Saturday 15 February 2014

/ኪዳነ ምሕረት/

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን
ኪዳነ ምሕረት






ወይወጽእ እምጽዮን መድኅን ወየዐትት ኃጢኣት እም ያዕቆብ ወዛቲ ይእቲ ኪዳኖሙ እንተ እምኃቤየ ይቤ እግዚኣብሔር፡ /ኢሳ59፡20-21/-/ሮሜ11፡26/ 
''መድሕን ካብ ጽዮን ኪወጽእ እዩ፡
ካብ ይዕቆብ ሓጢኣት ኬርሕቕ እዩ፡ ኃጢኣት ምስ ኣርሓቕ ኸኣ እቲ ምሰኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን እዚ ዩ'' 
ትርጉም፦ መድሕን /ክርስቶስ/ ካብ ጽዮን ኪወጽእ እዩ/ ካብ ድንግል ማርያም ክወለድ/ ካብ ይዕቆብ ሓጢኣት ኬርሕቕ እዩ/ ካብ እስራኤል ዘነፍስ ሓጢኣት ከርሕቅ ምሰኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን   እዚ  እዩ''






















ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቐዲሙ ብነቢያት ደሓር`ውን ብሐዋርያት ከምዝተነገረ (ተጻሒፉ ውን ከም እንረኽቦ) ምክንያት ድሕነትና፡ ብቃል ኪዳና ምሕረት እተውህበና ናይ ደቂ ሰባት መመክሒት ኢያ። ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ''ሶበሰ ኪዳንኪ ምክንያተ ድሂን ኢሀሎ። ፈለገ እሳት ወደይን እምኣስጠመ ኩሎ፣'' 
ናትኪ ኪዳን ምክንያተ ድሕነት እንተዘይከውን ነይሩ፡ ፈለገ ናይ እሳትን ደይንን መስጠሞ ነይሩ ንኩሉ።
ንዓኣ ዝተዋህባ ቃል ኪዳን እንተዘይህሉ ኔሩ ናይ ደቂ ሰባት ሕይወት ጸልማት ከምዝኸውን ኣየጠራጥርንዩ።
 ነቢዩ ኢሳይያስ ''እግዚኣብሔር ኣምላክ ጐይታ ሰራዊት ዘርኢ እንተዘይሓድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና፣'' ዝበለውን ነዚ ኢዩ። /ኢሳ 1፡9/
      ንሕና ደቂ ተዋሕዶ  ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቃል ኪዳና ክሰምዕ ከሎ  ስማ ክዝከር፡ ክጽዋዕ ከሎ ብተስፋ ኢና ንምላእ። ከመይ ቃል ኪዳና ተስፋ፡ ትምክሕቲ፡ መጸናንዒ፡ ስለዝኾነ። ከመይ'ሲ ብዘይካኣ ፍጹማን ከምዘይኮና ስለዝፈልጥ። ''በኪዳንኪ ሓጣን መንግስተ ሰማይት ይወርሱ'' 

 ካብዚ ቀጺልና ኣቀዲሙ ንኣቦታትና ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን ክንጽሕፍ ከንፍትን ኢና ከም ፍቃድ እግዚኣብሔር፦

 ኪዳነ ኣዳም 
     ኣቦና ኣዳም ዕጸ በለስ በሊዑ ካብ ገነት ድሕሪ ምውጽኡ ምስ ፈጣሪኡ ንክዕረቅ ንደሙ ምስ መስዋእቲ ሓዊሱ እንተቅረበ እግዚኣብሔር ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ከም ዘድሕኖ ነገሮ፣ ''በሓሙስ ዕለት ወበ መንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ። ወእክውን ኪዳነ በእንቲኣከ። ወእድህከ ውስተ መርህብከ ወእትቤዘወከከ በመስቀልየ'' ድሕሪ 5 መዓልትን ፈረቃን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ህጻን ኮይነ ብኣፍደገኻ ተመላሊሰ ብመስቀል ክብጀወካዬ ኢሉ ቃል ኪዳን ኣተወሉ፣ (ቀለሜንጦስ) እዚ`ውን ዘመኑ ኣኺሉ ተፈጺሙነዚ'ዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ከብል ጠቂስዎ ዘሎ ''ግዜኡ ምስ በጽሐ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድኅን፡ ንሕና ውን ናይ ወልድነት ስልጣል ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ።'' ከብል ዝጸሓፈልና። //ገላ 4፡ 4//

