Monday 10 June 2013

'ክንዲ ዝስተራስ ይግተራ '


††በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን ††
'መልእክቲ ናብ መሠርያን ተሐድሶ Birmingham UK'

ኣዴታት ክምስላ እንከለዋ <<ክንዲ ዝስተራስ ይግተራ>> ይብላ፣ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን፣ ብዝገበርኦ ይኹን ብዘጋጠመን ክንዲ ዝኽወላ ምስ ተገተራ እዩ እዚ ተመሲሉለን። መቸም እንታይ ንምምጻእ ይኸውን ትብሉ ትህልዉ፣ እንታይ ይገበር፣ ዘለናዮ ዘመን ተገሪመ ክትብል ውን ንባዕሉ ዘገርም ኮይንሉ ዘሎ ዘመን እዩ። በሉ ንሎሚ ካብ ዝረኣኹዎ እሞ ዘገረመኒ ገለ ክብለኩም።
መቸም ነዛ ስእሊ ርኢኹም ብምግራም ትኽእሉን፣ ዝጠዓመኩምን፣ መልሲ ዝሃብኩምላ። ዘይጠዓመኹምን ዘይኽኣልኩምን ድማ ኣምላኽ ናብ ልቦም ይምለሶም ኢልኩም ዝሓለፍኩማ ኣይትስኣኑን ትኾኑ። እንተ ኣነ ዘገረመኒ ልዕሊ ናይ`ቲ ስእሊ እቶም ክንዲ 'ዝስተሩ ዝተገተሩ መሳርሕቲ ናይዞም ዘመን ዝወለዶም ድያብሎስ ዝፈሰወሎም መሠርያን ተሃድሶ እዩ። 



እቲ ዝጸሓፍዎ comment ከምዚ ይብል ኔሩ።
ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኹሉኩም ተጠቀምቲ facebook ክርስትያን ካብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ በርሚንግሃም። እታ ቅድሚ ሕጂ @Mahber Kidus Georgs or @St George Eritrean Orthodox Tewahdo Church In Birmingham UK ዝብላ ናይ facebook account ብገለ ኣባላት ናይቲ ቤተክርስትያን ነበር ካብ ትምህርቲ ኦርቶዶስ ወጻኢ ዝኾነ ጽሑፋት ይምሓላለፈለን ስለ ዘሎ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝኾነ ዝግበርን ዝጽሓፍን ነገር፡ ነታ ቤተ ክርስትያን ከም ዘይውክል ክነገልጽ ንፈቱ፡ እዚ ናይ facebook account ውን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ከም ዘይውነንን መንነት ናይቶም ነዚ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ቀረባ ግዜ ከነውጽኦ ምኻናን ክንሕብር ንፈቱ። ሰላም ኣምላክ ምስ ኩልና ይኹን''

ስለ እዞም ማንነቶም ከይሓተቱ፣ እምነቶም ከይመርመሩ፣ ድሌቶም ከይፈልጡ ኣባላት ዝገበርዎም ሕጂ ድማ  ውልቃውያን ዝብልዎም ዘለዉ ሰባት ትማሊ ትማሊ ተሃድሶ፡ ኦርቶጴንጠ እዮም፡ ክዳኖም ናይ ተዋህዶ፣ ልቦም ሰይጣን ዝወሰዶ፡ ኣዘራርብኦም ተዋህዶ መሰልቲ፣ ግን ከሓድቲ፡ ብዘታልል ዘረባ ልቢ ምእመናን ዘሸፈጡ እዮም ክንብል ኮለናስ። ሓንሳብ ኣብ ክሳድና መስቀል ዘይኮነ ባንዴራ ዘንጠልጠና ክሳብ ንመስል ሕግደፍ ክብሉናን። በዚ ዘይተባህለ ውጉዛት፡ ምስ ዝመስሎምን ዘይመስሎምን፣ ኣብ ዝግብኦን ዘይግብኦን ቦታ`ዶ ነዛ ቤተክርስትያና ምስ ኣገልገልታ ክመጻደቁላን ከሽካዕሉላን ይውዕሉ ኣይነበሩን። 

