Saturday 15 September 2012

//እቁኬ ኢያስህትክሙ// ከየስሕትኹም ተጠንቀቁ

              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ምድርና ክሳብ ዕለት ምጽኣት ኣብ መንጎ ስርናይ ክርዳድ ሙብቃላ፣ ምስ ለዋህ በጊዕ ቶክላ ምስላፋ፣ ኣብ መንጎ ንጹሃት ሐዋርያት ይሁዳ ምርካቡ ኣይተርፍን። እቲ ክርዳድ ከይዕጸድ ምስ ስርናይ ሓቢሩ ቦቂሉ፣ ተኩላ ድማ ከይፍለጥ በጊዕ መታን ክመስል ቆርበት ተኸዲኑ ምስ በጊዕ ይጻወት፣ ካብ መላእኽቲ ከተማ ክሳብ ደብረ ዘይት ጎይታና ክሳብ ዝግለጸሉ ቦታ ካብ ገነት ክሳብ ናይ ሕጂ መቅደስ ስሒቶም እንዳስሓቱ ኽሒዶም እንዳኣክሓዱ ኪሳብ እዚ ዘመን በጺሖም ኣለዉ። ማቴ 7፣15-24,



ሓደ ግዜ ሓደ ሽማግሌ ባዕሎም ዘዕበይዎ በጊዕ ኣብ ዕዳጋ ክሸጥዎ እንዳ ከዱ ከለዉ፣ ኣብ መንገዲ ድማ ሠርቅቲ ሰሪቅና ክንበልዖ እንታይ ንግበር ተባሃሉ፣ ዱላ ሒዞም ከይምንጥልዎም እቶም ሰብኣይ ሓያል እዮም፣ ስለዚ ተማኺሮም ሓደ ኣብዚ ሓደ ኣብቲ ሓደ ድማ ርሕቅ ኢሎም ተቀመጡ፣ ልክዕ ናብቲ ቀዳማይ ሌባ ዘለዎ ምስ በጽሑ ኣቦ ከመይ ውዒሎም ደሓን ድዮም ይብሎም ‘’እግዚኣብሔር ይመስገን’’ ይብልዎ እዋእ ካብ ምዓስ ድኣ ከ እስኹም ከልቢ ተሰኪምኩም ክትከዱ ጀሚርኩም ይብሎም ‘’ ዘዕበኽዎ በጊዕሲ ከልቢ ትብሎ ኣሎኻ ኢሎም ተቖጢዖሞ ይሓልፉ፣ ናብቲ ካልኣይ ሌባ ምስ በጽሑ እሱ ድማ ደሓን ዲኹም ኸመይ ኣቦ ይብሎም ‘’እግዚኣብሔር ይመስገን’’ ይብልዎ እዋእ ከልቢ ተሰኪምኩም ድኣ ናበይ ኢኹም ይብሎም ‘’እዋእ ናይ ምንታይ ከልቢ ይብልዎም’’ እዚ ተሰኪምኩሞ ዘለኹም እኮ ከልቢ ኢዩ፣ ኣውሪዶሞ ሕጂ ክጠራጠሩ ጀሚሮም ከመይ ኢሉ ካልኣይ ግዜ ከልቢ ይብለኒ ኢሎም ተተንከፍዎ ኢዶም ተእተዉሉ ዘይናኸስ ተዳህሰስዎ ከኣ እንበዕ ዝብል ከመይ ኢሉ እዩ ከልቢ ዝብለኒ ኢሎም እንዳተጣራጠሩ ይኸዱ ከምኡ ኢሎም፣ ናብቲ ካልሳይ ሌባ በጽሑ እዋእ እዋእ ንሕና ዝኸበረ ኣብ ቦታና ዘለዉ ሽማግለ እንዳ በልና ከልቢ ተሰኪሞም የሕፍሩና በሎም ‘’እዋእ ናይ ምንታይ ከልቢ’’? እዚ ተሰኪምኩሞ ዘለኹም እኮ ከልቢ እዩ ምስ በሎም፣ ድሕሪኡ ከመይ ኢሉ እቲ ሓደ ከምኡ ኢሉኒ እቲ ካልኣይ ከምኡ ኢሉኒ እዚ ድማ ከምኡ ዝብለኒ ለካ ኣነ እየ ተጋግየ ዓይነይ እየ በጊዕ መሲሉኒ ከልቢ ተሸኪመ ብምባል እቲ በጊዕ ኣብኡ ገዲኦም ከም ብሓድሽ በጊዕ ንምድላይ ተመለሱ ይበሃል።