ኪዳነ ኖህ 
      ኖህ ብዘመኑ ደቂ ሰባት ብጥፍኣት ማይ ክቅጽዑ ከለው ንሱ ግና ጻድቅ ኮይኑ ተረኺቡ ሰለዝነበረ ምስ ስድራቤቱ ብመርከብ ድሒኑ፣ ካብኡ ንደሓር እቲ ናይ ጥፍኣት ማይ (ማይ ኣይሂ) ምስሓለፈ ነቲ ዝኾነ ርእዩ ''ንወዲ ሰብ ከምዚ ትቀጽዕ እንትኮንካስ ድሕሪ ሕጂ ናብ ሰበይተይ ኣይቀርብንዬ ንስኻ ምቅጻዕኻ  ኣይትገድፍን ኢኻ ሰብውን ምብዳሉ ኣይገድፍን። ስለዚ ኸኣ ዘርኢ ምትካእ ክተርፍ ይሓይሽ'' በለ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይ ቀስተ ደበና ኣርኣዮ''ድሕሪ ሕጂ ንምድሪ ብማይ ኣይህ ኣየጥፍኣንዬ ነዚውን ምልክት ክኸውን ቀስተይ ኣብ ደበና አንብር ኣሎኹ'' ኢሉ ቃል ኪዳን ሂብዎ ቀስተ ደበና ስጋዕ ሎሚ ናይ ቃል ኪዳን ምልክት ኮይኑ ይነብር፣ /ዘፍ 9፡12/ እዚ ድማ ናይ ኪዳነ ምሕረት ናይ ቅድተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። ነዚ ድማ ኢና /መርከበ ኖኅ/ እናብልና ዝወትረ ስማ እንጽውዕ።

