Monday 1 April 2013

ደብረ ዘይት /1ይ ክፋል/

Click hear to read in PDF
††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
ኣብ ኣርበዓ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ መበል ሓሙሸይቲ ተሰሪዓ እትርከብ ''ደብረ ዘይቲ''  እያ። እግዚኣብሔር  ኣምላኽና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣሳጋገሩ፡ ኣብዛ ቅድስቲ  ዕለት  እዚኣ  ስለ ዝብጽሐናን፡ በርከት ናይዛ ዕለት እዚኣ ድማ  ንክንሳተፍ  ስለ ዘብቀዐናን፡ ክብርና  ምስጋናን ንልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ይኹን።


እዛ ዕለቲ እዚኣ ''ደብረ ዘይቲ'' ዝተባህለትሉ  ቀንዲ ምክንያት ናብ ቤተ ክርስትያና ሊቅ  ዝኮነ  ቅዱስ  ያሬድ ማህሌታይ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ኮነ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ከምዚ ኢሉ ስለ ዝደረሰ እዩ <<“እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ”>> ጐይታናን  ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ/ምልክቱ ካብ በለስ ተምሃሩ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።

ከምዚ ኣቀዲምና ዘረኣናዮ ኢሉ ቅዱስ ያሬድ ስለ ዝደረሰ፡ ከም'ኡ ድማ ካብ ሓሰዊቲ ነብየት ክንጥንቐቕ ከም ዘለና፡በዛ መዓልቲ እዚኣ ስለ ዘዛኻኽረና  ''ደብረ ዘይቲ'' ተባሂላ ትጽዋዕ።




ደብረ ዘይት ብገረብ ናይ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ኮይኑ፤ ንምድያቡ ኣሸጋሪ ምስ ደየብካዮ ግን ንኽትወረድ ዘየተባብዕ ጥዑም ኣየር ተስተንፍሰሉ ናይ ዕረፍቲ ቦታ እዩ። 

ደብረ ዘይት ካምቲ ስሙ ተጠቂሱ ዘሎ፤ ደብረ ማለት እምባ ክኸውን ከሎ ዘይት ድማ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ስለ ዝርከብ ናይ ዘይቲ እምባ ማለት እዩ። እዚ ቦታ እዚ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንስጋዌነቱ ከየጥፈአ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት መሎኮትነቱ ዝገለጸሉ ቦታ እዩ።

እዚ ቦታ እዚ ብስፍራ ቅዱሳን ዝምሰል ኮይኑ፤ ቅዱሳን ብቡዙሕ ሽግርን ፈተናን ካብዛ ዓለም ናብታ ዘይትሓልፍ  ኣምላኽ ዘዳለዎሎም ከምዝሳጋገሩ ተመልኪቱ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጎይታ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቅ እዩ። ፍቓድካ እንተ ድኣ ኾይኑስ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክሠርሕ፤ ሓደ ንዓኻ ሓደ ንሙሴ ሓደው ንኤልያስ በሎ። ማቴ 17፤4 ከምቲ ኩሉ ግዜ ቤተ ክርስቲያና ትምህረና ዘይቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ እዩ። 

ስለዚ ኣብዛ ብገረብ ናይ ዘይቲ ዝተሸፈነት ግን ንኽትድይባ ጥውይዋይ ዝኾነት ቦታ ንኽነብሩ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጥዑም እዩ። ክብል ንጎይታ ለመኖ። ኣብዛ ጥውይዋይን ጽድቂ ዘይርከባ ዓለም ኣምላኽ ናብታ ንቅዱሳኑ ዘዳለዋ ቦታ ብቡዙሕ ሽግርን ጭንቀትን ክንኣቱ ከም ዝግብኣና ዘመልክት ዕለት እዩ። ምኽንያቱ፤ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓተቶ ሕቶ ነቶም ምስ ጎይታ ብየማኑን ብጸጋሙን ዝነበሩ ቅዱሳን እንዳጠመተ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ታሪኽ ሙሴን ኤልያስን ስለ ዝፈልጥ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጥዑም እዩ። ክብል ልመንኡ ኣቅረበ። ንሎሚ ኣብ እንርእዮ ግን ሓዋርያት ንጎይታ ዝሓተትዎ ሕቶን መልሱኸ እንታይ ይመስ ክንርኢ ኢና።

