ኣመ ፭ (ሓሙሱ) ለሓምሌ በዛቲ ዕለት ኮነ ስምዖሙ ለ፪ ሓዋርያት ኣቢያን ሊቃናት ጴጥሮስ ወጳውሎስ;;
ናይቲ
ሃገር ዝነበረ
ንጉስ ብዛዕባ
ናይ መንግስቲ
ግብሪ ክማኻር
ንቀውስጦስ ናብኡ
ክመጽእ ጸውዖ
እሞ እዚ
ዝሰምዔ ቀውስጦስ
ግና ናብ
ንጉስ ሒዝዎ
ዝኸይድ ገጸ
በረኸት ብዘይ
ምንባሩ ብልቡ
ኣዝዩ ሓዘነ። ብብዙሕ
መገዲ ካኣ
ምስ ሰበይቱ
ተማኸረ። ኣብ
መጨረሽታ ሰበይቱ
“ኣይትሸገር ኣምላከ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ክረድኣካ እዩ
ስቕ ኢልካ
ድኣ ኪድ” ኢሉ ኣፋነወቶ። ብድሕሪ እዚ ቀውስጦስ ንሰበይቱ
ተፋንዩ ናብ
ንጉስ ከደ፡ እቲ ንጉስ
ካኣ ብሓጎስን
ብደስታን ተቐበሎ።
ቀውስጦስ
ንሰለስተ ዓመታት
ዝኣክል ምስ
ንጉስ ድሕሪ
ምጽናሕ ናብ
ዓዱ ተመልሰ
እንተኾነ ገዲፍዎ
ዝኸደ ክልተ
ደቁ ሞይቶም
ጸንሕዎ ሰበይቱ
ከመይ ገይራ
ከም እትነግሮ
ካኣ ዓቕላ
ጸበባ ድሕሪ
ብዙሕ ምሳሌታት
ካኣ እቲ
ዝኾነ ንሰብኣያ
ነገረቶ እሞ
ቀውስጦስ ሰብኣያ
ኣዝዩ ሓዘነ
ተከዘ ካኣ
ንሳ ግን
“ኦ! እግዚእየ ንስእሎ
ለእግዚኣብሔር ኣምላከ
ጴጥሮስ ኦ!
ጎይታ ንእግዚኣብሔር
ንናይ ጴጥሮስ
ኣምላኽ ንለምኖ”
በለቶ።
ብድሕሪ’ዚ ብስቡር
ልቢ ናብ
ኣምላኽ ናብ
እግዚኣብሔር ጸሎቶም
ኣቕረቡ እሞ
“ኦ! ቀውስጦስን ኣክሮስያን
ቃል ኣገልጋልየይ
ጴጥሮስ ስለ
ዝሰማዕኩምን ዝተቐበልኩምን
ንኽልቲኦም ደቅኹም
ሕያዋን ገይረ
ክህበኩም እየ
” ዝብል ድምጺ
ካብ ሰማይ
መጸ። ክልቲኦም ደቆም
ካኣ ተንስኡ። ሓደ
ካብኣቶም ናይ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ረድእን ኣገልጋልን
ዝኾነ ቀሌምንጦስ
እዩ። ጸኒሑ ቅዱስ
ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ
ጳጳስ ንሓዉ
ካኣ ዲያቆን
ሸሞም።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕብየታን ክብራን ኣብ ደመና ብመልክዕ ቀስቲ ኣብቲ ቀስቲ ካኣ ኣብ ማእከል ደብተራ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት ብእሳት ሓዊ ተኸቢቦም ንዓኣ ካኣ ከቢቦም እና ኣመስገንዋን እና ወደስዋን ተራእየቶ። ብዙሕ ዓበይቲ ዘደንቑ ነገራት ካኣ ሰምዔን ረኣየን።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕብየታን ክብራን ኣብ ደመና ብመልክዕ ቀስቲ ኣብቲ ቀስቲ ካኣ ኣብ ማእከል ደብተራ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት ብእሳት ሓዊ ተኸቢቦም ንዓኣ ካኣ ከቢቦም እና ኣመስገንዋን እና ወደስዋን ተራእየቶ። ብዙሕ ዓበይቲ ዘደንቑ ነገራት ካኣ ሰምዔን ረኣየን።
ብድሕሪ’ዚ ኣምላኽና
ኢየሱስ ክርስቶስ
ናብ ኩሉ
ቦታታት ከይዱ
ክሰብኽ ከም
ዘለዎ ኣዘዞ
እሞ ካብኡ
ተበጊሱ ብኤማሁስ(11ኪሎ ሜተር
ካብ ኢየሩሳሌም)
ሓሊፉ ናብ
ልድያ (ሉድ
-ቅዱስ ጊዮርግስ
ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ) ኣብ መጨርሽታ
ናብ ኢዮጴ (ናይ ሎሚ
ተል-ኣቪቭ)
በጽሐ።
ኣብ
ልድያ (ልዳ/ሉድ) ካብ ሸሞንተ
ዓመት ኣትሒዙ
ኣብ ዓራት
ዝደቀሰ ኤንያ
ዝስሙ ልሙስ
ሰብኣይ ካብ
ዓራቱ ኣተንስኦ፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ከሎ
ካኣ ሓንቲ
ጣቢታ (ዶርቃስ)ዝተባህለት ሠናይ
ምግባርን ምጽዋት
ምሃብን እተዘውትር
ዝነበርት ኣማኒት
ሓሚማ ሞተት
ብድሕሪ’ዚ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ኣብ ልዳ
ከም ዘሎ
ዝፈለጡ ሰብኣ
ኢዮጴ ሰባት
ልኢኾም ናብኡ
ከም ዝመጽእ
ገበሩ ንሱ
ድማ ሕያው
ገይሩ ኣብ
ቅድሚኦም ደው
ኣበላ። (ግብረ
ሃዋርያት 9፡32-43/፱፡፴፪-፵፫)
ቅድሱ
ጴጥሮስ ኣብ
ኢዮጴ እና
ጸለየ ከሎ
እንሆ ብኣርባዕተ
መኣዝኑ ዝተታሕዘ
ዓቢይ ነጸላ
ዝመስል ካብ
ሰማይ ወሪዱ
ናብኡ መጸ
ኣብ ውሽጡ
ካኣ ኣርባዕተ
መሓውር ዘለዎም
እንስሳ ቤትን
ኣራዊትን ለመም
ዝበሉን ኣዕዋፍ
ሰማይን ረኣየ
እሞ “ጴጥሮስ ተንስእ
ሓሪድካ ብላዕ”
ዝብል ድምጺ
ካብ ሰማይ
መጾ ንሱ
ግና ”ርኹስ ወይስ
ዘጸይፍ ከቶ
ኣብ ኣፈይ
ኣትዩ ኣይፈልጥን
እዩ እሞ
ኣይከውን እዩ”
ክብል መለሰ።ካልኣይ
ግዜ ካኣ
ነቲ ኣምላኽ
ዘንጽሖ ንስኻ
ርኹስ እዩ
ኣይትበል” ዝብል ድምጺ
ደጊሙ መጾ
ከምዚ እና
በለ ሰለስተ
ግዜ ተደጋገመ
ኣብ መጨረሽታ
ካኣ ኩሉ
እቲ ዝረኣዮ
ራእይ ናብ
ሰማይ ተወስደ። (ግረ
10፡9-17/፲፡፱-፲፯
፣11፡5-10/፲፩፡፭-፲)
ብዛዕባ እዚ
ነገር እዚ
እና ተጨነቀ
ከሎ እምበኣር
እቲ ኣብ
ቂሳርያ ዝቕመጥ
ዝነበረ ምስ
ኩሉ ስድራቤቱ
መንፈሳዊ ሰብ፡ ንህዝቢ እውን
ብዙሕ ምጽዋት
ዜዘውትር ቆርኔሌዎስ
ዝተባህለ ነቲ
ኣብ ቤት
ስምዖን ቆርበት
ዘልፍዕ ሰብ
ኣብ ኢዮጴ
ዝነብር ዝነበረ
ስምዖን ዝተባህለ
ጴጥሮስ ሰባት
ልኢኹ ናብ
ቤቱ ጸውዖ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ናብ ቤቱ
መጺኡ እቲ
ኹሉ ዝኾነንገረ
እሞ ኣጠመቖ። ነቶም
ኣብቲ ቦታ
ዝነበሩ ሰባት
ካኣ መንፈስ
ቅዱስ ብዝሃቦ
ጸጋን ጥበብን
ናይ ክርስቶስ
ትምህርቲ ምሂሩ
ክርስቲያን ክኾኑ
ኣብቅዖም። (ግብረሃዋርያት10።44-48/፲፡፵፬-፵፰)
ብድሕር’ዚ ከምቲ
ጎይታ ዝኣዘዞም
ቅዱስ ጴጥሮስ
ምስ ቅዱስ
ዮሓንስ ናብ
ኣንጾኪያ ኣምርሑ። ቅድሚኡ ግና ቅዱስ ዮሓንስ
ንሃገረ ኣንጾኪያ
ኣጽኒዕዋ ክመጽእ
ናብ ኣንጾኪያ
ከደ። እቲ ሰባት
ናይታ ሃገር
ግና ሕሱማትን
ክፉኣት ኮይኖም
ጸንሕዎ ክቐትልዎ’ውን ደለዩ።
እና
ሓዘነ ናብ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ተመሊሱ ካኣ
ነግስታትን መኳንንትን
ናይዛ ሃገር
ክፉኣትን ርጉማትን
እዮም ከመይ
ኢልና ኢና
ድኣ ናይ
ክርስቶስ ትምህርቲ
ክንሰብኽን ሃይማኖት
ክምህሮም!! በሎ። ነዚ ምስ
ሰምዔ ቅዱስ
ጴጥሮስ ፍቁረይብዛዕባ
ናቶም ነገር
ኣይትሕዘንን ኣይትደንግጽን
ብኣፍራስ ናይ
20/፳ መዓልቲ
ዝኾነ እንሆ
ንዓና ግና
ብሓደ ለይትን
መዓልትን ካብ
ኢየሩሳሌም ኣብዚ
ዘብጽሓና ኣምላኽ
ሕጂ እውን
ንኹሉ ስራሕና
ባዕሉ ክገብረልናን
ከሰንየናን እዩ
” በሎ። ናብቲ ሃገር
ኣትዮም ካኣ
እና ተዛወሩ
ናይ ክርስቶስ
ወንጌል መሃሩ
እንተኾነ እቶም
ህዝቢ ኣዝዮም
ጨካናትን ርጉማትን
ኣብ ኣምልኾ
ጣዖት ዝተጸምዱ
ስለ ዝነበሩ
ብዘሰቕቕ መገረፍቲ
ገረፍዎም መታን
ክላገጽሎምን ክስሕቅዎምን
ካኣ ሓሓሊፎም
(ቦግ ቦግ
እና ኣበሉ) ርእሶም ላጸይዎም
ነዚ ገይሮም
ካኣ ናብ
ቤት ማእሰርቲ
ኣእተውዎም። እዚ ምስ
ኮነ ኣብ
ውሽጢ እቲ
ተኣሲረምሉ ዝነበሩ
ስፍራ ኮኖም
እግዚኣብሔር መታን
ክረድኦም ጸሎት
ኣቕረቡ። ጎይታናን
መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ኣብ
ዙርያኡ ኪሩቤልን
ሱራፌልን ከቢቦም
ተራእዮም በሎም
ካኣ”ኦ! ኅሩያንየ ጴጥሮስ
ወዮሓንስ ኢትፍርሁ
ወኢትኅዝኑ እስመ
ኣነ ህልው
ምስሌክሙ እስከ
ለዓለም -ኦ ! ሕሩያተይ ጴጥሮስን
ዮሓንስን ኣይትፍርሑን
ኣይትሕዘኑን ኣነ
ክሳዕ ዘልኣለም
ምሳኹም ህሉው
እየ”
ብዛዕባ
እቲ ንኽስሕቁ
ኢሎም ሓሓሊፎም
ዝላጸይዎ ጸግሩኹም
ኣይትሕሰቡን ኣይትሕዘኑን
እዚ መመክሕን
ክብርን ናይ
ክህነት ስርዓትን
ንኹሉ ነቲ
ስጋየይን ደመይን
ዘቑርብ ሰብ
ክኸውን እዩ”
ክብል ተዛረቦም።
ሎሚ
ቅድስት ቤተ
ክርስቲያና ናይ
ቤተ ክርስቲያን
ሰባት ብሕግን
ስርዓትን ናይ
ቅድስት ኦርቶድክሳዊት
ተዋህዶ ሃይማኖት
ዝተማህሩ ሰባት
ማዕርገ ዲቁናን
ክህነት ኣብ
ዝቕበልሉ ግዜ
ከምቲ ጎይታ
ንቅዱሳን ሃዋርያት
ጴጥሮስን ዮሃንስን
ዝኣተወሎም ቃል
ኪዳን መሰረት
፡ኣብዚ ማዕርግ
እዚ ንዝበጽሑ
