Thursday 20 February 2014

ናይ መን ዲና ንሕና

ናይ መን ዲና ንሕና?
ናይ ጳውሎስ ዲና? ናይ ኣጵሎስ? ወይስ ናይ ኬፋ ኢና ናይ ክርስቶስ?


ብወገን ዓሌት ዘመድ ፍጹም ከይንእሰር
ብመልክዕ ኣምላኽና ዝተፈጥረ ፍጡር
ነኽብሮ ነልዕሎ መን እዩ ብዘየገድስ
ንኹሉ ፍጡር ኣምላኽ ስራሓት ክርስቶስ

ምፍልላይ ምብትታን ዘይርከቦ ረብሓ
ኣብ ሽግር ዘውድቕ ዘይገድፍ ብደሓን
ዕላማና ሓደ ክነሱ ምትፍናን ኮይኑ
ብሻራ ጽልኢ ባእሲ ኣካልና ማሲኑ

ሰብ ክልተ ልቢ ኣይንኹን ሓደ ልቢ ንሓዝ
እንታይ ኮን ሒዙና ልብና ዘደንዝዝ
ንኸይንፋቐር ዝፈሊ ነእምሮ ዝገዝእ
ንጠምት ናብ ቀራንዮ ሕሊናና ንግታእ

ንሕና ናይ መን ምዃና ንፍለጥ መጀመርታ
ናይ ክርስቶስ ኢና ናይቲ ለዋህ ጎይታ
ናይ መን ደኣ ክንከውን ንደሊ ኣሎና
ሎሚ ነስተውዕሎ እምበር ናይ መን ኢንና ንሕና

በሉ ዋና ኣሎና ዘፍሰሰልና ደሙ
ሕማምና ፈዊሱ ንሱ ብሕማሙ
ኣምልኽና ፍቕሪ እዩ ከቶ ኣይንፈላለ
ንገስግስ ብሓድነት ናብቲ ዝለዓለ

ሕራይ እምበኣር ክቡራት የሕዋተይን ኣሓተይን ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ግጥሚ ብዝግባእ ነስተማቕራ እሞ ሽዕኡ ናይ መን ምዃንና ክበርሃልና እዩ መኽንያቱ ንሕና ናይ እቲ ኩሉ ዝኽእል ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽኣና ካብ ሞት ናብ ሂወት ብኽቡር ደሙ ዝዓደገና ንሕና ንኽንማሙቕ ንሱ ኣብ ቤትልሄም ዝቖረረ ርእስና ንኸነቕንዕ ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ ርእሱ ዘድነነ ምእንታና መሪር ናይ ሞት ጽዋዕ ዝስተየ ብፍጹም ፍቅሪ ዝጸውዓና ደኣ እምበር ብምኽንያት ጳጳሳት ምስምስ እናኣምጻእና ወይ ውን ብዓዳዊ ሰበብ እናሳበብና ክንፈላለ ግቡእ ኣይኮነን (ሰይጣን ክበታትነኩም ደለየ ኣነ ግን ኣከብኩኹም) ከም ዝበለና ክርስቶስ ኣምላኽና ንሕና እውን ውዲት ሳጥናኤል ተረዲእና ብፍቕሪ ተጠሚርና ክንጓዓዝ አግዚኣብሔር ይሓግዘና ነቶም ኣብ ማእከልና ኮይኖም ምፍልላይ ዘምጽኡ ኸኣ ከነለልዮም ይግበኣና ብዝያዳ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ኣዚ ጉዳይ እዚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብሰፊሑ ክንግንዘቦ ኢና አግዚኣብሔር በብዘለናዮ ሰላሙ የሃበና ኣሜን

Dn. Efrem Teklehaymanot 

No comments:

Post a Comment