 /እቲ ዘንብብ የስተውዕል ማቴ 24፤15/  

እዚ ሓይለ ቃል እዚ ዝተዛረቦ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹኖ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 

እዚ ቃል እዚ ንግዚኡ ነቶም ኣብ ዝወዓሎ ዝውዕሉ፤ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓድሩ፤ ናይ ቃሉ ትምሕርትን ናይ ኢዱ ተኣምራት ዝረኣዩ ኩሉ ገዲፎም ዝተከተልዎ ንቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝተዛረቦ ቃል እዩ። 
ፍጻሜኡ ግን ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉዳን፤ ንዝተሰመና ብ40 መዓልትን ብ80 መዓልትን ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕፀነ ዮርዳኖስ ንዝተወለድና ንዓና ንሕዝበ ክርስትያን እዩ።  
እቲ ቃል ከምዚ ይብል፦ ማቴ 24፡1-16

“ኢየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፤ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤት መቕደስ ከርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም? ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ እብለኩም ኣሎኹ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ? ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ? እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።
ኢየሱስ መሊሱ በሎም ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ እሞ ንቡዙኃት’ውን ከስሕቱ እዮም::
 

ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ጌና እዩ። ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙኃት ኪዕንቀፉ፤ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙኃት ነብያት ሓሶት ኪትንሥኡ፤ ንብዙኃትውን ከስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝኄ ድማ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድኅን እዩ። እዚ ወንጌል መንግሥቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣሕዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፡ 

‘’እቲ ዜንብብ የስተውዕል።’’
 
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ትንቢት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ናይ ዳግም ምምጻኡ ዝሕብር ናይ ጐይታ ትንቢት እዩ። ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ሕቶ ጐይታ ከምዚ ክብል ኢዩ መሊስዎ።
 

1. ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።
  >>ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ንቡዙኃት’ውን ኬስሕቱ እዮም።
2. ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም።
  >>ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ጌና እዩ።
3. ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፤ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ።
4. ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።
 

እስከ ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ትንቢትን ዘለናዮ ግዜን እስከ ነማዛዝኖ እቲ ግዜ ዝቀረበ ኣይመስልን? ስብ ብዝተፋለለየ ምኽንያት ካብ ቤተ ክርስቲያን ይወጽእ የለን? መናፍቃን ኣይተንስኡ ዶ? ብርግጽ ዘለናዮ ግዜ ኣዝዩ ዘፍርሕ ግዜ እዩ። መንፍቃን ‘’ተሓድሶ’’ ንምእመናን ንምስንካል ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ዝተንስእሉ ግዜ እዩ። ንምኳኑ ትጥንቀቑ ዶ ኣሎኹም? ብሓቂ ደቂ ጐይታን፣ ድቂ ቤተ ክርስቲያን፣ እንተደኣ ኮንኩም ኣብዚ እዋን እዩ ምጥንቃቕን/ ምስትውዓልን ዘድሊ።

እምበኣር  ከምቲ መፍቀሬ ጥበብ ሰሎሞን ዝለመኖ  ልመና ክንልምን ይግበአና እዩ። ሰሎሞን ከምዚ ክብል ኢዩ ንኣምላኹ ለሚኑ ኔይሩ ''ንዓይ ንባርያካ ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ'' /1ይ ነገ 3፡9/። እግዚኣብሔር ድማ ልመናኡ ሰሚዑ ምስትውዓሉን ጥበቡን ከም ዝሃቦ፡ ንሕና ድማ ዝተነግረ ትንቢተ ምጻት ዝፍጸመሉ ዘሎ። ግዜ ብምስትውዕል  ምእንቲ ክንነብርን ክንጎዓዝን ንኣምላኽና እግዚኣብሔር ንግሆ ብኪዳን፡ ምሸት ብቅዱስ ቁርባን፡ ብሠርክ ጸሎት ተረኪብና  ክንምሕጸኖ  ይግባእ።

እግዚ አብሔር ምስትዋሉን ጥበቡን ይሃበና!!! 

ኣሜን!!!

                                                              
                 








                                                           ይቅጽል . . .

1 comment: