Tuesday 1 December 2015

ስሩይ ዕላማ ብጉልባብ ጵጵስናን ምሕደራን ! 4ይ ክፋል

"ፋሌግ"
እቲ ወዲ ሴም ዝኾነ ኣርፋክስድ ንሸላሕ ወለደ ሸላሕ ድማ ንዔቤር፥ ዔቤር ኣብ ዘመኑ ምድሪ ስለ ዝተኸፋፈለት፥ ኣብ ዘመኑ ምድሪ ተመቓቒላ እያ ንወዱፋሌግኢሉ ሰመዮ።(ዘፍ 1025) ፋሌግ ማለት ዝተከፍለ ማለት እዩ። ,,,,,,ጠቒስካ እንታይ ኣምጻእካዶ፧ በልኩም በሉ ምሳይ ኮይንኩም ስዓቡኒ ደኣ።
 ንኹሉ መወዳእታ ኣለዎ። መፈጸምታን ጣዕሳን ዘይብሉስ ሞተ-ነፍስ ጥራይዩ። ሞተ-ነፍስ ዝምንጩድማ ካብ ዝተመቓቐለ ላንጋ ላንጋ ምንባር ሙካኑ ኣጥዕያ ስለእትፈልጥ፣ ቤተ-ክርስትያን እዚ ቃል ካብ ዝተጻሕፈሉ ዘመን ኣትሒዛ ንምምቕቃል ኮኒናቶን ኣውጊዛቶንያ። እንተኾነ ንዘመናት ዝኣክል ካብቲ ቀንዲ ብድሆታት፣ እዚ ካብ ውሸጣ ፈንጢሱ ክወጽእ ዝህቅን ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሃሊ ናይ ዕሱባት ምትእኽኻብ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስዩ።ተሃድሶ ንቤተ-ክርስትያን ክመቓቕል ብዝህንደድ፣ ኣብ ዙርያ ቤተ-ክርስትያን ብዝጛዝም ርኹስ መንፈስ ዝምእከል ናይ ምፍልላይ መርገምዩ።ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብሓድነትን ምእመናንን ብሰላም ቤተ-ክርስትያንን ድቃስ ዝስእን ዕግርግር ዝሕመረቱ ንራህዋ ዘይናፍቕ ጉጅለ ብሙዃኑ እዩ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ቅድስት ቤተ-ክርስትያን ናብ ግብጺ ንዝገበረቶ ናይ በረኸትብ ጉዕዞ፣ ብናይ ምፍልላይ መንፈስ ጎልቢቡ ንህዝቢ ከርዕም፣ በዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ ብምሽቃጥ፣ ሲኖዶስ ኤርትራ በዚ ጉዕዞ ከም ዝተመቓቐለን ኣቦታት ከም ዝሓዘኑን ብምምሳል፣ በዚ ምስጢሩ ክርድኦ ዘይከኣኣለ ሃንደበት ዝኮኖ መገሻ ተሰናቢዱ ማይ ከም ዝጸምአ ዕቡድ ከልቢ ክነብሕ ዝቐነየ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝተኸፍለ ልቡ ዝተዐቑረ ዓመታት ዝተለሞ ናይ ምብትታን ኣጀንድኡ ዝኸሽሕ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ እዩ። እምበር ኣምላኽናስ ንፍትሒ ኣብ ዝመደቦ እዋን ከንግሳዩ።
