Tuesday 21 April 2015

ኣማን መነኑ ሰመዕት ጣዕማ ለዛዓለም-ሰማዕታት ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ብሓቂ ነዓቑ!

ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታን በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግዐዞ ለኣዳም ሰለም እምይእዜሰ ኮነ ፍሥሐ ወሰላም!

ኣማን መነኑ ሰመዕት ጣዕማ ለዛዓለም ወከዐዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር ወተዐገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት “ሰማዕታት ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ብሓቂ ነዓቑ፡ ምእንቲ እግዚአብሔር ኪብሉ ውን ደሞም ኣፍሰሱ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ”(ውዳ.ማር ዘሐሙስ ዘቅዱስ ኤፍሬም)

ነቲ ሓሙሻይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ከኣ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለ እቲ ዚነበሮም ምስክርን እተሓርዱ፡ ኣብ ትሕቲ መሠውኢ ረኣኹ(ራእ 6፡9) ነዚ ቃል እዚ ፍቊረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ኮይኑ ዚተዛረቦ ቃል እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ደሴት ፍጥሞ ዚኣተወሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዘመኑ ኢየሱስ ኢሉ ዚሰበኸን ብስም ኢየሱስ ዚኣምን ዘበለን ኵሉ ይእሰርን ብሓዊ ይቃጸልን ኣብ ዚፈልሐ ነሓሲ ኣትዩ ይሳቐን ብሴፍ ድማ ክሳዱ ይቚረጽን ስለ ዚነበረ እዩ። እምበኣረከስ ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ዕጫ ናይ ኵሎም ክርስቲያን በጺሕዎ ድምጥያኖስ ብዚተባህለ ሮማዊ ንጕስ ተፈርደ፡ ድምጥያኖስ ፍሉሕ ማይ ኣብ ዝመልአ በርሚን ኣእትዩ ኣሳቐዮ። ናብ ፍጥሞ ደሴት ድማ ደርበዮ። እግዚአብሔር ግን ኵሉ ጊዜ ካብቶም ደቁ ስለ ዘይፍለ ንዮሐንስ ኣብ ደሴጥ ፍጥሞ ኣብ እስሪ ቤት እንከሎ ተገልጸሉ፡ ብዛዕባ ዚሓለፈን ዚመጽእን ኵሉ ምሥጢራት ድማ ገለጸሉ። ገላ ካብቲ ዚተገልጸሉ ብፍላይ ድማ ካብ ምዕ 4 ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዘሎ ምዕራፍ 22 ብዛዕባ ንቤተ ክርስቲያን ዚረኽባ ፈተናን ፈተናኣ ምስ ወድአት እትረኽቦ ሰማያዊ ክብርን ዚገልጽ እዩ። ብፍላይ ኣብ’ዚ 6 ይ ምዕራፍ ናይ’ዚ መጽሓፍ እንተ ተመልኪትና ድማ ኣብ መጀመርያ ኣርባዕተ ማኅተማት ምስ ፈትሐ እቶም ኣርባዕተ ናይ ቤተ ክርስቲያን ፈተንቲ ኣርእእይዎ፡ ንሳቶም ድማ ቤተ ኣይሁድ ኣህዛብ መናፍቓንን ሓሳዊ መሲሕን እዮም።

በቶም ኣርባዕተ ፈተንቲ ሕይወቶም ዚተሠውኡ ምእመናን ኣበይ ይህልዉ ይኾኑ? እወ ኣነ ዘገድሰኒ ናይ ቀደም ሕይወቶም ኣይኮነን! ናበይ ሓሲቦም ከም ዚነበሩ ውን ኣየገድሰንን እዩ! ንዓይ ዘገድሰኒ ኣበይ ኣለዉ? ዚብል ሕቶ ጥራይ እዩ። ንሳቶም እሳት ሓሊፎም ናብ ዚገደደ እሳት ኪኣትዉ ኣብ ከቢድ ሃለኽለኽ ነበሩ! ገንዘቦም ከፊሎም ጕልበቶም ኣድኪሞም ሕይወቶም ናብ ዘጥፍእ ጕዕዞ ናብ ኤውሮጳ ነቒሎም! ኣሕዋተይ ንዑ ኵልኻትኩም ምሳይ ኴንኩም፡ ነቲ ዚጽበዮም ዚነበረ ናይ ኤውሮጳ ጸልማት ሕይወት ከሊኡ ናብቲ ንሱ ዘዳለዎ ዘለኣለማዊ ብርሃን ዚመርሖም እግዚአብሔር ነመስግኖ! ነቲ ናይ ምዕራባውያን ባህሊ ካብ እምነቶም ኣውጺኡ ንጽሕቲ እምነቶም መታን ከይትጠፍእ፡ ካብዚ ሃለኽለኽ ዚመልኦ ሕይወት ኣውጺኡ ናብ ናይ ዕረፍቱ ቦታ ዚመርሖም ኣምላኽ ሕያውነቱ ክንደይ ይዓቢ ኢልኩም ኣድንቕዎ! ናበይ እዮም ግን ከይዶም ኣበይ እዮም ዘለዉ? ንመን ክሓትት እየ መን እዩ ዚምልሰለይ? ዕዝራን ዮሐንስን ይቀዳደሙ ኣለዉ መልሲ ኪህቡኒ! እረ ኣዝዮም ዚተሃወኹ እዮም ዚመስሉ! ካብ ቀደሞም ጥዑም ንምብሳር እዮም ዚህወኹ፡ እሞ ኸ ብዛዕባ እዞም ኣሕዋትና እንታይ እዮም ኪብሉኒ? እንድዒ ኣነ ውን ተሃዊኸ ኣለኹ በሉ … እዝራ ይጅምር ኣሎ ከምዚ እናበለ “መርፍእ ብዚሓለፈታ ፈትሊ ድማ ብእኣ እያ ትሓልፍ፡ ንሳቶም ድማ ጐይታኦም ብዚሓለፋ ኪሓልፉ ግድን እዩ፡ ንሱ ተገሪፉ እዩ፡ ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ ተሰቒሉ ድማ ሞተ፡ ንሳቶም ድማ ከም ጐይታኦም እዮም፡ ነቢይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ ውን ተቖጸርና(መዝ 44፡22) ከም ዚበሎነ ምእንቲ ኣምላኾም ነዚ መከራ እዚ ኪቕበሉ ግድን እዩ። እቲ ክሳዱ ንሴፍ ኣሕሊፉ ዚሃበ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ነዚ ቃል ብምሓዝ “ካብታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ ዚፈልየና መን እዩ? ከመዮ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ ውን ተቖጸርና” ይብል።


