Tuesday 23 August 2016

✔️ ኢራብ! ናብ ዓይኒ-ማያት ከም እትናፍቕ ኣነ ኸኣ ኦ ኣምላኸይ ንዓኻ ይናፍቕ ኣለኹ። (መዝ 42:1)🌹🌹🌿🌺🌺


ኢራብ! ናይ ነፍሲ ምሳሌ፣ ዓይኒ ማያት ድማ ናይ ቓል ኣምላኽ፣ ናይ'ቲ ካብ ሕቱም ድንግልና ዝተወልደ ወልደ እግዚኣብሔር ክርስቶስ ምሳሌ እዩ።


ስለምንታይ ብኢራብ ተመሰለ?
ሓተታ፦   ኢራብ ኣብ ግዳም፣ በረኻ ካብ ዝነብራ ምልኩዓት እንስሳታት ሓንቲ እያ። ነቲ ነዋሕቲ መሓውራን፣ ስጡም ኣካላታን ኣወሃሂዳ ካብ ናብ ክትነጥር ዝርኣየ ኣዝዩ እዩ ዝግረም። እቲ መቕባሕብሒን ዓሰርተ ግዜ፣ ግልጽ፣ ግልግ ዝብል ፈጣጥ ኣጣምትኣን ከኣ እሞ፣ መሊሱ እዩ ግርማ ዝውስኸላ።
ኢራብ! ብማዕዶ ክትርእያ ርግእቲ ኣይትመስልን፣ ኩል ግዜ ኣዒንታ ኣብ ሓለዋ ናይ ጸላእታ ምስ ተተኽለት እያ። እዚ ኩሉ ፈተናታት እንዳ ሃለዋ ግና፣ ንኹሉ ተጻዊራ፣ ዓይኒ ማያት ኣብ ዘለዋ ከይዳ፣ ካብቲ ዓይኒ ደኣ ትሰቲ እምበር ካብ ዝረኸበቶ ወሓይዝ ክትሰቲ ኣይትብህግን።
 ኢራብ ባህጋን ድልየታን ካብቲ ምንጭን፣ ናይ መጀመርታ ዘይወሓዘ፣ ዓይኒ-ማይ ክትሰቲ'ያ ትህንጠ፣ ከምኡ ድማ ትገብር። በዚ'ያ ድማ ብዙሕ ግዜ ካብ ዓይኒ ማያት ዘይትርሕቕ።

ኣንበሳ፦
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መሰረት ኣንበሳ፣ ኢራብ ካብ ዓይኒ ማያት ከም ዘይትፍለን፣ ካብኡ ጥራይ ከምትሰትን ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ንዓኣ ንምህዳን፣ ጥምየት ኣብ ዝስምዖ ተሓቢኡ ናብ ዓይኒ ማያት ይግስግ። ዓይኒ ማያት ዘለዎ ምንጪ የናዲ። ኣብኡ ኣድብዩ ብምጽናሕ፣ ኢራብ ናብ'ቲ ማይ ትሰትየሉ ምንጪ ምስ ገስገሰት እቲ ኣመለኛ ጸላኢኣ ሓደጋ ይወድቃ።

ነስተውዕል፦  ኢራብ እዚ ከም ዘጋጥማ ኣጸቢቃ ትፈልጥን ትርዳእን እያ። ፈታኒ፣ ቀታሊ ኣንበሳ ከም ዝረኽባ ትፈልጥ እያ። እንተ ኾነ ካብቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ድልየትን፣ ሓቒቕን፣ ካብ ዓይኒ-ማያት፣ ማይ ናይ ምስታይ ባህጋን ስለ ዘይዓቢ፣ ወትሩ ነቲ እትናፍቖ እያ እትነብር።

እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘዘርናዮ ሓተታ፣ ምስ'ዚ ዝስዕብ ነመሳጥሮ።

ኢራብ! ናይ ነፍሲ ምሳሌ፣ እቲ ጽሩይ ማይ፣ ናይ (ቃል ኣምላኽ) ክርስቶስ፣ ቅዱስ ቁርባን) ምሳሌ፣ እቲ ማያት ዝምንጭወሉ ዓይኒ ድማ ናይ ድንግል ማርያም ፍቅሪ፣ ናይ ቤተ-ክርስትያን ምሳሌ እዩ። ኣንበሳ ድማ ናይ ሰይጣንን (ፈተና)ምሳሌ እዩ።

ነፍሲ! ድሌታን ጽምኣን ባህጋን ክርስቶስ ክኸውን ከሎ፣ ናብኡ ንምቕራብ ድማ ቃል ኣምላኽ ብምምሃርን ቅዱስ ቁርባን ብምምጋብን ከተርውዮ ትደሊ። ኩል ግዜ ድማ ካብ ዝረኸበቶ ወሓይዝ ኣይትሰትን ኣይትምገብን። ቃል ኣምላኽ (ቅዱስ ቁርባን) ኣብ ቤተ-ክርስትያ
ጥራሕ ስለ ዝርከብ ንዕኡ በሊዓ ምስ ኣምላኽ ክትነብር ትህንጠን ትጽዕርን።

እቲ ኣንበሳ ዝተመሰረ ሰይጣን (እንሆ ክውሕጦ ከም ዝደለየ ኣንበሳ ኣብ ዙርያኹም ኮይኑ ይጋዝምኣሎ። 1ይ ጴጥ 5፣8) ከም ዝተባህለ፣  ነፍሲ! ነቲ ንቅዱስ ቁርባን በሊዓ ብእኡ ተደሲታ ከይትዓግብ ዝፈታተና፣ ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያንን ከባቢ ቅዱሳን መካናትን፣ መንፈሳዊ ተመሲሉ፣ ኣገልጋሊ ኮይኑ፣ ኣብ ሰባት ሓዲሩ ብሰንኪ ፈተና ካብ ቤት-ኣምላኽ ከርሕቓ ዝህቅን ሰይጣን እንዳ ረትዐት ትነብር።

ከምቲ ኢራብ ንስለ ባህጋ ክትብል ኣንበሳ ኣብኡ ከም ዝጸንሓ እንዳ ፈለጠት፣ ኪኖ ጸላኢ ንባህጋ ንዓይኒ ማያት ዝጠመተት። ኣነ ድማ ጎይታየ ከምኡ ኪኖ ፈተና ጸላኢ ንዓኻን ነቲ ጽባሕ እተውርሰኒ መንግስትን እንዳ ጠመትኩ፣ ጸላኢ፣ ፈታኒ፣ ኣብ ዝበዝሖ ስፍራ'ኳ እንተ ኾነ፣ ንዓኻ ይናፍቕ ኣለኹ ክንብል ይግባእ።

እምበኣር ክቡራት ወገናት ሎሚ ድማ ንሕና፣   ፦ከምቲ ኢራብ! ምስ'ዚ ኹሉ ፈተንኣ፣ ንዓይኒ ማያት ዝናፈቐት። ኣነ ድማ ጎይታይ ኪኖ ናይ ሰይጣን ፈተናን፣ ናይ ለይቲ ግርማን ንዓኻ ንብርሃነይ ይናፍቕ ኣለኩ ንበሎ።

DM መሪሕ ጠዓመ
ግንቦት 25, 2016

No comments:

Post a Comment