እዞም ኣቦ እዚኦም ንምታይ ተታለሉ እንተ ኢልና ምኽንያቱ ሓሶት ተደጋጊሙ ተደጋጊሙ ስለ ዝተነገሮም ሓቂ መሲልዎም፣ ንሕና ውን ከምኡ ኢና ንኸውን ዘለና ሓደ መጺኡ ከልቢ ኢዩ ሓደ መጺኡ ከምኡ ሓደ መጺኡ ከምኡ ስለ ዝበለና በጊዕና ክሳብ ምግዳፍ በጺሕና እዞም ሰባት ነቲ በጊዕ ወይ ይሸጥዎ ወይ ይበልዕዎ ንምንታይ? ምኽንያቱ በጊዕ ሙኻኑ ይፈልጥዎ እዮም። ሰብ ተደጋጊሙ ተደጋጊሙ ሓሶት ስለ ዝተነገረና ዘዕበየትና ቤተክርስቲያን ሓዲግና ከመይ ኢልና ንከፋፈል ኣለና። ጽንዑ ጽንዑ ዝተባህለናኸ እንታይ እዋና ረሲዕናዮ። ቆሎሴ 2፣7 


ነዚ እዩ /ካብ 130-200 ዓ.ም/ ሄሬኔዎስ ዝተባህለ ሊቅ ‘’ ብሓቂ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ቀልቲፉ ተራእዩ፣ መታን ከይግለጽ ዕርቃኑ ፈጺሙ ኣይቆውምን፣ ነገር ግን መስሓቢ ዘለዎ ክዳን ብብልሒ ተኸዲኑ ኣብ ደገ ጸቢቁ ይርከብ፣ ዝዓሸወ ሰብ እንተ ረኺቡ ንምትላል ካብ ሓቂ ንላዕሊ ሓቂ መሲሉ ይርኣይ’’ ብምባል ይገልጾ።      2 ቆሮ 11፣14