መስማርን ክርስቲያንን እንተሃረምካዮም ዝያዳ እንዳሰጠሙ ስለ ዚኸዱ ድማ እቲ ሐዋርያ ቀጺሉ ጭንቀትዶ ጸበባ ዶ ስደት ዶ ጥሜጥ ዶ ፍርሂ ዶ ወይስ ሰይፊ….ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ከቶ ኪፈልየና ከም ዘይኮነሉ ኣረጋጊጸ ኣለኹ እሞ በዚ ኵሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና(ሮሜ 8፡36-39) ስለዚ ድማ በታ መርፍእ ዚሓለፈታ መከራ እቶም ፈትሊ ድማ ተኸቲሎማ እዮም ዚኸዱ። ጐይታ ድሕሪ መከራኡ ድሕሪ ስቕለቱን ሞቱን ድሕሪ 3 መዓልትን ለይትን ብገዛእ ሥልጣኑ ብዘደንቕ ምሥጢር ከም ዚተንሥአን ናብ ናብ ናይ ክብሪ ዝፋኑ ድማ ዚደየበን፡ ነቶም ምስኡ ዚሞቱ ድማ ብኽብሪ ነፍሶም ተቐቢሉ ናብ ናይ ክብርን ዕረፍትን ቦታ እዩ ዘእትዋ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ኾንናስ ከምኡ ከኣ ብትንሣኤኡ ኪንሓብሮ ኢና”(ሮሜ 6፡5) እናበለ እዝራ ትምህርቱ ቀጸለለይ። ኣነ ድማ ተሃዊኸ እሞ ሕጂ እዞም ኣሕዋትና ኣበይ እዮም ዘለዉ? ሕይወቶም ከመይ እዩ ዚመስል እሰኪ ንገረኒ በጃኻ ተሃዊኸ እየ ዘለኹ? እዝራ ቀጺሉ “ንዓአቶም እግዚአብሔር ሸይምዎም እዩ፡ ስለ’ዚ ሕጉሳት ድማ ኮኑ ተንሥኡ እሞ ቊጽሪ እቶም ማኅተም እግዚአብሔር ዚተቐበሉን ተኻፈልቲ መኣዱን ዚኾኑ ረኣዩ። ንሳቶም ንጸልማት እዚ ዓለም እዚ ገዲፎም ካብ እግዘኢብሔር ዘንጸባርቕ ጻዕዳ ክዳውንቲ ተቐበሉ። ኣነ እዝራ ኣነ ኣብ እምባ ጽዮን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ረኣኹ።…..ኵሎም ድማ ይዝምሩን ንእግዚአብሔር የመስግኑን ነበሩ። ኣብ ማእከል እቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ካብቶም ካልኦት ኣዝዩ ነዊሕ ዚኾነ መንእሰይ ደው ኢሉ ነበረ።….ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ኣኽሊል ይደፍእ ነበረ። ኣነ ድማ በቲ ራእይ ዚብሎ ጠፍኣኒ። ነቲ መልኣኽ ድማ ጐይታይ እዚአቶም እንታዎት እዮም ኢለ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ እዚአቶም ክዳን ሞት ደርብዮም ክዳን ሕይወት ዚለበሱ እዮም። ንኣምላኽ ከም ዚአምኑ ገለጹ፡ ሕጂ ድማ ምልክት ዓወቶም ዘውድን ስየን ይወሃቡ ኣለዉ” …ኪድ እሞ እዚ ዘደንቕን ዘገርምን ተግባር ኣምላኽ ንሕዝበይ ንገሮም” በለኒ።(ዕዝ ሱቱ 2፡33-48) ኢሉ እዝራ መልሱ ምስ ወድአ ኣነ ውን ብሥራሕ ኣምላኽ ተደነቕኩ እወ ብምሕረቱን ብለውሃቱን ተገረምኩ፡ ሕጂ ድማ እዞም 28 ቅዱሳን ሰማዕታት በዛ ኣብ ሓጻር ጊዜ ዚፈጸምዋ ናይ ትብዓትን ቆራጽነትን ሥራሕ ምስቶም ሕይወቶም ምሉእ እብ ብሕትውና ኣብ ምናኔን ዚነበሩ ቅዱሳን፡ ምስ ኣባ ጳወሊ ኣባ መቃርስ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ምስቶም ከምኣቶም ናይ እምነት ሓርበኛታት ቅዱሳን ሰማዕታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ቅዱስ ቂርቆስን ኣብ ገነት ኣለዉ? ኣሰይ እዝራ ዜናኻ ክንደይ ይጥዕም ነዚ ዘደንቕን ዘገርምን ተግባር ኣምላኽ ንህዝበይ ንገሮም ዲኻ ተባሂልካ፡ ኣነ እዚ ዜና እዚ ንወለዶም፡ ነአሕዋቶም ንስድራኦም ኮታ ንኹሉ ክርስቲያን ኪነግር ኪነግር ተሃዊኸ ኣለኹ፡ አረ ኣይተልቅሱ በዚኦም ኣይትሕዘኑ! በዚኦም ሲ ተሓጉሱ ድኣ ደስ ይበልኩም እንተኽኢልኩም ግና ስለ ኃጢኣትኩም ብኸዩ! ከም ናቶም ዕድል ኪህበኩም ድማ ጸልዩ እየ ዚብል። ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ዘጸናንዕ መንፈስ ይልኣኽ።


ግን ኪሓተካ ቅዱስ እዝራ ብዛዕባ እቶም ኣረሜናውያን ኪኾንዎ ዘለዎም ዚረኣኻዮ ነገር ከ ኣሎ ዶ? እወ “እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ኣነ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ዓለም ዘስካሕክሕ ጥፍኣት ከምጽእ እየ። እወ ውግእን ጥሜትን ሞትን ዕንወትን ከምጽእ እየ። ከመይ ሕሰም ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ ክፍኣት ከኣ መስፈሩ መልአ። …ስለዚ ንኽፍኣት እዞም ፍርሓት እግዚአብሔር ዘይብሎም ህዝቢ ርእየ ደጊም ትም ኣይኪብልን እየ። እወ ደጊም ንኽፍኣቶም ኣይኪጽመሞን እየ። ንሳቶም ንጹሓን ሰባት ቀተሉ እቲ ንሳቶም ዘፍሰስዎ ደም ከኣ ሕነ ኪፈድየሉ እነሆ ናባይ አዊ ኣሎ። እወ ደም ነፍሳት ናይቶም ቅኑዓት ሰባት ሕነ ኪፈድየለን ከየቋረጻ ይልምናኒ ኣለዋ። በዚ ነገር እዚ ኣይትጠራጠሩ ይብል እግዚአብሔር፡ ናይ ኵሎም ዚተቐትሉ ንጹሓት ሰባት ልማኖ ኪሰምዕ እየ። በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚተፈጸመ ግፍዒ ከኣ ሕነ ኪፈድየሎም እየ። ህዝበይ ናብ ማሕረዲ ከም ዚዅብኮብ በጊዕ ኮኑ፡ ደጊም ኣብ ግብጺ ኣይኪነብሩን እዮም። …..እቲ ጥፍኣት ዘምጽእ ውግእ ኣዝዩ ቀረባ እዩ። ህዝብታት ንገዛእ ርእሶም ኣጽዋር ኪዓጥቁ እዮም፡ ኣንጻር ካልእ ህዝብታት ድማ ኪዋግኡ እዮም። ዓቢይ ፖለቲካዊ ነውጺ ኪኸውን እዩ። ነቲ ሕጋዊ መንግሥቲ ብምንዓቕ ሓደ ጋንታ ነቲ ካልእ ስዒሩ ኣብ ሥልጣን ንምውጻእ ኪፍትን እዩ። ደጊም ከተማታት ብነጻ ኣይኪእተዋን እየን። ከመይ እቲ ምእንቲ ሥልጣን ዚግበር ቃልሲ ዕንወትን ራዕድን ሰባት ኣብ ዚነብሩሉ ቦታ ኵሉ ሓፈሻዊ ዕግርግርን ከስዕብ እዩ……(እዝ ሱቱ 15፡1-20)