ክቡራት ምእመናን ክቡራት ኣገልገልትን፣ ነባሪ መከራ የለን፣ ክነብር ኢሉ ዝመጽእ ሽግርውን ኣይዓጠቐልናን። ብመጠን ፍቕርና ሓድነትና ይጸንዕ፣ ብመጠን ዝሰጎምናዮ ድማ ናብ ኣምላኽ ንቐርብ። ሰይጣን ሓድነትን ሰላምን ቤተ-ክርስትያን ዘይናፍቕ ከም ምዃኑ መጠን፣ ንስጉምቲ ኣእጋር ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ክዕንቅፍ ምስ ተሃንደደ እዩ። ስለዚ ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ክሕሎ መጀመርታ ንሕና ነቲ ዝመጸና ፈተና ድልዋት ክንከውን ይግባእ። ኣባ ጳውሊ ሓደ እዋን ኣባ እንጦንስ ንደቀይ እንታይ ኢለ ክምህሮም ምስ በልዎምሓደራ! ሓደራ! ካብ ፈተና ከይሃድሙ ኣጥቢቕካ ምዓዶምብምባል መለስሎም። ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ሰዓት ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ሓድነትን ናይ ተሃድሶን ፈተና ክትኣቱ ዝከኣለት፣ ደቃ ነቲ ብሰይጣን ዝመጻ ፈተና ምስኣ ኮይኖም ክቃለስዎ ዘይምፍታኖም ጥራሕ እዩ። ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ሰዓት ኣብ ዓቢ ፈተና ኣላ፣ ገለ ውሑዳት ግና ካብዚ ፈተና ርእዞም ኣግሊሎም፣ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘነበ ናይ መከራ ዝናብ ክሳብ ዝጽሒ ኣብ ኣባይቲ ጛኖት ተሓቢኦም ይርከኡ። ብዙሓት ካብዞም ሕጂ ካብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ምሕደራ ርእሶም ኣግሊሎም ዝርከቡ ኣገልገልቲ እቶም ዝበዝሑ፣ ነዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ምጻሩ ስኢኖም ብምውጻእ ገዛእ ርእሶም ናብ ዝገደደ፣ ካብ ናይ ምሕደራ ናብ ናይ እምነት ፈተና ዝተሸሙ እዮም። ኣብ ቅድስት ቤተ-ክርስትያን መከራ ትማሊ ኔሩ፣ ሎሚውን ኣሎ፣ ጽባሕውን ከምዝህሉ ዝከሓድ ሓቂ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ንማንነቱ ሓቢኡን ቀይሩን፣ ካብ ቅርዓታ ተኣልዩን ንቤተ-ክርስትያን ሽግራ ዝፈትሓላ ሓደ ኣይጸንሓናን። ንብዙሓት ከምዚ ንምልከቶም ዘለና ድማ ኻብ ደምበ ቤተ-ክርስትያን ወጺኦም ማንነቶም ክልዉጡ ደኣ እምበር ንምስሎም ከድምቑ ኣይረኣናን። ብዙሓት ኣብቲ ዝከድዎ ኣዳራሻት ዝተባህልዎ ኣንዳ ገበሩ፣ ርእዮም ከም ዘይ ረኣዩ፣ ሰሚዖም ከምዘይ ሰምዑ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። እምነቶምን ባህሎምን ተመንዚዖም ውሽጡ ሕሩር ኮይኖም ይነብሩለዉ።
 ሎሚ መን ጻዕዳ ሻሽ መጠምጠምያኡ ደርብዩ ጸሊም ቁራዕ ዘይተኸድነ?
መን ጻዕዳ ክዳኑን፣ ቅጭን ነጸላኡን ደርብዩ፣ ጸሊም ቀምሽ ለቢሱ ዘየውደልደለ?
