Monday 8 May 2017

ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ቤተክርስትያን መን እዩ?

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላኽ ኣሜን!!!

ፓትርያርክ ድዩ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ስልጣን ዘለዎ ወይ ቅዱሲ ሲኖዶስ እዩ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ስልጣን ዘለዎ፧

 ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 28)።

 ምስክር ኣለና’ዶ፧

o ቅዱስ ፓትርያርክ ሓደ ካብ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኑ፥ ኣበ ወንበር ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ እዩ። (ቃል ቃዋዲ ኣንቀጽ 28/ሀን ኣንቀጽ 92/ሀን)
o ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትርያርክ ክሸይምን ከውርድን ስልጣን ስለ ዝለዎ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ስልጣን ዘለዎ ኣካል እዩ። (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 30ሐ፥ ኣንቀጽ 89/ሀ-ሠ፥ ኣንቀጽ 93)

 እሞ ውሳኔ ናይ ቤተክርስትያን ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ድዩ፧ ናይ ቅዱስ ፓትርያርክ፧

o ቅዱስ ፓትርያርክ ከም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ድምጺ ክህብ ይኽእል እዩ። ውሳኔ ግን ልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝወሰንዎ እዩ ዝጸድቕ። (ቃል ኣዋዲ ኣንቀጽ 93)።

 እዚ ኣካይዳ ግን ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትራይ ድዩ ዘሎ፧ ኣብ ክልኦት ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ከመይ እዩ፧
o ኣንኮነን ኣብ ኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያናት ውን ዝልዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ።

 ምስክር ኣለና’ዶ፧

o ከም ኣብነት ናይ ኢትዮጲያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ከም ኣብነት ምስ እንርኢ ብ1991 ዓ.ም.ግ. ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝውጽኤ “ሕገ ቤተ ክርስቲያን ” ዝብል መምርሒ ከም’ዚ ይብል “በመንፈስ ቅዱስ የሚመራው ቅዱስ ሲኖዶስ የመንበረ ሐዋርያት ወራሽ ስለሆነ በቤተ ክርስቲያኒቱ የመጨረሻው ከፍተኛ ሥልጣን ባለቤት ነው፡፡” ትርጉም “ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ቅዱስ ሲንዶስ ወራሲ መንበረ ሓዋርታ ስለ ዝኾነ፥ ዝልዓለ ስልጣን ኣለዎ።” (ሕገ ቤተ ክርስትያን ኣንቀጽ 5)

o ኣብ ተመሳሳሊ መምርሒ ብዛዕባ መርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ ዝጠቅስ ኣንቀጽ ኣብ ኣንቀጽ 13 “የምርጫው አፈጻጸም ቅዱስ ሲኖዶስ በሚያወጣው መመሪያ መሠረት ይሆናል፡፡” ይብል። ትርጉም “ናይ ፓትርያርክ ምርጫ ኣፈጻጽማ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጸውጽኦ መምርሒ መሰረት ይኸን” ብምባል ልዕልናን ስልጣንን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ይገልጽ።

o ብዛዕባ ምስዓር ካብ መዓርግ ድማ ኣብ ኣንቀጽ 16 ናይ’ዚ መምርሒ “በተሾመበት ቀን የፈጸመውን ቃለ መሐላ ያልጠበቀ በአጠቃላይ ታማኝነቱና መንፈሳዊ አባትነቱ በካህናትና በምእመናን ዘንድ ተቀባይነትን ያጣ ሆኖ ቤተ ክርስቲያኒቱን የሚያስነቅፍ መሆኑ በትክክል ከተረጋገጠ በቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔ ከሥልጣኑ ይወርዳል፤ በምትኩም ሌላ ፓትርያርክ ተመርጦ ይሾማል፡፡” ትርጉም “ፓትርያርክ ኣን ዝተሸሞሉ ግዜ ንዝኣተዎ ቃል ዘይዕቅብ፥ ብሓፈሻ እሙንነቱን መንፈሳዊ ኣቦነቱን ብካህናት ኮነ ምእመናን ተቐባልነት ምስ ዝስእንን ቤተ ክርስትያን ዘንቅፍ ኮይኑ ብቅዱስ ሲኖዶስ እንተ ተረጋጊጹ፥ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ስልጣኑ ይወርድ። መተካእታ ድማ ካልእ ፓትርያርክ ይሽየም።”

o ኣብ ናይ ቅብጣዊት (ግብጻዊት) ቤተ ክርስትያን’ውን ኣብ’ቲ The Constitution and By-Laws of the Holy Synod of the Coptic church (ቅዋምን መምርሕን ናይ ቅብጢ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሲኖዶስ) ዝብል መምርሒ ኣብ ኣንቀጽ 1 (article 1) ““The Holy Synod is the highest priestly authority in the Coptic Orthodox Church. Both the clergy and all the people are subjected to this authority.” (Article No. 4)። ትርጉም “ኣብ ቅብጣዊት ቤተ ክርስትያን ዝልዓለ መንፈሳዊ ስልጣን ዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ  እዩ። ኩሎም ውሉደ ክህነትን (ካብ ፓትርያርክ ክሳዕ ዲቁና ዘሎ ክህነታዊ መዓርግ ዘጠቓልል እዩ) ምእመናን ድማ ነዚ መንፈሳዊ መዓርግ ይምእዘዙ።”

 “ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧” (ግብ2:37)፧
o መጀምርታ ቅድሚ ኣፍና ምኽፋትና ኣእምሮና ክንከፍት በዚ ድማ ሕገ ቤተ ክርስትያን ክንፈልጥ ትግብኣና። ምኽንያቱ ንኹሉ ስርዓት ስለ ዘለዎ፥ ስርዓት ከትፈለጥካ ምዝራብ ግን ስርዓት ኣይኮነን። “ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።”(1ይቆሮ 14:40)።
o ነቶም እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስትያኑን ዝሸሞም ብጹኣን ኣቦታትና ተኣዚዝና፥ ነቲ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝወሰንዎ ውሳኔ ተገዚእና፥ ኣብ ቤተ ክርስትያና ክንጸንዕ ይግብኣና። “ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም” (ግብ 20:28)።
o እግዚኣብሔር ብጸጋ ብረዲኤት መሪሑ ንዓና ንደቆም ክጓስዩና ድማ ብጸሎት ምንቃሕ። ምኽንያቱ እዚ ሓደራ ኣቦታትና ስለ ዝኾነ “እቲ ብዛዕባኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዚግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።” (ቆሎ 4:3-4)።

እዚ ክንገብር ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት፥ ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት፥ ናይ ቅዱሳን ጸሎት ኣይፈለየና።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

1 comment:

  1. ቃል ሂወት የስምዓልና! ንምትግባሩ ከኣ ኣምላኽ ይሓግዘና!

    ReplyDelete