Tuesday 10 February 2015

ተፈጥሮኻ ዘክር!

ኣንታ ሰብ!
ሰብ ክትከውን ተፈጢርካ
ብሰማያዊ ሥርዓት ክትመርሕ ሕይወትካ
ፈጣሪኻ ክትፈልጥ ከተንጽሕ ኣካልካ
ሰማያት ክትሠፍር ተስፋ ተነቢሩልካ።

እንታይ ደኣ ወሪዱካ፧!

ከም እንስሳ ትበልዕ ብዘይገደብ
ትዕንድር፣ ትዘውር ብዘይኣደብ
ትዛረብ፡ ትሓሚ፡ ትብል ቀንጠብጠብ
ቍጠዓ ተዋህልል ኣብ ክንዲ ትእርነብ።
ኅደግ እንዶ በጃኻ!

ኣይትሓንግድ፣ ዘይትሰምዕ ጻውዒት ፈጣሪ
ካብ ሞት፡ ሕይወት ዘይትኃሪ
ጽደቕ እንተ ተበሃልካ ኣይትዀሪ
ጽባሕ ምእንቲ ክትትንሥእ ብኽብሪ።

ስለዚ፣ . . .

ሰብ ምዃን’ዩ ዘድልየካ፣ ሰብ ኩን!
ኣይትሓዋውሶ ናብራ መላእኽትን እንስሳን
ምስ እንስሳ’ኳ እንተ ተቐመጥካ
ምስ መላእኽቲ’ዩ ክፍልኻ፡ ርስትኻ።

እሞ፣ . . .

ተፈጥሮኻ ዘክር ለባውን ነባብን
ብልዙብ ድምፅኻ ንፈጣሪኻ ኣመስግን
ሰብእነትካ ቀድስ ብጾምን ጸሎትን
ተፈጥሮኻ’ዩ ሕያውን ነባርን።
ሰሎሞን ወልዱ
ኅዳር ፳፻፯ ዓ. ም.

No comments:

Post a Comment