Wednesday 12 September 2012

ትሕትና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን
 ከም ቃድ እግዛብሄር ሎማዓንቲ እንመሃሮ  ብዛዕባ ትሕትና ክንመሃር ኢና። ትሕትና  ማለት ርእስካ ምትሓት፡ ርእስካ ኣትሕት አቢልካ ክብሪ ልእ ሰብ እትገልጸሉ ምስጢር እዩ። እዚ ትሕትና እዚ እንመሃሮ/እስመ በትሕትና መፍቀሬ ሰብእ/ ካብቲ ብትሕትና ዘፍቀረና ኣምላክናን መድሓኒናንኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 

 ብዘመነ  ስጋዌ ኡ ካብ  ዝመሃረና ድማ  ማቴ 11፡28-30 ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን  ጾር ዝኸበደኩም፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ፡ ኣነ ለዋህ እየ(ልበይ ትሑት) እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ  ጽሩ ካባይ እውን ተምሃሩ፡ንነብስኩም ከኣ ዕረፍቲ ክትረክቡ ኢኹም። ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከአ ፈኩሽ እዩ።
ኣብዚ  ሓይለ  ቃል  እዚ  እንታይ  እዩ  ዝብል፡ ኣነ ትሑት  እየ እሞ ኣርዑተይ ጽሩ ካባይ እውን ተማሃሩ   ንነብስኩም ዕረፍቲ መታን ክትረክቡ  ይብለና፡ ዕረፍቲ  እንረክቦ  ብትሕትናና  ስለ እንረክቦ  ጥራይ እዩ፡


ብግብሪ ካብ ዝመሃርና እውን አብ (ዮው 13፡5) ሽዑ ማይ ኣብ ሒላብ ኣዕሪቁ ኣእጋር ደቂ መዛምርቱ ኺሓጽብ በቲ ዝተዓጠቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝ ጀመረ ይብል፡ ስምዖን ኣነ ዶ ብጎይታ   ክሕጸብ  ኢሉ   ንግዚኡ እዃ እንተ ኣበየ፡ ጎይታ  ግን እንታይ  እዩ  ዝበሎ " እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን ኢኻ፡ ደሓር ግና ክትፈልጦ  ኢካ " በሎ  እቲ   ጎይታናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ዘገብሮ  ዝነብረ ትሕትና ንኣርኣያና  ስለ  ዝነበረ እዩ፡ ኣቦታት  ውን  ዝብልዎ ሓደ  ቃል   ኣሎ  ጎይታ   ናብ መድሪ  ዘመጸሉ ቀንዲ ምክንያት ንድሕነትና ንኣርኣያናን እዩ  መጺኡ ይብሉ። ስለዚ ከኣ ኣብዚ   ቃል  እዚ  እንመሃሮ  እንተልዩ ትሕትና  እዩ። እቲ  ርእሱ ዘትሕት ልዕል ስለ ዝብለ   ዘኣትሓተ ርእሶ  ይከብር  ወዘኣልኣለ ርእሶ ይኼነን  እቲ  ርእሱ  ዘልዕል ግን ክዋረድ እዩ ይብል። ማቴ 14፡11

ጎይታ ውን ኣብ መስቀል ዘተሰቅለ  ርእሱ በምትሓት እዩ ነይሩ  ፊል 2፡8 ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፡ አረ እኻ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት፡ ተአዘዘ። ስለዚ   ካብ መድሃኔኣለም እንመሓሮ  እዚ  ትሕትና   እዚ   እዩ። ስለዚ  ሓደ  ሰብ  ንኣምላክ  ይፈልጦ እየ  ዝብል  እንተደኣ ኮይኑ  ንትሕትና   ክፈልጣ  ይግባእ እዩ፡ ምክንያቱ ብትሕትና  ሰማያዊ ክብረት  ስለ  ዝርከብ፡ ሰማያዊ ርስቲ  ሰለ ሰለ ዘውርስ እዩ። ጥበበኛ ሲራክ እውን  ከምዚ እንዳ በለ  ይምዕደና   ኣብ ትሑት ሰብ ዘላ ጥበብ፡ ርእሱ ልዕል ከም ዚብል ትገብር፡ ኣብ ማእከል  ዓበይቲ ሰባት ድማ ተቐምጦ (ሲራ 11፡1) ብተማሳሳሊ እውን አብ ምዕራፍ ሲራ 3፡17  ከምዚ ይብል ኣታ ወደይ !ኣብ ኩሉ ዕዮካ ትሑት ኩን፡ እቶም ብእግዚኣብሄር ቅቡላት ዝኾኑ ኸኣ ኬፍቅሩኻ እዮም። እንዳበለ መፍቀሬ ጥበበ ሲራክ ይምዕደና ይምህረናን፡ እስመ በትሕትና ኢይትረከብ ልዕልና  ሰለዚ ኣብ ጉዕዘና  ትሕትና ክንዕጠቅ ይግበኣና ሓደ ሰብ ፍልጠት አሎኒ  ዝብል  ንትሕትና  ግን  ዘይፈልጣ ንሱ ብሓቂ ዓሻ እዩ።

