Tuesday 1 December 2015

ስሩይ ዕላማ ብጉልባብ ጵጵስናን ምሕደራን! 3ይ ክፉል

በቲ ዝመስለና፣ ኣብቲ ዝጠዓመና ነድምዕ!

 እዚ ነድሪ ሰይጣን'ዩ። እቲ ዝገርም'ግን ነድሪ ሰይጣን ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይኣልየና ሙኳኑ'ዩ። ዝመጸ ይምጻእ ድዩ ዝበለ ገጣሚ፣ ነቒሕናስ እንሀና' ጎሮሮ ጸላኢ ብሓይሊ ኣምላኽ ንሓንቕ።..,,,, ንቐጽል ግዳ።
እቲ ድሒሩ ዝመጸ ናይ እምነት ወራር፣ ፕሮቴስታንታዊ ተጻብኦ ክኸውን ከሎ፣ ካብቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሒዛቶ ዝነበረት መርገጺ ቁሩብ ፍልይ ይብል። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይግባእ ግና "መናፍቓን ቅርጾምን ኣካይድኦምን ይፈላለ ድኣ እምበር ትሕዝትኦምስ ሓደ እዩ።" እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝጋሃረ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ ናይ ፕሮቴስታንት ክሕደት፣ ካብቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፈቲና ብዙሕ ዘየድምዓትሉ ሜላታት ዝተማህረ ይመስል ነበረ። ስለዚ' ድማ ረቒቕን ስዉሩን ሜላ ሒዙ ናብ ደምበ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ቤተ-ክርስትያን ክኣቱ ዝመረጸ። ንሱ ድማ ናብ ውሽጣ ኣቲኻ ነታ ቤተ-ክርስትያን ብዓንዳ-ርእሳ ምሕዳስ ነበረ።

 እዚ ከምቲ ናይ ካቶሊክ ብደገ መጺእካ ናብ ውሽጢ ምእታው ዘይኮነ፣ በቶም ኣብ ውሽጣ ዘለው ብፍላይ ድማ ብናይ ቤተ-መቕደስ ኣገልገልቲ ጌርካ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ መምህር መሲልካ፣ ናይ ቅኔ በዓል ሞያ ኼንካ፣ ብብሉያትን ሃዲሳትን ኣመስኪርካ፣ ዲቁናን ክህነትን ተቐቢልካን፣ ንዝሞንኮሱን ንዝመነኑን ከይተረፈ ሰሊብካ፣ ነቶም ኣሚኖም ኣብትሕቲ ወንበርካ ዝተቐመጡ፣ ኣማንያን ኮኑ ኣገልገልቲ እቲ ትደልዮ መርዛም ትምህርቲ እንዳ ኣስተምሃርካ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን ብምሕዳር እታ ቤተ-ክርስትያን ባዕላ ንባዕላ ብደቃ ከም እትፈርስን፣ ካብ ውሻጠኣ ጀሚርካ ብሙግታት ናብ ቅርዓት ምንፍቕና ከም እትወጽእን ምግባር'ዩ።
 ነዚ ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕ ካብ ዝጥቀምሉ ሜላታት እቲ ዝዓበየን ዝኸፍአን እዚ ዝስዕብ'ዩ።
1. እዋናውያን ጉዳያት ብምምዝማዝ!
እዚ ድርጅት' ሓደ ካብ ዝጥቀመሉ ዋና ናይ ምስፍሕፋሕ ጥበቡ፣ ነቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ወቕታዊ ኩነት ወይ ጉዳይ ምምዝማዝ ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ዘጋጠመ ናይ ኺናት ኮነ ውድቀት ነገስታት፣ ናይ ጥምየት ድዩ፣ ናይ ጳጳሳት ስዕረት፣ ጽጋብን ሽግርን፣ ሕማምን ዕረፍትን ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብምልላይ ነቲ ዝሓስቦ ዕላማ ከከናውን ይህቅን።
 ኣብዘን ዝሓለፋ 100 ዓመታት ናይ ተሃድሶ ምንቅስቃስ፣ (ተሃድሶ ክብል ከለኹ ነዞም ናይ ሕጂ በተኻት ጥራይ ዘይኮነ ከላይ ንሮማዊት ቤተ-እምነት'ውን'የ።)
እቲ ንዘመን ወይ ንግዜ ብምምዝማዝ ዝጥቀምሉ ሜላ ሃስይኡ ኣዝዩ ዓቢይ'ዩ።
  ኣብ ግዜ ድርቅን ጥምየትን ከም ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ወሃብቲ ረድኤትን።
 ፦ኣብ ግዜ ኺናት ከም ንህጻናትን ኣዴታትን ዝስተ ጽሩይ ማይን ተቖርቆርቲ።
  ሃገር ኣብ ውግእ ሕድሕድን፣ መሳፍንቲ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ፣ ጎዶቦ ኣብ ልዕሊ ጎዶቦ፣ ኣብ ዝበኣሱሉ እዋን ከም ዓረቕትን ሸምገልትን መሲልካ እንጌራን ብረትን እንዳስነቕካ፣ ቆላን ከበሳን ፈላሊኻ እምነቶም ከምዝልውጡ ምግባርን፣ ካልእ ንዕኦም ዝበስሉ ናይ ስርናይን ፊኖን ምምጣዋትን'ዮም።
 እዚ ዓይነት ምትላል ኣብ ግዝይኡ ሰሪሑን ንብዙሓት ገጠራት ሃገርና ኣታሊሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

…… እዚ እዋን' ንመን ወለደ?
ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምሕደራ ክፍተት፣ (ክፍተት ክብሎ ተገዲደ ኣለኹ ምኽንያቱ ዝጎደለ እምበር ዝተመልአ ስለ ዘየለ። እንታይ' ጎደለና? ዝብል ሓታቲ እንተ ሃለወ ግና ሕርሕራይ ጌርና ክንምለሶ ኢና። ሓቂ-ሓቁስ ንዛረበሉ ደኣ፣ ኣምላኽ' እንታይ ክብለና?)
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ነዛ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍትንዋ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ግና፣ ንድልየታቶም ዘራጎዳ፣ ንሕልሞም ናብ ጋህዲ ዝቐየራ፣ ንባህግታቶም ዘስመራ ዓመታት እየን ኔረን እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ዋላ' ከም ምልኣት ልቦም ሓሲቦሞ ዝነበሩ ጥርዚ ኣይብጽሑ'ምበር፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከምዚ ዓይነት ዘይ ምርግጋእ ንኽፍጠር ንዘመናት ዝተመነይዎ ከንቱ ሕልሞም እዩ ዝነበረ።
 እቲ ክሳብ 2005 ዝነበረ ስሙር ናይ ኣብያተ ክርስትያናትን ትምህርቲ ሰንበታትን ምንቅስቓስ፣ ምስትንፋስ ከሊእዋም፣ ማንነቶም ተጋሊጹ፣ ህዝቢ ብዝግባእ ነቒሑ፣ ነቶም ንዓመታት ካህናትን ድያቆናትን መሲሎም ኣትዮም ዝነበሩ ተሃድሶ መናፍቓን፣ ብጩግራፍ እምነት ቀንጢሱ ከውጽኦም ግዜ ኣይወሰደሉን። ህዝብና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሉም ናይ ኣገልግሎት ዘመን ኣብ ዝነበረሉ' እምበኣር ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን መከራ እዮብ ዘለዓዓለ።
 ናይ ጳጳስ ምውራድን፣ ንቅዱስ ሲኖዶስ ብኻልእ ሓይሊ ምምእዛዝን፣ ዝኣመሰሉ ክልተ ግዜ ዘይተሓስበሎም ካልእ ፍጻሜታትን፣ ክሳብ ሕጂ ሃታ ሃታ ኢልካ ክጽገኑ ዘይከኣሉ ጸሊም ነጥቢ ዘቀመጡ ክድገሙ ዘይግብኦም ዛንታ'እዮም።
 እንተ ኾነ እዚ'ውን ንዓና ንሰብ ጉዳይ ደኣ እምበር ንኻልእ ባዕዳውያን (ተሃድሶ) ዝምልከት ኣይነበረን።
 ነዚ ዝተዓዘቡ ናይ ተሃድሶ ኣብያተ-ድርሰታት፣ ነቲ ኣኽቲሙ ዝነበረ ምንባሮም፣ ከምብሓድሽ ህይወት ንምዝራእ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያንና ዘጋጠመ ወቕታዊ ኩነታት መዝሚዞም እቶም ከምቀደሞም ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ዓቢ ዘመተ ጀመሩ።
 ብሰንኪ' ድማ
  ህዝቢ ተመቓቒሉ፣
  ኣብያተ ክርስትያናት ተመቓቒለን፣
  ስርዓት ቤተ-ክርስትያን ተፋሊሱ፣
  ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክፍተቱ ገፊሑ፣
  ንብዙሓት ኣገልገቲ ካብ መቕደሶም ወጺኦም፣ ንዑ ከነዕቁበኩም ነናብ ዝበልዎም ተሰዲዶምን ዝኹብልሉ ዘለዉን።
  ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ኣዝዩ ብዙሕ ንብረትን ገንዘብን ምእመናንን ቤተ-ክርስትያናትን ኣብ ኢድ' ክፋኣት ኣትዩ እዩ።
ብሰንኪ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣጋጢሙ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብምምዝማዞምን፣ ሰንኪ' ድኹምን ፈራህን ኣካይዳናን፣ እንጀራ ባዕዲ ዝበልዑን፣ ቁርባን ከሓድቲ ዝቖርቡን፣ ኣብ ቀላያት ክሕደት ዝጥመቑን ምእመናንስ ክንደይኮን ይኾኑ? ተሃድሶ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ነቶም ሰብ ከይብለና እንዳበልና ደቂስና ዘለና ኣገልገልቲ ግሁድ እዩ።

 ዕላምኦም ሓንቲ'ያ፣ "ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ጠፊኣ፣ ሓንቲ ዓለምለካዊት ናይ ፕሮቴስታንት ቤተ-እምነት ምፍጣር እዩ። ምኽንያቱ ተሃድሶ፣ ንኡስ፣ ግን ከኣ ስሩይ፣ ዘይገበለ፣ ወይ'ውን ኣፍሊጡ ብስሙ ቤት ዘይከፈተ፣ ኣብ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ብዝንቀሳቀስ ርኹስ መንፈስ ዝምእዘን ናይ ፕሮቴስታንት መጋቢ'ዩ።"

ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ድማ!
 "ፕሮቴስታንት ብደገ፣ ተሃድሶ ድማ ብውሽጢ፣ ብስዉር መንገዲ ክዓዪ ይጸንሑ'ሞ፣ ኣብ መጨረሽታ ክልቲኦም ብሓደ ልሳን፣ መዝሙር ጥልመት ምዝማር ስለ ዝኾነ።"
ጭርሕኦም ድማ እዚ'ዩ፣ 'በቲ ዝመስለና ኣብቲ ዝጥዕመና ነድምዕ'..... ከንቱ ዕላማ።
ቀዲምናኩም እንደ' ሳላ'ቶም ንቑሓት ዝወለዱና ንሕና'ውን ድሮ ነቒሕና።
   ብዲያቆን መሪሕ ጠዓመ (DM)
   ይቅጽል……..
 

No comments:

Post a Comment