Tuesday 23 July 2013

ደብረ ጻድቃን "መጠራ'' /1ይ ክፋል/

†በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ ኣምላክ፣ አሜን †
  ደብረ ጻድቃን "መጠራ''

ኤርትራ ሃገርና  ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ገዳማት ባሕርያዊ ተፈጥሮን ዝፍለጣ ሃገራት እያ። ንሎሚ እምበኣር ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ሓደ ካብ ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ዝኾነ''ደብረ ጻድቃን መጠራ''  ከነላልየኩም ኢና። መጠራ ካብ ዞባ ደቡብ ን/ዞባ ሰንዓፈ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ 136 ኪ.ሜ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ድማ 1ኪ.ሜ ርሒቁ ይርከብ።

ካብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ብተኻታታሊ ሥርዐተ ብሕትውናን ግብረ ምንኵስናን ናብ ሃገረ ኤርትራ ዘተኣታተዉ እኩባት ሰባት ደቂ ሶርያን ቍስጥንጥንያን  ኣብ መጠራን ከባቢኣን ዝነብሩ ዝነበሩ ናይ ኃባራዊ ቅጽል ስም ''ጻድቃን''ተባሂሎም ዝጽውዑ ቅዱሳን ሰባት ይርከቡ። እዚኣቶ [ብፁዓን እለ ይሰደዱ በእንተ ጽድቅ እስመ ሎሙ ይእቲ መንግሥተ ሰማያት] ''ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግስተ ሰማያት ንእኣቶም እያ'ሞ ብፁዓን እዮም'' /ማቴ5፡10/ ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሖም እግረ እግረ 'ተስዓቱ ቅዱሳን' ናብ ሃገርና ዝመጽኡ (ኣብ መንጎ 476-486) ኣቢሉ ብዙኃት ጻድቃን፡ ብፍላት ኣብ እምባታትን ዝባውንትን፣ ዞባ  ደቡብ ብሕትውናኦም እና  ኣካየዱ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኅብረተሰብ ኣብ ምምሃርን ምምዓድን ይዋፈሩ ነበሩ።
ታሪኽ ሕይወቶም ዚገልጽ፣ ''ገድለ ጻድቃን'' ዝተባህለ መጽሓፈ ብራና ካብ ዘዘንትዎ ንምሳሌ፦ ''ወወፅኡ እሉ ቅዱሳን መንገለ  ገዳመ ቡር ወቦ እለ ዔሉ ኣድባረ ዘይሰመይ  መጠራ፡ ወቦ እለ ዔሉ ገዳመ ባረክናሃ፣ ወቦ እለ ዔሉ ሶርያ ወዳብራ።''  እቶም  ቅዱሳን፣ ወፂኦም ናብ በረኻ ቡር ምስ  ከዱ ካብኣቶም መጠራ ናብ ዝተባህለ እምባታት ዝኾለሉ ኣለዉ፡ ናብ ጣሻ ባረክንሃ ዝኾለሉ ኣለዉ፡ናብ በረኻ ሳርያን ዳብራን (ጎቦታት እምባ ሶይራን እምባ ዳብራን) ዝኾለሉ ኣለዉ''።

ጻድቃን መጠራ፡ መጀመርታ ብዘመን አልኣሜዳ ዝተባህለ  ንጉሥ፣ ካብ ቦታኦም ተበጊሶም ኣብ ኤርትራ ምስ  በጽሑ ካብ ባቕላ ማለት ባርካ ጀሚሮም ክሳብ ላስታ ተፋላልዮም ንኽነብሩ ተሳማምዑ። ነበርቲ ናይታ ሃገር ኮይኖም ዝጸንሑ ሕዝቢ ክዋግእዎምን  ክማርኽዎምን  ዝመጹ መሲልዎም ብዙኅ ፍርህን ራዕድን ወረዶም። ናይዞም  ቅዱሳን ጻድቃን ዕላማን መደብን  ግና ጸሎትን ብሕትውናን ደኣ  እምበር ናይዚ ዓለም'ዚ ጥቅምን ረብሓን ከመ ኢምንት እዩ ነይሩ ኣብ ቅድሚኦም። 
ኣብ ዘዝቕመጥዎ  ቦታ  ምስ ተሰማምዑ፡ መጀመርታ  ኣብ ገዳም  እምባ  መጠራ 5,700 ዝኾኑ ጻድቃን ተቐመጡ። ካልኦት ድማ ኣብ ባረክንሃ ተቐመጡ።(ባረክንሃ ካብ ከተማ  ሰንዓፈ ኣስታት 24 ኪ.ሜ ንደቡብ ርሒቃ እትርከብ ዓዲ እያ።) እቶም  ዝተረፉ'ውን ኣብ እምባ ሶይራ፡ ደብረ ሓርሳ፡ ኣብ ገዳም ሰፍኦ፡ ኣብ ገዳም ማዕጾኣ፡ ኣብ ገዳም ሰራሕቶ መካነ ጊዮርጊስ፡ ኣብ ገልዖ ማይ ጻዕዳ፡ ኣብ ገዳም ዳሞ፡ ኣብ መዘክር፣  ኣብ ቀንቶ፡ ኣብ ጠብቃሌ፡ ኣብ ተምቤን፡ መንቆራውያን፡ ኣብ ዓጋመ፡ ቤት መኻእ፡ ኣብ እምባ ሰገነይቲ . . . ወዘተ'፡ ኣብ 15  ገዳማት ይቕመጡ ነበሩ። መግቦም  ድማ ሳዕርን ቆጽልን  ፍረ ኦምን ደኣምበር እኽሊ ዝብሃል ኣይጥዕሙን ነበሩ።
እዚ ምስቲ ምእንቲ ጽድቒ ብእምነት፣ ብዛዕባ ዚጋደሉ ኣብ ቅዱስ መጽሐፍ ዝተገልጸ ጽሑፍ፣ ''ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተከዲኖም ዞሩ፣ ሰኣኑ፣ ጸበቦም፣ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፣ ዓለም ንእኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት፣ ኣብ ምድረ በዳን፣ ኣብ እምባታትን፣ ኣብ ጎዳጕዲ ምድርን ኮለል በሉ''(ዕብ11፡37)።  ዝብል  መልእክቲ ቅዱስ  |ጳውሎስ ግብራዊ ኮይኑ ይርከብ።
ሃገር ትውልዲ እዞም ለባስያነ መስቀል ጻድቃን፣ ካብ በበይነን አህጉረ እስያን፣ ሰሜን ኣፍሪቃን ብፍላይ መብዛሕቲኦም ካብ ሶርያ  ምዃኑን ብስም ሃገረ  ሶርያ ብኣኣቶም ''እምባ ሶርያ'' (ሶይራ) ከም ዝተባህለ ውን ይእመን።
ብዛዕባ ኣመጋግበኦም ካብ ሳዕርን ቆጽልን  ፍረ ኦምን ደኣምበር እኽሊ ዝብሃል ከምዘይጥዕሙ ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ኣሎ።ነዚ ታሪኽ እዚ እተረጋግጸልና  ኣብ ደብረ ጻድቃን መጠራ፣ ሓንቲ ''ዳዕሮ ጻድቃን'' ተባሂላ እትጽዋዕ ዓባይ ዳዕሮ  ኣላ። እዛ ዳዕሮ እዚኣ መግቦም  ክትከውን  ብኣምላኽ ዝተፈቕደት ምዃና ብታሪኽ ይንገር። ከምኡ ከምዝኾነት ዚሕብር ምልክት ከኣ ኣብ ወርኂ ወርኂ ዚፈርያ 12 ጨናፍር ኣለዋኣ። ንሓደ ዓመት ምሉእ ድማ ሓንቲ ጨንፈር ንሓደ ወርኂ እንዳ ኣፍረየት ዓመት ምሉእ ፍረ ከየቋረጸት ትነብር። ምናልባሽ ሰባት 'ተአምር እግዚአብሔር ስለ ዝኮነ' ንምእማኑ የሸግሮም ይኸውን። ምኽንያቱ ሓንቲ ገረብ፣ ካብ ሓደ ሱር እትምገብ፣ ኣብ በበይኑ እዋን ከተፍሪ፣ እሞ ድማ  ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ጊዜኣ ሓልያ ኣብ ዓመት ሓንቲ ወርኂ ጥራይ ክትፈሪ፡ ግሩም ሥራሕ እግዚአብሔር ምእማን እንተዘይኮይኑ ክበሃል  ዝኽእል የልቦን። እዛ  ተኣምራዊት ዳዕሮ ክሳብ ሕጂ ስለ  ዘላ ክርእያ ዝደለየ ርእዩ ከኣምን ይኽእል እዩ። እዛ 12 ኣዋርኅ እተፍሪ  ዳዕሮ ጻድቃን መጠራ ድማ  ማዕረ እዚ ዘለናዮ ወይ በጺሕናዮ  ዘሎና ክፍለ ዘመን፣ እቶም ጻድቃን ኣብ መጠራ ዝተቐመጥሉ ዘመን ከተነጻጽሮ ከሎኻ ክሳብ 2005 ዓ/ም/ ግእዝ 1555 ዓመት ኣለዋ ማለት እዩ።

                                      ይቅጽል ከም ፍቃድ እግዚአብሔር  .  .

3 comments:

  1. እግዝኣብሔር ጸጉኡ የብዝሓልኩም፡ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ይኹን። ብጣዕሚ ኣገዳሲ ቅድሚ ኩሉ እምነትናን ኣማጻጹኡን (ታሪኽ ቅዱሳን) እትጽሕፍዎ ናይ ብሓቂ ጽቡቅ እዩ ቀጽልዎ።

    ReplyDelete
  2. fetari xegiu yebzhalkum kexlwo

    ReplyDelete
  3. ብጣሚ ደስ ዝብል አዩ ናይ ኩሉ ገዳማትና ኣማጻጽኡ ክትሙሁሪና
    ኣምላክ ጸጋ የብዛሐልኩም

    ReplyDelete