Thursday 21 March 2013

††† ምኵራብ †††

††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
ከም ዝፍለጥ እቲ ንሰማያት መንበረ ጸባኦት ሓዲጉ፣ ፍቕሩ ዝገለጸ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ዝዓበየ ናይ ብሕትውና፣ ናይ ምንኵስና፣ ናይ ምናኔ፣ ናይ ጸሎት እምባ ደብረ ቆሮንጦስ ነርብዓ መዓልትን፣ ኣርበዓ ልይትን፣ ብጾምን ብጸሎትን፣ ከም ዝነበረ፣ ካብ ማንም ክርስትያን ዝስወር ምስጢር ኣይኮነን።

በዚ መሰረት ንሕና እዞም  ካብ ኣብራኸ መንፈስ ቅዱስ ዝተወለድና፣ ብክርስቶስ ድማ ክርስትያን ተባሂልና ዝተሰመና  ነዚ ጾም እዚ ዓቅምና ብዝፈቀዶ፣ ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ትእዛዝን ስርዓትን መሰረት፣  እንዳ ጾምናን እንዳ ጸለናን፣ ንስጋና እንዳ ገእናን፣ ንነፍስና ጸጊና ክንርከብ ይግባእ።


ኣብዚ ጾም እዚ 2ይ ሰንበት ሓሊፍና ሳልሳይ ሰንበት ሒዝና ንርከብ። መበል ሳልሳይ ሰንበት ምኵራብ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምክንያት መጸዊዒኡ ድማ  ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ብመዝሙር  ኮነ፣ ብጾመ ዱጓ፡ ካብ ዋዜማ ክሳብ ሰላሙ፣ ነቲ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ግብርታት ዘመልክት ከምዚ ኢሉ ስለ ዝደረሰ ኢዩ። ''ቦኣ ኢየሱስ ምኵራቦሙ ለኣይሁድ ምህሮሙ ወይቤሎሙ'' እዚ ማለት ''ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ድ ሮም'' ማለት እዩ።

ምኵራብ ማለት፦ ቤተ ``ጸሎት ኣይሁድ``  ማለት ኢዩ። 

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ  ስብከተ ወንጌል  ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ማለት /ምኵራብ/ እንዳ ከደ የስተምህርን ብዙሓት ሕሙማትን፣ ልሙሳትን፣ ለምጻማትን፣ የንጽሕን ይጽግንን፡ ከም ዝነበረ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስና ብሰፉሑ  ኣብሪሁልና ይርከብ 
ንኣብነት፦/ሉቃ4፡16/ ''ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ``ቤት ጸሎት`` ኣይሁድ ኣተወ፣''
/ማቴ9፡35-36/ <<ኢየሱስ ከኣ ኣብ ''ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲ እናሰበኸ፣ ዅሉ ሕማምን፣ኣብ ሕዝቢ ዝነበረ ድን እና ኣሕወየ፣ ኣብ ኵለን ከተማታትዓድታትን ይዘውር ነበረ>>
/ማቴ4፡23/ ''ኢየሱስ ድማ ኣብ ኩላ ገሊላ፣ ''ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ'' እንዳ መሃረ፣ ብስራት መንግስተ እግዚኣብሔር እንሰበኸ፡ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ  ይዘውር ነበረ'' ይብለና።

 ኣብዛ/ዕተ ምራብ/ እዚኣ ግን ፍልይ ዝበለ ነገር'ዩ ኣስተምሂሩና፡ ኣምላክና እግዚኣብሔር ''ኮናኔ በርትዕ፣ ፈታሔ ብጽድቅ'' እዩ። ነቶም ብእምነትን፡ ብተስፋን ዝመጽዎ ብተኣምራትን፡ብጉስን ክፍውሶም እንከሎ። ነቶም ብዓመጽን ብድፍረትን ዝመጽዎ ግና  ብድፍረት ከም ዝፈድዮም እዩ ዝምህረና።

እቲ ቃል ከምዚ ይብል፡ ''ወረከበ በምኵራበ እለ ይሰይጡ ወይሳየጡ፣ ኣልሕምተ፣ ወኣባግዓ፣ ወኣርጋበ ወመወልጣነ እንዘ ይነብሩ'' እዚ ማለት (ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት/ምኵራብ'/ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ኣብዑርን፡ ኣባጊዕን፣  ርግቢትን ዚሸጡ፣መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ማለት እዩ)።

ኣብ ቤተ ጸሎት እዚ ክገብሩ ምስ ጸንሕዎ ጐይታ ጩጉራፍ  ኣልዒሉ ካብ ቤት መቅደስ ኣባረሮም /ወግፍተዳቲሆሙ ለመወልጣን/ ናይቶም ሸያጦ ንብረትን ገንዘብን ፋሕ  ኣበለሎም፣  እዚ መግበሪኡ ድማ ቤተ እግዚኣብሔር ቤተ ጸሎትን ኣምልኾትን  እምበር  ቤተ ሸቀጥ ከም ዘይ ኮነት ክነግርን ከስትምህርን ስለ ዝደለ እዩ። 
ጐይናን መድናን ኢሱስ ክርስቶስ ምክንያት ከምዚ ምግበሪኡ ክነግሮም እንከሎ ከምዚ` ዝበሎም ''ቤትየሰ ቤተ ጸሎት  ትሰይ ኣንትሙሰ ረሰይኩምዋ በዓተ ፈያት ወሰረቕር''  ቤተይ ቤተ ጸሎት ክትስመ እያ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ንስኩም ግን በዓቲ ሰረቕትን ሸፋቱን ገበርኩምዋ በሎም።//ዮው2፡13-18// //ት፣ኢሳ 56፡7// //ኤር 7፡11//


ሕጂ'ውን ቤተ እግዚኣብሔር ቤተ ጸሎት እያ።


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዕኡ ንከነምልኸሉን፣ ኣመስጊና ክንምስገነሉን፡ ቀዲስና ድማ ክንቅደሰሉ ኢሉ ዘቆመልና ቤተ መቅደ ኣምላኽ፣ ኣብኡ ብፍርሓት ክንማላለስ ይግባእ መፍቀሬ ጥበብ ሰሎሙን ኣብ ክብብ ዝተባህለ መጽሓፉ ከምዚ ይብለና '' ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ ተጠንቐቕ'' /መክ 5፡1/ ይብለና።

ምኽንያቱ ቤት እግዚኣብሔር፣ ቤተ ኣምላኽ እምበር ቤተ ''ሰብ'' ስለ ዘይኮነ፣ስጋዊ ሓሳባትን ስጋዊ ምንዮትን  ገዲፍና ብፍጹም እምነት  ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ  ክንቀርብ ይግባኣና። 

ሕዝበ ክርስትያን ምናልባት ዘለናዮ  ዘመን ዘመነ መናፍቃን ወከሃድያን ስለ ዝኮነ፣ ዘይድርበ እምንን፡ ዘይዝራእ እሾኽን የለን ክበሃል ይከኣል! ኢዩ ከኣ። ነገር ግን ኣና ከነስተውዕል  ይግበአና '' እቲ ዘንብብ የስተውዕል'' ስለ ዝኮነ ነገሩ። 

ሎሚ'ውን ፈ  ኣይሁድ፡ ዝተክርስያን ናይካን፥ ሌትነትን፥ ናፍቅትን፡ ሃርያ፣ ክገብርዋ ዝደልዩ፣ ውዳት ኣይን፡ ኣብመን'ውን ናይ ቤተክርስያን ቀንዲ ፈተና ኮይኑ፡ ሽማን፣ ስርታን፡ ምትቅይር ዝገብርዋ ዘለው ንሳቶ እቶም ናይ ግዜና ሽቐጥቲ እዮም። 
ናይ ተክርስመጽሓፍ ከምዚ ይብል ``እቦ ብእነስኣ እጻሕፍሰት፡ እንኣንበርሐድያን ኣብኣ ውስተክርስነ እግኣብር ቅዱስ፡ መ ይእመጽፈ እግሔር ንጽሕት፡ በእንሙስና ሕዝብ ይደድ፡``   
ሓድያን ካብ መጥናይ ሶት መጽሓፍቲ ዝደን ንጽሕት ናይ እግአብሔር መጽሓፍ ከምዝነት ሩ ሕዝቢ ንምስሓት ናብ ቅዱስ ናይ እግአብሔር ተክርስያን ዘእሰብ እንደድ። (ፍት.ገ 2:19) ክብሉ ኣበው ቅን ብሓፍቶምን ብትምህርቶምን ጠንቅቁን ወግዙን እሞ ስዚ ንሕና ውን እሰይፊ ኣብ ልዕከም ሊጥና። ተ እግአብሔር ትመይ ሎት እንበልና ስሙ ኣመስመንግስቱ ክንወርላ ዝዋህና ውህብና እያ እሞ ኣብታ ብደሙ ዝሰረታ ብእምነትን ብተስፋን ክንጸንዕ ይግባእ

ኣሜን!!!



ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ።

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ዝነቕፈኩም ከይህሉ ተጠንቀቑ። እዚ ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ጽላሎቱ እዩ፡ እቲ ኣካል ግና ክርስቶስ እዩ። ሓደ እኳ ብትሕትናን ንኣምልኾ መላእኽትን ክትእዘዙ እናፈተወ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሐወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ እናተነፍሐ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። ኣብቲ ብዘሎ እቲ ሥጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዚዐብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዔ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። እምብኣርከ ኻብ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ ትዓይዪ ኣሎኹም፧ ከም ገይሮም ከ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፡ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዐም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፧ እዚ ዅሉ ከም ትእዛዝን ትምህርትን ሰብ ንጥፍኣት እዩ። እዚ ብትሕትና ሓሳብን ፍርሃት ኣምላኽን ብምሕጻም ሥጋን ዚግበር ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ሥጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።” (ቈሎ. ፪፥፲፮-መፈጸምታ - ግእዝ ተመልከት) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓውቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ'ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንሥጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም? ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ'ውን ግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲ'ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሓቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብርሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራ'ውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽ'ውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲ'ውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡ'ውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።” (ያዕ ፪፥፲፬-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ካህን፦ “ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዚብሀል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንሕዝቢ'ውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ። ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብጉድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ኦ ቆርኔሌዎስ፡ ኪብሎ ኸሎ ረኣየ። ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣምጽኣዮ። ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቚ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ፡ ነቲ ዝዀነ ዅሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።” (ግብ ሓዋ ፲፥፩-፱) 

                ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ እስመ ቅንዐተ ቤትከ በልዐኒ 
                                            ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ 
                                            ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ (መዝ ፷፰፥፰)

                                                ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ 
                                             ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ 
                                                ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ 

ገባሬ ሰናይ ካህን “ድኅርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡ'ውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ ኢየሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣቡዕርን ንዅሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲ'ውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ” ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘክሩ። ሽዑ ኣይሁድ፡ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ፡ ነዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቶም ኣይሁድ ከኣ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹድሽተን ዓመት እያ እተሀንጸት ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ሥጋኡ እዩ እተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ካብ ምዉታት ምስ ተንሥኤ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ ኢየሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። ነቲ፡ ኢየሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ ኢየሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙኃት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። ኢየሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። (ዮሐ ፪፥፲፪-መፈጸምታ)







 





1 comment:

  1. Kale hiwet yesmalna kibuat ahwat, bami mehari menfesawi qalat share bimigbarkum. Amlak segu yebzhalkum. AJOKUM kesilwo

    ReplyDelete