Wednesday 21 September 2016

ሠለስተ አእዋም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

ወዲ ዓሠርተው ሸሞንተ ዓመት ምስ መላእኩ፡ ካብ ሥድራ ቤተይ ብምፍላይ፡ ንሕሊናይ ጥራይ ኣኸቲለ ካብ ቤተይ ወፃእኩ። ሓሳበይ ነዚ ዓለም እዚ ብምብራቕን ብምዕራብን፡ ብሰሜንን ብደቡብን እናዞርኩ ንምርኣይ (ንምምርማር) እዩ። ብምብራቕ ክዘውር ከለኹ መራሒ ነይሩኒ፤ ብምዕራብ ከኣ ፍርቂ መንገዲ ብመራሒ ዞርኩ። ብሰሜንን ብደቡብን ግና በይነይ እየ ዝዘውር ነይረ። ሕሊናይ ጥራይ ስንቀይ ተሰኪሙ ይስዕበኒ ነበረ። ንሱ’ውን ሓደ ሓደ ጊዜስ ኃዲጉኒ ይኸይድ ነበረ።

ምርምር ናብ ትብሃል ዓዲ ክበጽሕ ቍሩብ ምስ ተረፈኒ፡ ሓደ ኦም ረኸብኩ። ጽላል እቲ ኦም ኣዝዩ ባህ የብል ስለዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽላል ብዙኃን ሰባት፡ እንስሳታት፡ ኣራዊትን ኣዕዋፍን ተኣኪቦም ኣዕሪፎም ነበሩ። ኣነ’ውን ኣብ’ቲ ጽላል ቍሩብ ኣዕረፍኩ። (መዝ. ፻፵፭፥፲፭-፳፩/146፥15-21)። ካብኡ ክነቅል ከለኹ፡ እቲ ዝመርሓኒ ዝነበረ ሰብ ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ “ስም እዚ ኦም ትፈልጦ ዲኻ፧” በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ኣንታ ጐይታይ፣ ከም’ዚ ዝበለ ኦም ርእየ ኣይፈልጥን እየ’ሞ፡ ስሙ ኣይፈልጦን እየ።” በልክዎ። “በል ኣነ ክነግረካ፤ እዚ ኦም እዚ እግዚአብሔር ይብሃል። እንተኾነ ግና መዓስ ከምዝበቘለ ዝፈልጥ ሰብ የልቦን። ኣብ ዘመን ኣቦታትና’ውን ከም’ዚኣ ኢሉ እዩ ነይሩ።” በለኒ። (መዝ. ፺፪፥፪/93፥2 ፡ ዮሐ. ፩፥፩/1፥1 ፡ ፩ ዮሐ. ፩፥፩)። ኣነ ኸኣ ኣዝየ ተደነቕኩ። ዘደነቐኒ ድማ ናይ ስሙ ነገር እዩ። ልሙዳትን ፍሉጣትን ኣእዋም ኣስማቶም ጠንቋሊ፡ ዛር፡ ሓሳዊ፡ . . . ዝብሃሉ እዮም። ካብ’ዚኣቶም ንጊዜኡ ዝጥዕሞን ተቐባልነት ዝረክብን ጠንቋሊ እኳ እንተኾነ፡ ፍሬኡ ግና ኣዝዩ መሪር እዩ። ካብ ፍሬኡ ዝለኸፈ ሰብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣይረክብን እዩ።

ካብ እግሪ’ቲ ኦም ነቒለ ነዊኅ መንገዲ ምስ ተጓዓዝኩ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ደው ኢለ ተገልቢጠ እንተ ኣስተብሃልኩስ፡ እቲ ዝረኣኽዎ ኦም ሠለስተ መሲሉ ተራእየኒ። (ማቴ. ፳፰፥፲፱/28፥19)። ተቐላጢፈ ኸኣ ናብ ምዕራብ ከድኩ። ኣብኡ ኮይነ እንተ ረኣኹ ድማ ፍጹም ሓደ መሲሉ ይረአ። መነጸረይ ኣውፂአ ተጠንቂቐ እንተ ረኣኹ ግና ቍሩብ ቍሩብ ሠለስተ መሲሉ ይረኣየኒ። (ዘፍጥ. ፩፥፳፯/1፥27)። ካብኡ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ኣቢለ ተዛወርኩ። ኣብኡ ኮይነ እንተ ረኣኹ ግና ሓደ ጊዜ ሠለስተ ሓደ ጊዜ ሓደ ኮይኑ ተራእየኒ። በዚ ኸኣ ኣዝየ ተደነቕኩ።

