Tuesday 11 September 2012

ታሪክ ቅዱስ ቶማስ ዘመርኣስ

              ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††



ቶማስ  ዘመራስ  ሓደ ካብቶም  ብ 305  ዓ፣ም ዝነብሩ ዓበይቲ ቅዱሳን  ሊቃውንት  እዩ። እዞም ሊቃውንት  እዚኣቶም  ብዝሖም 318  ኮይኑ  ነዚ  ንሕና  ኦርቶዶክሳውያን  እንኣምኖ ሓቀኛን  ቅንዑን ዝኾነ  መጽሓፍና  ሰመንያ ወ ኣሓዱ  /81/ ዝጸሓፉን ዝተርጎሙን  ኢዮም ። ይኹን ደኣ  እምበር  እዚ መጽሓፍ  ቅድሚ  ምጽሓፉ  ብዘመነ  ነገስታት ዲያቅላጢያኖስን  መክሲሚያኖስን ዝበሃሉ  ንክርስትያን  ይቀትልዎምን  የሳድድዎምን  ቅዱሳን መጻሕፍት  የቃጽልዎ ነበሩ ። ኣብ ዓለም  እውን  ስም ክርስትያን ዝብሃል  ንኽጠፍእ ተለዓሉ ነዛ መራሒኣ ጐይታና መድሓኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝኾኑት  ቅንዕቲ  ሃይማኖትና ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ  ግን  ከጥፍእዋ ኣይከኣሉን ። ካብ ሕይወቶም  ንላዕሊ  ኣብሊጾም  ዝርእይዎ ቅዱሳን  ኣቦታት ካብ  ዝኾነ ግፍዕን  ማሕረድን  ከይፈርሑ  ኣብ  ኣረማውያን  ሃገራት  እንዳ  ኸዱ  ወንጌል   ብምስባክ ንዓለም  ካብ  ጸልማት  ናብ  ብርሃን ቀየርዎ ።ገሊኦም  ብሴፍ  ተሰይፎምላ ገሊኦም ብዳርባ  እምኒ ተጨፍሊቆምላ ። ንዓና  ነዞም  ደቂ  ግዜ  ዘለና  ከኣ ኣረኪቦምና።

ኣቦና  ቶማስ  ዘመርኣስ   ከኣ  ኣብ  ግዜ  እዞም  ክልተ  ጨካናት  ነገስታት  ዲያቅሊጢያንስን  መክስምያኖስን  ዝነበረ ብትብዓት ውንጌል  ኣብ  ዝስብክሉ  ዝነበሩ ግዜ  እዞም  ኣርመናውያን ነገስታት ኣብ  ቤት ማእሰርቲ  እናጋፍዑ ኣእተውዎ ን22 ዓመት  ድማ  ኣብ ቤት  ማእሰርቲ ካብ  ሰብነቱ  ነንእሽቶ  ስጋ  እናቆረጹ   ኣሳቀይዎ ኣእጋሩ  በብቑሩብ ኩሉ  ቆረጽዎ ግን  ኣቦና ቶማስ ነዚ ኩሉ መከራ  ብትብዓት  ተጻወርዎ ።

ደሓር  እዞም ዓላውያን  ጨካናት  ነገስታት ሓሊፎም  መይቶም።  ብድሕሪኦም ቆስጦንጢኖስ  ዝብሃል  ንጉስ  ነገሰ ። ነቲ  ፋሕ  ኢሉ ዝነበረ ቅዱስ  ዝኾነ መጽሓፍቲ  ድማ  ካብየ  ቦትኡ ተሓቲሙ  ከምዝዳሎ ተገብረ ።
ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ኣቦና  ቶማስ  ዘማር ኣስ ዋላውን ክልተ ኣእጋሩ  ይቆረጽ  እምበር  ሕጂ’ውን ዓላውያን  ኣብ ዝርከብሉ ቦታ  ኣብ  ኣድጊ ተጻዒኑ  ንክሰብክ  ከደ ።


ብትብዓት  ቃል- ወንጌል  ኣብ ዝሰብከሉ  ዝነበረ እዋን እቶም  ኣረመናውያን  ሕጂ’ውን  ክፍኣት  ሃሰብሉ  ከምዚ  ድማ  ተባሃሃሉ።

‘’ እዚ  ሰብኣይ ክልተ እግሩ ቆራጽ  ስለ ዝኾነ  ነዘን  ኣእድጉ  ብሴፍ ክሳደን  ንቁረጸን ደሓር  ካብ  ቦታ ናብ  ቦታ  ዘብጽሖ ስለ  ዘይብሉ  እቲ ምስባክ  ክገድፎ  ኢዩ  ብምባል  ነተን  ክልተ ኣእዱጉ  ክሳደን  ቆረጽወን  ። ኣቦና  ቶማስ ኣብተን ኣእዱጉ ተሰቂሉ ይስበክ  ስለዝነበረ ከም  ቀደሙ  ንክሰብክ  ነቶም ኣርድእት  ኣድጊ  ከምጽእሉ  እንተልኣኮም  ክልቲኤን መይተን ጸንሕኦም ። ምስ ነገርዎ  ድማ  ንእግዚኣብሄር  ኣምላኽ  ዝሰኣኖ የልቦን   ኪዱ ‘ ሞ  ነተን  ክሳደን  ኣብቲ  ኣካላተን  ኣላግብዎ  እሞ  ህያውያን  ኽኮና  እየን  በሎም ። ንሳቶም  ድማ  ከም ኡ ገበሩ ። እተን  ኣእዱግ  ከኣ  ሓወያ እንተኾነ  ግን እተን ኣእዱግ   እታ ሓንቲ  ጸላም እታ ሓንቲ  ድማ ጻዕዳ  ነበራ  ነቲ  ክሳደን ድማ  ቀያይሮም  ኣላገብዎ  ። ስለዚ   እታ  ጸላም  ክሳዳ  ጻዕዳ  ፡  እታ  ጻዕዳ  ድማ  ክሳዳ  ጸሊም ኮነ ። እዚ  ከኣ  እቲ  ዝዓበየ  ተኣምራት  ብኣቦና ቶማስ  ዘመር ኣስ  ኮነ ። ስለዚ  ብዝኾነ  መሰናክል  ኮነ  ዕንቅፋት ኣቦና  ቶማስ  ዘመርኣስ ከየስገለ  ንድሕሪት  ከይተመልሰ  ሓንሳብ  ንጐይታና  መድሓኒና  ኢየሱስ  ክርስቶስ  ከገልግሎ  ምስ  ጀመረ  ንድሕሪት  ከይጠመቱ  እዚ  ኩሉ  መግፋዕቲ ን22  ዓመት  ዝኣክል ከም  ሓንቲ  ደቂቅ  ኣብ  ቤት  ማእሰርቲ ኮይኖም  እሞ  ከኣ  መዓልታዊ  ካብ  ኣካላቶም  ስጋ እንዳ  ተቆርጸ  ከሎ  እንትርፎ  ንኣምላኾም  ተመስገን  ምባል  እምበር  ኣየማረሩን  ነበሩ ።
ኣብ  እምነት ብምጽናዕ   ካብኡ  ምስ  ወጹ  ከኣ  ከም  ቀደሞም  ወንጌል  ሰበኹ ዋላውን እንተ ተጻብእዎም ኣእድጎም’ ውን እንተቆረጽሎም  ከምቲ  ኣቀድም  ኣቢሉ  ዝተግልጸ  ክሳውድተን  ብምቅያር   ነዚ ተኣምራት ክርእዩ ዝመጹ  ሰባት  ኣብኡ ምስ ተረኽቡ  ኣቦና ቶማስ  ወንጌል  ብምስባኽ  የእምንዎ  ነበሩ ።

እወ ብሓቂ  ብሓቂ  ነዛ  ጉንዲ  ወይኒ  ዝኾነት  ቅንዕቲን ጥንታዊትን   ቅድስትን  ሃይማኖትና  ክንደይ ቅዱሳን  ተሰይፎምላን ተሓሪዶምላን እዮም  ኣቦና  ቶማስውን ኣብ  መጨረሻ ብምስያፍ  ሰማዕትነት  ተቀበሉ ።


ንሕናኸ  ካብዚ  ታሪኽ  እንታይ  ንምሃር ?  ብእውነት  ኣብ  ግዜና ሃይማኖትና  ከመይ  ኣሎ ? እዞም  ቅዱሳን  ኣቦታት  ዘረከቡና  ጥንታዊትና   ቅድስትን  ሃይማኖትና  ብትብዓትን  ብቅንዕናን  ክንሕዛ   ይግበዓና ።
ነዚ  ንክንገብር  ናይ  ቅድስት  ድንግል  ማርያም በረኸተ   ረድኤት  ናይ  ቅዱሳን  መላእኽት  ተራዳእነት ፡ ናይ  ጻድቃን  ሰማዕታት  ምልጃን  ጸሎትን  ኣይፈለየና ። ከሙ  ድማ  በረከትን  ረድ ኤትን  ናይ  ኣቦና  ቶማስ  ዘመርኣስ  ምስ ኩልና ይኹን።



ኣሜን  !!!

No comments:

Post a Comment