ፈሪሳውን  ተቀባሊ ቀረጽን ኣብ ጸሎት     ሉቃ 18፡10-14 
ክልተ  ሰባይ፡ እቲ  ሓደ   ፈሪሳዊ  እቲ ካልኣይ ከኣ ተቀባል  ቀረጽ ክጽልዩ ናብ ቤት መቅደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ኦ ኣምላክ ! ከምቶም ካልኦት  ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተቀባሊ ቀረጽ እዚ ስለ ዘይኮንኩ ኣመስግነካ ኣለኹ። ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር አውጽእ ' እና በለ ጸለየ።
እቲ ተቀባል ቀረጽ ግና ኣብ ርሑቅ ደው ኢሉ፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ    ቛሕ ኬብል  እዃ  ኸይደፈረ፡ 'ኦ ኣምላከይ! ናዓይ ንሓጥእ መሓረኒ ' እናበለ ኣፍ ልቡ  ይወቅዕ ነበረ። ገዛእ ርእሱ ልዕል ዜብል ኩሉ ኺዋረድ፡  ገዛእ ርእሱ  ዜትሕት ኩሉ ግና ልዕል ኪብል  እዩ፡ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ከም  እነንብቦ እቲ ፈሪሳዊ ዘይኮነ ጸለቱ ዝተሰምዐሉስ በኣንጻሩ  እቲ ተቀባሊ ቀረጽ እዩ ዝነበረ፡ ምክንያቱ ናብ ኣምላክ ዘቀርበ ሓጢኣቱ ብምዝካርን ብትሕትናን ሰለ ዝነበረ ጥራይ እዩ፡ ንሕና ድማ ብትሕትና ሓጢኣትና እንዳ ዘከርና ናብ ኣምላክ ምቅራብ ይግባእ። እግዚኣብሄር እንታይ ሓጢኣት ጌርና ወይ'እው እንታይ ሰናይ ግብሪ ጌርና ኩሉ ዝምርምርን ዝፈልጥን  ኣምላክ  እዩ። ስለ ዚ ንእግዚኣብሄር ዘድልዮ ንዝገበርካዮ ሓጢኣትካ ብፍጹም ትሕትና ምንዛዝ እዩ።
ካብቲ ፈሪሳዊ እውን እንመሃሮ  ነገር ኣሎ ንዝገበርናዮ ሰናይ ነገር ጌረ እየ ኢልና  ርእስና   ከነ ልዕል ኣይግባእን ማለት እዩ።

  ስለዚ  አብ  ትሕቲ  እግዚኣብሄር ትሕት  ክንብል   ይግባኣና። 1ይ ጴጥ 5:5-7 ከምኡ ኸኣ ኣንቱም መንእሰይ፡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። "ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና  ጸጋ ይህቦም" ከም ዝብል ድማ ትሕትና ለቢስኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ደጊም ብግዜኡ  ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ  ኢድ ኣምላክ ትሕት በሉ። ኣብ ትሕቲ  እግዚኣብሄር ትሕት ምባል ማለት ምስ እግዚኣብሄር ምንባር  እዩ፡ ኣነ እቲ ንዘለዓለም ዚነብር ልዕልን ዕዙዝን  ቅዱስ ዝስሙ ን እግዚኣብሄር እየ። ኣብቲ ልዑልን  ቅዱስን ስፍራ እነብር፡ ግናኸ ንትሑታት ሕያዋን ክገብሮም፡ ምስቶም ዝተጣዕሰ  ልቢ ዘለዎም ን ትሑታትን ሰባት እነብር።  <ኢሳ 57፡15> ... እግዚኣብሄር አብቶም ትሑታት እዩ  ዝነብር  ይብለና  ሰልዚ   ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር ትሕት ክንብል  ይግብአና  ህዝበ ክርስያኣን ! ያዕ 4፡10 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱ እውን ልዕል ከብለኩም  እዩ። እቲ  ሰናይ ግብሪ  እዚ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እው ከምዚ  እንዳ በለ ይምዕደና  እቲ  ክገብሮ ዝግብኦ ሰናይ ነገር ዚፈልጥ፡ ግና ዘይገብሮ  ንሱ ሓቲኣተኛ እዩ። ስለዚ እቲ ክንገብሮ ዝግበኣ ሰናይ ግብሪ  ሓደ ትሕትና   እዩ።

ንዓበይቲ ምክባር፡
  ኣብ  ቅድሚ  ሸያብ ተንስእ፡ ንሽማግለ ሰብ  ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላክካ እውን  ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኦ ዘሌ 19፡32  ንዓቢ ሰብ  ምክባር  ወይውን ብጸጋ  ንዝዓብዩካ ምክባር ብእግዚኣብሄር ትከብር  ብረከት  ድማ  ትረክብ፡ ንዓቢ ሰብ ምክባር ማለት ንእግዚኣብሄር  ምክባር  ማለት  እዩ። ከመይ  እግዚኣብሄር  ንኣብርሃም  እንታይ  እዩ  ኢሉዎ  ንዝባሩኹኻ ኽባርኾም፡ ንዝረግመካ ድማ  ክረግሞ  እየ። ህዝቢ  ዓለም ድማ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም። <ዘፍ 12፡3> ንኣብርሃም   ዝባረኸ ይባረኽ ነኣብርሃም  ዝረገመ  ድማ  ይርገም፡ ስለዚ  ንሓደ ቅዱሳን ሰባት  ወይ  ዓቢይቲ  ሰባት  ብምክባርናስ ንባዕልና  ኢና እንከብር፡ ነቦታት  ኣዴታት ከነክብር  ይግባኣና፡ ካብ  ዝተቀመጥ ካሉ/ክሉ ብድድ ኢልና   ኣቦ/ኣደ  ኣብዚኣ  ኮፍ በሉ ኢልና  በፍጹም   ትሕትና ወለድና  ከነኽብር ይግባኣና።

ትሕትና ቅዱሳን ።
   ኣቦታትና እውን ኩሉ ሂወቶም ብትሕትና ዝተመልኣ እዩ ነይሩ ንኣብነት ዮውሓንስ ሓጺር ምድራዊ መልኣክ  እዩ ዘበሎም  ብትሕትናኦም ብተኣዝዘኦም እዩ ነይሩ፡ ኣብኦም ኣባ ባሞይ ሓደ ግዜ (ጉንዲ ዕንጨይቲ ) ሂቦም ኣብ ርሑቅ ቦታ ትከላ እሞ ማይ አስትያ ኮስኩሳን ብማለት ነባ  ዮውሃንስ  ሓጺር ሓብዎ ኣባ ዮውሃንስ ድማ ብዘይምጉርምራም እሺ ኢሎም ብትሕትና ተከልዋ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ማይ ኣብ ዝባኖም  እንዳ ወሱዱ ይካናከንዋ የስትይዋን ድማ ነበሩ። ሕሰብዎ ዕንጨይትስ ይነድድ እንበር ኣይበቁልን ኢሎም ተስፋ ከይቆረጹ፣  ብትሕትና ብተኣዝዞ ክሳብ እትበቁል ኣስተይዋ ተካናከንዋን። ፍረ ጻማኦም ፈረ ትሕትናኦም ድማ ረከቡ፡ ንገዳም እውን ፍረ ትሕትና ኣባ ዮውሓንስ ሓጺር ተባሂሉ ተዓደለ።
 ብሓቂ  ከምቶም  ዝሐለፉ  ኣቦታትና   የማስለና !!!

        ስብሓት ለእግዚኣብሄር    
ወለወላዲቱ ድንግል
                  ወለመሰቀሉ ክቡር፡

3 comments:

  1. እስመ በትሕትና ይትረከብ ልዕልና???

    ReplyDelete
  2. በሃቂ ቃለ ሂወት የስመዓና ትሕት ዝብል ልቢ ዪዓድለና አግዚኣብሄር

    ReplyDelete