Wednesday 3 April 2013

ደብረ ዘይቲ /3ይ ክፋል/

''እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኣይውረድ'' (ማቴ 24፡17)

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ''ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ እምባታት ይህድሙ''  ምስ በለ፡ <<እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኣይውረድ>> ክብል እዩ ትምህርቲ ዝሃቦም።/ማቴ24፡17/ <<ናሕሲ>> ማለት ልዕል ዝበለ ቦታ እዩ። እዚ <<ንሕሲ >> ብልዕልና ነፍሲ ይምሰል፡ ዝጽሊ፡ ዝጸውም፣  ዝሰግድ፡ ዝምጽውት፣ ስጋ ወደሙ ዝቅበል፣ ብሕዳርን፣ ብምንኵስናን ዝጸንዐ እንደገና ናብ ናይ ሓጢኣት፡ ዓለማዊ ተግባር  ኣይውረድ ማለት እዩ።

ካብ ጽድቂ ስራሕ  ምውራድ፣  ሓጢኣት ምስራሕ ማለት ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቕ እዩ። ብምስትውዓል እንድሕሪ ደኣ ጠሚትናዮ መብዛሕቲና ካብ ግብሪ ጽድቅን፡ መንፈሳዊ ስራሕ እንዳወረድና እና። መዓልቲ መዓልቲ ዝወሃበና  ቃለ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና  ለውጢ  ከምጽእ  ኣይረአ።


ካብ'ዚ ሓልፍና'ውን ገለ ገሊና ሓጢኣት ምግባር ከም መንፋዕቲ ገርናዮ። ኣነ ካህን ነይረ፣ ኣነ ዲያቆን ነይረ፣ ኣነ መዘምራን ነይረ፡ ኣነ ትምህርቲ ሰንበት ኔይረ፡ ኣነ ብዘይ ምቁራጽ ኣቀዳሲ ነይረ ብማለት፣ ''ነይረ'' ታሪኽ ጥራይ  ዝኮነና ብዙሓት ኢና። ጐይታ ግን ኣጠንቂቁ ''እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኣይውረድ'' ኢሉና ኣሎ።

ኣብ /መ.መሳ 14፡1/ ''ሶምሶም ናብ  ታሚታ ወረደ፣'' ይብለና። ከምኡ ድማ ኣብ /መ.መሳ16፡4/ ድማ  ደሊላ እትበሃል  ሰበይቲ ፈተወ ይብለና። ሶምሶም ነዛ ደሊላ እትበሃል ሰበይቲ ብምፍታዉ ብዙሕ ሽግርን ምከራን ስቃይን ከም ዝበጽሕ'ዩ እቲ ታሪኽ ዝሕብረና። እምበር ካብ'ዚ ቅዱስ ታሪክ እንመሃሮ እንተልዩ፡ ሶምሶም ካብ ቅድስና ቦታ ናብ ርክሰት ቦታ ከም ዝወረደ እሞ ኣምላኹን ክብሪ ኣምላኹን ከም ዝሰኣነ ኢና እንመሃር።  ስለዚ ድማ ዩ ጐይታ ''እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኣይውረድ'' ክብል ኣጥቢቁ ዝመሃረና።

ኣብ ቅዱስ  ወንጌል'ውን  ጐይታ  ብምሳሌ  ገይሩ ከም ዘስተምሃረና  ኣብ /ሉቃ 10፡30/ '' ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢዮሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኺወርድ  ከሎ፡ ኣብ ኢድ  ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ከኣ ገፈፍዎን፡ ከትከትዎን፣ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ'' ይብለና።  እዚ ሰብ እዚ ኣብ ኢድ ከተርትን፡ ሸፋቱን ምውዳቁ ምኽያት ዝኮኖ ካብ ኢዮሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ብምውራዱ እዩ ነይሩ፡ ናይ'ዚ ኵሉ እዚ ድማ ውጺኢቱ ግርፋትን፡ ማህረምትን ኢዩ ነይሩ። 
ሕጂ'ውን ንሕና ካብታ 'ብኢዮርሳሌም' ዝተመስለለት  ቤተ ክርስትያን ገዲፍና፡ ካብ ገቢረ ጽድቅ  ናብ ገቢረ ሓጢኣት ምስ  እንስጉም፣ ኣብ ኢድ  ጸላእትና ኣጋንንት ኢና  እንወድቕ፡ ውጽኢቱ ድማ መግረፍትን ስቕያትን እዩ።

ስለዚ ናይ  ቅድስና  ስራሕ  ብምስራሕ ማለት  ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብስግደት፡ ብምጽዋት፡ ስጋ  ወዱሙ ብምቅባል /ካብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ክንወጽእ የብልናን/ ምንም እኳ ፈተና እንተበዝሓና ብናይ እግዚአብሔር ምሕረትን፡ ብናይ  ድንግል ማርያን፡ ብናይ ቅዱሳን ጸሎት ኣማልድነትን ብሰናይ ስራሕ ክንተግህ ኣሎና።

ካብዚ ብምቅጻል'ውን ጐይታ ከምዚ ክብል << እቲ ኣብ ግራት ዝጸንሐ ድማ ኽዳኑ ኽወስድ ኢሉ ንድኅሪት ኣይመለስ>>(ማቴ 24፡18) ኢዩ ኣጽኒዑ ንዓና ነቶም እግዚአሔር እንኣምን ኣጠንቂቑና ዘሎ።
እዚ ማለት ድማ ብሃይማኖትን  ብምግባርን ንዘለና ዘመልክት  ኮይኑ፡  ንዝጀመርናዮ መንፈሳዊ ተጋድሎን ብትግሃትን ክንፍጽሞ እንበር ተስፋ  ክንቆርጽ  ከም ዘይብልና  ዘረድእ ሓይለ ቃል ኢዩ። /ሉቃ 17፡32/ <<ንስበይቲ ሎጥ  ዘክርዋ>>ይብል። ሰበይቲ ሎጥ ንድሕሪት ብምጥማታ ሓወልት ጨው ከም ዝኾነት፡ ከምኡ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ንዝተጸመድና  ዝቀደመ በደልናን  ሓጢኣትናን ዘኺርና ንድሕሪት  ምስ ዝጥምት ካብ ጸጋ እግዚአብሔር  ኢና እንፍለ። 

ስለዚ ካብ ጸጋ እግዚአብሔር  ንከይንፈለ ድማ ብጸሎትን ልመናን ኣብ ሃይማኖትና ክንጸንዕ ይግበአና።
       ኣሜን!!!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡
ወለወላዲቱ ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር።
 




No comments:

Post a Comment