Monday 6 April 2015

ሰሙነ ሕማማት - ሠኑይ ርግመተ በለስ

ሠኑይ ርግመተ በለስ
እዛ ዕለት እዚኣ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይ ሰሙነ ሕማማት እያ እሞ ካብ በረኸታ ንምክፋል ንቀደም በሉ!

ንጽባሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኪወጹ እንከለዉ ጠመየ። ብርሑቕ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኪርኢ ናብኣ ከኣ፡ ናብኣ መጺኡ ከኣ ጊዜ በለስ ኣይነበረን እሞ ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኸበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እኳ ፍረ ኣይብላዕላ። (ማር 11፡13) ነዚ ቃል እዚ ከንብብ እንከለኹ ኣዝዩ ይደንቀኒ፡እቲ ንኹሉ ዚምግብ ጐይታስ ከመይ ኢሉ እዩ ጠመየ ዚብሎ?እስኪ ሕሰቡ ጐይታ ነታበለስ ፍረ ከም ዘይነበራን ኣይፈልጥን ኔሩ ማለት ድዩ?እታ በለስ ኣብ ዘይጊዜኣ ኸ ከመይ ኢላ ኪትፈሪ ትኽእል ስለ ምንታይ ኣብ ዘይጊዜኣ ፍረ ስለ ዘይረኸበላ ረገማ? ብተወሳኺ ውን ዋላ እኳ ፍረ እንተ ደለየ ካብ ንዕኣ ምርጋምሲ ኵሉ ዚከኣሎ ኣምላኽ ስለ ዚኾነ ፍረ ከተውጽእ ዘይእዝዛ? ንሱ መርቑ ድኣ እምበር ኣይትርገሙ ዚበለ ኸ ከመይ ኢሉ ረገማ? ቀጺሉ ውን ጊዜ በለስ ኣይነበረን ይብል ጊዜ በለስ ዘይነበረኸ ከመይ ኢላ ፍረ ኪትፈሪ ደልይዋ? እዚስ ገለ ምሥጢር ድኣ ኪህልዎ ኣለዎ “ቃል ይቐትል ትርጉም (መንፈስ) ግና ሕያው ይገብር” ከም ዚተባህለ ናብ ትርጉሙ ከሕልፈኩም ጠመየ “እዚ ቃል እዚ ንፍጡር እምበር ንፈጣሪ ዘይሰማማዕ ቃል እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፈጣሬ ኵሉ ኣምላኽ ኢዩ (ቆሎ 1፡16 ዮሐ 1፡1-14 ሮሜ 9፡5 1ይ ዮሐ 5፡20 ዮሐ 10፡30-31) እወ ንሱ ንኹሉ ዓለም ዚምግብ ሲ ከመይ ኢሉ ጠመየ? ንሱ ንክልተ ዓሳን 5 እንጌራን ኣበርኪቱ ንሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ዚመገበስ ከመይ ኢሉ ጠመየ? ንሱ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ንማይ ናብ ወይኒ ዚለወጠስ ከመይ ኢሉ ጠመየ? እወ ንሱ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ ዚበለ ከመይ ኢሉ ጠመየ? እወ ንሱ ዚብላዕ መግቢ ኣይኮነን ዚጠመየ፡ ዚጠመየስ ገለ ንዕኡ ዘፍቅርን ትእዛዙ ዚፍጽም ሰብ ስለ ዚሰኣነ ካብ ሰባት ሰናይ ተግባራት እዩ ጠምዩ። ኣብ መስቀል ኮይኑ ውን ጸማእኩ ኢሉ እዩ ውቅያኖስ ዚፈጠረ ማይ ዘይኮነስ ፍቐሪ እዩ ጸሚኡ።

በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኪርኢ ናብኣ ከደ፡ እዚ ኪትሰምዑ እንከለኹም ከ ኣሕዋተይ ንሱ ንዅሉ ልብን ኮላሊትን ዚምርምር፡ ኣብ ልቦም እንታይ ከም ዘሎ ዚፈልጥ ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠት ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ነበረ፡“ንሱ ኣብ ሓሳብ ናይ ደቂ ሰብ ዘሎ ኵሉ ይፈልጥ ነበረ እሞ ዋላ ሓደ እኳ ዚነግሮ ኣየድልዮን ነበረ ዚተባህለሉ ” (ቆለ 2፡3 ማቴ 16፡6-8 ሉቃ 7፡40-43) ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ፍረ ከም ዘይነበራ ዘይፈለጠ? “ እወ ንሱ “ንሱ በዚ ኪምህረና ዚደለየ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብፍጹም ተዋህዶ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከም ዚኾነ እዩ፡ ነቲ ብባህሪኡ ውሱን ዚኾነ ሥጋ፡ነቲ ብባህሪኡ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገር ዘይፈልጥ ሥጋ ምኽንያት ንምሃብ እዩ። እዚ ኣነ ለቢሰዮ ዘለኹ ሥጋ ሕቡእን ኣብ ርሑቕ ዘሎ ነገር ኪፈልጥ ዘይኪእልን እዩ ኪብለና ስለ ዚደለየ እዩ። በዚ ድማ ነቶም ጎይታ ከም ናትና ሥጋ ኣይለበስን ዚብሉ መናፍቓን ኣሕፈሮም። እወ ኣነ ኣብ ዘፍጥረት “ኣዳም ኣዳም ኣበይ” ኣለኻ ዚበልኩ ሕጂ ድማ ሥጋ ለቢሰ ብምምጻእ ኣልኣዛር ኣበይ ቀቢርኩሞ? እታ በለስ ፍረ እንተለዋ ኪርኢ? ዚብሉ ዚተነግረለይ ኣነ ንሱ እቲ ናይ ብሉይ ኣምላኽ እየ” ኪብለና ስለ ዚደለየ እዩ። ኣዳም ኣቤይ ኣለኻ ዚበሎ ውን ናይ ፍቕሪ ጻውዒት ድኣ እምበር ኣዳም ኣበይ ከም ዘሎ ምፍላጥ ስኢኑ ኣይኮነን።
ዚተርግመት በለስ መን እያ?

1ይ. ቤተ እስራኤል
እዛ በለስ ምስላኡ ካብ ኦም በለስ ተመሃሩ፡ ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቆጽላ ውን ምስ ጠጥዐ ክረምቲ ከም ዚቐረበ ትፈልጡ ኢኹም ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ኩሉ ምስ ርኤኹም ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ”ዚተባህለላ ቤተ እስራኤል እያ።(ማቴ 24፡32-33)ቤተ እስራኤል እያ “በለስሰ ቤተ እስራኤል ይእቲ” ከም ዚበላ ቅዱስ ያሬድ “ዚተረግመት በለስ” ቤተ ኣይሁድ እዮም። ቅዱስ ኣውጉስጢን ውን እዚኣ በለስ እዚአ ንናይ ኣይሁድ ጉባኤ ትምሰል፡ ንሳቶም ብቖጽሊ ዚተመሰሉ ኵሉም ናይ ነብያት ትንቢታት ኣለዎም፡ ፍረ ምግባር ግን የብሎምን (ዮሐ 8፡34….) ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሎም ድማ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣትዉን ገላ 5፡22 ምርጋማ ድማ ነዚ ይመስል። ኣብ ኢሳ 5፡6 “ውን እስራኤል ተረጊማ እያ። 