እወ ብሓቂ ኣምላኽና ኣብ ቃሉ “ሕነ ምፍዳይ ናተይ እዩ፡ ክፉእ ንዚገበረኩም ክፉእ ኣይትምለሱ ውን ኢልና እዩ” እሞ ብተግባር ርኢናዮ፡ ብምባል ናብቲ ካልኣይ ቅዱስ ኣቦ ማለት ናብ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ግልጽ ኢለ፡ ብዛዕባ እዞም ብሰማዕትነት ዚሓልፉ ቅዱሳን ቦታኦም እንታይ ይመስል ኪነግረኒ ተወከስክዎ። እወ ዮሐንስ ኣብ ራእ ምዕ 6 ብዛዕባ እቶም ኣርባዕተ ማኅተማት ምስ ተዛረበ እቶም ኣርባዕተ ዓይነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተጻረርቲ ዘውርድዎ መከራ እዩ ገሊጽለይ እቲ ሓሙሻይ ማኅተም ምስ ከፈቶ ድማ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለ እቲ ዚነበሮም ምስክርን እተሓርዱ፡ ኣብ ትሕቲ መሠውኢ ረኣኹ፡ ዓው ብዚበለ ድምጺ ከኣ ኦ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ።(ራእ 6፡9) ይብል። ቀጺሉ ዚተዋህቦም መልሲ ብኸምዚ ይገልጾ “ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ክዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶምን ኣሕዋቶምን ኪሳዕ ዚምልኡ ከኣ ገና ቊሩብ ዘመን ኪዓርፉ ተባህለሎም” ለካ እቲ ቀይሕ ደም መሕጸቢኦምን መንጽሂኦም እዩ ኔሩ! ለካ ንሱ ከይፈሰሰ ጻዕዳ ኣይልበስን እዩ! ጻዕዳ ልብሲ ናይ ንጽሕና ምልክት እዩ። ጻዕዳ ልብሲ ናይ ዓወት ምልክት እዩ። እቲ ንሞት ስዒሩ ኣብ ርእሲ ሞት ተዓዊቱ ብኽብሪ ዚተንሥአ ኣምላኾም ኪትንሥእ እንከሎ ንማርያም “ጻዕዳ ልብሲ ለቢሱ ተራእይዋ” ኣብ ደብረ ታቦር ግርማ መለኮቱ ኪገልጽ እንከሎ ክዳኑ ናብ ዘንጸባርቕ ጻዕዳ ተቐይሩ ነበረ፡ ኪዓርግ እንከሎ ንሐዋርያት ዚተገለጹሎም መላእኽቲ ውን ጻዕዳ ልብሲ ለቢሶም እዮም ኔሮም። ሕጂ ድማ እዞም ቅዱሳን ኣሕዋትና ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ናይ ክብሪ ክዳን ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ናይ ዕረፍቲ ክዳን ኣብታ ንጽሕቲ ቦታ ናይ ንጹሓን ጻዕዳ ልብሲ ለቢሶም ተመስገን ተመስገን ተመስገን ኣምላከ ቅዱሳን ሥራሕካ ድንቂ እዩ። ንዚተረፍና ደቅኻ ከምኣቶም ተባዓትን ጽኑዓትን ኪንከውን ዓድለና ንቤተ ሰቦም ድማ ናዛዝን መጸናንዕን መንፈስካ ስደደሎም ኣሜን ኣሜን ኣሜንወስብሐት ለእግዚአብሔርዚ ዚምልሰልና ድማ እቲ ሓምሳይ ማኅተም ምስ ተኸፈተ እዩ።
 ብወልደኣብ ገብረ መስቀል

No comments:

Post a Comment