Thursday 28 March 2013

††† መጻጕዕ †††


  ††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
ኣብ ኣርበዓ ጾም ካብ ዝርከቡ ሾሞንተ ሰናብቲ እታ /ራብዐይቲ/ መጻጕዕ ተባሂላ  ትጽዋዕ። እግዚኣብሔር  ኣምላኽ  ካብዛ ቅድስቲ መዓልቲ እዚ’ኣ፣ በኸት ንኽንሳተፍ ንዝፈቀደልናን፡ ንዘብቃዓናን፡ ፍጹም ክብርን፡ ምስጋናን፣ ንዕኡ ይኹኖ። ኣሜን!!!

እዛ ሰንበት እዚኣ መጻጕዕ ዝተበህለትሉ ዓቢይ ምኽንያት፡ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር  ከምዚ ኢሊ ስለ ዝዘመረን፡ ዘመስገነን እዩ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ30ወ8 ክረምተ ሐመ” እዚ ማለት (ን38 ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ማለት እዩ።

ብርግጽ ጐይታ  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንዝፈላለዩ  ሕሙማትን፣  ሽጉራትን፣  ዝተጠቕዑን፣  ንለምጻማትን፡  ማለት ድኑሳት፣ ዕዉራት፣ ጎባጣት፣ ሓንካሳት፣ ብኣጋንንት ንዝተተሕዙን፣ ንዝተማረኹን እኳ፡ የሕዊ እንተ ነበረ። በዛ ቅድስት መዓልቲ እዚኣ ግን፣ ነቲ ን38 ዓመታት ዘኣኽል ብምረት፣ ''ኣንስ ሰብ የብለይን'' ኢሉ ምስ ግዛእ ርእሱ ዝበኣስ ዝነበረ /ቀቢጸ ተስፋ/ ባዕሉ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኮነሉ፡ ምስ ሰቡ ክጎዪ ዝገበረሉ  ዕለት  እያ።


እቲ ቃል ‘’ቃል ብቃሉ’’ ካብ ወንጌል ዝተወስደ ስለ ዝኮነ፡ ከምዚ ዝቅጽል ይብል፦
/ዮው 5፡1-10/
“ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ  (ቤት - ሳይዳ)  ዚብሃል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት።’’

ትርጉም ፦ (ቤተ ሳይዳ) ማለት ብዕብራስጥ ቋንቋ ኮይኑ ቤተ ምሕረት፡ ቤተ ሳሕል ፡ ናይ መድሓኒት ወይ ድማ ናይ ፈውሲ ቤት ማለት እዩ።


  ክቡራት ሕዝበ ክርስትያን ካብዛ ዕለት እዚኣ ንሕና እንታይ ንመሃር ንከውን ? እወ! ብሓቂ ልሙስ ሓውዩ፡ እቲ መድሓኒት ናይ ባህሪኡ ዝኮነ  ክርስቶስ፡ ከኣ  ነቲ ክድሕንን ክፍወስን ዝግበኦ ፈዊስዎ። ንሕና ግን እንታይ ንክንመሃር’ዩ  እቲ  ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቅ ዝኮነ ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ  ነዛ መዓልቲ እዚኣ መጻጕዕ ኢሉ ዝሰመያ?

ሕዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኵሉ ዝተጻሕፈ ንምህሮናን ንተግሳጽናን እዩ፡ ዝተጻሕፈ ከም ዝበለና። ካብ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበራ ተኣምር ድማ ''ንስኡን ክንሕግዝ'' ከም ዘለና ኢና እንመሃር።

ነቶም ናባዪ ሰብ፣  ይብልናን  ኢሎም ዝከሱና ዝለዉ፣ ኣብ ፈቀዶ እሱር ቤትን ማእሰርትን፡ ካብኡ ሓሉፉ’ውን ኣብ ጎደናታትን ሆፒታላትን  ተደርቢዮም ንዘልዉ ብገንዘብና ድዩ ወይስ ብግልቦትና ከንሕግዞምን ክንረድኦምን ይግባእ ምኽንያቱ ንሕና  ብርግጽ ክርስትያን እንድሕሪ ደኣ ኮይና ክርስቶስ  ዝገበሮ ግብርን ርሕራሔርን  ክንገብር ስለ ዝግብኣ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ  ነቲ ልሙስ ዝረከበላ መዓልቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ትምህርቲ  ትከውን ሓንቲ ዓባይ ሕቶ  ኣቕሪቡሉ ነይሩ። እታ ሕቶ ‘’ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፣? እንታይ ክገብረልካ ትደሊ? እያ ትብል። እዚ ሓይለ ቃል እዚ ድማ ጐይታ ንምሕጋዝ እቲ ጽጉም ድሉው ምንባሩ እዩ ዘመልክት። ኣነ ንስኩምን  ከ  ኣብታ  እንታይ ክንሕግዝ ትብል ምስ ክርስቶስ  ሕብረት ኣለና ድዩ፣? ? ?

