Monday 2 May 2016

ዓርቢ ስቅለትን በዓለ ማርያምን ብሓደ ምስ ዝውዕሉ ይስገዶ ኣይስገድን? ይስገድ እምበር -እስኪ ኣረድኣኒ

ካብዞም 9 ዓበይቲ በዓላት ድማ እቶም ኣርባዕተ ማለት ልደት፡ ጥምቀት፡ ስቅለትን ትንሳኤን ዝለዓለ ክብሪ ኣለዎም። ካብዞም ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ማለት ልደት፡ ጥምቀትን ትንሳኤን ዓበይቲ ናይ ፍስሐ ዕለታት ብምዃኖም ብመብልዕን መስተን ሓጎስን፡ ለይቲ ድማ ብማህሌት ብቅዳሴ ዝኽበሩ እዮም። ካብ ዕቤቶም ዝተላዕለ እዞም ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ጾመ ረቡዕን ዓርብን እኳ ከይተረፈ ናይ ምስዓር ስልጣን ኣለዎም። ልደትን ጥምቀትን ዓርበ ረቡዕ ምስ ዝውዕሉ ይብላዕ እዩ። ትንሣኤ ዋላ እኳ ሰንበት ዝውዕል እንተኾነ ነቶም ኣብ ድሕሪኡ ዝመጻ ሓምሳ ዕለታት ዝርከባ ዓርበ ረቡዕ ስዒሩ ከም ዝብለዓ ይገብረን። 
ኣብዘን ዓበይቲ በዓላተ ወልድ በዓላተ ቅዱሳን ምስ ዝድረብ፡ እተን በዓላተ ቅዱሳን ዝኽር ጥራይ ይግበረለን እምበር ብዓቢይነት ዝኽበርሲ ናይ ጐይታ በዓል እዩ። ንኣብነት ሎሚ ዓመት ትንሣኤ ምስ በዓለ ዕረፍት ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተደሪቡ ዝውዕል እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ዕለት ከም ካልኦት ዕለታት ታቦት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣይወጽእን፡ ዑደት ኮነ ንግሥ ኣይግበረሉን። እዚ ዝኾነሉ ስለ ዘይጥዕም ጥራይ ኣይኮነን፡ ስለ ዘይግባእ እውን እዩ። ስለዚ ድሕሪ ትንሣኤ ኣብ ዘሎ ኣብ ሓዲኡ ዕለት ይኽበር እምበር ኣብ ዕለተ ትሳሣኤ ዝኽበርሲ ናይ ጐይታ ትንሣኤ ጥራይ እዩ። ስለዚ እዘን ሰለስተ በዓላት ንዝኾነ ሓዘን ኮነ ጾም ኮነ በዓል ኮነ ናይ ምስዓር ሥልጣን ኣለወን ማለት እዩ። 
ብተመሳሳሊ መገዲ ዓርቢ ስቅለት እውን ብወገኑ ከምዞም ልዕል ኢልና ዝረኣናዮም ሰልሰተ ዓበይቲ በዓላት ብዙኃት ዝስዕሮም ነገራት ኣለዉ። እቶም ሰልሰተ ጾም ይስዕሩ ከም ዝበልና፡ በዓለ ስቅለት ድማ ነታ ብዝኾነ ምኽንያት ጾም ተጸይምዋ ዘይፈልጥን ካብ ዓሰረተ ትእዛዛት ሓንቲ ዝኾነትን ቀዳሚት ሰንበት (ቀዳም) ስዒሩ፡ ካብ ሰንበትነት ኣውጺኡ፡ ናቱ ጾም ኣውሪሱ ከም ትጸውም ይገብራ። ስማ ኣቀይሩ ቀዳም ስዑር(ዝተሳዕረት ሰንበት) ከም ትብሃል ገይሩ ንክትጸውም የገድዳ። ስለዚ በዓለ ስቅለት ብመሰረት ቅደም ተከተል ክብረ በዓላት ፍትሐ ነገሥት፡ ነታ ካብ ዓበይቲ በዓላተ ወልድ ቀጺላ እትኽበር ሰንበት ካብ ሰዓረ፡ ዓርቢ ስቅለት ዘይስዕሮ ዝኾነ ይኹን በዓል ክህሉ ኣይክእልን ማለት እዩ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ በዓልት ካብ ዕብየቶምን ታሪካዊ ደረቶምን ለይቲ ከም ዝቅደሱ፡ በዓለ ስቅለት ድማ ብኣንጻሩ ዝኮነ ዓይነት በዓል ይደረቦ ቅዳሴ ኣይቅደስን። ንኣብነት ናይ ሎሚ ዓመት በዓለ ስቅለት ምስ በዓለ ማርያም ስለ ዝገጠመ ይቀደስ ኣይበሃልን። እቲ ዝኽብር እቲ ዝዓብዮ ናይ ጐይታ ስቅለት ስለዝኾነ እዩ። ይትረፍዶ ምስ ወርሓዊ በዓለ ማርያምሲ፡ ምስቲ ካብቶም 9 ዓበይቲ በዓላተ ወልድ ዝኾነ በዓለ ትስብእት(ጥንሰት -29 መጋቢት) እኳ እንተዝድረብ ንስቅለት ኣቀዲምካ ብጾምን ስግደትን ይኽበር። ስለዚ ስቅለት ከምቶም ብጾቱ ዝኮነ ልደት፡ ጥምቀትን ትንሣኤን ንካልኦት ይስዕር እምበር ብካልእ ኣይሰዓርን። እንኳን ርእሱ ከድፍር ባዕሉ ንሰንበት(ቀዳም) ከይተረፈ ዝስዕር እዩ።
ስለዚ ይትረፍዶ ኣብ ዓርቢ ስቅለትሲ፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕለት ከይስገድ ዝኽልኽል ዝኾነ ይኹን ዓይነት በዓል የሎን፡ ክህልውውን ኣይክእልን እዩ።

3 comments:

  1. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  2. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  3. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete