Wednesday 20 May 2015

ናይ ፍቅሪ መኣዲ!

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ, ኣሜን!
እዚ ጽሑፍ እዚ የውሐንስ አፈወርቅ ዝተባህለ ካብቶም ብዙሓት ኣቦታትና ሓደ፡ ዝጸሓፎ ጽሑፍ እዩ። ትምህርቱን ተግሳጹን እግዚኣብሔር ኣብ ልብና የሕድረልና።
...
እዞም ደቀይ! ሰባት ክፍኣት እንዳሰርሑ ክትርእዩ ኮለኹም በፉጹም ኣይትጽልእዎም። ንሰብ ክፍኣቱ እምበር ንገዛእ ርእሱ ኣይጽላእን እዩ። ንቡዙሓት ሰባት ውን እንተኾነ ኲፉእ ትምህርቲ እንተ መሃረ ንትምህርቱ ድኣ እምበር ንዕኡ ኣይትጽልእዎ። መኽንያቱ ንሱ ብናይ እግዚአብሔር ኣምሳል ዝተፈጥረ ኣዝዩ ክቡር ፍጥረት ስለ ዝኾነ።

ክፉእ ስርሑ ግና ካብ ድያብሎስ ስለ ዝኾነ ንስርሑ ንጸልኦ። ስለ'ዚ ናይ እግዚአብሔር ስራሕን ናይ ድያብሎስ ስራሕን ፈላሊና ክንርዳእ ንዝቅጽል ሓሳባት ክንርኢ ኢና።

ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ሰቡ ዝኾኑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘጋፍዕዎ፡ ከም ዘሳደድዎ፡ እልፊ ወትእልፊት ኣጸያፊ ነገራት ከም ዝተዛረብዎ ጽቡቅ ጌይሩ ይፈልጥ እዩ። ግና ከም'ዚ ብምግባሮም ጸሊእዎም ድዩ? በፍጹም! ብኣንጻሩ ድኣ ኣብ ክንዲ ዝረግሞም ስሊኦም ይጽሊ ነይሩ (ሮሜ9:3)። ነብይ ሕዝቅኤል ውን እንተኾነ እዞም ሰባት ብናይ ነብያት ደም ዝሰኸሩ ምዃኖም ጽቡቅ ጌይሩ እንዳፈለጠ ስሊኦም ኣብርቲዑ ይጽሊ እዩ ዝነበረ (ሕዝ9:8)።

ቅዱስ ሙሴ ውን እንተኾነ እቶም ሰባት ደጋጊሞም ኃጢአት ብምስርሖም እንዳፈለጠ ግና ስሊኦም ካብ ናይ ሕይወት መጽሓፍ ድኣ እዩ ክሕከኽ ዝለመነ (ዘጽ32፥32)። ግና ስለምንታይ? መኽንያቱ ደቂ ሰባት ዘድልዮም ድኅነት ስለ ዝኾነ (ሮሜ10:1)። ደቂ ሰባት ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥሩ ኣዝዮም ቡሉጻት ስለ ዝኾኑን ናይ ሥላሴ ፍጥረት ድማ ስለ ዘይጽላእ። ኩፉእ ስራሕ ግና ካብ ድያብሎስ ስለ ዝኾነ ክጽላእ ኣለዎ።
እዞም ደቀይ! ሓደ ናይ ጥዕና ሞያ ዘለዎ ሰብ ንሑሙም ጸሊኡ ገጹ እንተኸወለ፡ ዝሓመመ ድማ ንሓኪም ኣይተርኡዩኒ እንዳበለ ነቲ ሓኪም እንተጸሊእዎ እቲ ዝሓመመ ሰብ ካብ ሕማሙ ክፍወስ ይከኣሎ ድዩ? ንሕናስ ኩፉእ ንዝሰርሑ ንጸልኦም እንተ ድኣ ኾይና ከመይ ጌይርና ድኣ ኢና ካብ ኩፉእ ስርሖም ከነውጽኦም ንኽእል?
እዞም ደቀይ! እሞኸ ድኣ ንብኹፉእ ግብሪ ዝሓመመ ሓውኹም ካብ ሕማሙ ክፍወስ ክንረድኦ ይግብኣና ድኣ እምበር፡ ንሕና ጥዑያት ስለ ዝኾና ኣብ ልዕሊ ሓውና ሓሚምዎ ዘሎ ሕማም ንሕና ካልእ ተወሳኺ ሕማም ክንውስኾ ኣይግብኣናን እዩ። ዋላ እኳ ካብ'ቲ ሒዝዎ ዘሎ ክፉእ ሕማም ዘይፍወስ እንተመሰለና፡ ካባና ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ብምግባር ከይሰልከና ክሳብ መፈጸምታ ክንሕግዞ ግቡእና እዩ።
እስከ ይሁዳ ተመልከቱ! ብኽድኅን ዘይክእል መንገዲ ሕማም እዩ ሓሚሙ ነይሩ፡ ግና መንፈስ ቅዱስ ኣይከኣሎን እዩ ኢሉ ክርስቶስ ገዲፍዎ ድዩ? በፍጹም! ክሳብ'ታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ተዓገሶ፡ ብኣንጻሩ ደጋጊሙ ንኽምለስ ድኣ ይግስጾ ነበረ። ንሕና ድማ ካብ ኣምላኽናን መምህርናን ክንምሃር ይግብኣና እዩ። ክፉእ ዝሰርሑ ወይ ዝዛረቡ ሰባት ክንርኢ ኾለና ብፍጥነት ኣይንግደፎም፡ ንኽእሎ ኩሉ ንግበረሎም ድኣ። ዋላ እኳ ካብ ኩፉእ ስርሖም እንተ ዘይተመልሱ ዝገበርኹሞ ጽቡቅ ስራሕ ስልማትኩም ካብ ኣምላኽ ኣይተርፍን እዩ።
እዚ ጥራሕ ውን ኣይኮነን፡ ክፉእ ንዝሰርሑ ሰባት ብናትና ጽቡቅ ስነ ምግባር መታን ክድነቁ ክንገብሮ ይግብኣና እዩ። መኽንያቱ እዞም ብኽፍኣት ዝሰኸሩ ሰባት ተኣምራት ጌይርና፡ ሙውታት ውን ኣተንሲእና ካብ ነርእዮም ንላዕሊ ብትሕትና፡ ብንጽሕና ብትዕግስትና ዝያዳ ይማረኹ። ሓደ ሙውት ምትንሳእ እንታይ የገርም? ብዳግማይ ምጽኣት ኩሉ ሰብ ብዓይኒ ቅጽበት ክትንስእ ኣይኮነን ድዩ? ንሰባት ካብ ብናይ ፍቅሪ መንገዲ ንላዕሊ ካብ ክፍኣቶም ክንመልሶም ኣይከኣለናን እዩ። ፍቅሪ ንደቂ ሰባት ካብ እንስሳዊ ኣተሓሳስባ መሊሳ ሰባት ከም ዝኾኑ ትገብር ዓባይ መምህር እያ።
እሞ ብዝሓት ዝሓዘለ በረኸት ኣባና ምእንቲ ክጓናጸፍ፡ ኣበይን መዓስን ዘይብስብስን ዘይበላሾን ፍሪኡ በብግዚኡ ምእንቲ ክንበልዕ ግብሪ ትሕትና ናይ ኩሉ ርእሲ ዝኾነት ፍቅሪ ኣብ ውሽጢ ልብና ንትከላ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ !!!
ብሓውና ዲያቆን ጸጋይ ሶበሊ

No comments:

Post a Comment