ሎሚ እዃ ዝገርም ኢዩ ምዝራብ ዝኸኣለ ስለ ቤተክርስቲያን ክዛረብ ምጽሓፍ ዝከኣለ ስለ ቤተክርስቲያን ደስ ዝበሎ ክጽሕፍ። ኣብዚ (facebook) ዘንበብናዮ እኮ እዩ ጸሎተ ሃይማኖት ወጺኦም ዘይክእሉ ሰባት፣ ለይትን ቀትርን ንቤተክርስቲያን ንዘገልግሉ ዘለዉ ኣቦታት (ዕዉራት ንዕዉራት ከመይ ኢሎም ክመርሑ) ኢሎም፣ ገና ኣብ ንስሓ ዘይበጽሑ ሰባት ክጽሕፍዎ ንርኢ ዘለና እኮ እዩ ፣ጎይታ (ምንተ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኩሎ ዓለመ ረብሐ ወነብሱ ሐጕለ, ሰብ ንዓለም ረቢሑ ንነብሱ እንተ ኣጥፍኣ እንታይ ይጠቅሞ ዝበሎ ብምዝንጋዕ፣ ምጽሓፍ ክኣልና ኢሎም በቦታት ኣፎም ከጽርዩ ረኢና ‘’like’’ እንገብር ሰባትሲ ከመይ ዝበልና ኢና፣ ወረግ ብፍላይ ኣብ England እትቅመጡ ሰባት በቶም ኣቦታትና እትብልዎም ዘለኹም፣ ታቦት ኣምላኽ ንዘይፈልጡ POLICE ኣሕሊፉ ክወሃብ፣ ካህናት ብዘይኣማንያን POLICE ተታሒዞም ኪከዱ ዘየሕዘነኩም፣ ስለምናታይ ኣብ ቅዳሴ ኣባ እገሌ ኢልኩም ዘይተቀድሱ እገሌ እባ ዘይትብሉ እንዳ በልኩም ምፍልላይሲ ስለ ቤተክርስቲያን ናይ ብሓቂ ሓለይቲ ኢና ክትብሉስ ከመይ ኢሉ የምዕረልኩ? ወረግ ኣነ ዝገርመንስ ስለ ናይ ስጋ ማእሰርቲ ዝበጽሖም ድላይኩም ትብሉ፣ ስለ ናይ ነፍሲ እሱራት ግን ግዲ ውን ዘይብልኩም ‘’ ስእሊ ስላሴ ካብ ቤተክርስቲያን ብዘይ ናይ ሲኖዶስ ብዘይ ናይ ኣቦታት ፍቃድ ኣብዚ ዓዲ ሰብ ስለ ዝተሳእነ ክዳን ሰበኽቲ ተኸዲኑ ኢዱ ብዘወዛውዝ ሰብ፣ ‘’ኣውጺኡ ክቅደድ’’ ዘየሕዘኖ ሰብ እገለ ኣብ ቤተክርስቲያንኩም መጺኡ ጽቡቅ ጌርኩም ዘይተቀበልኩሞ ኢልኩም ኣፍኩም መሊእኩም ምዝራብሲ ምስ ምንታይ ይቁጸር?


ቅድስት ቤተክርስቲያን ካብ ምምስራታ ጀሚሩ ጸላኢ ድያብሎስ ብግብሪ ዝወለዶም ብምጥቃም፣ እቱ ሓቂ ሓሶት ብምባል፣ ማዓሩ ብምምራር፣ ነቲ ማይ ብምጽላም፣ የዋሃት ብረቂቅ ስልቱ ተመሳሲሉ፣ ንዝጸንዑ ድማ ዕርቃኑ ገሊጹ ኃይለ ቃል ኣጣሚሙ፣ እንተዘይኮነሉ ድማ ሰይፉ ስሒሉ ስርናይ ንምጥፋእ ኽርዳድ ንምብዛሕ በዘይ ምቁራጽ ይሰርሕ፣ ብዘይ ድኻም ይተግህ። ማቴ 13፣25 ራእ 12፣4 



ከም ናይ ወለዶም ፕሮስቴንታንት መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ወይ ውሑዳት ጥቅሲ ክሳብ ዝመስል ሓንቲ መሥመር ትምህርቶም ጥራሕ፣ መብዛሕትኡ ካብ ርእሶም ወሲኾም ናይ ኣቦታት ደቂ ኮይኖም ከምዝተማሃሩ፣ ናቶም ወረስቲ ኮይኖም ከምዝተረኽቡ መብዛሕትኦም ይዛረቡ፣ ልቦም ሰፊሕ ኣይኮነን እሞ ተዓጊሶም ኣይምርምሩን፣ ንእሽተይ እኳ ልዕል ኢሎም ኣየንብቡን፣ በቃ ‘’ ናይ ኣይሁድ ንጉስ’’ ትብል ቃል ጥራሕ ዝሰምዓ ሄሮዶስ ብዙሕ ዘይምለስ ጥፍኣት ከም ዘጥፍኣ። ኣቦታተይ ንምባል ውሉድ ኮንካ ምርካብ ኣድላዪ እዩ። ሓቀጃ ውላድ ንሙኻን ድማ ብናይ ኣቦታት ፍጹም ትምህርቲ ምዉላድ የድሊ። እስከ ተመልከቱ ናብ ጎይታ ተቅርብዎ ዘለኩም እንታይ እዩ፣ ናይ መንፈስ ፍሬታት ውይስ ናይ ስጋ ፍሬታት? ብዙሓት ሓደ ንገብር ወይስ ውሑዳት ንፈላሊ? ካልኦት ዝዘርእዎ ምስኦም ኮይንና ከም ሐዋርያት ንዓጽድ ወይስ ዝትኣከቡ ንበታትን? 


