Thursday 13 October 2016

ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒ ድዩ ወይስ መድኃኔ ዓለም፧

ሓደ ሓደ ወገናት፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኻ ገይርካ ተቐቢልካዮ፧ Have you accepted Jesus Christ as your personal savior? ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ (ውልቂ) መድኃኒኻ እንተ ተቐቢልካዮ ጥራይ ኢኻ ትድኅን፤ኪብሉ ንሰምዖም ኢና።


ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌርኩም ተቐበሉ ወይ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኻ ጌርካ ተቐበል፣ተባሂሉ ዝተሰብከ ሕዝቢ ኣሎ ድዩ፧ ወይውን ከምኡ ኢሉ ዝሰበኸ ወይ ዝመሃረ ሓዋርያ ኣሎ ድዩ፧ ወይ ድማ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒተባሂሉ ተጸዊዑ ድዩ፧ ንምዃኑ እዚ፡ክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒ!” ዝብል ኣተሓሳስባ ካበይ እዩ መንጭዩ፧ ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ብመሠረቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ንክርስቶስ ናይ ግሊ መድኃኒ ገይርካ ተቐበል፣ተባሂሉ ዝተሰብከሉ ሕዝቢ የልቦን። ከምዚ ኢሉ ዝምሃረ ሓዋርያውን የልቦን።
ብደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተመሥረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥራሓ ዝጀመረትሉ መዓልትን ብግሉጽ ድምፃ ኣጕሊሓ ንዓለም ከተስምዕ ዝጀመረትሉ ዕለትን ዕለተ ጰራቅሊጦስ (በዓለ መንፈስ ቅዱስ) እዩ ዝነበረ። ኣብ ዕለት እቲ ብተአምረ ርደተ መንፈስ ቅዱስ ንዝተደነቑ ብዙኃን ሰባት ብሥራተ ወንጌል ዝሰበኸ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ስብከቱ፡ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኹም ጌርኩም ተቐበሉ እሞ፡ ክትድኅኑ ኢኹም፤ኣይበሎምን። ንሱ ነቶም፡እንታይ ንግበር፧ኢሎም ዝሓተቱ ሰባት፡ተነስሑ፣ ኅድገት ኃጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸኣ ነፍስ ወከፍ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይጠመቅ፤ እግዚኣብሔር ዝህቦ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም።” (ግብ. ሓዋ. ፪፥፴፰/238) ኢሉ እዩ ዝኣዘዞም። እዚ ቃል እዚ ዘረጋግጸልና እቶም ናይ መጀመርታ ብናይ ሓደ መዓልቲ ስበከት ናብ ማኅበር ሓዋርያት ዝኣተዉ ሠለስተ ሽሕ ክርስቲያናት፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌርኩም ተቐበሉ፤ተባሂሎም ኣይተሰብከሎምን።
ከምኡውን ቅዱስ ጴትሮስን ቅዱስ ዮሓንስን ኣብ ጊዜ ጸሎት ታሽዐይቲ ሰዓት ናብ ቤት መቅደስ እናደየቡ ከለዉ፡ ንሓደ ካብ ማሕፀን ኣዲኡ ኣትኂዙ ልሙስ ዝነበረ ሰብ ምስ ፈወስዎ፡ ብምግራም ናብኣቶም ካብ ዝቐረቡ ሕዝቢ ንኃሙሽተ ሽሕ ዘእመኑሉን ናብ ክርስትና ዘእተዉሉን ስብከትውን፡እምብኣር ኃጢኣትኩም ምእንቲ ክድምሰሰልኹም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ክመጽኣልኩም፣ ነቲ ቅድም ንኣኻትኩም ዝተኃርየ መሲሕ፣ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኪሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን፤” (ግብ. ሓዋ. ፫፥፲፱-/319-20) ዝብል ደኣምበር፡ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኹም ተቐበሉ፤ዝብል ኣይኮነን ነይሩ።
እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ንቅዱስ ጳውሎስን ንቅዱስ ሲላስን፡ጐይቶተይ፣ ምእንቲ ክድኅን እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ኢሉ ኣብ ዝሓተቶም ጊዜ፡ ክምልስሉ ከለዉ ድማ፡ንጐይታ ኢየሱስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒኻ ጌርካ ተቐበል፣ኣይበልዎን። ንሳቶም፡ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ እመን፣ ንስኻን ሥድራኻን ክትድኅኑ ኢኹም፤” (ግብ. ሓዋ. ፲፮፥፴/1630) እዮም ዝበሉዎ። ከምኡውን ዲያቆን ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዘጥመቀሉ ኣካይዳ ኣብ ዘረባኦም ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌርካ ናይ ምቕባል ሓሳባት ከም ዘይተላዕለ ንርኢ። ዲያቆን ፊልጶስ፡እንሆ ኣብ ማይ ኣሎ፣ ንኸይጥመቕ እንታይ ይክልክለኒ፧ንዝብል ሕቶ እቲ ስሉብ፡ብዅሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይኾነልካ ኢዩ፤ኢሉ እዩ መሊሱሉ። እምነት እቲ ስሉብ ድማ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። (ግብ. ሓዋ. ፰፥፴፯/837)
እምብኣርከስ እቲ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግላ ተጸኒሱ፣ ብድንግልና ዝተወልደ፣ በቶም ካብ ኣፉ ዝተማህሩን ብገዛእ ኢዱ ዝተሸሙን ቅዱሳን ሓዋርያት ዝተሰብከ ወዲ እግዚአብሔር፡ናይ ግሊ መድኃኒተባሂሉ ኣይተሰብከን።እንታይ ተባሂሉ ደኣ ተሰቢኹ፧ኢልካ ምሕታት ግና ዝከኣል እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መድኃኔ ዓለም (ናይ ዓለም መድኃኒ) ተባሂሉ እዩ ተጸዊዑ ዘሎ። እስከ ንምሳሌ ኪኸናና ሓደ ሓደ ጥቕስታት ንርአ፤
. “እግዚአብሔር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።” (ዮሐ. ፫፥፲፮-፲፯/316-17)
. "ደጊም ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና” (ዮሐ. ፬፥፵፪/442)
. “ኣቦ ንወዱ መድኃኒ ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ ረኣና፤ ንምስክርውን ኣሎና። ጐይታ ኢየሱስ ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ ዚኣምን፡ እግዚአብሔር ኣብኡ ይነበር፤ ንሱውን ኣብ እግዚአብሔር ይነብር።” (፩ይ ዮሐ. ፬፥፲፬-፲፭/414-15)
ስለዚ ኣቐዲምና ካብ ዝረኣናየን ጥቕስታት፡ ኣቦ ንወዱ ናይ ዓለም መድኃኒት ክኸውን ደኣምበር ናይ ግሊ መድኃኒ ኪኸውን ኣይለኣኾን። ምስ እግዚኣብሔር ብኅብረት እንነብር ድማ ከም ናይ ግሊ መድኃኒ ጌርና ክንቅበሎ ከሎና ዘይኮነስ፡ ናይ ዓለም መድኃኒት ምዃኑ . . ፈሊጥና . . . ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብምእማን ከም ዝኾነ ተነጊሩና እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ንዝመጽኣሉ ዓቢይ ዕላማ ብሓፂሩ ዝገልጾ ነገር፡ ኣማኑኤል ተባሂሉ ዝተጸውዓሉ ስሙ እዩ። ትርጕሙ ድማ፡እግዚአብሔር ምሳና” (ማቴ. ፩፥፳፫/123) ዝብል እዩ። ስለዚ ጐይታ ዝመጻሉ ዕላማ ናይ ግልና ንምዃን ዘይኮነስ፡ እግዚአብሔር ምሳና እዩ እሞ፡ ንጐይታ ናይ ግሊ መድኃኒ ኢልካ ምጽዋዕ ማለት ኣማኑኤል ምስ ዝብል ስም ጐይታ ምቅራን ማለት እዩ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ኣይኮነን ከም ሓደ ሓደ ሰባት፡ናይ ግሊ ኣምላኽ፣ ናይ ግሊ መድኃኒ፣ዝብልዎ ኪኸውን ይትረፍሲ፡ ቅዱሳት መጻሕፍት ከም ዝምህራና፡ ናይ ግሊ ሕይወትውን ኣይመርጽን እዩ። መረዳእታ ድማ፦
- ንኣዳም ካብ ግላዊ ሕይወቱ ኣውፂኡ ብናይ ኅብረት ሕይወት ንኺነብር፡ ሔዋን ዘምጽኣሉ መንገዲ ዓቢይ ምስክርና እዩ።
- እቶም ናይ መጀመርታ ክርስትያናትውን ናይ ግልና ወይ ናይ ውልቅና ዝብልዎ ሕይወት ይኹን ነገር ከም ኣይነበሮምን። ነዚ ከረድእ ኸኣ እዩ፡እቶም ዝኣመኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ብዅሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ነቲ ገንዘቡ እዚ ናተይ ኢዩ፣ ዝብል ኣይነበሮምን።” (ግብ. ሓዋ. ፬፥፴፪/432) ተባሂሉ ተጻሒፉልና ዘሎ።
ስለዚ፡ናይ ግሊ/ውልቂዝብል ኣምር፡ ምስ ናይ ምዕራባውያን ውልቀ ብልጽግናዊ ፍልስፍና ዝተኣሳሰር ደኣምበር፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሥነ ሓሳብ ኣይኮነን።

5 comments:

  1. ቃለ ሂወት የስምዓልና።

    ReplyDelete
  2. ቃለ ሂወት የስምዓልና።

    ReplyDelete
  3. Amen amen amen kale hiwet yesmealna

    ReplyDelete
  4. ቃለ ህይወት የስመኣልንቅ

    ReplyDelete