Tuesday 14 January 2014

እመ ብርሃን!!!

''ኦ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ ጸሓይ  ዝከበርኪ
ኵሉ ፍጥረት ውን ንዓኺ ምስጋና ዘቕርበልኪ ኣደ ብርሃን
ካልኣይቲ ሰማይ ወላዲተ ኣምላኽ ንስኺ ኢኺ
ነቲ ሕቀኛ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝጸረት ሓረገ ወይኒ ንስኺ እኪ።

እታ  ብርሃን ዘይትቕየር ጸሓይ ዘይትጽምሉ ዕንበባ ንስኪ እኪ።
ስለዚ ኣቦ መረጸኪ፡
መንፈስ ቅዱስ ኣጽለለኪ ወልድ ከኣ ወሪዱ ኻባኪ ተሰገወ።
ነቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዓለም ምእንቲ ከድኅኖ ካብ ፈተናውን ከናግፎ ለምንዮ ኢኺ።
ብሓዱሽ ምስጋና ነመስግኖን ንባርኾን! ሎምን ኵል ሳዕን ንዘለዓለምን ኣሜን!'' 



No comments:

Post a Comment