ኣነ 100% ርግጸጃ እየ እዞም ኩሉኹም ነዞም ሰባት ትስዕብዎም ዘለኩም እቲ እሶም ዝምህርዎ ኣብዚ ዓዲ ቦኽሪ እዝንኹም ሙኻኑ ገለ ካብ ኣብነት ‘’ ስእሊ ስላሴ, ንጽህና ድንግል ማርያም, ኪዳነ ምህረት ዝበሃል ኣይንፈልጥን ኢና, ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተገለጹ ሥላሴ ኣይኮኑን, ውዳሴ ማርያም ዝጸሓፈ ቅ.ኤፍሬም ሶርያዊ ኣይኮነን, መጽሐፍተ ቤተክርስቲያን እርማት የድልዮ እዩ, ብፍላይ ተኣምረ ማርያም 90% ጌጋ እዩ ወረግ ከመይ ዝበለ ዓሻ ሰብ ዝጸሓፎ እዩ ኢልካ ብድፍረት ክሳብ ምዝራብ፣ እዚ ኩሉ ዘይዓጀበኩምስ ብርግጽ እታ ናይ ፓትርያሪክ ነዚ ኩሉ ክሕደት ከም ትስዕብ ትገር ኢያ? ‘’ ብሓቂ ምስ ልብና ንዛረብ። ‘’ናብ ጽዉጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቅልቡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም’’ ቲቶ፣1-14 ዝበሎ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል’ከ እንታይ እዋና ረሲዕናዮ? 2ይ ጴጥ 3፡17 እምበኣርከስ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብ ጽኑዕ መሰረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ። 


እንታይ እዋንኩም ቀልቲፍኩም ናብ ካልእ ትምህርቲ ከምዝተሳገርከም ይገርመኒ ኣሎ /ገላ 1፣6-10/። ብፍላይ እቶም ብ40ን 80ን ብስም ሥላሴ ዝተጠመቅኩም፣ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላክነት እትኣምኑ፣ ናይ ድንግል ማርያም ፍቅሪ ልብኹም ዝቃጸል፣ ናይ ቅዱሳን ሰማእታት ፈተውቲ፣ ናይ ተዋህዶ ሕጋን ስርዓታን ጽቡቅ ማዕረግ ዝኾነኩም፣ እስኪ መልሱለይ ናይ ድያብሎስ ናይ ጥፍኣት ኣሰራርሓ ናይ ክፍኣቱ ጥበብ ጠፊእኩም? ናይ ቀደም ተመን መጨረሽታ ዘመን ከም ዝቀረበ ፈሊጡ ኵናቱ ናብ ቤተክርስቲያን እንዳወርወረ ሙካኑ ኣየስተውዓልኩምን? ወይስ ድያብሎስ ጽቡቅ ዝኾነ ወንፈሳዊ (ዕሴት) ደሞዝ መታን ክሰርቅ ዝተግህ ሌባ ሙኻኑ ረሲዕኩም? እንተዘይኮነስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ናይ መንፈሳዊ ጸጋ ብዓልቲ ሃብቲ ሙኻና ኣይትኣምኑን? ሕዝበ ክርስቲያን፣- ተዋህዶ ቤተክርስቲያን በዚ ግዜ በይና ብናይ ክርስቶስ ደም ዝተበጀወት፣ መሰረታን ህንጽኣን ክርስቶስ ዝኾነላ፣ ብዘይሙቁራጽ ብቅዱሳን ጸሎት እትሕሎ፣ ዶግማኣን ቀኖናኣን ሰማያዊ ሙኻኑ እንተ ኣሚንኩም፣- ድያብሎስ ነዚ ኩሉ እንዳርኣየ ሱቅ ኢሉ ዝዕዘብ ዶ ይመስለኩም? ናይ ድያብሎስ ግብርስ ጸጽቡቁ ንሕማቅ ከም ዝግዛእ ምግባር ሙኻኑ ዘንጊዕኩም? ስለዚስ ድያብሎስ ሌባ ካብ ኮነ ሌባ ድማ ክሰርቅ ወርቂን ብሩር ኣብ ዝርከበሉ ዳሃብታም ቤት ኣትዩ ዝሰርቅ ካብ ኮነ ቤተክርስቲያን ድማ ናይ ሰማያዊ ሃብቲን ጸጋን ሃብታም ሙኻና እንተፈሊጥና ወርቅናን ብሩርናን ኣብ ዝቅመጠሉ ሰራቂ ኣትዩ ከም ዘይሕሉ ድኹም ሰራሕተጃ ክንከውንስ ዝግባ ድዩ? ስለዚ ኣይንዘንግዕ ናይ ድያብሎስ መከራን ፈተናን በብግዚኡ በብዓይነቱ ከም ዝኮነ ዝፈለጡ፣ ኣብ ዓለም ኮለኩም ፈተና ኣሎኩም ዝበሎ ኣማናዊ ናይ ጎይታ ቃል ክፍጸም መታን እቶም ናይ እግዚኣብሔር ዝኮነ ኩሉ ግዜ ይፍተኑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ከም ቅዱስ ገብርኤል (ንቁም በበህላዌነ እስከ ነኣምር ፈጣሪነ/ ፈጣሪና ክሳብ ንፈልጥ ኣብ ዘዘለናዮ ንቁም ዝበሎ ቃል ይዝክሩ)፣ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ውን ኣይርስዑን ቆሎሴ 2፣7 


ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ‘’ ምውዳቅ ከም ኣዳም እዩ ወዲቅካ ዘይምትሳእ ግን ከም ድያብሎስ እዩ ከም ዝበሎ’’ ሎም’ውን እዚ ንሓደ ኣነ ዝበለ ዕዋላ ከማን ዘገርም ትሰርሕዎ ዘለኹም ስራሕ ገዲፍኩም ሰብ ክንዲ ምብትታን ክትኣኻክቡ ክንዲ ብስምዒት ሰብ ዘድልዮ ትምህርቲ ብዝግብኦ ክትምህሩ እምበር ሰብ ምረቃ ከይ ምሃርኩም ጸርፊ እንዳ መሃርክሞ እስኩም ከም ትገብርዎ ‘’(ዕዉራት, ናብ ቆልዑት ዝተመልሱ, ሰረቅቲ, ሓሰውቲ, እዚኦም ድማ ኣቦታት ኪበሃሉ) ክሳም ምባል በጺሖም ዘሎዉስ ፍሬኹም ዶ ኣይኮኑን። ደጊምና ደጋጊምና (ምውዳቅ ከም ኣዳም እዩ ወዲቅካ ዘይምትሳእ ግን ከም ድያብሎስ እዩ, ምውዳቅ ከም ኣዳም እዩ ወዲቅካ ዘይምትሳእ ግን ከም ድያብሎስ እዩ, ምውዳቅ ከም ኣዳም እዩ ወዲቅካ ዘይምትሳእ ግን ከም ድያብሎስ እዩ) እሞ ናብታ ጡባ ጦቢኹም ምኣዳ በሊዕኩም ዝዓበኹምላ ቤተክርስቲያንኩም ክትምለሱ ንላቦ። 


ወስብሃት ለእግዚኣብሄር።

No comments:

Post a Comment