ሰባት ኣብ
ግዜ ማዕርግ
ኣብ ዝዕደልሉ
ግዜ ከምቲ
ሰብኣ ቂሳርያ
ዝገበርዎ ፡ካብ
ጸጉሪ ናይዞም
ሰባት ካኣ
ሓሓሊፉ(ቦግ
ቦግ የብልሎም)
ይውሰደሎም ጎይታ
ከም ዘበሎ
ናይ ክህነት
ስርዓትን ምልክትን
ክኸውን ኢዩ
ስለ ዝበለ
ብኣምላኻዊ ቃሉ።
ቅዱሳን
ሃዋርያት ጴጥሮስን
ዮሃንስ ካብ
ቤት ማሰርቲ
ምስ ወጹ
ቅዱስ ሃዋርያ
ጳውሎስ ብፍቓድ
ኣምላኽ ናብኣቶም
መጸ እሞ
ንቅዱስ ዮሃንስ
ረኸቦ ።እቲ
ኮይንዎ ዝነበረ
ምስ ረኣየ
ካኣ እንታይ
ኮንካ ናይ’ዛ ሃገር
ሰባት’ከ
እንታይ ገበሩኻ
ክብል ሓተቶ
።ቅዱስ ዮሓንስ
ብወገኑ “ኢታንክር እምኔየ
እስመ ሊቀ
ሓዋርያት ካዕበ
በዝንቱ ኣርኣያ
ሀሎ” ክብል መለሰሉ።
ካብኡ
ተንሲኡ ቅዱስ
ጳውሎስ ናብቲ
ቤተ ጣዖቶም
ከዱ ንሱ
ጣዖት ከም
ዘምልኽ ኮይኑ
ካኣ ቀረቦም።
ብድሕሪ’ዚ
ናብቲ ቅዱስ
ጴጥሮስ ዝነበሮ
ስፍራ ወስድዎ
፡ ንቅዱስ
ጴጥርስ ምስ
ረኣዮ ካኣ
ገጹ ጸፍዖ
ቀጺሉ ንስኻ
እንታይ ትእምርቲ
ተርእየና ብሓቂ
ናይ ጽድቂ
ቃላት እንተድኣ
ኣለካ ኮይኑ
ክብል ተዛረቦ።እዚ
ኢሉ ነቶም
ኣሕዛብ “ምዉታን እንተድኣ
ኣተንሲኡ ክንኣምኖ
ኢና” ክብል ነቶም
ሰባት ተዛረቦም
እሞ ካብ
ዝመውት 3/፫ ወርሒ
ዝገበረ ሰብነቱ
ፈጺሙ ዝማህመነ
ሬሳ ኣምጽእሉ
ብድሕርዚ እዚ
ሓቢሮም ናብ
እግዚኣብሔር ጸለዩ፡ ነቲ ሞይቱ
ዝነበረ ሰብ
ካኣ ሕያው
ገይሩ ኣተንስኦ።
እዚ
ምስ ኮነ
ናይታ ሃገር
ንጉስን ሰበይቱን
ምስ ጳውሎስ
ተዘራረቡ እሞ
በቲ ዝኾነ
ኩሉ ኣመኑ። ሽዑ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ምድሪ ቤት
ናይ ዝነበርዎ
ገዛ በትሪ
ገይሩ ሃረሞ
እሞ ጽሩይ
ማይ ወጸ
በቲ ዝወጸ
ጽሩይ ማይ
ገይሩ ካኣ
ብስም ኣብን
ወልድን መንፈስ
ቅዱስ ንንጉስን
ስድራቤቱን ንኹሎም
ናይ ኣንጾኪያ
ሰባትን ኣጠመቖም፡ ቤተ ክርስቲያን
ሃነጹ መሃርዎምን
ኣጽንዕዎምን ካኣ።
ብድሕሪ’ዚ ናይ
ሎዶቅያ ሰባት
ባሕሪ ቂሣሮስ
መሊኡ ንኹሉ
ገዛውትናን እንስሳናን
ሰብናን ኣጥፊኡና
ክብሉ ሰባት
ናብ ኣንጾኪያ
ናብ ቅዱስ
ጴጥሮስን ዮሓንስ
ለኣኹ። እዚ ምስ
ሰምዔ ቅዱስ
ጴጥሮስ ዮሓንስ
ነቲ ባሕሪ
ምእንቲ ከህድኦ
ለኣኾ። መልእኽቲ ትቐቢሉ
ቅዱስ ዮሓንስ
እና ኸደ
ከሎ ካብ
ሎዶቅያ ብውሕጅ
ዝመጸ በጊዕ
ረኸበ እሞ” ናብ ፈለገ
ቂሣሮስ ኬድካ
ናይ ክርስቶስ
ኣገልጋሊ ናባኻ
ልኢኹኒ ንስኻ
ብቃል እግዚኣብሔር
ዝተኣሰርካ ኢኻ”
በሎ ኢሎ
ሰደዶ፡ እቲ ዝተላእከ
በጊዕ ከምቲ
ዝበሎ ገበረ
ከይዱ ካኣ
ነቲ ባሕሪ
ኣህድኦ። ከመይ እግዚኣብሔር
ድንቂ እዩ!!! ኩሉ ፍጥረት
ካኣ ኣብ
ትሕቲ ግዝኣቱ
እዩ!!!
ነዚ
ዘደንቑ ትእምርቲ
ዝረኣዩ ናይታ
ሃገር ሰባት
ካኣ ብክርስቶስ
ኣመኑ። ቀጺሎም
ብሰማርያ ሓለፉ
ኣብኡ ካኣ
ብዙሕ ትእምርትን
ተኣምራትን ገበሩ። ንብዙሓት ሰባት
ካብ ዘይምእማን
ናብ እምነት
ኣምጽኡ። ጸልዮም
ናይ መንፈስ
ቅዱስ ጸጋን
ውህበትን ኣውረድሎም። ነዚ ዝረኣየ ሲሞን ዝባህል
ጠንቋሊ ብኽፍኣቱ
ሃብቲ መንፈስ
ቅዱስ ክቕበል
ደለዩ ቅዱስ
ጴጥሮስ ገሰጾ
ድኣ።(ግብረ
ሃዋርያት 8፡4-24/፰፡፬-፳፬)
ብትምህርቲ ዝኣመና
ብዙሓት ደቂ
ኣንስትዮ ንኣዴታተን
ገዲፈን ንጽህንኤን
ሓልየን ካብ
ስድራቤተን ተፈላለያ።
በቲ
ዝገበሮ ዓቢ
ትምህርታትን ዘደንቕ
ተኣምራትን ሮማውያን
ገዛእቲ ክቐትልዎ
ደለዩ። እዚ ዝሰምዑ
ኣመንቲ ኣብ
ልዕሊ ቅዱስ
ጴጥሮስ ብዝነበሮም
ፍቕሪ ሮማ
ገዲፉ ክወጽእ
ሓበርዎ እሞ
ቅዱስ ጴጥሮስ
ልብሱ ቀይሩ
ካልእ ሰብ
መሲሉ ካብቲ
ከተማ ክወጽእ
ተበገሰ። ካብቲ ከተማ
እና ወጸ
ከሎ ጎይታናን
ኣምላኽናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ከምቲ
ቀደም ዝፈልጦ
ኮይኑ ተጓነፎ
ሽዑ ቅዱስ
ጴጥሮስ ናበይ
ደሊኻ ጎይታይ
ክብል ሓተቶ
”ካልኣይ ግዜ
ክስቀል ናብ
ሮማ ይኸይድ
ኣለኹ” በሎ። ሽዑ እቲ
ኣቐዲሙ ጎይታ
“ንስኻ በጽሒ
ከለኻ ባዕልኻ
ተዓጢኽካ ናብ
ዝደለኻዮ ትኸይድ
ነበርካ ምስ
ኣረግካ ግናኣእዳውካ
ከም እተልዕል
እሞ ካልእ
ከም ዘዕጥቕካ
ናብ ዘይደለኻዮ
እውን ከም
ዝወስደካ ብሓቂ
ብሓቂ ይብለካ
ኣለኹ” ዝበሎ ቃል
ዘከረ እሞ
ናብ ሮማ
ንድሕሪት ተመልሰ።(ዮሃ21፡18-19/፳፩፡፲፰-፲፱)
ከም
ኣምላኸይ ንላዕሊ
ገጽ ኣይስቀልን
ምስኡ ኣይመዓረረን
ኢሉ ቁልቁል
ኣፋ ተሰቒሉ
ብሰማእትነት ዓረፈ።
ጸሎቱን
በረኸቱን ምስ
ኩላትና ህዝበ
ክርስቲያን ይኹን። ኣሜን!
ይቅጽል . . . . . . . . . . ፠
No comments:
Post a Comment