Wednesday 21 January 2015

ፈተና ቤተ ክርስቲያን

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

መእተዊ ታሪኽን 

ፈተናን ቤተ ክርስቲያን ብሓንሳእ ካብ ዓለመ መላእኽቲ ይጅምር። እዚ ፈተናዚ በቲ ሥልጡን መልኣኽ ዝነበረ ዲያብሎስ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ናይ ሓሶት ኣዋጅ ኣዊጁ ብትዕቢት ኣምላኽነት ብምድላዩ ዝጀመረ እዩ። በዚ ኣብ መንጎ ሰማያውያን መላእኽቲ ዘምጽኦ ምፍልላይ ከይተገትአ ብድኅርዚ ውን ኣብ ደቂ ሰባት ካብ ኣቤል ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙኅ ፈተናታት ከም ዘምጽአን ከምዘምጽእን ብሰፊሑ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እቲ ርእሳ ክርስቶስ ብክቡር ደሙ ዘኽበራን ኣካሉ ዝገበራን ቤት(ኤፌ ፩፥፳፫/1፡23)፡ ንደቂ ሰባት ብዛዕባ ሰማያዊ መንግሥቲ እትሰብኽ ብሥራት፡ ምስ እግዚአብሔር እተራኽብ መሳልል፡ ናብ ሓቀኛ ጐደና ጽድቂ እትመርሕ መንገዲ . . . ብምዃና ካብ ፈተና ኣየዕረፈትን፡ ኵሉ ጕዕዞኣ ብፈተና ዝተሓጽረ እዩ፥ ግናኸ ፍጹም ኣይትሰዓርን እያ።


እቶም ቀንዲ ኣበገስቲ ፈተና ቤተ ክርስቲያን፥
1. መናፍቃንብናይ ጐይታ ኣገላልጻ “ፀራዊ”፣ ብናይ ሓዋርያት ኣዘራርባ “ቢጸ ሓሳውያን”፣ ብናይ ሊቃውንቲ ኣገላልጻ ድማ “መናፍቃን” ተባሂሎም ዝጽውዑ እቶም ቀንዲ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘይክንሶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ተመሲሎም ዝኣትዉ፣ ወይ ድማ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምነትን ትምህርትን ብከፊል ዝተመሃሩ ሕፁፃነ ፍልጠት እዮም። ኣብታ ናይ ጐይታ ዓፀደ ወይን ቤተ ክርስቲያን ከም ክርዳድ ጽሩይ ሥርናይ መሲሎም ዝበቘሉን ዝዓበዩን መስሓትያን እዮም። እዞም መናፍቃን በብጊዜኡ ስልትታት ኣብ በቦታኡ እናለወጡ፡ ነታ ሓመረ ኖህ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን በቲ መናፍቓዊ ማዕበላቶም ዘናወጹን ዘናውጹ ዘለዉን ማየ ኣይኅ እዮም። ቤተ ክርስቲያን፥ ንርቱዕ ትምህርታ ኣብ ኵሉ ንከይተብጽሕ ዕንቅፋት ኮይኖም ነቶም ዘይጽኑዓትን ዘይተማህሩን ምእመናን ዝተፈላለየ ክሕደት እናሰበኹ ዝምንጥሉ እዮም። ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ካብዚ ናይ ክሕደት ትምህርቶም ኃሊፎም ውን ነቶም ንከብዶም ዝተገዝኡ ሽጉራት ሰባት ‘ናይ ዕለት ቍርሲ ናይ ዓመት ልብሲ ክንህበኩም ኢና’ እናበሉ ዝሰልቡ እዮም። ሽሕ እዃ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዓይነት መናፍቃዊ ፈተና ዘይፍለያ እንተኾነ፥ እቲ መሥራቲኣ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ልኡኻቱ ማለት ሓዋርያት፡ ሓዋርያነ ኣበው፡ ሊቃውንት፡ ካህናትን ትጉሃት ምእመናንን ምእመናትን እናለኣኸ ከምዘጽንዓን ከምዝከላኸለላን ብፍጹም ልብና ንኣምኖ እዩ።