ነቲ ግርማ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ቅዱሳት ኣልባስ ቤተ-መቕደስና ግዲፎም፣ ናይ ግብጽን ካልኦትን ኣልባሳት ለቢሶም ዝቕድሱ፣ ስእሊ ቅዱሳንና ኣወንዚፎምን ኣቖናጺቦምን፣ ናብ ግብጺ ከይዶም ስእሊ ቅዱሳን ዝሽምቱ ኣይረኣናን ዲና? ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኤርትራ ስለ ዝተፈለኻ ጥራይ፣ ልብሰ ተኽህኖኻ ብናይ ግብጻውያን ልብሲ፣ ስርዓተ ኣምልኾኻ ናይ ግብጻውያን መወከሲ ትጥቀም እንተኼንካ፣ ካብዚ ዝዓቢ ናይ ባህሊ ወረራ እንታይ ኣሎ? ነጸላ ጌሩ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኣቱ ግብጻዊ ድያቆን፡ ወይ መጠምጠምያ ወድዩ ከበሮ ተሓንጊጡ፣ ጸናጽል ጨቢጡ፣ ብሞቖምያ ተደጊፉ ናብ ቤተ-መቕድስ ዝኣቱ ግብጻዊ ካህን ርኢኻ ትፈልጥ ዲኻ? ዋላ እኻ እዚ ምግባር ንዕኡ ሓጥያት እንተዘይኮነ፣ ከምዚ ክገብር ውን ምኽንያት የብሉን፣ ስለምንታይ እዩሞኸ ነዚ ክገብር? መጀመርታ ክንግዘቦ ዘለና ሓደ ሰብ ኣማኒ ወይ ኣገልጋሊ ክበሃን ቅድሚ ዝኾነ ድሕሪ ምእማኑ፣ ነቲ ስርዓትን ባህልን ቤተ-ክርስትያን ምስ ዘኽብር ጥራሕ ኢዩ ኣብ ሕቑፍኣ ዝነብር። ብመንነቱን ብባህሉን ብስርዓቱን ዘይኮርዕ ኣገልጋሊ ነየናይ ምእመን ኢዩ ብዛዕባ መንነቱ ዝምህሮ? ኣቦታትና ኣብ ናይ ኣካዳሚ ቤት ትምህርትታት ካይተረፈ ወንጌል ሰቢኾም መኽፈቲ ኣፍ ክኾነና ድማ { ግእዝ ካኢብ ሳልስ} እንዳበሉዮም ኣዕብዮምናወዲ ሰራሒ ማዕጾ ዝብኢ ወሰዶዝተባህለ ደኣ ዘይ ከምዚዩ፣ ወድቶም ሓለውቲ ዓዲን መራሕቲ ሃገርን ዝኾኑ ሊቃውንቲ ዕሱብ ጓሳ ክኸውን ምስ ፈተነ እንደኣሉ። በዚ ምኽንያት እዮም ድማ ብዙሓት ነቲ ተሃንዲዶም ዝኣተውዎ መንቀራቕሮ ምውጽኡ ስኢኖም ዘቕበዝብዙ ዘለዉ። ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስትያውን እንተኾነት ኣዳራሽ እንተለዋ፣ መቐደሲ ክኾነና ቤት ተካርየና ደኣ እምበር ስርዓትና መንዚዓ ስርዓት ኣይትተኽለልናን ኢያ። ልብሰ-ተክህኖና ገፊፋ ልብሳ ኣይተወንዝፈልናን ኢያ። ከበሮናን ጸናጽልናን ደርብያ (ከምቲ ትብልዎ) ብኦርጋን ዓንድሩ ብምባል ኣይተገድደናን እያ። ስርዓተ ሕውነት እዘን ኣሓት ኣብያተ ክርስትያናት ካብ እምነት ሓሊፉ ክሳብ ስርዓትን ባህልን ዝበጽሐ ናይ ምክብባር ክርስትያናዊ ባህሊ ከም ዘለወን ኣጥዒና ንፈልጥ ኢና።
 ስለዚ ካብ ቤተ-ክርስትያን ወጺና ብዛዕባ ጳጳስን ምሕደራን ስለ ዝነባሕና መን ተጠቒሙ? ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ዝፈለሰ ሓይሊ ኣብ ቅድስት ቤተ-ክርስትያኑ ኮይኑ ክሳብ እቲ ዝደልዮ ዝሰምር ተቓሊሱ እንተዝኸውን መን ምረብሐ? እዚ ሕጂ ምኽንያት ምውንጃልን ምክፍፋልን ኾይኑ ዘሎ ጠንቂ ምሳዕረረ ይመስለኹም? ኣብ መንጎና ስዉራት ኣእዳው ተሃድሶ ሶሊዀን ብምእታወን ኣብ ነንሕድሕድና ኣእዳው ከወጣውጣ ይውዕላ ኣለዋ። ኣቦታትና ጳጳሳት ከይተረፈ ወሊዶም ተባሂሎም፣ ብቅድስንኦም ተነቒፎም፣ ካህናት ተዘንጢሎም፣ ድያቆናት ተዋሪዶም፣ እዚ ካብ ሓደ ንቤተ-ክርስትያን