እንተ ንዓናስ ሓድሽ ይኸውን፣ እንተ ንዓኹም ግና ካብ ኣፍኩም ናብ ኢድኩም እዩ። ብናትኩም ኣዘራርባ ብምኽራር ንዝገደፎ ሰብ ብኣፍኩም ትነግርዎ ዝነበርኹም`ዶ ኣይኮነን። ወይስ እታ 'ንሕና ናይ ጳጳሳት እምበር፡ ናይ ምሕደራ ጸገም የብልናን' ኢልኩም ትሸጥዋ ዝነበርኩም ናይ ሓሶት caset ስለ ዝተጋህደትኩም ኢኹም የዕገርጊርኹም። ወይስ ንግዜ ኢልና እምበር ክርስቶስ ኣማላዲ እዩ፣ ቅዱሳን ኣየማልዱን ዝብል ትምህርትኹም ኣብ ኢድና ከም ዘሎ ኣይፈለጥኩምን። 

መቸም ኣብ ማእከልኩም ብስጋውነት ተጠምዚዞም፣ ኣብ ዘይሓሰብዎ ታኬላ ዝኣተዉ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና።

ንስካትኩም'ውን ነቲ ዘይተኣምንሉ  ኣሜን ምባልኩም፣ ብሃይማኖት ሓጢኣት፣ ብባሕልና ውን ነውሪ ሙዃኑ ከዘኻኽረኩም ይደሊ። ቤተክርስቲያን ውን ከም እቲ ጥፉእ ወዲ ሓሲባ ክትቅበለኩም ድልውንቲ ሙኳና ፈሊጥኹም፣ ርእስኹም  እቲ ዝጠፍኣ ወዲ ሙኻንኩም ኣሚንኩም እሱ ዝገበሮ ምግባር እዩ ዘድልየኩም። 

እዚ ናትና ኣይኮነን እገለ እባ እገለ እዩ ጌርዎ ትብሉ ዘለኹም ግና፣ ደሓን እስከ ናትኹም`ሲ ኣይኮነን ንበሎ፣ ግን ናይታ ትምርሑላ ዘለኩም ዓንኬል 'ቀሺ ገብረሚካኤል' ሙኻና`ኸ ትፈልጡ ዶ??? እስከ ደሓን ኣፍኩም ሓቲምኩም ልብኹም ከምዝዛረብ ግበርዎ። 
እቲ ብኻልእ ክትጅምሩ እንዳ ሓሰብኩም ስርዓትኩም ምዘይክተሉ ሰባት ምግንፋሉ ድማ ከግርመኩም የብሉን፣ እቲ ምንታይሲ እንታይ ዝዓብሱ መጽሐፍተ ስርዓት (ስለ ስርዓት ዝዛረቡ መጽሓቲ) ብምባልኩም `ዶ ኣይኮነን ካብዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ፈልይኩም ዘሎ??

እምበር ንሕናሲ ከምቲ ቅዱስ ኣውግስጢን ዝበሎ ``መናፍቃን ስለ ናይ ጥርጥር ሕቶታትኹም ኩሉ ኣዚና ኢና እነመስግነኩም። ምክንያቱ ዝበለጸ ከምነጽንዕን፣ ብዕምቆት ከምእንመራመርን ስለ ዝገበርኩምና`` ከም ዝበሎ ሎሚ ውን ስለ ክህደት ምቅዋምኩም፣ ስለ ነቀፌታኹም፣ ስለ ለይቲን መዓልትን ንቤተክርስትያን ብምፍታንኹም፣ ስሌኹም እንዳ ሓዘና፣ ኣምላኽ ክመልሰኩም እንዳ ለመና፣ ኩሉ ንጽቡቅ እዩ ዝብል ቴማ ሒዝና፣ ነቲ ዝሓተትኩምና ድማ ብዕምቆት እንዳ መርመርናን፣ እንዳ ኣጽናዕናን። ምስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ቃል ንገድፈኩም ምውዳቅ ኣዳማዊ እዩ ወዲቅካ ዘይምትንሳእ ግና ድያብሎሳዊ እዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
 
ወለመስቀሉ ክቡር
  አሜን።



2 comments:

  1. Brgx lomi btekrstyan 1) b menafqan 2) b nay hgdefn degeftomb teqawemtomn. 3) b nay mhdera na patryark bezi Abeyti ntbtat.... tften ala nzi sira ktawet gn nria alona Amlak ymesgen.

    ReplyDelete
  2. ኣቱም ለያቡ ብዘይካኽም ኦርቶዶክስ ዘሎ ዘይመስለኩም። ሓቐኛታት እናመሰልኩም ብስም ማርያም ትነግዱ ዘለኹም ሓሰውቲ ሰባት እዚ ከንቱ ዝኾነ ዘረባ ገዲፍኩም ንሰብ ጹቡቕ እንተ ማርኩም ይሓይሽ።

    ReplyDelete