ኪዳነ ኣብርሃም
     እግዚኣብሔር /ኣበ ብዙሃን/ ዝተባህለ ኣብርሃም ካብ ኡር ወጺኡ ናብ ከነኣን ክጓዓዝ ነዚ ዝገብር እንተኮይኑ ዓቢ ሕዝቢ ከምዝገብሮ። ናይ ምድሪ ኣህዛብ ብዘርኡ ከምዝባረኹ ቃል ኣትዩሉ እዩ፣ /ዘፍ1፡21/ ኣብርሃም ዋላኳ ንግዚኡ ሰበይቱ ሳራ መካን ኮይና ቆልዓ እንተዘይወለደት ብእምነት ብምጽንዑ ድሓር ንይስሓቕ ወሊዱ ብኡኡ ኣቢሉ እቲ ቃል ኪዳን ተፈጺሙሉ እዩ።
ኪዳነ ሙሴ
      እግዚኣብሔር ብሙሴ ኣቢሉ ንኹሎም ደቂ እስራኤል ቃል ኪዳን ኣትዩሎም ነይሩ'ዩ። ''ለእም ኣቀብክሙኒ ቃልየ በጽድቅ ወኣቀብክሙ ኪዳንዬ ትከዉኑኒ ርስተ'' ሕጂውን ቃለይ ብሓቂ እንተሰማዕኩም ኪዳነይውን እንተሓለኹም ኩላ ምድሪ ናተይ እያ ካብ ኩሉ ህዝቢ ዝተመረጸ ርስቲ ክትኮኑኒ ኢኹም ብምባል ቃል ኪዳን ሂብዎም`ዩ፣ በዚውን ንሕጉ እንተሓልዮም እንዳሓለዎም ካብ ሕጉ ወጻኢ እንተኮይኖም እንዳቀጽዖም ኔሮም ኢዮም።
ኪዳነ ዳዊት
       ቅዱስ ዳዊት ''ንእግዚኣብሔር መሕደሪ ስጋዕ ዝረክብሲ ነዒንተይ ድቃስ ንኾቦሮ ዓይነይውን ሰለምታ ኣይህብን'' ብምባል ወጮ ተኸዲኑ ሓምኹሽቲ ነሲኒሱ በኸየ፣ /መዝ 131።35/ በዚውን ''እስመ እምፍሬ ከርስከ ኣነብር ዲመ መንበርከ'' ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብዙፋንካ ከንብርዬ ዝብል ቃል ኪዳን ተዋህቦ። እዚ ቃል ኪዳን ዝተፈጸመ ካብኡ ወገን ብዝኾነትን ንጐይታ ብዝወለደት ብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢዩ፣
ኪዳነ ምሕረት
       እግዚኣብሔር ምስ ዝፈትዎም ቃል ኪዳን ከምዝገብር ርኢና ኢና፣ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ካብዝረኣናዮም ንኣቦታት ካብዝተዋህቡ ኩሎም ብዝተፈለየ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝትዋህባ ቃል ኪዳን ኢዩ፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኩሉ ፍልይ ትብልያ፣ ምኽንያቱ ካልኦት ብረድኤት ናቱ መሕደሪ ዝኾኑ እዮም። ንሳ ግና ብኣካል ንፈጣሪኣ ብማህጸና ተሸኪማያ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ`ዩ፣ እዚ ንማንም ዘይተዋህበ ጸጋን ሃብትን እዩ።
    ቅዱስ ዳዊት ''ነኬር ነገሩ በእንቲኣኪ ሀገረ እግዚኣብሔር'' ኣቲ ከተማ ኣምላኽ ብዛዕባኺ ክቡር ነገር ተዘርበ። /መዝ 86፡3/ ብምባል ከምዝተዛረበ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተገበረ ነገር ንዓለም ኣደኒቑ`ዩ። ንብዙሓትውን ኣገሪሙ`ዩ፣ ኣዳም ደሙ ሓዊሱ መስዋእት ዘቕረበሉ። ኖህ በቲ ኣጸጋሚ ዘመን ንዝተኣመነሉ ኣብርሃም ኣብቴንድኡ ንዘኣአንገዶ፡ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ናይ ሕጊ ጽላት ዝተቀበሎ፡ ዳዊት መሕደሪኻ ናበይ ኢዩ ኢሉ ብጾም ኣብ ቅድሚኡ ርእሱ ንዘዋረደሉ ኣምላኽ ብማህጸና ተሸኪማ`ያ፣ ናይ ኩሉ ቃል ኪዳን መፈጸምታ ብኣኣ ኮነ። ኩሉ ዓለም ብኣኣ ምኽንያት ደሐነ፣ ቅድሜኣ ዝነበሩ ኩሎም ኣቦታት ቃል ኪዳን ናብኣ ኢዩ ዘምርሕ፣ ንኣዳም ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካዬ ዝበሎ ብኣኣ ተፈጺመ፣ ንኖህ ብምልክት ቀስተ ደበና ጥፍኣት ከምዘይህሉ ዝተኣትዎ ቃል ኪዳን ኣብኣ ምስ በጽሐ እቲ ምስጢር ተገልጸ፣ ናይ ቃል ኪዳን ምልክት ሓቀኛ ቀስተ ደበና ኮይና ንኹሉ ዓለም ናይ ምድሓን ምልክት ኮነት፣ ኣብርሃም ብዘርእኻ ናይ ምድሪ ኣሕዛብ ክባረኹ`ዮም ተባሂሉ ኔሩ ብድንግል ማርያም ሕያው ኮነ። ብሙሴ ኣቢሉ ሕጊ ክወሃብ ከሎ እቲ ናይ ቃል ኪዳን ምልክት ጽላት ኔሩ። ብሓዲስ ኪዳን ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕጊ ክሰርሕ ከሎ ንሳ ኣማናዊት ጽላት ናይ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ መሕደሪ ናይ ደቂ ሰባት ምልክት ድሕነት ኮይና ተረኺባ፣ ንሳ ብዝወለደቶ ወዳ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኩሎም ኣሕዛብን ሓዝብን ተባሪኾም። ንዳዊት ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዙፋንካ ከንብርዬ ዝተባህሎ ትንቢት`ውን ካብኣ ብዝተረኸበ ፍረ ማህጸና ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ`ዩ፣ ነዚ ኢና ከኣ ናይ ድንግል ማርያም ቃል ኪዳን ናይ ኩሎም ቅዱሳን  ቃል ኪዳናት መእሰሪ ኮይኑ ኪዳነ ምሕረት ክበሃል ዝተካእለ።
     ወላዲተ ኣምላክ ዝተፈለየት ምዃና ቅዱስ ገብርኤል ''ንስኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረክኺ ኢኺ'' ኢሉ ገሊጹላ`ዩ፣ ስለዚ ቃል ኪዳና`ውን ዝተፈለየ ኢዩ፣ ኣብ ጸልማት ዘመን ንዝነበሩ ኣቦታት ንዝባርኾም ክባርኽ ንዝረግሞም ከምዝረግም ዝተዛረበ ኣምላኽ /ዘፍ 1፡21/ ንዝወለደቶ ኣዲኡ ንዝፈትውዋ ኩሎም ከምዝባርኸላ ቃል እንተኣተወላ እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጥ ዘገርሞ ኣይከውንን።
     ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰነ 21 መዓልቲ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መቓብር ኣብ ጎልጎታ ኮይና ክትጽልይ ከላ ወዳ ከምዚ በላ፣ ብስምኪ ዝምህጸን ምሕረት ክገብረሉ`ዬ። 
ብስምኪ ቤተክርስቲያን ዝሰርሐ ኣነ ናይ ብርሃን ገዛ ክሰርሓሉ`ዬ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ጽሩይ መሕደሪ ክህቦዬ። ብስምኪ ሕሙም ዝበጽሐ ኣነ ክበጽሖዬ። ካብዚ ሓሊፉ ዓለም ኣብ ዝፍለየሉ እዋን  እቲ ዝመረረ ጽዋ ሞት ኣየስትዮን`ዬ። ንዝዓረቐ ብስምኪ ንዝኸደነ ብሰብ ዘይተሰርሐ ክዳን ክኸድኖ ኢዬ። ንዝጠመየ ዘብለዐውን ናይ ሂወት ምግቢ ኣነ ክምግቦ ኢየ። ንዝተጸምአውን  ብስምኪ ንዘስተየ ካብ ኤዶም ገነት ዝፈስስ ማይ ሕይወት ከስትዮዬ። ንዝሓዘነ ዘጸናንዕ ኣነ ከጸናንዖዬ ምስጋናኺ ዝጸሓፈ ዘጽሓፈ ስሙ ኣብ ሕይወት መጽሓፍ ክጽሕፈሉዬ። ብስምኪ መብራህቲ ዘይቲ ዕጣን ጥዋፍ ንቤተክርስቲያን ንዝሃበ ኣነ ብመንግተ ሰማይ ካብ ጸሓይን ወርሕን ሸውዓተ ኢድ ዘብርህ ብርሃን ከብርሃሉዬ፣
     ስምኪ ኣብዝጽውዓሉ ስእልኺ ኣብዘለወሉ ዝኽርኺ ኣብዝዝከረሉ ብሽምኪ ኣብ ዝጽለየሉ ኩሉ ክፉኣት(ርኩሳን) ኣጋንንት ኣይቀርቡ እዮም ናይ ርኩሳን መናፍስ ሓይሊ ይርሕቅ፣ ዝኾነ ሕማም ኣይህሉን'ዩ፣ /ኢሳ 5፡64  ማቴ 25፡34  ራዕ 9፡27 ማቴ 10፡42  ዘፍ 2፡10/
     ሎሚ ኩላትና ነዚ ኣሚንና እስራኤላውያን መከራ ክወርዶም ከሎ ናይ ኣቦታትና ቃል ኪዳን ዘክር ከምዝብልዎ ንሕናውን ''ናይ ድንግል ማርያም ቃል ኪዳን ዘኪርካ ይቅሬታኻ ኣብዝሓልና'' ንብሎ። 
ንሕናስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርሖ ተኣምር ዝገበሮ ነገር ብወንጌል  ተጻሒፉ ከምዘይተወድአ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዝነግረና //ዮሐ20፡ 30// ካብ ካልኦት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዝረኸብናዮ መሰረት ነዚ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ብእምነት ንቕበል፣ ብስም ቅዱሳን ማይ ምስታይ ዋጋ እንተልይዎ /ማቴ 10፡42/ ጥዋፍ፡ ዕጣን ምሃብ ቤተክርስቲያን ምስራሕሞ ዝበለጸ ከምዝኾነ ተረዲእና ነዚ እንዳገበርና ናይ ድንግል ማርያም በረኸት ተካፈልቲ ንምዃን ንነብስና ነዳሉ፣ ንኖህ ናይ ስጋ ጥፍኣት ከምዘርሕቀሉ ዝተዛረበ ኣምላክ ንእመ ብርሃን ማዕረ ክንደይ ክፍጽመላ ዘይኽእል?
     ለካቲት 16 መዓልቲ ነኽብሮ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በዓል ምስዚ ቃል ኪዳን ዝተተሓሓዘን ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝሰርሖ ዓቢ ስራሕ ዘመልክት ኢዩ።
     እዚ ዕለት ብተኣምረ ማርያም ተጻሒፉ ከም እንረኽቦ ሰብዓን ሸሞንተን ነፍስ ዝበልዐ በላዒ ሰብ /ሰብ ዝበልዕ/ ብድንግል ማርያም ቃል ኪዳን ተማሒሩዩ፣ በላዒ ሰብእ ኣቀዲሙ ፍጹም መንፈሳውን ጋሻ ዝፈቱን ሰብ ከምዝነበረ ተኣምራ ይነግረና፣ ደሓር ደሓር ግና በዚ ጽቡቕ ግብሩ ዝቀንአ ጸላኢኡ ሰይጣን ናይ ብርሃን መልኣኽ ምምሳል ንርእሱ ሰዊሩ ጋሻ መሲሉ ናብ ገዝኡ መጸ (2ይ ቆሮ 11፡14) ኣቀዲሙ ዝነብረሉ ንዝነበረ መንፈሳዊ ሕይወት ዝገድፈሉን ሰብ እንዳበልዐ ክነብር ዝገበሮ ክፉእ ስራሕ  ኣስሪሕዎ ከደ፣ ካብዚ እዋን ጀሚሩ ንሰባት ብደዎም እንዳበልዐ ብቁጽሪ 78 ኣብጽሖም።
    ኣብ መወዳእታ ሓደ እዋን ካብ ገዝኡ ወጺኡ ናብ መንገዲ እንዳኸደ ከሎ ሓደ ነዳይ ኮፍ ኢሉ ክልምን ረኸቦ፣ ክበልዖ ሓሲቡ ንቁስሉ ስለ ዝፈንፈኖ ግን ገደፎ፣ እንተኾነ ግና ክተኩበሉ ስለዝይፈቀደ ንዒቕዎን ኣቃሊልዎን ገዲፍዎ ከደ፣ እቲ ነዳይ ከኣ ስለድንግል ብምባል ልመንኡ ኣትረረሉ። ናይ እመ ብርሃን ስም ዝሰምዐ በላኤ ሰብእ ዋላ ኣረሚን እንተኾነ ነዚ ስም ሰሚዑ ክሓልፍ ስለዘይከኣለ ጠጠው ኢሉ ሓሰበ፣ ስለ ድንግል ማርያም ኢሉ ስለ ዝለሞኖ ድማ ቅሩብ ማይ መተርከሲ ኣፉ ኣስተዮ ካብኡ ምስተፈለየ ሞተ።
     ካብዚ ንደሓር`ዩ ናይ ድንግል ማርያም  ተኣምር ዝተገልጸ። ኣቐዲሙ ካብ ዝበልዖም ሰብዓን ሸሞንተን ነፍሳት ቃል ኪዳና ብምዕባዩ ምሕረት ተገበረሉ፣ ድሕነትውን ረኸበ ብየማን ጐይታ ተሰቂሉ ዝነበረ ሽፍታ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ብወዳ ኣሚኑ ልቡ ብምምላሱ ከምዝደሓነ ንሱውን ብሕወቱ ፍጻሜ ብኣኣ ኣሚኑ ነዚ ብምስራሕ ንክብሪ በቒዑ'ዩ።
    ሎሚ ካብ በላዒ ሰብእ ሕይወት ተማሂርና ምንም ድኹማት እንተኮንና ናይ በላዒ ሰብእ እመቤት ከም እተምህረና ተስፋ ንገብር፣ ሓጢያት ሰሎሞን ብዳዊት ቃል ኪዳን ከም ዝተሸፈነ /1ይ ነገ11፡12/ ናትና  ድኻምውን ብድንግል ማርያም   ከምዝሽፈን  ንኣምን ኢና፣ እዚ ክበሃል ከሎ ግና ሰባት ኮነ ኢሎም ሓጢያት ሰሪሖም <ቃል ኪዳና ኣሎ> ብምባል ናይ ድኻሞም መሸፈኒ  ይግበርዎ ማለት ኣይኮነን፣ ፈሊጥካ ሓጢያት ምስራሕ ብፍርዲ እግዚኣብሔር ክንወድቅ ይገብረናዩ፣ በላዒ ሰብእ ከይፈለጠ ካብ ዝኣተወሉ ናይ ባሕሪ ሓጢኣት ብድንግል ማርያም ኣማላጅነት ወጺኡ፣ እዚ እንዳርኣዩ እንዳፈለጡ ብምብዳል ንናይ ቅዱሳን ስም ምጽዋዕ ንእግዚኣብሔር ምትላል ንመንፈስ ቅዱስ ምሕሳው ኢዩ /ግሓ 5፡1/ እዚ ከምዚ ዝበለ እምነት ንኣምላከ ቅዱሳን ምእማን ዘይኮነ ምፍታን ይኸውን፣ ኣብ ዶኪማስ ገዛ (ዮሐ 2) ከምዝነበሩ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም እጃም ብምግባር ወይኒ ምስጸሞቑ ነቲ ሕዝቢ ከአንግደሎም ስለዘይከኣለ ድንግል ማርያም  ከምዝረዳቶም  ንሕናውን እጃምና ሰሪሕና ተነሲሕና ስግኡ በሊዕና ደሙ ሰቲና  ብጾም  ብጸሎት እንዳነበርና ካብዚ ንደሓር ነቲ ዝጎደለ ንክትምልኣልና ናብ ድንግል ማርያም እንተረኣና በዚ እዋን እግዚኣብሔር ይርህርሃልናዩ ንዕኡ ምፍትታን ዘይኮነ ምእማን ምዃኑ ክርድኣልናዩ፣ ንቃል ኪዳናውን ይዝክርዩ።
     ብካልእ ወገን እዚ ዕለት በላኤ ሰብእ ንናይ ድንግል ማርያም ስም ሰሚዑ ልቡ ከምዝተለዓዓለን ነቲ ዝገደፎ ጽቡቕ ምግባር ንምግባር ምልዓሉ በዚውን ንንስሓ ዝሞተ ልቦና ሒዙ ምርካቡ ንሓስበሉ ኢዩ፣ ሓይሊ ንስሓ ኣብ ሕወትና እንታይ ከምዝገብር የረድኣና፣ ስለዚ ሎሚውን ብዓመጽ ንነብር ናይ ድንግል ማርያም ስም ሰሚዕና ልቦናና ክምለስ ብሰናይ ስራሕ ንነስሓ ክንበራበር ይግበኣና፣ ነዚ ንክንገብር ናይ ቅዱሳን ኣምላክ ይሓግዘና፣ ኣሜን፣
                                
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
        

3 comments:

  1. kale hiwet yesmealna tsegu yebzehalkum amlak ade amlak dngl maryam biamaladneta tdegfkum

    ReplyDelete
  2. ቃለ ሂወት የስምዕካ

    ReplyDelete
  3. ቃለ ህይወት የስማዓልና

    ReplyDelete