ክፈላሊ ዝህቅን ውድብ ትጽበዮ እንተኾንካ፣ ብዙሓት ለዋሃት ግና ዝፈረሰ ክፈርስ እንዳረኣዩ፣ ዝተጣሕሰ ክስገር እንዳ ኣስተውዓሉ፣ ንህንጻ ቤተ-ክርስትያን ዘበረኹ መሲልዎም ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ኣእማን ይድርብዩ ኣለዉ። ሎሚ ተሃድሶ ኣይኮንኩን ኢሉ ዘይኮነ፣ ተሃድሶ ዝበሃል የለን ኢሉ ዝጣበቕ ይበዝሕ። ግብሪ ሰይጣን ዘይፈልጥ ትውልዲ ሰይጣን የለን ኢሉ እንተ ተማጎተ ንመን እዩ ዝገርሞ።
 ክቡር ሓወይ ኣብ ዘን ዝሓለፋ 10 እዓመታት ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ምሕደራ ተበላሽዩን ዛሕቲሉን ኣሎ ዲኻ ትብል ዘለኻ፧ እወ ብርግጽ ሕጂ ውንእወክደግመልኻ።
 ጳጳስ ተኣሲሮም ፍትሒ ስኢኖም፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይበርሃለይን፣ ጳጳስ ከሎ ከመይቢሉ ካልእ ጳጳስ ይትካ ድዩ ሕቶካ? እዚውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክርስትያን ሕቶ ሙዃኑ እንተ ትፈልጥ ኔርካ ንምውጻእ ኣይምተመነኻያን ኔርካ።
 እንተኾነ ጳጳስ ስለ ዝተኣስረ ኣንጸርጺርካ ተኣምረ ማርያም ኣይተቆናጽብን ኢኻ፣ ምሕደራ ስለ ዝዛሕተለ ኣዴና ቅድስት ማርያም ኣዳማዊ ሓጢኣት ኣለዋ ብምባል ኣይትኽሕድን ኢኻ። ወይስ ጳጳስ ምስ ተኣስረ፣ ምሕደራ ምስ ዛሕተለ ኢየሱስ ኣማላዲ፡ ቅዱሳን ናብ እግዚኣብሄር ንኸይንበጽሕ ዝዕንቅፉና መጋረጃ፣ ድርሳናት ኮኑ ገድላት ናይ ምድሪ ሓበሻ መዘናግዒ ጽውጽዋይ፣ ንቅዱሳን ምምስጋን ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ምምንዛዕ፣ ናይ ቅዱሳን መዝሙር ከም ደርፊ፣ ሸውዓተ ሰማያትን፣ናይ ቅዱሳን መላእክት ትምህርትን፣ ቅዱስ ሚካኤል ንእስራኤል መና ምምጋቡን ንዓኻ ከም ጥዑም ጽውጽዋይ ኮይኑ ናይ ተሃድሶ ትምህርቲ ዝተሰወጠካ፧ ወይ ክትክሕድ ዝደፈርካ ጳጳስ ብምእሳሮም ድዩ፧ ወጺኻ ዝተለኸኻዮ ክሕደት ደኣ እምበር፣ ዘንጻሕካዮ ልቦናን ዝመለስካዮ ምሕደራን የለን።
ጽኑዕ መርገጺ
ኣቦታትና ኣብ ግዜ ሓይሎምን ኣብ ግዜ ምብርትዖምን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ግዜ ድኻሞምውን ክንምከሓሎም ይግባእ።ስለ ዝደከመ እንሓፍረሉ ኣቦ፣ ስለ ዝሸምገለት እንሓንከላ ኣደ የብልናን። ናይ ቤተ-ክርስትያንና ሽግር ብምህዳምን ብምውጻእን ዘይኮነ፣ ብምህላው ኢና እነሳልጦ። መከራ ብርቱዓት ሰባት ይፈጥር፣ ለውጢ ድማ ቀረብኦምዩ። ገበላ ጛኖት ንግዚኡ ደኣምበር ንዘልኣለም ኣየጽልለናንዩ፣ ንዝፈረሰ ቤትና ምህዳም (ምኽዳን ወይ ምንዳቕ) ድማ ናትና ሓላፍነትዩ። ነስተውዕል ነዚ ነገር ንምቕናዕ ደቂ ሰብዓ ሰማንያ ዓመት ኣቦታት ንኹሉ ጸርፍን