ካብኡ ምስ ኃለፍኩ፡ ዮሐንስ ተዓቃቢ ዝበሃል ሰብ ረኸብኩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኦም ዝፈልጥ እንተኾነ ሓተትክዎ። “ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኣዕሪፍካ ምስ ተንሣእካ ምድርን ሰማይን ዘይሮሙኻ ኣየስተውዓልካን ግዲ ኮይንካ’ምበር፡ እቲ ኦም ትሽዓተ እዩ” በለኒ። ኣነ ግና ስሒቐዮ መንገደይ ቀጸልኩ። ሓፂር መንገዲ ምስ ተጓዓዝኩ ንሰባልዮስን ንመሓመድን ረኸብክዎም። ብዛዕባ እቲ ኦም ዝፈልጥዎ ነገር እንተለዎም ኢለ ኸኣ ሓተትክዎም። “ተወጃቢሩካ እዩ‘ምበር፡ ንሱስ ሓደ እዩ። በዚ ፈጺምካ ኣይትጠራጠር።” በሉኒ። ኣነ ግና ስሒቐዮም መንገደይ ቀጸልኩ።

ብድኅሪ’ዚ ካብ ሰሜን ዝመጽኡ ዮሐንስ አፈ ወርቅ፡ ቄርሎስ፡ አትናቴዎስ፡ ጎርጎርዮስ ዝተባህሉ ሰባት ረኸብኩ። ብዛዕባ እቲ ኦም ከኣ ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ ተቐላጢፎም ምርዳእ ናብ እትብሃል ውሻጠኦም ኂዞሙኒ ኣትዮም ብዙኅ ኣዕለልና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ “ብዛዕባ እዚ ኦም እዚ መርሚሩ ዝፈለጠ ሰብ የልቦን። ስለዚ፡ “መርሚረ ክፈልጦ እየ” ኢልካ ኣይትድከም። ንሕና፡ “ብዛዕባ እዚ ኦም እዚ መርሚርና ክንፈልጥ ኢና” ኢልና ብዙኅ ደኺምና ነይርና ኢና። እንተኾነ ግና ከም’ዚ ንስኻ ዝረኣኻዮ ረኣና እምበር፡ ካልእ ዋላ ሓደ ኣይረኣናን።” በሉኒ። ካብኣቶም ቅድሚ ምፍላየይ ከኣ፡ “ጐይቶተይ፣ ነዚ ስለዝመኸርክሙኒ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ይኹን። ሕጂ’ውን ናብ ምብራቕ ገጸይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ በቲ ጥውይዋይ መንገዲ ምእንቲ ከይከይድ፡ መንገዲ ሓብሩኒ” በልክዎም። “ክፉእ ምርምር ንእትብሃል ከተማ ንጸጋም ገዲፍካ የማን ኂዝካ ኪድ” በሉኒ። ብድኅሪ’ዚ መንገደይ ቀጸልኩ። ሕሊናይ ግና ብቛንቋ ግእዝ፡ “ተነክረ አእምሮትከ በላዕሌየ፤ ጸንዐተኒ ወኢይክል ምስሌሃ” እናበለ መዝሙረ ዳዊት ይዝምር ነበረ። (መዝ. ፻፴፬፥፮/135፥6)።

