ሱታፌኹም

ይኄይሱ ክልኤቱ እምሐዱ፣ እለ ቦሙ ዐስብ ሠናይ በፃማሆሙ። እስመ እመ ወድቀ ኣሐዱ ያነሥኦ ካልኡ፣ ኣሌ ሎቱ ለኣሐዱ እመ ወድቀ ኣልቦ ካልእ ዘያነሥኦ። እስመ ኣመ ኖሙ ክልኤሆሙ ይትማወቁ፣ ወኣሐዱሰ እፎ ይትማወቅ።
ብጻዕሮም ጽቡቅ ጻማ ስለ ዘለዎም እንተ ወደቁ፣ እዚ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፣ ካብ ሓደስ ክልተ ሙኻን ይሓይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ፣ ዜተንሶ የብሉን እዩ እሞ ወይልኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ፣ ይማውቑ፣ ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፣ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቆ፣ ክልተ እዮም ዝቃወምዎ፣ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ኣይብተኽን። /መጽ. መክብብ 4፣10-13
ከም ዝብሎ መጽሓፍ ካብ ሓደ ክልተ ይሓይሽ እዩ እሞ መንፈሳዊ ጽሑፋት ንቤተክርስቲያን ኣድለይቲ ዝኾኑ ዜናታት ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብ መምሃራን ወይ ካብ መጽሓፍቲ ብምርሃኩም ክምለሰልኩም እትደልይዎ ሕቶታት እንተ ድኣ ሃልዩ ወይ በዚ ወይ ኣብ facebook (biete sayda/ቤት መድሃኒት) ብዝርከብ ክትሕብሩና ቤተ ሳይዳ ትዕድም!!!

8 comments:

  1. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ። ኣሜን።
    ሰላም ነዓኹም ይኹን።
    ኣብዛ ብሎግ ብብዝሒ ጽሕፋት ክትዝርግሑልና ብትሕትና ንምሕጸነኩም።

    ReplyDelete
    Replies
    1. ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኩን።
      እግዚኣቢሀር ኣምላክ ጸግኡ የብዝሓልኩም።
      እዚ ኣብዚ ገዛ ትህብዎ ትምህርቲ ዓቢ ነገር
      ምካኑ ተረዲእኩም ከይተሓለልኩም ህዝብኩም
      ክትቅጽልዎ ይምሕጸነኩም።

      Delete
  2. ሰላም ኣምላክ ምሳኹ ይዂን የሕዋት! ሐራይ። ኣምላክ ጸግኡን ረዴኤቱን ከብዝሓልና - ንሕና'ውን ብዝሓየለን ከምቲ ዝድለ ጌርና ክንዓይስ ብጸሎትኩም ደጉፍና!


    እዚ ቤት እዚ ናይ ኲልና ቤት ምኳኑ ፈሊጥና ንቤትና ዝድሊ ነገር ክነብርክት በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ከነዘካክር ንፈቱ። ከምኡ ከኣ ኣባና ጉድለት ክረአ እከሎ - ሕሹኽ በሉና።


    ኣብዘዘለኹሞ ናይ ኣምላክ ጸጋን ምሕረትን ሓይፈለኩም፡ ጸሎት ረዲኤት እመ-ብርሃን ምስ ኲላትና ይኹን … ኣሜን!

    ReplyDelete
  3. ኣሜን(3)ብሩዃት ኣዒንተ እግዚኣብሔር ኣቦታት ካህናት የሕዋት ዲያቆናት መዘምራን መዘምራት ኣናጎንስጢስ ምእመናን ምእመናት እግዚኣብሔር ዘፍቅረኩም ኩሉኹም ህጻናት ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታናን መድሓኒና ጸጋን በረኽትን ይኽፈለና።ኩሉ ብእትህቡና ሰናይ ቃል እግዚኣብሒር እናመስገና በረኽቱ ረዲኣቱን ይኽፈልኩምን/ይኽፈለናን እናበልኩ ፡ ጸሎታን በረከታን ፍቅራን ጣዕማን ናይ እመ ኣምላኽ ምስ ፍቁር ወልዳ ምስ ኩላትና ይኹን፨።ኣሜን !!!

    ReplyDelete
  4. ጠፊእኩም ብዙሕ ሰብ ዩ ካብዚ ናትኩም ገጽ ዝማሃር

    ReplyDelete