ምቁንጻብን ናይ ተሃድሶ ጸይሮም ድፍእ ቅንዕ ይብሉ ኣለዉ፣ ምናልባት ንሕና እዞም መንእሰያት ኣብ ውሻጠ ቅድስት ቤተ-ክርስትያን ኮይንና ተቃሊስናን ክሳብ ሞት ዋጋ ከፊልናን ኔርናን እንተ ንኸውን (ክንድኡ መን ከይሓተና) ብዙሕ መስለጥናን ምዓየናን፣ ገዛእ ርእስና ኣግሊልና ተስፋ ኣሱራት ኣቦታት ከመ ናይ ኣብርሃም ኣናዊሕና ደኣምበር ኣየሕጸርናዮን። ነቲ ነዚ ዝገበረ ገባሪ እከይን፣ ንዕምሪ ተሃድሶን ግና ሰንኪ ናትና ምስዳድ (ካብ ቤተ-ክርስትያን ተስፋ ቆሪጽና ምውጻእና) ንዕምሪ ዘመኖም ኣናዊሕናዮ ኢና። ብምውጻእ ዝወጽእ ሽግር የለን፣ ብምህዳም ድማ ዝርሕቅ መከራ የለን። ሓቀኛ ዝኾነ ድልየትን ቅንእን ቅድስት እምነት እንተሃልዩካ ንዓ ሓቢርና ኣብ ደምበ ቤተ-ክርስትያንና ኮይንና ስለ ጳጳስናን ምሕደራናን ንቃለስ።እዚ ንርእዮ ዘለና ለውጢ ካብ ውሻጠ ዝተፈልፈለ ደኣምበር፣ ካብ ደገ ብዝተወርወረ ናይ ለውጢ ወንጭፍ ኣይኮነን። ጽባሕ ንግሆ እግዚኣብሄር ፈቒድዎ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ መከርኦም ተገላጊሎም ናብ ወንበሮም እንተተመልሱ፣ ትመጽእ ደኣ እምበር ኣይመጹኻንዮም። ስለዚ ሃገር ምሉእ ዝዕድም ደፋር በዓል ውራይ ኣይትኹን። ብሰንከይ ብሰንክኻ ብጠንቂ ኩልና ቤተ-ክርስትያን ኣብዘመን ከይትምቀልሞ እግዚኣብሄርፋሌግኢሉ ከይሰምየና። ተሃድሶን ዕላማታቱን ግና ቅድሚ ኣነን ንስኻን ምውላድና ትማሊ ዝተጠንሰ ክሳብ ሕጂ ዘይተወልደ ኣብዙርያና ዝነብር መርገም ሙዃኑ ነስተውዕል። ተሃድሶ ዝበሃል ድርጅት ኣብዙርያና ኣሎ፣ መጠን ዘሰተውዓሎ ክፍተታት ድማ የስፋሕፍሕ። ትማሊ ኣቦታትና ብፍሕሶ ተሃድሶ ተሳዒሮም ኔሮም እንተዝኾኑ ሎሚ ንሕና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይምኾንናን፣ ኣቦታትና በቲ ተኣሲሮሞ ዘለዉ ኣቢሎም እንተሓለፉ ኣይንታዩንዩ፣ ራህዋ ቤተ-ክርስትያን መከራ ተሃድሶ ስለ ዝኾነ፣ ንዕረፍቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብዝኾነ ይኹን እዋን ኣይድግፍዎን እዮም። ንሽግራትና ኣለልዮም ግና ብጉዳይ ጵጵስናን ምሕደርራን ክሳብ ዝደልዎም ይነብሑ ኣለዉ። ዘመን ዕረፍቲ ርሑቕ ኣይኮነን፣ እዛ ዘመን ክሳብ ትሓልፍ ግና ቀሪብና ኢናንቁም በበህላዌነ”።
''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''''
እዚ ካብ ክፍሊ 1 ክሳብ ክፍሊ 4 ክንከታተሎ ጸናሕና ጽሑፍ ብሓው ዲያቆን መሪሕ ኣብ ገጽ-መጽሓፍ ዘመሓላለፎ  ጽሑፍ'ዩ።
https://www.facebook.com/ብርዒ-ዲን-መሪሕ-DM-Merih-T-806861919359407/?fref=ts
 ኣብ ገጽ-መጽሓፉ ኣቲኹም like ብምግባር ክትኸታተልዎ ትኽእሉ ኢኹም።

5 comments: