Wednesday 31 July 2013

ብድንግል ማርያም ምክንያት!!!

በስመ ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሓዱ  ኣምላኽ፣ ኣሜን!† 

ብድንግል ማርያም ምክንያት ሰማይ ትሕት ምድሪ ሓፍ በለት! እግዚአብሔር ናብ ምድር ወረደ፡ሰብ ናብ ሰማይ ደየበ! 
 

አምላክ ናይ ደቂ ሰባት ባህርይ ተዋደ፣ 
ሰብ ድማ ናይ እግዚአብሔር ባሕርይ ተዋሓደ!

አምላክ ብድንግል ማርያም ገይሩ መጺኡ ናብ  መቃብር ወረደ፡ ሰብ ድማ  ብድንግል ማርያም ምክንያት ሕያው ኮይኑ  ክነብርን  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጸጋን ክብረን ሞገስን ክረክብ ከኣለ!

 
ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወሪዱ፣ ንሰብ ናብ ሰማይ ሃፍ ኣበሎም፣ ምድሪ ናብ ሰማያት ተቀየረ!

 ተዓጽዩ ዝነበረ ማዕጾ መንግስተ ሰማያት ተከፍተ! 
 እግዚኣብሄር ብመሳለል ናብ ምድሪ ናብ ሰባት ክወርድ፣ ሰብ ድማ ብመሳለል/ድንግል ማርያም/ ናብ እግዚኣብሄር ክቀርብ ከኣለ!ተቋሪጹ ዝነበረ ኣምላካዊ ዝምድና ብድንግል ማርያም ምኽንያት እንደገና ቀጸለ! እግዚኣብሔር ነቶም ዝሓመሙ ሓንካሳት ዳህሰሶም ንሳቶም ድማ ተጸገኑ፣ ንሱ ብርግጽ ናይ ቁስልና መድሓኒት ኮነና፣
ዕዉራት ንዑ ብዘይ ገንዘብ ተፈወሱ!

ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለ ወላዲቱ ድንግል 
ወለ መስቀሉ ክቡር።


No comments:

Post a Comment