ጐይታ ናብኦም መጸ “ቆጽሊ” ጥራይ” ጸኒሕዋ። ቆጽሊ ናይ ሃይማኖት ምሳሌ እዩ፡ ጐይታና ኣብ ማቴ 24 “ህድማኹም ብጊዜ ክረምቲ ከይከውን ተጠንቀቑ” ዚበለና ክረምቲ ቆጽሊ እምበር ፍረ ዘይርከበሉ ጊዜ ስለ ዚኾነ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሃይማኖት ጥራይ ሒዝኩም ብዘይ ፍረ ማለት ብዘይ ምግባር ከይትጸንሑ፡ ደቂ ኣብርሃም ኢና ምባል ደቂ ተዋሕዶ ኢና ምባል ጥራይ ኣየድሕንን እዩ ኪብልና ስለ ዚደለየ እዩ።(ዮሐ 8፡34-38) 
ስለ’ዚ ቤተ ኣይሁድ ድማ ብቖጽሊ ዚመሰለ ሕግታትን መጻሕተ ነብያትን እኳ እንተ ነበሮም ምግባሮም (ፍሬኦም) ግና መጺጽ ነበረ(ኢሳ 5፡1-5) በዚ ድማ እታ በለስ ቆጽሊ ድኣ እምበር ፍረ ኣይነበራን ይብል። ነቢይ እንባቆም ውን ነዚ ብዛዕባ እዛ በለስ እዚኣ ከምዚ ይብል“ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልም ግርሁ ምግቢ ኣይኪህብን እዩ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኪጠፍኣ ኣሓ ውን ኣብ ደምቤታት ኪሳኣና እየን፡ ኣና ብእግዚአብሔር ባህ ኪብል ብኣምላኽ ምድሓነይ ዕልል ኪብል እየ” እን 3፡17-19)
ኣብ ወንጌል ሉቃስ ውን “ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ፡ ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ ግናኸ ኣይረኸበላን እቲሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ከኣ እነሆ ካብዛ በል እዚኣ ፍረ እናደለኹ ሠለስተ ዓመት መጺአ ኣኢረኸብኩላን ቊረጻ ስለምንታይ ከ ንደምሪ ተባላሹ ኣላ በሎ? ንሱ ግና ጐኢታይ ወሰና ወሰና ክሳእ ዚዅስኵሳ ድዅዒ ክሳብ ዚድኵዓ እዚኣ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ” (ሉቃ 13፡6-8) በሎ ይብል።

2ይ እዛ በለስ እዚኣ “ኃጢኣት እያ” በለስ ቆጽላ ሰፊሕ ከም ዚኾነ፡ ኃጢኣት ድማ መንገዳ ንብላዕ ንስተ ንደቅስ ንጻወት ንዓንድር ዚብልሰፊሕ መንገዲ እዩ። ኃጢኣት ኣብዚ ምድሪ ኣስፋሕፊሓ ጸንሓቶ ዚበደለን ዘይበደለን ናብ ሲኦል ተውርዶም ኔራ(ሮሜ 5፡14-16) በለስ ኪትበልዖ እንከለኻ መጀመርያ ምቊር እዩ ጸኒሑ ግን ይጕምድደካ፡ ኃጢኣት ድማ ከምኡ ኪትጅምሮ እንከለኻ ጥዑም ኮይኑ እዩ ዚስመዓኻ ደሓር ግን ብጥዕናኻ ብሓዳርካ ብገንዘብካ ብነፍስኻ ተጻዊቱ ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ጥፍኣትን ኣውዲቑ ንሲኦል ዘውርድ እዩ።

ቆጽሊ በለስ ሰፋሕ ከም ዚኾነት ኃጢአት ኣብዚ ምድሪ ኣስፋሕፊሓ ረኸባ፡ ናብኣ መጸ ማለት ኃጢኣተኛ ተባህለ፡ ፍረ ኣይረኸበላን ኣብኡ ግና ኃጢኣት ኣይተረኽበን ነታ በለስ ረገማ ንኃጢኣት ረገማ
.

ኣዳም ናይ ኃጢኣት ልብሲ በለስ ተሸፊኑ (ዘፍ 3፡7) ናትናኤል “ዮሐ 1፡49)ውን ኣብ ትሕቲ በለስ ኮይኑ ኃጢኣት ይሰርሕ ኔሩ ብኃጢኣት ተሸፊኑ ኔሩ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸልማት ዚነብሩ ዘደንቕ ብርሃን ወጸሎም” ኢሳ (9፡2) ከም ዚተባህለ ግን እቲ ዘደንቕ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ “በኣንጻረ በለስ ረገማ ለኃጢኣት” ከም ዚብል ረጊሙ ኣጥፍኣ። 


ቅዱስ ጂሮም ውን “ከምቲ ናይ ለይቲ ጽልመት ብናይ ወጋሕታ ፀሐይ ዚጠፍእ ብሓንቲ ቃል ርግመት ነቐጸት” ከም ሰብነቱ ጠመየ ከም ኣምላኽነቱ ድማ ረጊሙ ኣንቀጻ

እቲ ንኃጢአት ፍረ ከይትፈሪ ጌሩ ዚረገማን ዚኾነናን ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን ኣሜን!!

ብወልደኣብ ገብረ መስቀል

No comments:

Post a Comment