Monday 5 September 2016

ታሪኽ አቡነ ሴትን-ገዳሞምን!

ሎሚ ስለ ኣቡነ ሴትን ገዳሞምን ዝምልከት ጽሑፍ ብውሑድ መጠን በታ ዘላትና ዓቅሚ ካብቲ በረኸቶም ምእንቲ ክንሳተፍ ንኣንበብቲ ከነቅርብ ክንፍትን ኢና። 

ኤርትራ ሃገርና ብጥንታውነተንን ቅድስነአንን ቅርስታተንን ዝፍለጣ ብዙሓት ገዳማት እትውንን ሃገር’ያ። እዘን ገዳማት እዚኣተን ነናተን ታሪኽ ዝውንናን፤ ብዝተፋላለዩ ቅዱሳት አቦታትት መናንያን መነኮሳት ዝተገደማ እየን። ዝተገደማሉ ክፍለ ዘመን ድማ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን- ክሳብ ዓሠርተ ሸውዓተ ክፍለ ዘመን ምዃኑ፣አብ ነፍሲ ወከፍ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይርከብ። ካብዚ ዝተጠቅሰ ዓመታት ጀሚረን መንፈሳውን ሃይማኖታውን ተልእኾአን ክልግሳን ከገልግላን ከም ዝጸንሓ እሙን ነገርዩ። እንተኾነ ሎሚ ብዝሐን ቀኒሱ፤ ታሪኸን ሃሲሱ፤ ይርከብ አሎ!   ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሕብሮ ብዝሒ ገዳማተ ኤርትራ ልዕሊ ፫፻/300 ይበጽሕ ከም ዝነብረ’  እዩ። ሕጂ ግና ዝበዝሓ ጥፉኣት ከም ዝኾናን ከም ዝዓነዋን ገሊአን`ውን ናብ ገጠር/ዓዲ ከም ዝተቐየራ ይፍለጥ! እዚ አዝዩ ዘሕዝንን ዘስደምምን ኩነት’ዩ። ሓንቲ ካብዘን ናብ ዓዲ ዝተቀየራ ገዳማት ገዳም ደብረ ሐዋርያት እያ።
ገዳም ደብረ ሐዋርያት (ዓዲ-ቂታ)  ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዘይደኮሎም ይርከብ። ናይዚ ገዳም’ዚ ጻድቅ አቡነ ሴት ይብሃሉ። ስም አቡኦም ተኣማኔ አግዚእ፤ ስም አዲኦም ከኣ ሥርወ ድንግል ይብሃሉ፤ ትውልዲ ዓዶም ትግራይ ወረዳ ቡር ኣብ ዝተባህለ ቦታ እዩ።  አቡነ ሴት ብመዓርግ ምንኩስና ካብ አቡነ ቴዎድሮ ስርሒብ ባይታ አድያቦ ተወልዱ። 
አብዚ ዝተሰምየ ቦታ ብ1444ዓ.ም፣ ብብሕትውና ክቅመጡ ከልዉ ንጉሥ ዘርአ ያዕቆብ ንሠራዊቶም ሕማም ተላገብ ስለ ዝወደኦም ብዙሕ ስለ ዝተጨነቁ፤ አብቲ ግዜ እቲ አቡነ ሴት ስሞም ኣዝዩ ገኒኑ፤ ቅድስናኦም አብ ቅድሚ ሰባት ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቁሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ኔሩ። ናይ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብን ሠራዊቱን ጭንቀት ዝተመልከቱ ገለ ሰባት ካብኣቶም፤ ንአቡነ ሴት ዝፈልጥዎም ንንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ አቡነ ሴት ዝብሃሉ ብቈዕ ጻድቅ ኣለዉ እሞ፣ንሶም ኣብዚ መጺኦም ጸሎት እንተ ዝገብርልና መድኃና ኔርና ምስበልዎ፣ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ነቲ ዝበልዎ ብእምነት ተቐቢሉ ኣስታት {፴/30} ዝኾኑ ሰባት ናብ  ኣቡነ ሴት ለኣኸሎም።

እቶም ልኡኻት ኣብ አቡነ ሴት በጺሖም መልእክቲ ንጉሥ ነገርዎም። ኣቡነ ሴት ከአ ብትሕትና እሺ ሐራይ እንተ ተካኢሉንስ ብምባል፤ ምስቶም ዓቀይቶት ተበገሱ ናብቲ ንጉሥ ዝነበሮ ከተማ ኣትዮም ምስ ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ተራከቡ። ብዛዕባ እቲ ዝተፀውዕሉ ጉዳይ ከኣ ተዛራረቡ። ብድሕሪኡ አቡነ ሴት ብዙሕ ጸልዮም ነታ ብምሕማም ተለቢዳ ዝነበረት ከተማ በርባዕተ መአዝን (ኩርናዕ) ባረኽዋ። ኩሎም እቶም ሕሙማት ድማ ሓወዩ፤ (መንክር እግዚአብሔር በላዕለ ቅዱሳኒኁ)፤ በቲ ዝተገብረ ተኣምር ንጉሥ ክድነቅ ከሎ፣አቡነ ሴት ብደመና ተነጢቆም ገዳሞም ተመልሱ። ንኻልኣይ ግዜ ከኣ ንጉሥ በእደ-ማርያም ብድሕሪ ዘርኣ ያዕቆብ ዝነገሡ እታ ከተማ ለይቲ ለይቲ ብምልእታ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ክትብህርርን ክትሃድምን ትሓድር ነበረት። ንጉሥ በእደ-ማርያም ከአ ዝገብርዎ ጠፊእዎም ተሸገሩ።
ካብ ወተሃደራት ዘርኣ ያዕቆብ ዝነበረ ነቲ ናይ ቅድም ዝተገብረ ተኣምራት ንንጉሥ በእደ-ማርያም ብሰፊሑ ምስ ኣዘንተወሎም ብሕቡእ ንኣቡነ ሴት ዘምጽኡሉ ልኡኻት ሰደደ።

እቶም ልኡኻት ኣብዚ አቀዲምና ዝጠቀስናዮ ገዳም ደብረ ሓዋርያት ምስ በጽሑ መልእኽቲ ንጉሥ ንኣቡነ ሴት ነገርዎም። አቡነ ሴት ድማ ብትሕትና ሐራይ ብምባል ምስቶም ልኡኻት ሓቢሮም ተበገሱ፤ አቡነ ሴት ንጉሥ በእደ -ማርያም ምስ ረኸብዎም ንጉሥ ኣዚዩ ተሓጎሰ። ኵሉ ጸበባኦምን ሽግሮምን ንኣቡነ ሴት ነገርዎም፤ አቡነ ሴት ከአ ምሉእ ለይቲ ናብ አምላኾም ክጽልዩ ሓደሩ። ምስ ወግሐ ኸኣ ነታ ከተማ እናዞሩ ብኣርባዕተ ማእዝና በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣እንዳ በሉ  ብመስቀሎም ባረኽዋ’ሞ ካብ ምብህራርን ምህዳምን ድኂና፡ ህድኣት ረኺባ ዝግ በለት።  ንጉሥ በእደ-ማርያም ከአ ብጸሎት ኣቡነ ሴት እንዳ ኣስደመመ፤ እንታይ ህያብ ክህቦም ወይ ድማ ከበርክተሎም’የ ኢሉ እናሓሰበ ከሎ ኣቡነ ሴት ከይተፋነውዎ ብሰረገላ ደመና(ከም ኤልያስ 2ይነገ2:11) ንገዳሞም ተመልሱ። ናይ አቡነ ሴት ቅድስናኦም  መመሊሱ ደመቐ፣ ገነነን ተወርየን። አቡነ-ሴት በቲ እዋን’ቲ ኣዝዮም ሽማግለ ነበሩ፤ መዓልቲ ሞቶም ምስ ኣከለ ንኣርድእቶም ጸዊዖም ኣነ ካባካትኹም ብሞት ክፍለ እየ። ንስኻትኩም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ሓሳብ ጽንዑ፤ ንሓድሕድኹም ተፋቀሩን ተጻዋወሩን። ነቲ ውዲት ሰይጣን ጸብእታቱን አጸቢቅኹም ፍለጥዎን ጉርሑሉን እንዳበሉ ባረኽዎም። 
ኣቡነ ሴት ከዊነ እሳት ስለ ዝበጽሑ ፲ ኣጻብዕ ኣእዳዎም ከም ጥዋፍ የብርህ ከም ዝነበረ ገድሎም ይነግር። ብዙኅ ገድልን ትሩፋተ ጽድቅ ፈጺሞም ብ24 ሕዳር /1474 ዓ.ም. አብ መበል /130 ዓመት ዕድሚኦም ዓረፈ።አብ ደብረ ሓዋርያ ዓዲ ቂታ ድማ ተቀብሩ። ኣብዚ ዝተቀብሩሉ ገዳም ካልኦት ዝተቀብሩ ቅዱሳን አቦታት አቡነ ማቴዎስ አቡነ ሮማኖስ ዝተባህሉ ይርከብዎ። ኣብ መቓብሮም ከኣ ማየ ጸሎት ስለ ዝፈልፈለ ብዙሓት ሕሙማት ካብኡ ተሓጺቦም ካብ ደዌኦም ይፍወሱን ይድኅኑን። 
ካብቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ አቡነ ሴት ዝተወልድሉ ልደትን፣ ዝሞትሉ ልደተ ጽድቆምን፤ አስኬማ መላእክት ዝደፍእሉ መዓልቲ ፳፬/24 ሕዳር አብ ሓደ ዕለት ምዃኑ እዩ። ገድሎም ከም ዝሕብሮ ኣገልግሎቶም ካብ ምድሪ ሓሊፉ - ምስ ካህናተ ሰማይ ምንባሩ፤ ዕረፍቶም ከኣ ካህናተ ሰማይ ኣብ ዝከብሩሉ ዕለት ምኳኑ እዩ፣ ዝገርም’ ዕጹብ- ግብሪ እዩ።
` ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፣ ንሱ ንብዙኃት ኣሕዋት በዂሮም ምእንቲ ኺኸውን ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም ንኣኣቶም ከኣ ጸውዖም፣ ነቶም ዝጸውዖም ንኣኣቶም ድማ ኣጽደቖም፣ ነቶም ዘጽደቖም ፣ ንኣኣቶም `ውን ኣኽበሮም`` ሮሜ829 - 30

……… ኲነታት  ገዳሞም ! 

ገዳም አቡነ ሴት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ገጠር ተለዊጡ ይርከብ ፤ ነባዪ አልቦ ኮይኑ ብካህናት ዓዲ ይግልገል አሎ። ገዳም ዝመሓደረሉ ትካል የብሉን። ክርስቲያናዊ መንነትና  በዚ መልክዕ’ዚ ይሃስስ አሎ ማለት’እዩ። ከመይ ታሪኽ  ዘይብሉን፤ ብዘይ ታሪኽ ዝነብርን ዋጋ የብሉን። ሰብ እንታይነት ትማሊ/ሕሉፍ  ፈሊጡ’ዩ ኣብ ሕይወት ሎሚ ከዓዪን ክስጉምን ዝክእል እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ግዜ አብ ጌጋን ዝንቡዕ መንገድን እዩ ዝነብር። ብምንታይ እሞ ክመሃር? ካብ ሕሉፍ ከይመሃር- ታሪኽ ሕሉፍ የብሉን። ታሪኽ ዘይብሉ ወለዶ ከምቲ ናይ ምዝካር ክእለት ዘይብሉ ሰብ’ዩ  ዝቁጸር። እምበኣር መንነት ሎሚ ንምፍላጥ ብዛዕባ ሕሉፍ ኣብ ምፍላጥ እዩ’ ዝምርኰስ። እዚ ስለዝኮነ  ኢና ሎሚ ገዳማትና እንዳ በልና ንምኻሓለን ዘሎና። 
ካልኣይ ሎሚ ቤተክርስትያና ብብርቱዕ ማዕበል ፈተና ምንፍቅና ትፍተነሉ ዘላ ግዜ እዪ። ነዚ ምንፍቅና ዓንዲ ማዕከል ኮይኑ ኣጽኒዑ ሒዙልና ዘሎ፤ ምእመናን ብሓደ ቃል ክንምልስ ዘክኣለና ሕሉፍ ታሪክ ቤተ ክርስቲያናንን ገዳማትናንን እዩ። እምበኣር እዚ እንዳ ሀለወ’ዩ ሎሚ ገዳማትና አብ ድኽነት ተሸሚመን፤ ኣገልገልቲ አምላኽ ዝምገብዎ ድራር ዕለት ስኢኖም ገዳም ገዲፎምም ዝስደዱ ዘለው። ሕዝብና ግን የቅልበሎም የሎን!  
ገዳም ደብረ ሓዋርያት ቅድሚ 300 ዓመት ምዕቡል ገዳም፤ብብዝኂ መነኮሳት ዝመልአ ውዕዉዕ ገዳም ከም ዝነበረ ይንገረሉ። 
እዚ ከኣ ብግዜ ኣዝማች ፍቅረየስ ምስሌነ ወረዳ ዛይድኣኮሎም’ዩ ዝከውን ዘሎ። ኣዝማች ፍቅረየስ ግኑን ኣመሓዳሪ ስለዝነበሩ ነዚ  ገዳም ዝመሐደርሉ ርስቲ ፈልዮም፤ ማይ እንዳ ህበይ ዝርእሱ መረብ ብቱ ዝእግሩ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ ብገዳም ደብረ ሓዋርያት ከም ዝውነን ፅኑዕ  ትእዛዝ ኣተሓላሊፎም መሰሉ ተሓልዩ ብዙሓት ገዳማውያን ደቂ ማኅበር ሐቒፋ ምዕቡል ምምሕዳር ከም ዝነበሮ ይትረኽ።  
እምበኣር በሓፈሻ ገዳማትና ናብቲ ንቡር ታርክ ንምምላስ ናይ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ሓላፍነትን ዕማምን ምኳኑ ክንስሕቶ አይግበኣናን። ቆላሕታ ሓገዝ ዘድልዮ ገዳማት እዮም’ሞ ተካፈልቲ ናይዚ በረኸት’ዚ ንምኳን በዚ አጋጣሚ እዚ፣ ነዚ በርኸት ተካፈልቲ ክትኾኑ መንፈሳዊ ዕድመ ነቕርብ! 

ጸሎትን በረከትን ናይ አቡነ ሴት ምስ ኩላትና ይኹን።  

1 comment:

  1. እዙይ ገዳም ግን ምስ ደብረ በኩሪ አብነሴት ገዳም ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓደ ድዩ ወይስ ካሊእ እዩ?

    ReplyDelete