Wednesday 23 July 2014

ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል) ካብ እንጦንስ፡ መቃርስ፡ ጳኲሚስ፡ ናይ ምንኩስና ወይ ድማ ናይ መንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ወለዶ ኢዮም። ኣቦኦም ካብ ሮማውያን ነገስታት ወገን ኮይኑ ስሙ ይስሓቅ ይበሃል። ኣዲኦም ካኣ እድና ትብሃል። ይስሓቅን እድናን ንእግዚኣብሔር ዘኽብሩ፡ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዝነበሮም ኣዝዮም ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብትሕትናን ብቕድስናን ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት እዮም። 
ንወዶም ማለት ንኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ”ናይ መጀመርያ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኢዩ” ብምባል ሕጊ ኦሪትን ትምህርቲ ነብያትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣምሂሮም ኣዕበይዎም። ብኸምዚ ካኣ ጌና ኣብ ግዜ ህጻንነቶም ኩሉ መጻሕፍቲ ብሉይን ሓድሽን ተማህሩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እና በርትዑ ከዱ። ብዘይ ምቁራጽ ካኣ ኩሉ ግዜ ንግሆ ንግሆ ቤተ ክርስቲያን እና ኸዱ ይጽልዩ ነበሩ። እናሆ ካኣ ወለዶም ካብ ነገስታት ወገን ዝኾነት ሓንቲ ጓል ኣሕጸይዎም፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዮም ዝዓበዩ ስለ ዝኾኑ ፈጺሞም ኣበዩ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል) ካብ ሮም ናብ ጽርኢ ወይ ድማ ግሪኽ ሃገር፡ ዓቢይ መንፈሳዊ ማሕበር ዝመስረቱ ኣቦ መነኮሳት ዝኾነ ኣባ ጳኲሚስ ዝነብሩላ ደውናስ ናብ እትብሃል ገዳም መጹ። ካብቶም ገዳማውያን ሓደ ረኺቦም “ወደይ! ካበይ መጺኻ፧? ህንሆ ንስኻ ህጻን ከም ዝኾንካ ተመልኪተ ኣለኹ” በልዎም ኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ “ኣነ ዝመጻኽዎ ካብ ሮም ኢዩ፡ ካብ ኣባ ጳኲሚስ ዝደልዮ ነገር ኣሎኒ “በልዎም። ኣባ ጳኲሚስ ምስ ረኣይዎም ካብ መንበሮም ተንሲኦም ብፍጹም ፍቕሪ ሓቚፎም ሰዓምዎም፡ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ካኣ ኣብ ልዕሊኦም ሓደረ። ቀጺሎም ኣባ ጳኲሚስ “ብዛዕባ ምንታይ ናባይ መጺኻ” ክብሉ ሓተትዎም። “ከማኻ፡ ከም ኣቦታተይ መነኮስ ክኸውን መጺኤ ኣለኹ” ክብሉ ካኣ ኣቡነ ኣረጋዊ መለሱ።” ዝወደይ ንስኻ ወዲ ንጉስ ከም ምዃንካ መጠን ናይ መንግስቲ ወራሲ ኢኻ እሞ መንኲስካ ንምንባር ኣይትኽእልን ኢኻ” ክብሉ ኣባ ጳኲሚስ ተዛረብዎም። ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ካብ ክብሪ ዓለም ክብሪ ኣምላኽ ይበልጽ፡ ካብ ተድላ ዓለም ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ይሓይሽ ብዝብል መንፈስ ተበጊሶም ስለ ዝነበሩ “ኣቦይ ! ናይ ምድሪ መንግስቲ ሓላፊ ጠፋኢ ኢዩ። እንተኾነ ዘይትጠፍእን ዘይትሓልፍን ዘልኣለማዊት መንግስቲ ክወርስ ደልየ ኣለኹ” ክብሉ’ውን ነቲ ኣባ ጳኲሚስ ዘቕረብሎም ሓሳብን ምኽርን ብትሕትና ሓሳባቶም ከረድእዎም ፈተኑ። ቀጺሎም ኣባ ጳኲሚስ “ናይ ምንኩስና ስራሕ ቀሊል ኣይምሰልካ፡ ናባይ ዝመጹ ብዙሓት ትዕግስቲ ተሳኢንዎም ዝተሰናኸሉ ኣለዉ” እና በሉ ምንኲስና ቀሊል ከምዘይኮነ ከረድእዎም ፈተኑ። ሕጂ’ውን ኣቡነ ኣረጋዊ ሓሳባት ልቦም ንምግላጽ “ኣቦይ! ፈትነኒ፡ ስርሐይ ርኢኻ ተረዳእን ተመልከትን “ብምባል ሓሳባቶም ድልየቶም ብምሉእ እምነት ብምኲስና ሂወት ተሓጺርካ ምንባር ምዃኑ ብዘለዎም ዓቕሚ ከረድእዎም ፈተኑ። ብድሕሪ’ዚ “ንስኻ ባዕልኻ ንባዕልኻ ፈትን” በልዎም፡ ብኸምዚ ካኣ ምስቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ መነኮሳት ብሕብረት ንብዙሕ ግዜን ብፈተና ተቐመጡ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣባ ዘሚካኤል(ኣረጋዊ) ናብ ኣባ ጳኲሚስ መምጺኦም ምኽንያት ዝነበረ ክንዝንግዖ የብልናን። በዚ እዮም ካኣ ኣባ ጳኲሚስ “እስኪ ዝወደይ ቅሩብ ግዜ ተፈተን መጽሓፍ ‘ንእግዚኣብሔር ክተገልግል እንተደሊኻ ኣቐዲምካ ነፍስኻ መርምር ሰውነትካ ንሕማም፡ ንሽግር ኣዳሉ ”’ይብል ኢዩ ከምኡ ካኣ ወርቂ ብሓዊ ከይተፈተነ ወርቂ ምዃኑ ስለ ዘይፍለጥ ሰብ’ውን ሓቅነቱን ድልውነቱን ዝልካዕ ዝተቐረበሉ ፈተና ብትዕግስቲ ምስ ዝሓልፍ ኢዩ። ክብሉ መሊሶም ስለ ሂወት ምንኲስና ገለጽሎም።ኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ቅዱሳን ዝፈጸምዎ ተጋድሎምን ዘለዎም መንፈሳዊ ትግሃትን ተመልኪቶም ንምንኲስና ዘብቅዖም ሥርዓተ ትምህርቲ ኩሉ ብፍጹም ልቦና ተገንዘቡ፡ ተማሃሩ ፡ፈለጡ፡ተረድኡ ብምእማን ተቐበሉ።ኣባ ጳኲሚስ ኣቡነ ኣረጋዊ ዘለዎም ናይ ሃይማኖት ጽንዓትን ዝነበሮም ጠባይን፡ ስለ ዝነበሮም ቅንዕናን ኣዝዮም ፈተውዎም፡ ልብሲ ምንኩስና ኣልቢሶም ካኣ ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣባ መቃርስ፡ ኣስኬማ ወይ ድማ ቆብዕ ዝባረኸ እግዚኣብሔር ናትካ ኣኽሊል ምንኩስና ይባርኽ ኢሎም ካኣ በረኽዎም። ኣቡነ ዘሚካኤል(ኣረጋዊ) ካብ ዝውለዱ ክሳዕ ምንኩስና ዝቕበሉ ዝነበረ ዕድምኦም ፳፬/24 ዓመት ኢዩ። ብድሕሪዚ ብዓቢ ትግሃት፡ብጸሎትን ብጾምን ተጸመዱ። ብሰላምን ብምርግጋእን ተቐመጡ፡ ዝንኦምን ሰናይ ተጋድልኦምን ክሳዕ ኣቡኦም ኣብ ሮም በጽሔ። ጌና ብሕጻንነቶም ከለዉ ምንኩስና ምቕባሎም ዝሰምዑ ናይ ሮም ቅዱሳን ናብኣቶም መጹ ኣብ ቅድሚ ኣቡነ ጳኲሚስ ቀሪቦም ካኣ ምንኩስና ተቐበሉ። ከምዚ ኢሎም ክነብሩ ከለዉ ኣዲኦም ንግስቲ እድና ካብ ሃገራ ናብቲ ኣቡነ ኣረጋዊ ተቐሚጠምሉ ዝነበሩ ገዳም መጸት። እንሆ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ጳኲሚስ ከም ኣቦ ኮይኖም ዘመሓድርዎም ዝነበሩ ኣቡነ ቴዎድሮስ ነበሩ። ነዚ ምምጻእ ናይ ኣዲኦም ምስ ሰምዑ ካኣ “”ኪድ ቀልጢፍካ ረኺብካያ ምጻእ በልዎም”ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ፈጺሞም ኣበዩ። ኣብ መወዳእታ ካኣ “ወደይ ብሓጥያተይ ኣይትጸየፈኒ እንሆ ኣብ ማሕጸነይ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ዝባነይ ሰለስተ ዓመት፡ ኣጥብየ ዘዕበኹኻ ወላዲትካ ኢየ እሞ በጃኻ” እና በለት እና ነብዐት መልእኽቲ ሰደት። እቲ ኩሉ ዝኾነ ኩሉ ነጊሮም ኣምሪሮም ለሚኖም ንኣቡነ ኣረጋዊ ናብ እዲኦም ሰደድዎም።