Tuesday 1 March 2016

ሰናይ፡ ኣብ 3ይ ነጥቢ፥ ውሳኔ-ተሓድሶ -ግን - ንምንታይ?

በስመ ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ። ኣሜን!!!
````````````````````````````````````````
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ጉጅለ ተሓድሶ መናፍቃን ከምዛ ክምህርሉ ዘይከረሙ ኣብ ሎሚ በጺሖም" ድንግል ማርያም ጥንተ-ኣብሶ ኣለዋ" ዝብል ክሕደቶምን ስእሊ ስላሴ ኣየድልን ዝብል ድፍረቶምን፡ ኣቡነ-እንጠንዮስ  ክሳብ መንበሮም ዝምለሱ ኣብዘለዎ ተወንዚፉ ክጸንሕ፡ ውሳኔ ኣመሓላሊፎም። 

ካብቲ ዝገርም ግን ኣየናይ ሲኖዶስ ዝወሰኖ ድዮም ደኣ ኣፎም መሊኦም ክምህርሉ ጸኒሖም? ሕጂስ፡ እንታይ ሓዱሽ ነገር ስለ ዝተረኽበ፡ ጠጠው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም? ይገርም!
እቲ ብቀይዲ በተኽ፡ እንታይ ኣለዎ ብማለት፡ ኣብ ዘሓለፍዎ መውጽኢ ኣፎም ዝነበረ "ቅድስት ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣለዋ ዝብል ብዕሉግ ኣስተምህሮኦም፡ እንተስ ኣሕፊርዎም - እንተስ ሕቶና ከቢድዎም፡ ሎሚ ኢዶም ሂቦም ጠጠው ይበል፡ ይብሉ ኣለዉ። 

እግዚኣብሔር መመሊሱ ኣዕይንተ ልበንኦም ይብርሃዮ! ነዚ ሎሚ ጠጠው ኣቢሎሞ ዘለዉ፡ ጽባሕ ከነስተምህሮ ዝጸናሕና ትምህርቲ ክሕደት እዩ፡ ኢሎም ናብ ንስሓ ገጾም ክመጹ፡ ነቲ ደርቢዮሞ ዝኸዱ መስቀል፡ ጽዋዕ ፈትና ክኽእሉ፡ ነቲ መርዛም ኣስተምህሮኦም ገዲፎም ኣብ ቤት ኣቦኦም ክምለሱ  እግዚኣብሔር ይርድኣዮም።

 ከም ቃኤል፡ እግዚኣብሔር ዘይሰምሮ፡ ብእንታይ ኣለዎን ብይመስለንን ንእግዚኣብሔር መስዋዕቲ እንተ ኣቀረቡ፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?  እግዚኣብሄር ኣይሕጎሰሉ፡ ነፍስፍ ኣይትዓግበሉ። ፍጽሜኡ'ስ ሓውኻ ምቅታል'ዶ ኣይኾነን?!! እምነ ቃኤል ዓሰርተ ሻዕ ከተዋጣውጥ ከላ ኣይተሰወረትናን እኾ።

ስንኪዚ እኳ'ዩ፡ ሎሚ ፍርሓት እግዚኣብሔር  ካብ ኣገልገልቲ፡ ካብ ምእመናን ከሓስስ ዝኸኣለ። ካብዚ ዝዓቢ ጥፍኣት ኣሎ? እቲ ቀደም ዘመን ብድሓኑ ህዝብና 'ኣምላክን፡ ነውርን፡ ቤተ-ክርስቲያንን' እንተደኣ ኣስሚዕኻዮ ፍርሓት'  ኢኻ ኣብ ገጹ ትንብብ ዝነበርካ። እዚ ንሕና ንኡሳን ዘርከብናሉ ሓቂ እዩ። እንተ ሎሚ ጋዶ። 

