሚኦም እንዳ ከደ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ሓይልን ክብሪን ዓወትን ንኽረኽቡ ይድግፎምን  ይረድኦምን ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ኣስፊርዎ ንረክቦ። እስራኤልላውያን ኣብ ምድረ በዳ ምንም ገለ ነገር እኳ ኣብ ዘይርከበሉ ብረዲኤቱን ኣማላድነቱ ካብ ሰማይ «መና» እንዳ ኣዝነበ፡ ከምኡውን ካብ ከውሒ ማይ እንዳ ኣፈልፈለ ከም ዝመገቦም እቲ ዓቢ ሊቅ ናይ ቤተ  ክርስቲያና  ቅዱስ ያሬድ ኣዝነመ ሎሙ መና  ይብልዑ፡ ኣውሓዘ ሎሙ ማየ ሕይወት ዘትረ ኰክሕ እንዳበለ ኣብ ዚቅ ቅዱስ ሚካኤል ዘሕዳር ይገለጾ።
ቅዱስ ሚካኤል ሓለቃ መላአክት ምኳኑ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ  ቦታታት ገሊጽዎ ይርከብ። ከም ኣብነት ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ ወልደ ነውየ ኣብ ጥቃ ኢያሪኾ ከሎ ዝተመልሐ ሰይፍ ዝሓዘ ኮይኑ  ተገልጸሉ ኢያሱ ድማንስኻ ናትና ዲኻ ውይስ ናይ ጸላእትና ’’ በሎ። ንሱ ድማኣነስ ሓለቃ ሰራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺኤ ኣለኹበሎ። ብድሕሪኡ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ እቲ መልኣኽ ተደፊኡ ሰገደሉ ኢያ፭፤፲፬/514 ብተወሳኺ ድማ ኣብ መጽሓፈ ይሁዳ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ከም ዝተካራከረ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተሸም ከምዝኾነ ነንብብ። ይሁ፩፤፱/19 ኣብ ራእይ ዮሐንስ ድማ ሚካኤልን መላእክቱን ብምባል ሓለቃ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ዝኾነ ተጻሒፉ ንረኽብ። ራዕ፲፪፤፯/127 እምበኣር ቅድም ኢልና ከምዝገለጽናዮ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን መላእኽትን ሕዝቡን ከምዝተሸመ ኩሎም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ቤተክርስቲያን ኢዮም ዘስተምህሩና።
ብተወሳኺውን ቤትክርስቲያን ንቅዱስ ሚካኤል ስለቲ ረዲኤቱን ኣማላዳንቱን ዝተፈላለየ ቅጽል ኣስማት ሂባቶ ትርከብ ኢያ። ከም ኣብነት ምስ እንርኢ መልአከ ሳህል፡ መልአከ ምሕረት፡ መጋቤ ብሉይ ዝብል ክንረክብ ንኽእል። ነዚ ኩሉ ኣስማት ግን ከም ናይ ዘመና ኣስማት ይመስለንኒ ደስ ኢሉኒ ኢልካ ዘይኮነስ፡ ተግባርን ኣስማትን ብምውህሃድ ዝተዋህቦ ኣስማት ኢዩ። መልኣከ ምህረት ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ከምቲ መድኃኔ ዓለም ኣብ ወንጌልሓደ ሰብ ምስ ዝንሳሕ ኣብ ሰማያት ብዙሕ ሓጎስ ይኸውንዝበሎ መሰረት ቅዱስ ሚካኤል ብንስሓን ደስታን ናይ ደቂ ሰባት ስለዝሕጎስን፡ ካብ ፈጠሪ ድማ ረድኤትን ምሕረትን ሰለ ዝልምን ኢዩ። መብዛሕቲኦም ድርሳናትን ገድላትን ምስ እነንብብ ነዞም ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታትና  ኣብ ግዜ ሽግሮምን ፈተናኦምን ዝረድኦምን ዝድግፎምን ቅዱስ ሚካኤል ከምዝኾነ ኢና ነንብብ። ቅዱስ ያሬድ ውን እዜንዎሙ ለነዳያን ፈነውኒ ወእስብክ ሎሙ ግዕዛነ ለጺውዋን ወእፈውሶሙ ለቅሱላነ ልብ ንድኻታት ሰናይ ዜና ከበስሮም ፈነውኒ፡ ነቶም ዝሓዘኑ ውን ከጸናንዖ ለአኸኒ ብምባል ማዕረ ክንደይ ኣብ ደቂሰባት ዘለዎ ርሕራሔኡን ምሕረቱን ረዲኤቱን ገሊጽዎ። መጋቤ ብሉይ ዘበሎውን ከምቲ ቅድም ኢልና ዝገልጽናዮ ንእስራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝመግቦምን ዝመርሖምን ቅዱስ ሚካኤል ስለዝኾነ ኢዩ። ብዛዕብኡ ውን ከምዚ ተባሂሉ እዩ ዝተጻሕፈ ዝኬ ውእቱ ዘተነግረ በመዋዕለ ትካት ለእስራኤል ህብስተ መና ዘኣውረደ በገዳም ወርእየቱ ከመተቅዳ ወከመ ኣያያት መዓር ጥዑም ፈድፋደእቲ ብዛዕብኡ ዝተነግረ ኣብ ብሉይ፡ ንእራኤል ኣብ ምድረበዳ መና ዘውረደ፡ ዘደንቅ ትርኢቱ ካብ መዓር’ውን ኣብሊጹ ዝምቅር ንሱ ኢዩ ብምባል ዝተነግረ።
ኣማላድነት ረዲኤትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ግዜን ቦታን ዝውስኖ ኣይኮነን። ነቢይ ዳኒኤል ውንኣብቲ ዘመን እቲ ሚካኤል ምእንቲ ሕዝብኻ እስራኤል ዚከላከል ዓቢይ መስፍን ክትንስእ ኢዩዳን ፲፪፤፩/121 ብምባል ኣብቲ ግዜ ጸበባን ሽግርን ክኸውን ከምዝኾነ ነገርግን እቶም ብረዲኤትን ኣማላድነቱን ዝኣምኑ ግን ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክበርሁ ምኻኖም እቶም ዝመቱ ውን ክትንሱ ኢዮም ኢሉ ኣማልድነቱን ረዲኤቱን ክሳብ ትንሳኤ ዘጉባኤ ወይ ድማ ግዜ ምጽኣት ሙኻኑ ኣስፊርዎ ንረኽቦ። ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስኩሉ ብእምነት ዝለመንክምዎ ክኾኖልኩም ኢዩከምዝበሎ ኩላትና ኣመንቲ ኣብዚ ዕለት ክንገብሮ ዝግብኣና ብእምነት ኣብ ቤተክርስቲያን ቀሪብና ረዲኤትን ኣማልድነትን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክንምሕጸን ይግባእ። ቅዱስ ኢዮብ ውን ክብሮምን ሓይሎምን ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ክገልጽ ከሎንሰብ እታ ቅንዕቲ መንገዲ ዚምህሮ ካብ አሻሓት መላእኽቲ ሓደ ማእከላይ ኮይኑ ዚሕልዎ መልኣኽ እንተተርኽበ ግና ሽዑ ንሱ ይርህርሃሉ እሞ ካሕስኡ እንሆ ስለዚ ናብ መቃብር ካብ ምውራድ ኣድሃኖይብል። ሓደ ካም መላእኽቲ ምእንታና ኮይኑ ክልምንን ከማልድ ኣብዛ ቅድስቲ ዕለት ተረኺብና ኣማልደልናን ራህራህልናን ክንብሎ ይግባእ።
   ወንጌላዊ ዮሐንስ ኣብ ራእይ ዝረኣዮኣብ ሰማይ ውግእ ኮነ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ፡ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግኦዎ እንተኾነ እቲ ገበልን ማላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦቶኦም ኣጥፉኡራእ፲፪፤፯/ 127 ስለዚ ነቲ ጸረ ድሕነትና ዝኾነ ዲያብሎስ ሓይሉ ዘድከመን ዝሰዓረን ሚካኤል ኢዩ፡ ከም ፈጣሪኡ ድሕነት ደቂ ሰባት ዝብህግ ስለዝኮነ፡ብእምነት እንተለሚናዮ ክንደይ ዘየማልደልና ክንደይ ዘይርህርሃልና። ቅዱስ ያሬድ ውን ሚካኤል እመላእክቲ መኑ ከማከ ልዑል፡ ይሰግድ በብረኪሁ እስከ ይረክብ ስርየት ለኃኣን  ሚካኤል ካብ መላእኽቲ ከማካ ዝበለ መን እዩ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ተምበርኪኹ፡ ክሳብ ንኃጥኣን ምሕረት ዝቅበል ይሰግድ ኢሉ ማዕረ ክንድይ ነቶም ብረዲኤቱን ኣማልድነቱን ዝኣምኑ ንድሕነቶም ከምዝጽልን ዘማልድን ብኽብ ዝበለ መንፈሳዊ ቃላት ዝገለጽዎ ንረኽቦ። ረዲአቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ተዋሕዶ ይኹን ኣሜን !!!
                                                              

ስብሃት ለእግዚአብሔር፡
                                                             ወለወላዲቱ ድንግል፡
                                                             ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።
ምንጪ፦ ዘተዋህዶ

1 comment:

  1. ደስ ዝብል በኡነት ኣምላክ ጽግኡ የብዝሓልኩም መዝሙር ድማ ደስ ዝብል ኣዛያይማኡ ያረዳዊ መዝሙር ዩ መዝሙራትና ይጽየቅ ስለ ዘሎ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ዓገብ ክትብሉልና ይላቦ

    ReplyDelete