Friday 17 January 2014

''ጥምቀት''

 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

እንኳ እግዚኣብሄር ኣምላክ ብሰላምን ብጥዕናን ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ ኣብጸሓና !!!


በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ዘነብያት ሰበክዎ፡ ወኣስተርኣየ ገሃደ፡
ነብያት ትንቢት ዝተነበዩሉን ዝሰበኩሉን ጐይታ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ /ተገልጸ/ ተራእየ። ከምኡ ድማ ነቲ  ብሕግታት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ ተጻሕፈ /ብጥምቀቱ/ ድምሰሶ፣ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ።ቆላ2፡14
እንሆ ድማ ነዚ ኣብቃና፦
  1. ደቂ መዛሙርት ክርስቶስ ንምኳን /ማቴ 28፡19/
  2. ድሕነት ንምርካብ /ማር 16፡15/
  3. መንግስተ ሰማያት ንምውራስ /ዮው3፡5/
  4. ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተማቐልቲ ንምኻን /ግረ 2፡28/ 
  5. ንሕድገት ሓጢኣት /ግረ 22፡16/
  6. ምስ ክርስቶስ ሞይትና ምስ ክርስቶስ ንምትንሳእ /ሮሜ1፡6/
  7. ንክርስቶስ ንክንለብሶ/ገላ 3፡27/ 
  8.  ውሉድ ሥላሴ ንምኳን።

ሰላም ለጥምቀትከ በኅልቄ ክራማት ሠላሳ፣
እምዘወለደተከ ድንግል ዘኢተኣምር ኣበሳ፣
ኣመ ቆምከ ዮም እግዚእ ለማየ ዮርዳኖስ ማእከለ ከርሳ;
ለወድሶትከ ማዕበላቲሃ ተከውሳ፣
ወባረኩከ ኣናምርት ወዓሳ።


ወስብሃት ለእግዚኣብሔር !

No comments:

Post a Comment