Wednesday 20 April 2016

+++ ማርያም ጥዋለት - ምጽዋዕ +++

በስመ አብ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

ወደብ ምጽዋዕ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ፣ ማእከል ንግድን መራኸቢት ዝተፈላለዩ ሕዝብታትን ከም ዝኾነት ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝተሠወረ ኣይኮነን። እዛ ወደብ እዚኣ ኣብ 1900ታት ዓመተ ምሕረት ዋላ’ኳ ኣስታት 3000 ዝኣኽሉ ክርስቲያን እንተ ነበሩዋ፡ ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ጓል ኣብ ሰማንያ መዓልታ ዘጠምቑላ፣ ተኣኪቦም ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙላ፣ ቅዱስ ቍርባን ዝቕበሉላ፣ ዝፍትሑላን ዝቕበሩላን ቤተ ክርስቲያን ግና ክውንኑ ኣይከኣሉን ነበሩ።

ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ቢዘን ብመንገዲ እቶም ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ አበ ምኔት እቲ ገዳም ዝነበሩ መምህር ዓምደ ማርያም ክሳዕ ሮማ (መንግሥቲ ጥልያን) ኣመልኪቶም ነበሩ። መሥርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን መሬት ምስ ተዋህቦም ከኣ ንኽሠርሑዎ ብዙኅ እምኒ ኣከቡ። እንተ ኾነ ግና እቶም ደቀ-ባት ምጽዋዕ ኢና ዝብሉ ሰባት ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ተሰናኸለ።


እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ መምህር ዓምደ ማርያም ኣብ ወርኂ ጥቅምቲ 1923 ዓ. ም. ምስ ዓረፉ፡ ኣብ ወርኂ ጥሪ 1923 ዓ. ም. እቶም ብመንፈሳዊ ትምህርቶምን ናይ ምኅደራ ክእለቶምን ተጠቃሲ ደረጃ ዝነበሮም ኣባ ገብረ አምላክ (ብፁዕ አቡነ ማርቆስ) አበ ምኔት ገዳም ደብረ ቢዘን ኮይኖም ተሸሙ።

መምህር ገብረ አምላክ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ምሕናፅ ቤተ ክርስቲያን ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣጥቢቖም ብምኃዝ እንደገና ኣበራቢሮም ክሳዕ ሮማ ጸሓፉ። እወታዊ መልሲ ደብዳቤኦም (ፍቓድ ምሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ንኦርቶዶክሳውያን ተቐማጦ ምጽዋዕ) እኳ እንተ መጽአ፡ ሕጂ እቶም ተፃረርቲ፡ “ኣብ መሬት ቦታ ኣይንህብን ኢና፣ እንተ ደልዮም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ይሥርሑ፤” ክብሉ ኣቕበጹ።

በዚ ኃዚኖም ካብ ውሽጢ ምጽዋዕ እናተመለሱ ከለዉ ግና፡ ክልተ ሕፃናት ኣብ ከባቢ ስጋለት ቀጣን (ንውሽጢ ምጽዋዕ ክትኣቱ ከሎኻ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ንየማን ወገን ኣብ ዘሎ ገምገም ባሕሪ ኣጕዶ ኣጕዶ ክጻወቱ ጸንሑዎም እሞ፡ “እንታይ ደኣ ትሠርሑ ኣሎኹም፧” ምስ በሉዎም፡ “ማርያም ጥዋለት” ኢሎም መለሱሎም። መምህር ገብረ አምላክ ድማ እግዚአብሔር በዞም ሕፃናት ገይሩ ይዛረቦም ከም ዘሎ ተረድኡ እሞ፡ ኣብኣ ቤተ ክርስቲያን ማርያም ጥዋለት ክትሥራሕ ከም ትኽእል ሓሲቦም ጕዕዞኦም ቀጸሉ።

ብድኅር’ዚ ኦርቶዶክሳውያን ተቐማጦ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ድማ፡ “እንቋዕ ጥራይ ኣብ ባሕሪ ክንሠርሕ ፈቐዱልና እምበር፣” ኢሎም፣ ብሓድነት ተጠሚሮም ኣብ 1928 ክሠርሑ ጀመሩ። ኣብ ማእከል ባሕሪ ሓፃውን እናተኸሉ ኣብ ልዕሊኡ ጣዋሉ እናረበቡ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርብዓ መዓልታት ቤተ ክርስቲያን ኣእከሉ።

በዚ ኸም’ዚ ድማ ዘመነ መግዛእቲ ጥልያንን እንግሊዝን ኣኅሊፋ ን18 ዓመታት ኣብ’ ልዕሊ ባሕሪ ኮይና ኣገልግሎታ ክትፍጽም ጸንሐት። መግዛእቲ ኃይለ ሥላሴ ምስ መጽአ ግና ኣብ’ዚ ሕጂ ዘላቶ ቦታ መሬት ተዋሂቡዋ ኣብ 1945 ዓ. ም. ዘመናዊ ሕንፃ ክትሥራሕ ጀሚራ፣ ኣብ 1946 ዓ. ም. ድማ ተዛዘመት እሞ፡ ናብኣ ተሰጋገረት። ክሳዕ 1997 ዓ. ም. ድማ ኣብ ትሕቲ ገዳም ደብረ ቢዘን ክትመኃደር ጸንሐት።

መምህር ገብረ አምላክ ድማ ነዚኣ ምስ ፈጸሙ ድኅሪ ክልተ ዓመታት ብፁዕ አቡነ ማርቆስ ብዝብል ስም ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ ኮይኖም ተሸሙ።

ኣቦታትና ብኽንደይ ገድሊ  ኣብ ዘጽንሑልና ሃይማኖትን ቤተ ክርስቲያንን ይጽንዓና።

ምንጪ፦ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ባጽዕን ታሪኽ ብፁዕ አቡነ ማርቆስን፣ ብመምህር ክንፈ ርግብ ማርቆስ፣ 2001 ዓ. ም.

No comments:

Post a Comment