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ሓደ ንሰብ ቤተ-ክርስቲያን ንኪድ እንተዳ ኢልኻዮ- እንዳ ምንታይ እዩ? ይብለካ። እንዳ ተቀወምቲ ድዩ፡ እንዳ ደገፍቲ? ተቃወምትን ደገፍትን -ናይ ምድራዊ መንግስቲ ንማለት እዩ። ቤተ ኣምላክ፡ ቤተ-ክርስቲያን ከመይ ቢሉ እንዳ ተቃወምትን ደገፍትን ኽከውን ይኽእል?!!  ብርግጽ- ብስልጠና ሰይጣን ' ዝሰይጠኑ ፖለቲከኛታት፡  ዓሌትኛታት፡ ወገናውነት ዓዳውነት ዝጠለፎም፡ ክርስቲያናዊ ሕይወት ብስሩ ዝሰሓትዎ፡ ኣብቲ ቤት ኣምላክ ዘገልግሉ ' መደንግጻን ኣብዚ ሎሚ ግዜ ውሑዳን ኣይኾኑን እንተዘይበሖም እኳ። ይኹን ደኣ እምበር ሃይማኖት ዘቀይር፡ ኣተሓሳስባ ዘቀይር ኣይኾነን። ካብ  ቅድስት 'ተዋህዶ ' ሃይማኖት ፈልዩ ኣብ ተሓድሶ ዝእቱ ኣይኾነንን ብሓቂ! እዚ ፈተና'ዚ ማእል ዘሕለፈ ፈተና እዩ። ብጽንዓተ ሃይማኖትን ብጾምን ጸሎትን ዝፍታሕ ኣንቀጽ ድማ እዩ።

እዚ ተቃዋምን ደጋፍን ዝብል ሓሳብ  ካበይ ተፈጢሩ እንድሕሪ ደኣ ኢልና፡ ካብቶም ኣገልገልቲ፡ መራሕቲ ሕዝቢ እዩ። ሕዝብና ውልቀሰብ ስለዝርኢ እቲ ኣጋልጋሊ( ካህን) እንድሕሪ ደኣ ተቃዋሚ ኾይኑ። እታ ቤተ-ክርስቲያም "እንዳ ተቃወምቲ ትጽዋዕ" - ደጋፊ እንተኾይኑ'ውን ከምኡ። ብፍላይ ኣብዚ ምድረ ኣውሮጳ። 
ሓደ ሓደ ሓላፍኖቶም ዝዘንጉዑ ካህናት'ውን ኣለዉ፡ መክደኒ ዘይብሎም፡ ፖለቲካ፡ ዓለት፡ ወገን፡ ሃይማኖት ዝተዋጃበሮም ። ሕሉፍ ሓሊፎም ነቶም ዝመስልዎም፡ ውዳሴ ማርያም ከይ ኣምሃሩ ዲቊና ዘውሕቡ። በዓል ክስቶ ከኣ እንታይ ግዶም - ኣብ እግሪ ጳጳስ ውዲቅካ ክህነት ሃቡና ምባል ኣበይ ከይሓምቁ ምስ ተቀበሉ ድማ ናይ  መላለዪ picture ኣብ ገጽ-መጽሓፍ ይዝርግሑ።  ካብቲ ዝገርም ዘገልግልዎም ምእመናን ዘይፈልጡ ምኳኖም እዩ። (ተሓቢአ ይጠንሶ'ሞ ዝዓይነት) ክህነት ካብ  ኢትዮጲያ ጳጳስ ይምጻእ፡ ግብጺ ጳጳስ ብዘየገድስ፡ ጥራይ መስቀል ይጨብጡ፡ ወይ ግሩማን!! እዛ መስቀል ንምንታይ ይሕዝዋ  ዝተፈልጠ እዩ፡ ፖለቲካዊ ሕማሞም ንምርዋይ። ክህነት ዘውስድ መለክዒ'ሞ ኣልቦ፡  ኣረ ገለ ገሊኦምስ … … … …ዋእ፡ ዘረባ'ዶ የምልቕ ኣለኹ ደቀይ*!  ከላስ+ ንዚሔር ክገድፎ። እቲ ዕላማኦም እዚ ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን (እንዳ እከለ - እንዳ እከለ) ይብሃል ኣሎ። ሕማቕ ስማዕ!

ቤተ ክርስቲያን ግን!! ብስርዓት፡ ብደንብን ብጽኑዕ ዝኾነ ሕገ ኣምላክ ትምራሕ ነቀፋን ዕጣርን ዘይብላ ቤት'ያ- ንዂሉ ድሕነት ንዝደለሊ ዝተኸፍት በር ኣለዋ። ባእስን ፍልልይን ዘይብላ መካነ-ሰላም እያ። ኣብዛ ቤት እዚኣ ኣትዩ ቤላቤሎ ዝጻወት 'ሰብ፡ ኣሌ-ሎቱ! 

**
ሓደ ግዜ ሓደ መንእሰይ እንታይ ይብለኒ፡ እዚ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደገፍቲ ድዩ? ኣነ ከኣ ብከመይ ይብሎ'ሞ። እዚ ዘጠምቕ ዘሎ ሰብ ጩው ዝበለ ናይ ህግደፍ ካድረ'ዩ ይብለኒ። ንሱ ክኸውን ይክእል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ናይኹሉ እያ፡ ዮምኽን ጽባሕ ሓደ ተቃዋማይ የጠምቕ ይኾን ኢለዮ-ይብለኹም።
 ኣበሃህላኡን ኣተሓሳስባኡን ናይዚ  መንእሰይ ተመሊሰ ኽሓስቦ ከለኹ፡ ድንጹው ይብለኒ፡ እንድሕር ደኣ ደጋፊ ወይ ተቃዋሚ ኽጥመቀሉ ዘይክእል ኾይኑ- ቤተ ክርስቲያን መንሒዛ ምተረፈት ኣብዚ ሎሚ እብል። ኲሉ ዶክቶር  ዘይብሉ ሕሙም ዶ ኣይኾነንን?፡ ሰብ ግን፡ ፍቅሪ ኣምላክ ገዲፉ ወልቀ-ሰብ ኽጥምት ዝከኣለ ንምንታይ እዩ?! ሰሪ እዚ' ኩሉ  ሰይጣናዊ ኢድ ተሓድሶ ዝለዓለቶ፡ ምኳና መን ይዝንግዖ?
---
  "ተሓድሶ" ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዘይፈትዉ ኣብ ዝሓለፍዋ ዓዲ ወይ ሃገር" እዞም እንዳ'መንዶ'መንዶ  ደገፍቲ እዮም፡ ብማለት መናእሰያት ካብ ደምበ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝርሕቚ ገርኻ፡ ኣብ ፈቀዶ ኣዳራሽ ፖሮቴስታን ንምስላፍ ስለ ዝኾነ ዕላማኦም። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽፍጠር ዝገበርዎ ጎስጓስ ቀሊል ኣይኾነን። ጎድኒ ጎድድኑ  ክሕደትን፡ ተፋልሶ ትምህርተ ሃይማኖትን ብምንዛሕ። ክብሪ ቤተ ክርስቲያን፡ ክብረ-ክህነት፡ ክብረ መስቀል … ካብ ምእመናን ከምዝጠፍ ዝገበሩ ተሓድሶ እዮም። እዚ ድማ ዕላማኦምን ንጹር መለለዪ መንነቶምን እዩ።

 ቅድስተ ቅዱሳን፡ ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ኣዳማዊ ሓጢኣት ኣለዋ፡ ስእሊ ስላሴ ኣየድልን፡ ዝብል ዝንቡዕ ትምህርቶም ውሑዳ ካብቲ ኽሕደታቶም እዩ። ወዮ' ደኣ ሰብ ሎሚ ንሃይማኖቱ ብፖለቲኻዊ መምዘኒ ስለ ዝሪኦ ክሕደቶም ስለ ዝይምርምሮ ኾይኑ እምበር 'ኽንደይ ክርዳድ እንድዮም ኣብቲ ጽሩይ ስርናይ ዝዘርኡ ዘለዉ። ሎሚ፡ ግና ሰብና ግዲ ነቚሑ! ክሓቶም ጀሚሩ'፡ ሓያል ፈተና'ውን ኣይሰገሩን ሓቂ ዘረባ፡ ኣብ ዝሓለፍዎ ነታሓንሳብ ዘውጽእዋ' ቃል ከማካን'ዩ።

 ስለዝኾነ እንሆ፡ ሎሚ ሓውሲ ብስራት 'ኣቊሞሞ' ግን፡ ስለምንታይ? ! ክቕምዎ ከለዉ ግን ኣይውዑይ  ኣይዝሑል እዮም ጌይሮሞ። መንፍቅና  ማለት እኾ እዚ  እዩ። ተጣራጣሪ፡ ፍርቂ ፍርቒ፡ ኣብ ኽልተ ሓሳበ-ገረብ ኽሓኲር ዝፍትን ማለት እዩ። ስለዚ ተሓድሶ ካብ ኽሕደት -ናብ መናፍቕና  ምምጻእኹን፡ ደሓን፡  ትነኣዱ ኢኹም!

ግን /ጥንተ ኣብሶን ፥ ስእሊ ስላሴን/ ጥራይ ድዩ ካብና ዝፈልየኹ? እቲ ንከይንበብ ዝተኣገደ ተኣምረ ማርያም'ከ? ብሃጺሩ ገድላት ድርሳናስ ኣበይ'ዶ ተኣምንሉ ኢኹም?! ክርስቶስ የማልድ ዝብል ዝንቡዕ ትምህርትኹም'ከ?  ኪዳነ-ምሕረት ዝብል ስም ንድንግል ማርያም ኣይውኽል እትብልዎ'ከ? እቶም ሰዓታት ዝብሃል ምጽሓፍ ክሕደት ኣለዎ ዝብሉ ደቕኩም 'ከ' እንታይ እዩ ጉዶም? ብሓጺሩ እቲ ትፈልጥዎ እንፈልጦ ዝተረፈ  ኲሉ ከ? ? ?
 ኦ ዝርዋነ ሃይማኖት፡ ሓለፋ ትማሊ 'ክሕደትኹም' ሎሚ ስለ ዝተኣመንኹምሉ ነመስግነኹም ኢና።

እቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን 'ከ' ከመይ እዩ ኽከውን? እቲ ቚራዕ ተሓድሶ ንብሎ፡ ጸሊም ቆብዕኹም። ገዲፍኹም ግርማ ቤተ ክርስቲያን - ነጸብራቕ መንነትናን ዝኾነ፡ ጻዕዳ ጥምጥም ክትጥምጥምዎ ዲኹም? እቲ ጸሊም ክዳንኹም 'ከ'?  እቲ ዋና ልብሲ፡ ኣኽሊል ቤተ ክርስቲያን 'ከ'? በሓጺሩ ኲሉ እቲ ተሓሲምኩሞ ዝነብርኹም፡ ኩሉ?

እታ ሓሳዊት መልሓስ'ስ!? ደብረ ኣቡነ ኣንበስ እክንብሎም፡ ደብረ ኣቡነ ነብሪ' ዝብሃል 'ከ' ኣሎዶ፡ ኢሎም ዝዋዝይዎ ደቕኩም፡ ነውሪ ይቑም ኢልኹም ዘይትውስኑሎም ንምንታይ? ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ጾም? ወብ-ሳይት ዘይተረጋገጸ ውጹእ ሓሶት ካብ ምሕንጣጥ ከተዕርፍ 'ዘይተቊምዋ? ካብ ዲያቆን እከ፡ ኣቶ እከለ። ካብ ብጹእ ጳጳስ፡ ኣባ እንዳ በለት' ኡነት ትቀብር ወብ-ሳይት እወ፡!

'ተሓድሶ' ዕላማኩም ጽቡቕ ጌርና ኣጽኒዕናዮ ኢና፡ መንነትኹም'ውን በሪሁልና እዩ። እቲ ዘሕዝን ነዚኹሉ መንነትኹም - ብስም ኣቡነ እንጦንዮስን ፖለቲኻን፡ ልቢ ገርህታት ምትላልኹም እዩ።

ወይለይ ወለይ፡ እዚኣ ከኣባ ቅድስት ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ፡ ብፒያኖ ጊታር ክንዝምር ንኽእል ኢና፡ ኢልኹም ኣብ youtube የእቲኹሞ ዘለኹም፡ ብከመይ ጠጠው ክብል እዩ? ብዘይ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ፍቃድ ንምንታይ ከምኡ ጌርዂም?????? 

……… ዲን ዓወት ንጉሰ

12 comments:

  1. Ewe haki tezaribka begulbab abun Antenyos entay zeyetgeber zeytzerbe Neza qneti haymanot anfeta zekeyerkum nabey mewedaete ....... nemukanu abune Markaryos nmen eyom zetenkkewo zelew deacon Awet Nuges kale Hiwet Yesmealna Amen.rhus bealsome 40 yegeberlna.

    ReplyDelete
  2. Eti Besem AB WWeld Wmenfes Kudus zeyblu zerebom abone markaryos etom zektlwom kurub k yhasbu do menfesawi melekti zey belu kemehalalfu kelwe nsom ekq dhan nsakatkum k ?

    ReplyDelete
  3. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  4. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  5. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  6. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  7. Menm zewesen neger yelen ADENA KEDESTEKUDESAN DENGEL MRYAM MENEM ADAMAWI HTYATYBELAN AMEN.SiNODOS ZEWESEKO NEGERYEBELUN .

    ReplyDelete
  8. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  9. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete
  10. Tsere biete krstiyan neger ktewawyu gzieom yetfu'alewu !

    Klte melhas -
    Egziabhier mhretu yewrdelom.

    Abune Mekaryos ab Eritrean biete krstiyan ke men eyu atsdakn konann zgeberom?

    Entay ymlketom tentinomo zkedo ?!!!!

    ReplyDelete
  11. ብጣዕሚ እኻዩ ዘግርም

    ReplyDelete
  12. ብጣዕሚ እኻዩ ዘግርም

    ReplyDelete