እንሆ ካኣ እንታይ ደሊኺ መጺኺ ክብሉ ነዲኦም ሓተትዋ። ኣዲኦም ካኣ “ከማኻ ክምንኩስ መጺአ ዝወደይ” ክትብል መለሰት። በዚ ዝኾነ ኩሉ እና ተሓጎሱ ናብ ኣቡነ ቴዎድሮስ ከዱ እቲ ዝኾነ ኩሉ ካኣ ነገርዎም። ብድሕሪ’ዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ናብ ዝንበሮ ቦታ ወሰድዋ። ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ኣዲኦም ንኣቡነ ቴዎድሮስ ውን ብምንኩስና ተገልግል ነበረት። ካብኡ ርሑቕ ከይከድካ ከኣ ሓፍቶም ናይ ሓደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ኣማሓዳሪት ነበረት እሞ እንሆ ኣብ ልዕሊኤን ዝጠሸመ ጴጥሮስ ዝበሃል ዓቢ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ። ኣዲኦም ንኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ ብእኡ ብዛዕባ ሂወት ምንኩስና ተማህረት፡ ብድሕሪ’ዚ ምንኩስና ተቐቢላ ምስኣተን ትነብር ነበረት። ኣቡነ ኣረጋዊ ጉዕዝኦም ምስቶም ካብ ሮማ ዝመጹ ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኣግኣዚት እዮም ኣቢሎም። ብሓደ ምንባር ስለ ዘይመረጹ ካኣ ኩላቶም ንእግዚኣብሔር እና ለመኑ ገዳም መስሪቶም ዝቕመጥሉ ስፍራ ይደልዩ ነበሩ። ካብ መንጎ እዞም ትሽዓተ ቅዱሳን ሓደ ኣቡነ ኣረጋዊ ኢዮም። ኣቡነ ኣረጋዊ ቅድም ስሞም ዘሚካኤል ኢዩ። እንተኾነ ግን ብዝነበሮም መንፈሳዊ ጸጋ፡ ናይ ጾም; ጸሎት፡ ስግደትን ካልእ መንፈሳዊ ዕዮታትን ብዕድመ ናይ ስጋ ንእሽቶ ክንሶም እንቶኾነ ግን ዓበይቲ ነገራት ክሰርሑ ምስ ተዓዘቡ ሽዑ እዮም እቶም ብጾቶም ቅዱሳን ናይ ሮም “ኣረጋዊ” ኢሎም ዝሸምዎም። ኣቡነ ኣረጋዊ ንእግዚኣብሔር ዘስምርሉ ስፍራ፡ ብስሞም ዝጽውዓሉ ደብሪ ንምድላይ ነዊሕ ተጓዓዙ። እዚ ካኣ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽተይ ቁራስ እንጌራ ኣብ ኢዶም ነበረቶም እሞ ኣብ ዝኸድዋ ስፍራ ጸሎት ገይሮም ይቖርስዋ ነበሩ። እንሆ ካኣ እግዚኣብሔር ነዛ ቁራስ እዚኣ ኣበርኪቱ ኣብ ዝሃበኒ ቦታ ኣብኣ ክኸውን ንኣምላኸይ ካኣ ክልምን ኢየ” ዝብል ሓሳብ ሒዞም ተጓዓዙ። ኣብ ብዙሕ ቦታትን ጎቦታትን በጽሑ እንተኾኑ ከምቲ ዝበልዎ ኣይኮነሎምን። ኣብ መወዳእታ ናብዚ ሕጂ ብስሞም ተደኲኑ ዘሎ ገዳም ቅድሚ ምድያቦም ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ኣብ ሓንቲ ሓረግ ኮይኖም ጸሎት ገበሩ። እንሆ እቲ ሓያል ናይ ምሕረት መልኣኽ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ናብ ኣቡነ ኣረጋዊ መጸ፡”ኣንታ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ዝኾንካ ኣረጋዊ እንሆ ካብ ምድራዊ መንግስቲ ሰማያዊ መንግስቲ ዝመረጽካ ደስ ይበልካ፡ ዓቢ ክብሪ ተዳልዩልካ ኣሎ፡ ሕጂ ካኣ እግዚኣብሔር ናብዚ ጎቦ እዚ ዘውጽኣካ ክሳዕ ዝልእኸልካ ቅሩብ ተጸበ” ኢሎም ከደ። እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ኣቡነ ኣረጋዊ ልቦም ተሃወኸ መንፈሶም ካኣ ሓዘነ።”ኣነ ነፊረ ከይድይብ ከም ንስሪ መንገብገብ ኣይተዓደልኩን ከም ቅዱሳን ሃዋርያት ብደመና ተጻዒነ ከይድይብ ከኣ ብቕዓት የብለይን” እና በሉ ኣምሪሮም ኣልቀሱ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሰብ ዘይኣትዎን ዘይድይቦን እምባ ክድይቡ ክቱር ዝኾነ ድልየትን ባህግን እዩ ነይርዎም። በዓል ምሉእን ሰፊሕን ትዕግስቲ ዝኾነ እግዚኣብሔር ግና ብርታዔኦምን ተጻዋርነቶምን ንምምርማር ቀልጢፉ ኣየደየቦምን። ብድሕሪ’ዚ ከም ኣደን ከም ኣቦን ዘጸናንዖም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ተመሊሱ ንኻልኣይ ግዜ መጸ ” ናይ እግዚኣብሔር ፈታዊ ዝኾንካ ኣረጋዊ ኣጆኻ፡ ኣይትፍራሕ፡ እንሆ ስልጣን ተዋሂቡካ ኣሎ፡ ሕጂ ካኣ ሓደ ዓቢ ገበል ክመጻካ ኢዩ ኣብኡ ተጻዒንካ ድማ ናብታ ዝባን ናይታ እምባ ክትድይብ ኢኻ ” ኢልዎም ከደ። እታ ገበል ድማ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ መጸ። በቲ ገበል ተጻዒኖም ካኣ ጉዕዝኦም ናብቲ ነዊሕ እምባ ጀመሩ። እንተኾነ እቲ ፈታኒ ዝኾነ ሰይጣን ብልሳን ሰብ ገይሩ “ናብዚ እምባ ትድይብ ዘለኻ እንታይ ክትበልዕ ኢልካ ኢኻ ኣብኡ ዝብላዕ ኮነ ዝስተ የለን፡ ኣብኡ ቀትሪ ጸሓይ ለይቲ ካኣ ቁሪ ኢዩ” እና በለ ተዛረበ። ኣቡነ ኣረጋዊ “ዝተኣዘዝካዮ ግበር፡ ዝደልዮ ዘበለ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ዝሰኣይኖ የለን ” ክብሉ መለስሉ። በዚ ሰዓት እዚ ኣቡነ ኣረጋዊ መታን ከይድንግጹን እቲ ገበል ኣብ ልዕሊኦም ሓደጋ ከየውርድን፡ ቅዱስ ሚካኤል ሰይፉ መሊሑ ኣብ ጎድኖም ኮይኑ ይሕልዎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ካኣ ኣብቲ ዝባን ናይቲ ገዳም በጽሑ። ሰለስተ ግዜ ሰጊዶም ካኣ “ሃሌ ሉያ ለኣብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ “ኢሎም ሰገዱ። በዚ ካኣ “ደብረ ሃሌ ሉያ ” ተባሂላ ተጸውዒት። ጸኒሓ ካኣ ደብረ ዳሞ ተባህለት። እንጀራ ኣበርኪቶም ዝበልዑላ ስፍራ፡ ኣሰር እግሮም፡ ቆይሞም ዝጽልይሉ ዝነበሩ ኩሉ ክሳዕ ሕጂ ምስ ምሉእ ምልክቱ ኣሎ። እቲ ገዳም መደየቢ ስለ ዘይብሉ ደቂ መዛምርቶም ብዝሰርሕዎ መደየቢ ገመድ ሕጂ’ውን እግዚኣብሔር ዝፈቐደሎም ሰባት በቲ ገመድ ይድይቡ። ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞጎስ ዝረኸቡ ብዙሕ ትሩፋት፡ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገበሩ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። ንብዙሓት ብጸሎቶም ዝረድኡ ኣብ ብዙሓት ሰባት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ገሲጾም ዘውጽኡ ብገድሎምን ብትሩፋቶምን ንምድረ ኣግኣዚት ዝጓሰዩ ቅዱስ ኣቦ ኢዩም። ብስሞም ኣብ ኤርትራን ኢትጵያን ብዙሕ ቤተ ክርስቲያናት ተሃኒጾም ይርከቡ። በዓሎምን ዝኽሮምን ብድምቀት ይበዓል። ካብ ፍቕሮም ዝተላዕለ በረኸቶም ንምርካብ ካኣ ወለዲ ንደቆም ብስሞም ይሰምይዎም። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ኣሜን!!
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡርኣሜን።

6 comments:

  1. እዚ ታሪኽ ደኣ እምበር ናብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን መስቀሉን ዘሕብር ስለ ዘይኮነ ንህዝቢ ዓለም ፈጺሙ ኣይጠቅሞን እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽ ናይ ደቂ ሰባት ሞይቶም ዝተቀብሩ ገዲፍካ መጽሓፍ ቅዱስ እንተትምህሩ ዓስቢ ምተቀበልኩም። እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃብኩም።

    ReplyDelete
    Replies
    1. Kubr hawna inte astewilka ko bkemey semeyawit hiwet kem dweresu iu znegrena zelo inte testewil nerka amen bereket nay kudus abune aregawi ayfelena mbelka amen Amen Amen

      Delete
    2. This comment has been removed by the author.

      Delete
    3. ብሩክ ሰብ ከመይ ትከውን? ህዉኽ ገጸ-ባህርያት እየ ሪአልካ። እሞ፣ ብዘይ ምህዋኽ ልዝብ ኢልካ ኣስተውዕል ``ኣቦታት ህውክ ዝብኢ ቀርኒ ብዕራይ ይነክስ ክብሉ ይምስሉ።

      ብዝኾነ ናብቲ ሓሳብካ ክምለስ። ስለ ዝሞቱ ሰባት ገዲፍካ መጽሓፍ ቅዱስ እንተትምህሩ ዓስቢ ምተቀበልኩም። ምባልካ ዘተሕሳስብ እዩ።

      ክሓተካ ቅዱስ መጽሓፍ ብስጋ ዝሞቱ ቅዱሳን ስለ ኣብርሃም፣ ዳዊት፣ ሙሴ፣ ኢያሱን፣ ጴጥሮስ ዮውሃንስ ስለ ካልኦት ቅዱሳን ነብያትን ኣበው ቅዱሳን ዶ ኣይኮነን እዩ ዝትርኸልና? ቅዱስ መጽሓፍ እኮ ስለ ሕይወት ሰብ እዩ፣ ብሰባት ዝዛረበና? ጎይታ ንማርያም መግደላ ወንጌል ኣብ ዝተሰብከሉ ስምኪ ክዝከርን ፣ ኽትረክን`ዩ እኳ እዩ ዝበላ? ከምዚ ብስለት ዘይብሉ ሕሳብ ትጽሕፍስ ብሓቂ ኣዝዩ ካብ ወንጌል ዝረሓቀ ሕይወት ዘርኢ ባዶ ፈሊጥ ምኳንካ የርኢ። እሞ።
      ኣምላክ ይባርካ!

      Delete
  2. Amen Amen Amen bereket nay kudus abune aregawi ayfelena sle zmharkunan zgesetskumnan ab tgebriwo somn solotin igziabiher msakum yukun nay agelglot idmekum yebzhalkum amen

    ReplyDelete
  3. amein amein,amein qal hiwet yesmalna

    ReplyDelete