Tuesday 2 April 2013

ደብረ ዘይቲ /2ይ ክፋል/


  ''ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ''
ናይ ''ደብረ ዘይት'' መቀጸልታ . . . . . 
  <<ምስጡሩ ናብ ቤተ ክርስትያን ህድሙ ማለት እዩ።>>

ኣምላኽና መድሓኒናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ''እቲ ኣንባቢ የስተውዕል’’ ምስ በለ ኣስዕብ ኣቢሉ''ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ’’ ክብል ኢዩ ዘስተምሃረና። /ማቴ24፡16/ ከረን ብተፈጥሮ ኣቃማምጣኡ ካብ ኩሉ ምድሪ ልዕል ዝበለ እዩ። ስለዚ  ዕልቅልቕ ናይ ማይ፡ ናይ እሳት ሓደጋ  ኣብ ዝኮነሉ ግዜ፡ ኣብ መሬት ዘሎ ክሕሰ እንከሎ፣ ኣብ ከረን ዘሎ ግን ከም ዝድሕን ኩልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ናብ እምባ ዝሓድም ይድሓን እዩ። ኣብ ታሪክ መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ናብ እምባ ሓዲሞም ካብቲ ዝመጾም ዝነበረ ሽግር፡ ፈተና  ድሒኖም እዮም። ንኣብነት ኣቦና ሎጥ፣ ብቅዱስ ገብሪኤልን፡  ቅዱስ ሩፋኤልን፣ ተመሪሑ ናብ እምባ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ካብ ዲንን፣ እሳትን፣ ድሕነት ረኪቡ እዩ። /ዘፍ 19፡16/ ''ነፍስካ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ  ግልጽ  ኣይትበል፣ ኣብዚ ጐልጐል እዚ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ከይትጠፍእ፡ ናብ ''እምባ’’ ኣቢልኻ ህደም፡’’ ከም ዝብል።  
ቅዱስ ዳዊት እውን፣ ወዱ ኣበሴሎም ከቀትሎ፣ ኣብ ዝሓሰበሉ ግዜ፡ ጥራይ እግሩ  ናብ ''እምባ'' ደብረ ዘይቲ፣ እንዳ በከየ ከም ዝሃደመ እሞ ካብ ቅትለት ወዱ ከም ዝደሓነ ተጻሒፉ ኣሎ። /2ይ15፡30/ ''ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ደየበ፣ኪድይብ ከሎ ኸኣ ይበኪ ነበረ። ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ  ሳእኒ ይከይድ ነበረ።እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሕዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።'' ከም ዝብል። ብሓዱሽ ኪዳን’ውን ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ <<ኣንቀፀ ብፁዓን>> ኣብ 'እምባ' ኮይኑ ኣስተምሂሩ እዩ። /ማቴ5፡1/ ብርሃነ መለኮቱ እውን ኣብ ኣብ 'እምባ' ደብረ ታቦር እዩ ዝገለጸ።/ ማቴ9፡1-8/ እሞ የሕዋት ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ብምስትውዓል ናብ 'እምባ' ምሕዳም የድሊ።

 ብናይ ቤተ ክርስትያን ትርጉም እምባ ብብዙሕ ነገር ይምሰል እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብብዙሕ መጸውዒ''ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ 'እምባታት' ይህድሙ’’ ክብል ዘስተምሃረና።
ስለዚ ካብ ብዙሕ ብዉሑድ ክንሪኢ ኢና፦
ብእምባ ዝተመሰለት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ።  

ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ>> ክብል እንከሎ፡፡ እዚ ናይ ምጻት ምልኽት ክፍጸም ኽትሪኡ ከለኩም። ናብ እመቤትና ዝኾነት ድንግል ማርያም ኪዱ፣ ህድሙ፣  ማለት ኣማላድናታ ተኣሚንኹም፣ <<ኦ ቅድስት ለምንልና>> እንዳ በልኹም ናብ ኣዴኩም ተጸግዑ ማለት እዩ። ልበ ኣምላኽ ቅዱሳ ዳዊት /መዝ48,,፣2/ ''እታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ እምባ ጽዮን ጽብቅትን ልዕል ዝበለትን እያ፣ ከተማ እቲ ዓብይ ንጉስ /ሓጐስ ኵላ ምድሪ/ እያ''
‘’ጽዮን’’ ማለት ማጺግዒ እምባ ማለት እዩ። ጽዮን ድንግል ማርያም ድማ ዘይትጠእ ብርሃን፡ ዘይትፈርስ መቅደስ፡ ዘይትቀንን በትሪ ሃይማኖት፡ ጸወነ ጻድቃን ጸወነ ሓጥኣን እያ። 1ይጴጥ2፡6-9/// ት,ኢሳ28፡16//
ስለዚ ናብ ‘’ድንግል ማርያም’’ ብእግረ ልቦና ምግስጋስን ምጽጋዕን የድሊ። ካብ ፍቃደ ስጋ ክፉእ ካብ ምርኣይን ምስማዕን ገዲፍና ናብ ድንግል ማርያም ኣብ ነሓድመሉ፣ ንሳ ብሓቂ መፍቀሪት ሰብ ስለ ዝኾነት ናብ ፍቁር ወዳ ክትልምነልና እያ።
እሞ ስማ ኣብ ዝጽዋዓሉን፡ ጽላታ ኣብ ዝተቀርጸሉ፣ ቤተ ክርስትያና ኣብ ዝተሓንጸሉ፡ ብረዲአት ኣብ ትግለጸሉ፡ ተኣምራ ንምስማዕ፡  ቅዳሴኣ ንምቅዳስ ብፍጹም እምነት ምካድ የድሊ።
''ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ እቲ ህጻን ኣብ ማህጸና ተሰራሰረ''//ሉቃ1፡41//
   ብእምባ ዝተመሰሉ ቅዱሳን ኢዮም።
ቅዱስ  ዳዊት  /መዝ 121፡1/ ''ኣንሳዕኩ ኣዕይንትየ መንገለ  ኣድባር፡ ናብ ኣክራን እጥምት ኣለኹ'' ይብል። እዚኦም ኣክራን ዝተባህሉ ብቅድስናኦም ካብ ድቂ ሰባት ልዕል ልዕል ዝበሉ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘስመሩ፣ ቅዱሳን ነብያት፡ ሓዋርያት፡ ጻድቃን፣ ሰማዕታት፣ ቅዱሳን ኣንስት፡ ቅዱሳን ኣበው እዮም። ስለዚ ናብኦም ተጸጊዕና  ለምኑልና  ክንብሎም ይግባእ።// ዮው 3፡4 ''ናባና ጠምት'' //2ይነገ2፡9 ''ኤልያስ ንኤልሳዕ' ''ጌና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ክገብረልካ እትደልዮ ለምን''
 ብእምባ ዝተመሰለት ቤተ ክርስትያን እያ።
ቅዱስ ዳዊት //መዝ 15፡2/ ''ኣብቲ ቅዱስ ቤት ኣምላክ ዘነብር መን እዩ? እግዚኣብሄርኣብ ድንኻንካ ዝሓድር መን እዩ? ኣብቲ  ቅዱስ እንባኻ ዝነብር መን  እዩ?''ኢሉ። ናይ እግዚኣብሔር ቤተ መቅደስ ዝተቀደሰ  እምባ  ምኳና ስለ ቅድስት ቤተ ክርስትያን  ዝተናገሮ ቃል እዩ። 
ናይ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ስጋኡ ዝፍተተላን፡ ክቡር ድሙን ዝፈሰላን፡ ብጥምቀት ውልድነ እንረክበላን  ኣካሉ ዝኮነት ቤተ ክርስትያን ናይ ምእመናን መጸግዒ፡ ካብ ዲያብሎስ ፈተና መህደሚት ስለ ዝኮነት ‘’ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ’’ ኢሉ፡ ብምስጢ  ናብ ቤተ ክርስትያን ኣጥቢቅና ክንከድ ከም ዘለና እዩ ጐይታ ዘስትምህረና። ነገር ግን እዚ እንዳ ተገበአና ብዝተፋላለየ  ምኽንያት ቅድስት  ቤተ  ክርስትያን ገዲፍና ኣብ ፈቀዶ ናይ ዓለም ሓሸውየ እንርካብ ውሑዳት ኣይኮናን። እዚ ግን ዘዓለማዊ ሕይወት ዘየውህብ መንገዲ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ማይ ዝወጸ ዓሳን፡ ናብ ማይ ዘኣተወት እንጭዋን  ሕይወት ከም ዘይብሎም ንሕና'ውን ካብ ቤተ ክርስትያን ምውጻእና ሕይወት ኣየውህበናን። እምበኣር ‘’ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ’’ ከም ዝተባህለ ናብ ቤተ ክርስትያን ንሕደም።
                                                           ይቅጽል . . .


No comments:

Post a Comment