Saturday 16 March 2013

††† ቅድስት †††

   ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††

ካልኣይ ሰንበት ''ቅድስት'' ይበሃል፣ በዚ ዕለት አዚ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ዝገልጽ ካብ ዜማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ይዝመር።                (ማቴ 12፣8)



ከምኡ ውን ቤተክርስትያን ብዛዕባ ቅድስና ንደቃ ትምህር። ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝስበኽ ምስባኽን፣ ዝንበብ መልአኽታትን ግብረ ሃዋርያት ከምኡ ውን ወንጌል ፣ ብዛዕባ ''ቅድስና'' ዝምህሩ አዮም።

‘’ቅዱስ’’ ማለት ፍሉይ ክቡር ማለት አዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ብብህሪኡ ክቡር አዩ። ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝኮነ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ’’ አናተባህለ ይምስገን። (1ይ ሳሙ. 2፣2-3 ኢሳ 6፣1-3 ራአ 15፣4) ንህና ድማ ከም ዝመሃረና ኣብ ናይ ምዓልታዊ ጽሎትና ‘’ ስምካ ይቀደስ’’ ንብሎ።

ቅድስ እግዚአብሔር ነቶም ብመልክዑ ብምስሉን ኣኽቢሩ ዝፈጠሮም ደቂ ሰባት ቅዱሳን ክኾኑ ይደሊ። (1 ጴጥ. 1፣15-16)

ብርሃን ምስ ጸልማት፣ ጽድቂ ምስ ሓጢኣት ህብረት ስለዘይብሉ ምስኡ ንዘለዓለም  ብቅድስና ንክነብር፣ ብቅድስና ምንባር ይግብኣና። ከመይሲ ‘’እግዚአብሔር  ንቅድስና አምበር ንርኽሰት ኣይጸውዓናን’’ (1ይ ተሰ 4፣7)

ተፍጥሮናን መጸዋዕታናን ብቅድስና ክነብር ምኻኑ አንዝክረሉን፣ ናብራ ቅድስና ብከመይ ክሰርሕ ይኽአል ኢልና ርአስና ንሓተሉ ሰሙን አዩ።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ። 
ኣሜን።
ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣሕዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሔር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ ንሕናውን ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገር’ዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ እቲ ዚንዕቕ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ዘሎኹም። ግናኸ ኣቱም ኣሕዋትና ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ ንምዕደኩም ኣሎና። ከምቲ ዝአዘዝናኩም ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ ንምዕደኩም ኣሎና።” (ቀዳማይ ተሰ. ፬፥፩-፲፫)

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ስለዚ ሓቛቚ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቊርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዝሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብርን ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ ኲሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኲሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ ቃል እግዚኣብሔር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።” (ቀዳማይ ጴጥ. ፩፥፲፫-መፈጸምታ)

ንፍቅ ካህን፦ “እቲ ዚዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዔ እሞ ነቲ ዝዀነ ዅሉ ኣዘንትዩ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም። ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኺጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። ሽዑ ጠምዩ ኺበልዕ ደለየ፡ ኬዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ ተመሰጠ። ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኺወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ኪበጽሕ ከሎ ረኣየ። ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፤ ጴጥሮስ ተንስእ፤ ሐሪድካ ብላዕ ዚብል ድምጺ መጾ። ጴጥሮስ ግና ጐይታይ ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዔ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ በለ። ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ጊዜ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ ዚብል ድምጺ መጾ። እዚ ሠለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን? ኢሉ ብልቡ ኺግረም ከሎ፡ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት ቤት ስምኦን እናሐተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፤ ጸዊዖም ከኣ እቲ ጴጥሮስ ዚብሀል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ ሐተቱ። ጴጥሮስ በቲ ራእይ ኬስተንትን ከሎ መንፈስ እንሆ ሠለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፤ ስለዚ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሢእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም? በሎም። ንሳቶም ከኣ ንቆርኔሌዎስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኺጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ኪሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዐብዎ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዚቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። ኰነ ድማ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ ተንሥእ ኢሉ ኣተንሥኦ። ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙኃት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ሕዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል ኣምላኽ ኣርእይኒ። ምእንት’ዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ እሐተኩም ኣሎኹ፡ በሎም።” (ግብ ሓዋ ፲፥፯-፴)

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦  እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ
                            አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ
            ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ (መዝ ፺፭፥፭)

እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገበረ።
ምስጋናን ጽባቐን ኣብ ቅድሚኡ፡
ቅድስናን ግርማን ኣብ መቕደሱ እዩ፡

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ክትጾሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ትግበሩ። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምበኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን? ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን? ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። (ማቴ ፮፥፲፮-፳፭)

                                                                                                                          

No comments:

Post a Comment