Friday 18 July 2014

ከመይ ኢለሞ ክድቅስ!!!

ከመይ ኢለ ክድቅስ ከብል ሰለም
ሕልናይ ሲዒረ ንሓወይ ክጠልም፡
ወዲ ትንቢት ኮይነ ዘመነይ ከፊኡ
ኣብ ግዜይ ርህራሄ ጠፊኡ፡

ወዲ ሰብ ተቀይሩ ኣራዊት መሮር
ደሙ ተመሲሑ ስጋ ሓዉ ክድረር
አንዳ ጠብሖ ከም ንህቢ ክብርብር
ከመይ አሞ ዳ ደቂሰ ክሓድር።

ኲሊት ሓወይ ዕዳጋ ዓይነይ አንዳተመልከተ
ሬስኡ ኣብ ፈቀድኡ አንዳ ሸተተ፡
ብካራ ክሕረድ ዓይኑ አንዳረኣየ
ከመይ አለ ክድቅስ ሊበይ አንዳ ጉሃየ።

ለባም ጠፊኡ ዝብል ተፋቀሩ
ብኣምልኾ ጣኦት ኣእምሮና ሰኺሩ፡
ኣብ ወገን ህርፋን ስልጣን ዘንቢሉ
ከመይ አለ ክድቅስ ሰብ ዝብኢ ተቀይሩ።

ኣይ ትለሙንኒ ንክስሕቅ ክሕጎስ
ኣብ ዘመነይ ኣይሰማእኩን ሓጎስ
ሓዘና ኣብቂዑ ዳግም ንክንሕጎስ
ንጸሊ ብሃባር ሓዘና ክድበስ!!!

ብሓውና  ተክለ-ሰንበት ቦክረጽዮን

No comments:

Post a Comment