ብሓቂ ሕብረት ክህልወና ይግባእ እዩ። ንጾምና ፍጻሜ ክንረክበሉ  እንክእል’ውን  ንዝተጸግሙ  ምስ እንረድእን፣ እንኣልን እዩ፡ ንዝወደቀ  ረጊጽና እንሓልፍ  እንድሕር ደኣ ኮይና፡ እግዚኣብሔር ድማ  ጠምየ ኣየብላዕኹምንን፣ ጸሚአ ኣየስቴኹምንን፣ ጋሻ ኾይነ መጺአ ኣይተቀበልኹምንን፣ ዓሪቐ ኣይከደንኩምንን፣ ሓሚመን ተኣሲረን ኣይበጻሕኩምንን፣ ኢሉ ከም ዝፈርደና ክንዝንግዕ የብልናን። ንሓደ ‘’ድካ’’ ወይ ‘ጽጉም’ ምርዳእ ማለት ንእግዚኣብሔር ምርዳእ ማለት እዩ። ‘’ኣቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ዘይገበርኩምዎ ንዓይ ከም ዘይገብርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።’’/ማቴ25፡41፡46/ ኣሕዋተይ! ናእሽቱ ዝበሓሉ ዘለዉ በዓል መን እዮም? ንሶም እኮ እቶም በኣእምሮን፡ ፍልጠትን፡ ትምህርትን፣ ብመናባብሮን፡ ኾታስ ብኩሉ ካባና ዝተሓተ መናባብሮ ዘለዎም እዮም።

እምበኣር እግዚኣብሔር ነዞም ከምዚኦም ዝኣምሰሉ በቲ ዘለና ብቅዓት ክንሕግዞምን ክንረድኦምን ሎሚ ይሓተና ኣሎ። 
  • ኣብዚ ዕለት ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ንባብ ከምዚ ዚስዕብ እዩ። ምስትውዓሉ ይሃበና ኣብ ልብና ድማ ይሕድሮ።
 

ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ “ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። እንሆ ኣነ ጳውሎስ እንተ ተገዘርኩም ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ እብለኩም ኣሎኹ። ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኺገብሮ ኸም ዚግብኦ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም ካብ ጸጋ ወደቕኩም። ንሕናስ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። ብክርስቶስ ኢየሱስሲ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ። ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዐገተኩም፧ እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። ሒደት ማይ ብሑቚ ንብዘሎ እቲ ብሑቚ የብኲዖ እዩ። ኣነ ገለ ኻልእ ከይትሐስቡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ኣሚነኩም ነበርኩ። እቲ ዜዕገርግረኩም ግና ዝዀነ ይኹን ፍርዲ ኺጸውር እዩ። ኣሕዋተየ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። ኣየ፡ እቶም ዜዕልውኹም ኰታ ክቚረጹ ይግባእ። 
ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር ነቲ ሓርነትሲ ንሥጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኲሉ እቲ ሕጊ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተበላዕኩምን ግና ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ። ኣነስ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ሥጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ሥጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር እዩ ዚምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቊጥዓ፡ ወራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ሕይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ኣይንተሓማመ፡ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።” (ገላ፭፥፩-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ዲያቆን፦ “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ ኣሎ፧ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎዉ ቀሳውስት ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚአብሔር ዘይቲ እናለኸይዎ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ ሃይማኖት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድኅኖ እያ ጐይታውን ከተንሥኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ ምእንቲ ኽትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብሪ ብዙኅ ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሠለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን። ከም ብሓድሽ ድማ ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሀበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት። ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድኅን ብዝኂ ሓጢኣትውን ከም ዚኸድን ይፍለጥ።” (ያዕ ፭፥፲፬-መፈጸምታ) 

ንፍቅ ካህን፦ “ጴጥሮስን ዮሐንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚአትው ምጽዋት ምእንቲ ኺልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሀል ደገ ቤት መቕደስ የቐመጥዎ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ጴጥሮስን ዮሐንስን ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትዉ ኸም ዝደለዩ ምስ ረአዮም ኪምጽዉቱሉ ለመኖም። ጴጥሮስ ምስ ዮሐንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ ናባና ጠምት በሎ። ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዚረክብ መሲልዎ ተኲሩ ጠመቶም። ጴጥሮስ ከኣ ወርቅን ብሩርን የብለይን እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንሥእ እሞ ኺድ በሎ። ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንሥኦ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓንካርዓንካሪቶኡን ጸንዔ። ስር ኢሉ ኸኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ አተወ። ኲሎም እቶም ሕዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ኬመስግንን ከሎ ረአይዎ። እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዚልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዩዎም፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባደን ብምግራምን መልኡ። ኣብ ጴጥሮስን ዮሐንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ ኲሉ እቲ ሕዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዚብሀል ናባታቶም ጐየየ። ጴጥሮስ ግና ምስ ረአዮም፡ ነቶም ሕዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮስ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ አሎኹም።” (ግብ ሓዋ ፫፥፩-፲፪)  
ገባሬ ሰናይ ዲያቆን፦ እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ          ሕማሙ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ 
                    አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ (መዝ ፵፥፫-፬)

        ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚአብሔር ይድግፎ። 
        ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። 
        ንነፍሰይ ኣሕውያ በልኩ። (መዝ ፵፩፥፫-፬) 

ገባሬ ሰናይ ካህን፦ “ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤት - ሳይዳ ዚብሀል ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሠላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኡ ነበረ። ኢየሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ ተንሥእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፡ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን በልዎ። ንሱ ግና እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙኅ ሕዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድኅርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ እንሆ ሐዊኻ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ መሊስካ ኣይትበድል በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይሰጒዎ ኪቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር ኣነውን እገብር ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ኢየሱስ መሊሱ በሎም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዐቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዚገብሮም ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም እዩ። ኲሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ሕይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም ኢለ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ዮሐ ፭፥፩-፳፭)

No comments:

Post a Comment