2. ዓላውያን ነገሥታትድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ክሳዕ 70 ዓ.ም (ዘመነ ሓዋርያት) ከምኡ ውን ካብ 70 ዓ.ም ክሳዕ 160 ዓ.ም (ዘመነ ሓዋርያነ ኣበው) ዝነበረ ጊዜ ፈተናን ተጋድሎን ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣይሁድ ዝተኣሳሰር እዩ። ነዞም ቃል ኪዳን ዝተኣትወሎም፡ ትንቢት ዝተነገረሎምን ብሓደ ኣምላኽ ዝኣምኑን ግናኸ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነትን ግብረ ምድኃንን ዘይቅበሉ ብዓመጽን ግብዝናን ዝጓዓዙ ኣይሁድ፡ ወረስቲ መንግሥተ እግዚአብሔር ንምግባር ዝተገብረ ጻዕርን ዝሰዓበ ፈተና ቀሊል ኣይነበረን።ካብ 160 ዓ.ም ክሳዕ 312 ዓ. ም ዘሎ ዘመነ ሰማዕታት ዝበሃል እንተተመልከትና ግና ቤተ ክርስቲያን ካብ ዓላውያን ነገሥታት ዝበጽሓ ሰማዕትነት ብፍሉይ ይዝከር። ኣብዚ ጊዜዚ ክርስትና ሃይማኖት ኣብ መላእ ሮም ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያና፥ “እቲ ባርያ ክነሱ እግዚአብሔር ዝጸውዖ ናይ እግዚአብሔር ውጻእ ሓራ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ሓራ ክነሱ እተጸውዔ ባርያ ክርስቶስ እዩ።” ( 1ይ ቆሮ 7፥22/ ፯፥፳፪) እናበለት ነቶም ባሮት (ግዙኣት) ናይ ናፅነት ትምህርቲ ኣስተምሃረት፥ ነቶም መኳንንትን ሃብታማትን ድማ እንተ ኣሚኖም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ንምዃን ከም ዝበቕዑ ተነገሮም። በዚ ኸኣ ናይ ኣሕዛብ ከንቱን ርኹስን ሕይወትን ብቃል እግዚአብሔር ተሳዕረ፣ ናይ ክርስትና ቅድስና ሕይወትን ናይ ማዕርነት ክብርን ነገሠ። በዚ ነገርዚ ዘይተሓጐሱ ዲያብሎስ ዝኃደሮም ክፉኣት ሰባት ናብ ነገሥታት ከይዶም፥ ‘እዞም ክርስቲያን ዝበሃሉ ሥጋ ሰብ ይበልዑ ፡ ንቄሣር ኣይእዘዙን፡ ግብሪ ውን ኣይከፍሉን እዮም’ እናበሉ ኣውረዩ። ነዚ ክፉእ ወረ ተቐቢሎም ብግብሪ ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መከራን ሽግርን ዘውረዱላ ቄሣራት ከም በዓል ኔሮን ፡ ዲሚቲያኖስ ፡ ትሪያኣኖስ ፡ ሰቲሚዮስ ፡ ዳክዮስ ፡ መክስምያኖስ ዲዮቅልጥያኖስን ይጥቀሱ። ካብዚኦም ብፍሉይ ንቤተ ክርስቲያን ከቢድ መከራን ፡ ጭካነን ፡ ግፍዕን ሞትን ዘውረደላ ዲዮቅልጥያኖስ እዩ። እዚ ዓላዊ ንጉሥ እዚ ብዅሉ ሕዝቢ ክምለኽን ክስገደሉን ስለ ዝደለየ፥ ነቶም ብትብዓት ‘ንሕና ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ኢና እንሰግድ’፣ ‘እዚ ሕጂ ዝበጽሓና ፈተና ምስቲ ደኃር ተስፋ እንገብሮ መንግሥተ ሰማያት ፍጹም ዘይመዓራረይ እዩ’ ዝበሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብኣሰቃቂ ተግባር ብሰማዕትነት የኅልፎም ነበረ። በዚ ናይ ሕይወት ፈተናን ሰማዕትነትን እቶም ሕዝበ ክርስቲያን ጽንዓት ሃይማኖቶም ወሰኸ ደኣ እምበር ኣይተሰናበዱን። ቤተ ክርስቲያን ኣካል ክርስቶስ ከም ምዃና መጠን፡ ንዅሉ ብዘይ ኣፈላላይ ብማዕረ ትጥምቶ፣ ኣብ ንጉሥነትን ሥልጣንን ዘለዉ ውን ከይተረፈ ብሥርዓታን ትውፊታን ንኽነብሩ ትምህሮምን ትግሥጾምን። እንተኾነ ግና ዓላውያን ነገሥታት ብከንቱ ሥጋውን ዓለማውን ሰይጣናውን ሕይወት እናተመርሑ ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ምንጪ ፈተና ምስ ኮንዋ እዮም።


3. ኣብ ሞንጐ ኣቦታት ዘይምርድዳእቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ‘እፈልጥ እየ፡ ብቑዕ እየ ይግብኣኒ እዩ’ እናበሉ ሽመት ሃሪፎም ዝካሰሱ ዘይኮነስ፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ነዲዶም ብሕጊ እግዚአብሔር ዝመላለሱ፥ ‘ድኹም እየ ኣይግብኣንን እዩ’ እናበሉ ተገዲዶም ኃላፍነትን መዓርግን ዝተቐበሉ ካብ ክህነት ክሳብ ጵጵስና ዘገልገሉ ብዙኃት ቅኑዓት ኣቦታት ኣለውዋ።

ብኣንጻር ነታ ጐይታ ብደሙ ዝጥረያ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ምንጪ ፈተና ዝኾንዋ ፥ ነቲ ውልቃዊ ረብሓኦምን ጊዜያዊ ምድራዊ ድሌታቶምን ዘቐድሙ፥ ውዳሴ ከንቱን ግላዊ ክብርን ዝናን ዝሃርፉ ብዙኃት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ፡፡ኣብ ሞንጐ እዞም ክልተ ዓይነት ኣቦታት ናይ ኣመራርሓ ይኹን ኣሠራርሓ ዘይምርድዳእን ዘይምውሕሓድን ይኽሰት እዩ። ሓድነት ኣቦታት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ብምዃኑ እዚ ዘይምርድዳእ ቀንዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈተና ነይሩን ይቅጽል ኣሎን። ከም ሳዕቤኑ ነዚ መዝሚዞም ኣብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ክርዳድ ምፍልላይን መናፍቕነትን ክዘርኡ ነቶም ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ጥጡሕ ባይታን ክፉት ማዕፆን ዝህብ እዩ።


4. ድኽመት ናይ ምእመናን መንፈሳዊ ሕይወትናይ ክርስቲያን መንፈሳዊ ሕይወት ኣብ መሠረተ እምነት ዶግማ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዑ፡ ብሕግን ሥርዓትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተነዲቑ ዝነብር ሕንፃ እግዚአብሔር እዩ። ስለዚ ምእመናን ካብታ ሃብተ ውልድነት ሥላሴ ዝጸገወቶም ኣዲኦም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ንድምፃ ጸማም እዝኒ ሂቦም ካብ ቃል እግዚአብሔር ርኂቖም ብሥጋዊ ትምኒቶምን ብውልቃዊ ስሚዒቶምን ኣብ ዝጐዓዝሉ ጊዜ፥ ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ሓደጋ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቦታትን ምእመናን ዘይምስምማዕ ይኽሰት። ጸጋ እግዚአብሔር ይጐድል፡ እታ ማኅበረ ምእመናን ድማ በነፋሰ ተሃውኮ ትርበሽ።


5. ውልቃዊ ረብሕኦም ዘቐድሙ ሰባትጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ተገሊጹ ኣብ ምድረ እስራኤል ክሰብኽ ከሎ፥ ክሳብ ኃሙሽተ ዕዳጋ ዝኣክል ሕዝቢ ይኽተሎ ነበረ። ኵሎም ግና ብሓደ ዕላማ ዘይኮነስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይስዕብዎ ነበሩ፥


ሀ/ ገሊኦም ኅብስቲ የበርክት ስለዝነበረ ኅብስቲ ንክበልዑ፡ ስለ ከብዶም ይስዕቡ ነበሩ።


ለ/ መልክዑ እንታይ ይመስል ንክርእዩ ዝኽተሉ ነበሩ።


ሐ/ ሕሙማት ይፍውስ፡ ለምጻማት የንጽህን ምዉታን የተንሥእን ስለዝነበረ ብዓይኖም ርእዮም ካብ ደዌ ሥጋ ጥራይ ንኼሕውዮም ዝኽተሉ ነበሩ።


መ/ ምስ ኃጥኣን ይውዕል፥ ንርእሱ ንጉሥ ኣምላኽ ይገብር፥ ንቄሣር ኣይግዛእን . . . ብምባል መኽሰሲ ንኽረኽቡሉ ዝስዕብዎ ውን ነበሩ።
እዞም ዝተጠቕሱ ንምድራዊ ዕላማን ሥጋዊ ረብሓን ዝሰዓቡ እዮም። 

ሰ/ ብኣንጻሩ ግና ካብዞም ኃሙሽተ ዕዳጋ ዝኣኽሉ፥ ነቲ ትምህርቱ ንክሰምዑ፡ ዘለዓለማዊ ሕይወትን በረከተ ሥጋን ነፍስን ደልዮም ብርድኢት ዝተኸተልዎ 120 ሰባት ጥራይ እዮም። እዚኦም ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ይበሃሉ።ካብ ቅድም ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጕዕዞ ቤተ ክርስቲያን ሥጋዊ ጥቅሞም ጥራይ ዝሓስቡ፡ ብጥዑመ ልሳንን ውዳሴ ከንቱን ምእመናን እናሓባበሉ ኣብ ኣገልግሎት ሲሞንነት ዝተጨማለቑ፡ ምስ መናፍቓንን ዓለማውያንን ንከብዶም ክብሉ ዝተዓስቡ . . . ብዙኃት እዮም። እዚኦም ዋላ እኳ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እንተ ሃለዉ፥ ልዕሊቲ ዘገልግልዎ ንድሌታቶምን ሥጋዊ ረብሕኦምን ባይታ ክፈጥሩን መንገዲ ክጸርጉን ነቶም ብቅንዕና ዘገልግሉ ኣቦታት ካህናት ዲያቆናት ምእመናን ብሓፈሻ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ፈተናን ዕንቅፋትን ተጻረርትን እዮም።


ናይዞም ፈተናታት ሳዕቤን ኣብ ቤተ ክርስቲያንእዞም መናፍቃን፡ ዓላውያን ነገሥታት፡ ውልቃዊ ረብሓኦም ዘገድሶም ሰባትን ካልኦት ፈተናታትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘውረድዎ ሓደጋታትን ዘስዓብዎ ሽግራትን ጠቒስካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ግናኸ ነቲ ቀንድን ሃሳይን ዕንወት ንጠቅስ፥


ሀ/ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምክፍፋልከምቲ እግዚአብሔር ሓደ ዝኾነ ሃይማኖት ድማ ሓደ እዩ። ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት “ ንሕና በታ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ሓዋርያት ንኣምን” እንብል ፥ ነታ ጐይታ ዝመሥረታ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዋ፡ ሰማዕታት ዝተሰየፉላን ጻድቃን ዝተጋደሉላን ርትዕትን ኣጽናፋዊትን ዘለዓለማዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ኢና። ኣብ ሠለስተ ዓለም ለኻዊ ቅዱሳት ጉባኤታት (ኒቅያ- 325 ዓ.ም፣ ቍስጥንጥንያ - 381 ዓ.ም ፣ ኤፌሶን - 430 ዓ.ም) ዶግማ ኣጽኒዓ ፡ ነቶም ተጠራጠርቲ ፈልያ ቅኑዕ እምነት ኂዛን ሓድነታ ዓቂባ ኣብ መላእ ዓለም ዝተጓዕዘትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ጥራይ እያ። ኣብዘን ዝተጠቅሳ ጉባኤታት በቲ መናፍቓዊ ትምህርቲ ተወጊዞም ብክፉእ ሞት እንተኃለፉ ነቲ ትምህርቶም ዝስዕቡ ተረፍ መረፍ ኣይተሳእኑን። ነቲ መናፍቓዊ ትምህርቲ ኂዞም ናይ እምነት ትካል እምነት ክተኽሉን ሰዓብቲ ከብዝኁን ንዕዘብ። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ፥ ብደረጃ ዓለም ‘ ክርስቲያን ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ እምነት ትካላት ብዓሰርተታት ዘይኮነስ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ እዮም። እዚ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፈተና እዩ።ናይዚ ጊዜ እዚ ምሳሌ ትኾነና ናይ ህንዲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እያ። ብማዕበል መናፍቓንን ፖለቲካዊ ምትእትታው (ምድራዊ ሥልጣን) ተናዊጻ ኣብ ምክፍፋልን ምብትታንን በጺሓ ንረኽባ። ኣብ ናትና ቤተ ክርስቲያን ውን ምትእትታው ናይ መናፍቓንን ምንቅስቃስ ተሓድሶን ካልእን ብኣግኡ ጊዜ ከይወሰደ እንተ ዘይተፈቲሑ ከም ናይ ህንዲ ቤተ ክርስቲያን ጸሊም ነጥቢ ከም ዝገድፍ ምስትውዓል ይግባእ።
ኣብ መንጐ ምእመናን ሕንፍሽፍሽቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በቲ ኣብ መንጐ ኣቦታት ዝርአ ዘይምርድዳእ ከምኡ እውን ብመናፍቓዊ ትምህርቲ ኣብ እትፍተነሉ ጊዜ፥ እቲ ዝስዕብ ሃሳዪ ክስተት ኣብ መንጐ ምእመናን ሕንፍሽፍሽ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ደገ ጸላእታ መናፍቓዊ ኣጽዋሮም ዓጢቖም ንክኣትዉ ኣፍ ደገኻ ምርሓው እዩ። ኣብ ጊዜና ዘሎ ኣብ ሓንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ‘ ኣነ ናይ ጳውሎስ ኣነ እባ ናይ ኣጵሎስ ኣነ ኸኣ ናይ ኣጵሎስ ’ ዝብል (1ይ ቆሮ ፫፥፭/3:5) ናይ ምእመናን ሕንፍሽፍሽ እንተ ተመልኪትና ናይዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሕያው ኣብነት እዩ።
ምንተ ንግበር፧ኣብ ጊዜ ፈተና ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነት ምስ ማኅበረ ምእመናን ኣብ ሃይማነቶም ጸኒዖም ብሥነ ምግባር ወቂቦምሉ ብጾምን ጸሎትን ነቒሖም ብውሕደት ክዓዩ ይግባእ። ‘ካብቲ ውግእ ዝኣወጀስ፡ ወረ ዝነዝሐ’ ከም ዝበሃል እዚ ዘመንዚ ሓሶት ገኒኑ ሓቂ ዝተዓብጠሉ ክፉእ ጊዜ ስለ ዝኾነ፡ ኣቦታት ነቲ ሥርናይ ካብ ክርዳድ ብምፍላይ፡ ንደቆም ብግቡእ ክጓስዩ ይግባእ። ብወገን መንእሰያትን፡ ምእመናንን ድማ፡ ንኣቦታት ምእዛዝ ማለት ንቤተ ክርስቲያን ምግልጋል ስለ ዝኾነ ነቶም ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዉ ኣቦታት፡ ብትሕትና ኽእዘዙ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ። እግዚአብሔር ብረድኤቱ፡ እመ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታ ከምኡ ውን ኵሎም ቅዱሳን ብኣማላድነቶም ኣይፈለዩና!
(ቤት ትምህርቲ ሰንበት መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት)
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
file:///C:/Users/Work%20is%20dignity/Downloads/Fetena%20ab%20bietekiristian.pdf





No comments:

Post a Comment