ብድኅሪ’ዚ ናብ ምብራቓዊ ሃገር ከድኩ። ኣብ’ዚ ሃገር እዚ ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሐንስን ዝብሃሉ ሰባት ነጊሦም ይነብሩ ነበሩ። ናብኣቶም ዘይመጽእ ሰብ የለን። ኣነ’ውን ናብ ቤቶም ክኸይድ ከለኹ ኣብ ገምገም መንገዲ ሓደ ኦም ረኣኹ። እዚ ኦም እዚ ብቑመት፡ ብመልክዕን ብፍረን ነቲ መጀመርታ ዝረኣኽዎ ኦም ይመስል። (ዮሐ. ፲፬፥፱/14፥9)። ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኸኣ ቍሩብ ኣዕረፍኩ።
ብድኅሪ’ዚ ክኸይድ ተበገስኩ። ቍሩብ መንገዲ ከይደ ግልጽ ኢለ እንተ ረኣኹ ግና፡ እቲ ኦም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተራእየኒ። (ዕብ. ፪፥፱፡ ፲፬)። እዚ ኦም እዚ ከመይ እዩ ዝኸውን እስከ ንደቂ’ዚ ዓዲ ክሓቶም ኢለ ናብ’ታ ዓዲ ገጸይ ጐየኹ። ኣብ’ታ ዓዲ ከይበጻሕኩ ከለኹ ካልኣይ ጊዜ ግልብጥ ኢለ እንተ ጠመትክዎ ድማ ፍጹም ኦም ኮይኑ ተራእየኒ። (ዮሐ. ፲፥፴/10፥30)። ብድኅሪ’ዚ ግና ዝርእየኒ ሰብ እኳ ይስሕቀኒ ኢለ መንገደይ ቀጸልኩ።
እቲ መራሒ መንገደይ ዝነበረ ሰብ ቀዲሙኒ ኃሊፉ ነበረ እሞ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ ኣርከብክዎ። ስም እቲ ኦም ዝፈልጦ እንተኾይኑ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ፡ “ስም እዚ ኦም እዚ ብዙኅ እዩ፤ ኣማኑ ኤል፡ ክርስቶስ፡ ኢየሱስ ይበሃል።” በለኒ። (ማቴ. ፩፥፳፫-፳፭/1፥23-25)። “ፍረ ኣለዎ’ዶ፧” ኢለ ኸኣ ደጊመ ሓተትክዎ። “ከመይ ደኣ፤! ፍሬኡ እኳ ኣዝዩ ጥዑም። ካብ ዓመት ናብ ዓመት እዩ ድማ ዝፈሪ። ደቂ እዚ ዓዲ እዚ ብዘይካኡ ካልእ መግቢ የብሎምን። ካብኡ ዝበልዕ ንዘለዓለም ኣይጠምን እዩ።” በለኒ። (ዮሐ. ፮፥፴፭/6፥35)። ኣነ ኸኣ ኣዝየ ተደነቕኩ። ምኽንያቱ እቲ መግቢ፡ ካብ መግቢ ዓደይ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። (ዮሐ. ፮፥፶፰/6፥58)። መግቢ ዓደይ እንጌራን ሥጋ ከብትን እዩ። ንሱ ኸኣ ንግሆ በሊዕካሉ ንምሸት ዝኸውን ኣይርከቦን እዩ።
ከም’ዚ ኢለ እናተደነቕኩ ክኸይድ ከለኹ፡ ሓራጥቃ ዝበሃሉ ሰባት ተጓነፉኒ። ብዛዕባ እቲ ኦም ከኣ ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ፡ “ቀደም ናይ ብሓቂ ኦም ነይሩ። ሕጂ ግና ኦም ምዃኑ ተሪፉስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ እዩ።” በሉኒ። ኣነ ግና ስሒቐዮም ከድኩ። ቍሩብ ምስ ከድኩ ኸኣ ንኣውጣኪ ረኸብክዎ። ብዛዕባ እቲ ኦም ከኣ ሓተትክዎ። ንሱ ግና ናባይ ግልብጥ ኢሉ፡ “ጥዕና የብልካን ድዩ፧! ሰብ ምምሳል ካብ ዝገድፎ ክንደይ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፤! ሎሚ ደኣ እሞ ፍጹም ኦም ኮይኑ እንዶ ትርእዮ የለኻን፧!” በለኒ። ኣነ ግና ስሒቐዮ ከድኩ።

ድኅሪ’ዚ ከይሓሰብክዎ ሃንደበት ናብ ሰሜን ገጸይ ከድኩ። ኣብ ሰሜን ዘለዉ ሰባት፡ “ብዛዕባ እዚ ኦም እዚ ጽቡቕ ገይርና ኢና ንፈልጥ” እዮም ዝብሉ። ኣነ ኸኣ ናብኣቶም ከይደ ሓተትክዎም። እንተኾነ ግና፡ “ሓደ እዩ፤ ክልተ እዩ።” ዝብል ክርክር ኂዞም ነበሩ እሞ፡ ንዓይ ኣይተገደሱለይን። ክርክሮም መወዳእታ ስለዘይነበሮ ኸኣ፡ “ኣነ ኣብ’ዚ ተዓኒደ ድየ ክተርፍ፧” ኢለ ናብ ምብራቕ ከድኩ። ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ሰባት ከኣ ሓደ ከምዝኾነ፣ ኵሉ ጊዜ ድማ ኦምን ሰብን መሲሉ ከምዝረአ ኣረድኡኒ እሞ፡ ኣዝዩ ባህ በለኒ። (ማቴ. ፫፥፲፯/3፥17 ፡ ፩ ቆሮ. ፰፥፮/8፥6 ፡ ዮሐ. ፱፥፴፮-፴፰/9፥36-38)።
ኣብ ሃገረ ምብራቕ ናብ’ትን ናብ’ዝን ክመላለስ ከለኹ፡ ኣብ ሓደ ነፋሻ ቦታ ዝበቘለ ሓደ ኦም ረኸብኩ። እዚ ኦም እዚ ብምልምዑ ኮነ ብቘጽሉን ንውኁን ነቶም ኣቐዲመ ዝረኣኽዎም ክልተ ኣእዋም እዩ ዝመስል። ዝበቘለሉ ቦታ ብርኽ ዝበለ ስለዝኾነ ድማ፡ ንፋስ ናብ’ዝን ናብ’ትን የብሎ ነበረ።
ነዚ እናኣስተንተንኩ ክኸይድ ከለኹ፡ ንመቅደንዮስ ረኸብክዎ። ብዛዕባ እዚ ኦም እዚ ዝፈልጦ ነገር እንተለዎ ምስ ሓተትክዎ ኸኣ፡ “እዚ ኦም እዚ ኣደኒቑካ፧! ካብ’ዚ ዝበልጹ ክልተ ኣእዋም እንተ ትርኢ ነይርካ፡ ኣይምተደነቕካን። ምኽንያቱ እዚ ኦም እዚ ምስኣቶም ክወዳደር ከሎ ንእሽቶ ቈጥቋጥ ኣይኣክልን እዩ።” በለኒ። ኣነ ግና ስሒቐዮ ከድኩ።

ቍሩብ ኅልፍ ኢለ ገጸይ መሊሰ እንተ ጠመትኩ ግና፡ እቲ ዝረኣኽዎ ኦም ከም ርግቢ ክንፊ ኣውፂኡ ክበርር ረኣኽዎ። ብድኅሪ’ዚ እናተደነቕኩ መንገደይ ቀጸልኩ። ሕሊናይ ካብ ትግርኛ ዝያዳ ቋንቋ ግእዝ ይፈልጥ ነበረ እሞ፡ “ወመንፈስከ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ፤ ወበመንፈስ አዚዝ አጽንዐኒ። አይቴኑ አሐውር እመንፈስከ።” እናበለ መዝሙረ ዳዊት ክዝምር ጀመረ። (መዝ. ፶፩፥፲፩/52፥11 ፡ ፻፴፱፥፯/140፥7)።
(“ወዳጄ ልቤ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዝተጻሕፈ ናይ ብላቴን ጌታ ኅሩይ ወልደ ሥላሴ መጽሓፍ ዝተተርጐመ፤ ምዕ. 1, 2 &3)
(ትርጉም ብመምህር ሶሎሞን ወልዱ)

ሕቶታት፥
፩. ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ፡ ሠለስተ ኣእዋም ተባሂሎም ዘለዉ መነ መን እዮም፧?
፪. ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ሰሜን፡ ደቡብ፡ መራሒ ተባሂሎም ዘለዉ’ኸ እንታይ እንታይ እዮም ?


፫. ካብ’ዛ ጽሕፍቲ እንታይ ንመሃር፧?

9 comments: