Monday 23 November 2015

"ስሩይ ዕላማ ብጉልባብ ጵጵስናን ምሕደራን!"

1 ክፋል
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዘመን ጉዕዝኣ መዘና ኣልቦ ዝኾነ ሽግርን መከራን ሓሊፋ' ኣብዚ በጺሓ። ቤተ-ክርስትያን ካብ ፈተና ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን' ምኽንያቱ ቅድስትን ቅንዕትን ስለዝኾነት። ቤተ-ክርስትያን ናይ ነፍሲ ምሳሌ ከም ሙኳና መጠን ፈተንኣ ካብ ክልተ ነገራት እዩ ዝምንጩ፣ እቲ ቀዳማይ ካብ ደገ ዝመጽእ ፈተና ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ውሽጢ ፈተና እዩ።
ሓደ ሰብ ኣብ ሂወቱ ብኽልተ ነገራት ይፍተን፣ ቀዳማይ ካብ ደገ ዝመጽእ ፈተና ብሰባት ኮነ ብነገራት ዝልዓዓል ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ውሽጢ ፈተና እዩ፣ እዚ ዓይነት ፈተና' ብናይ ገዛእ ርእስኻ ድልየታትን ትምኒታትን ዝፍጠር፣ ሰንኪ ስምዒታትካ ዘይምግዛእን ሓሳባትካ ብሰናይ ሓሳባት ብሰንኪ ዘይምልዋጥን ዝመጽእ ውሽጣዊ ፈተና'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሓደ ሰብ ነቲ ብውሽጣዊ ኮነ ደጋዊ ፈተና ነፍሱ ብምግታእ እንተዘይ ሰዓሮ ኣብ ሓጢኣት ይወድቅ።
 ቤተ-ክርስትያን ንብዙሕ ብድሆታት ሰጊራ ኣብዚ ምብጽሓ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን ምኽንያቱ ህያብ ዓለም ንሱ ስለዝኾነ። ንሱ ሳላ ዝሰገረት እያ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ በጺሓ እትርከብ። እንተ ኾነ ቤተ-ክርስትያን ሓለፋ ትማሊ ብውሽጣዊ ፈተና ሎሚ' ትሕመስ ዘላ። ነቲ ካብ ደገ ዝመጽእ ፕሮቴስታንታዊ ይኹን ኣህዛባዊ (እስልምናዊ) ናይ ኺናት ፈተነ ትማሊ ኣበርዒናቶስ ንብዙሓት እኳ ካብዚ ሰይጣናዊ ኣካይዳ መንጢላ ብምውጻእ መሰል ውልድነት ዓዲላቶም'ያ።
 እምበኣር ሎሚ ከፊኡን ጸኒዑን ዘሎ ውሽጣዊ ፈተና'ዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ክልተ ይኽፈል፣ ፖለቲካውን፣ ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስን'ዩ። እዚክልቲኡ ዘይነጻጸል ድርብ ሃልኪ እኳ እንተኾነ ንሎሚ ክንርዮ ደልየ ዘለኹ ግና ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓስ ኣብ ዙርያ ቤተ-ክርስትያን'ዩ።
 ሎሚ! ብምኽንያት ስልጣንን ምሕደራን ካብ ቤተ-ክርስትያን ብምርሓቕ ወይ'ውን ብምህላው ነቲ ኣብ ቅድስት ቤተክርስትያን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ስልጣንን ምሕድራን ክፍተት ብምጥቃም ክሳብ እዋኑ በጺሑ ዝዕረን ኩሉ ናብ ንቡር ዝምለስን፣ ብስም' ክፍተታት ብምንጋድን ብምሽቃጥ፣ ንገለ መሳኪንን ዘይጽኑዓትን ነፍሳት ብምዝራፍን፣ ንዝተሃንጻ ኣብያተ-ክርስትያናት ናብ ዋኒንካ ብምጥምዛዝ፣ እንተ ኸፍአ፣ እንተ ኸፍአ፣ ዝሰድዓ ነፍሳት እንተ ዘይተረኽባ ንህንጻ ቤተ-ክርስትያን ህውከት ፈጢርካ ብፍርዲ ድዩ ብሕጊ መንዚዕካ ምውሳድ'ዩ።
 እዚ ድማ ነቲ ኣብ ገንዘብ ኮነ ኣብ ምድላብ ሃብቲ ዘለዋም ጽምኣት ዘመልክት ስሩይ ዕላማ'ዩ። እዚኦም ጉዳይ ቤተ-ክርስትያን ንዘልኣለም ከምዚ ኢሉ ዕርቅን ሰላምን ስኢኑ እንተ ነበረ' ዝግድሶም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዘይተረጋግአ ቤት ኣቲኻ ቀንጠብጠብ ምባል ኣሞሎም ስለ ዝኾነ። ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝኣክል ብጉዳይ ጳጳስን ምሕደደራ ቤተ-ክርስትያንን ከም ከልቢ ነቢሖም እንተ-ኾነ እቲ መለዓልን ቀንጠብጠብ በሃሊ ባህሪኦምስ ንዋየ ቅዱሳት ኮነ ክብሪ ቅዱሳን ካብ ምዝንጣል ኣየዕረፈን። ኦርቶዶክሳዊ ስርዓት ኣብ ኣፎምን ጽሑፋቶምን ደኣ እምበር ኣብ ሰብነቶምን ኣብያተ ጸሎቶምንስ ኣይትረኽቦን። ንስርዓት' ቅድስት ቤተ-ክርስትያን ክዛረብሉ ደኣ እምበር ክፍጽምዎ ዝኸብዶም "መገብተ ሰይጣን'ዮም" ንዕኦም ብዘይካ' ሰንበት ሰንበት ሰዓት 7 መጺኻ ሰብ ንኽርእዮምን ኦርቶዶክስ እዮም ንኽብሎምን ዝገብርዋ ብብዙሕ ትህኪት እትፍጸም ስርዓተ ቕዳሴ፣ ( ንሳኳ ብክንደይ ምቅንናስ) ተኣምረ ማርያም ኮነ ተኣምረ ሚካኤል ምስ ተኣምረ ኢየሱስ ኣይንታዮምን እዮ። ንብዙሓት ናይ ተሓድሶ መራሕቲ ዕላምኦም እቲ ጽባሕ ገዲፍዎም ዝኸይድ ህዝቢ ዘይኮነ እቲ ብጻማ ምእመናን ዝህነጽ ዘሎ ህብጻ ኣብያተ-ክርስትያናት'ዩ። እቲ ምንታይሲ ጽባሕ ሓቁ ምስ ተገልጸ መከራ ቤተ-ክርስትያን ምስተደምደመ፣ ንጉስ ነጊሱ ጳጳስ ምስ ተገልጸ፣ እዚ ፈቐድኡ ካልእ ጉልባብ ሸፊንዎ ዘሎ ህዝብና ናብ ፍልጠት ሓቂ ምስ መጸ፣ እዚ ህዝቢ' ሓንቲ ሰንበት'ውን ትኹን ኣብ ኣዳራሻቶም ከም ዘየርፍድ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። ሽዑ እዩ እምበኣር እቲ ሕጂ ብገንዘብ ቤተ-ክርስትያንን ንዋይ ምእመናንን ዝህነጽ ዘሎ ኣብያተ-ክርስትያናት መዋዕሎ ፕሮቴስታንት ዝኸውን። እቲ ብሚልዮናት ዝተጠርየ ህንጻ ኾነ ንብረት ቤተ-ክርስትያን ሎሚ ቆቑሩብ ስለ ዘዋጻእናሉ ኣይፍለጠናን ይኸውን ጽባሕ ንግሆ "ኦይ ቀሺ ኩስቶስ ካብዞም ተሃድሶ ኮይኑ ካብ ሕጂ ንንየው ናብኡ ገጸይ ኣይከይድንየ" ብምባል ነቲ ንዓመታት ብሞባእ ኣእዳውና ዝተሓንጸ ቤት ጠንጢንናዮ ብምካድ ኣብ ቤትናተቐሚጥና ንተርፍ'ሞ፣ ወዮ ዕሱብ ቀሺ ዕላምኡ ዛዚሙ ናብ ጎይቶቱ ፕሮቴስታንት የረክቦ። ዘይ' ዕላማኸ እንታይ ዕላማ ኣለዎም።
 ነዚ ኣብነት ክኾነና ዝኽእል እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ኦክላንድ (Oakland CA) ዝተፈጸመ' ብምእመናን ተቓሊዑ ዝተጋሕፈ (ዝወጸ) ግብሪ ተሃድሶ ህያው ዛንታ'ዩ። ዕላምኡ እንተ ተኻእለ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ክዕምብብን ዘስተውዕለሉ እንተ ዘይረኺቡ ብምልኣት ምስ ምእመናና ክወርሳን፣ እንተ ዘይተኻእለ ድማ ንዓመታት ክሳብ ገንዘብ እትድልብን ህንጻ ቤተ-ክርስትያን እትውንን ስዉር ዕላምኦም ከካይዱ ክጸንሑ' ኣብ ዝጠዓሞም እዋን ዕግርግር ፈጢሮም ናብ ሕጊ ቀሪቦም እንተረትዑን ተዓወቱን፣ ብዘሎ ሃብትን ንብረትን ቤተ-ክርስትያን ብምግባት፣ ነቶም ኣብ እምነቶም ዝጸንዑ ምእመናን ብምፍላይ ሓንቲ ንብረትን ህንጻን እትውንን ናይ ተሓድሶ ካቴድራር ዝኾነት መነሃርያ መናፍቓን ምምስራት' ኔሩ ዕላምኦም። ሳላቶም ዘይሕለሉ ኦቦታትን ወለድን ግና ክኾነሎም ኣይከኣሉን ሕማቕ ታሪኽ ሰኒዶም ደኣ ተፈልዩ'በር ኣይሰለጦምን። ከምዚ ዝበለ ዓሻ ዕላማ' ኣብ ካልእ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣይተደግመንዶ ይኸውን? ኣብ ክንደይከ ተዓዊቶም ይኾኑ? ፍቕሪ ምእመናን ኣብ ሕድነት ቤተ-ክርስትያን ዓቢ ቦታ ኣለዎ' ኣይፈናተት ድኣ።
 በዚ ስሑው ቁጽሮም ይትረፍ ህንጻ ቤተ-ክርስትያን ኩባያ ማይ' ከግዝእ ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም፣ ፈቀዶ ኣብያተ-ክርስትያናት ተሓቢኦም ብምጽናሕ ዕግርግር ፈጢሮም ዝሓዙ ሒዞም ይምቀሉን ይፍለዩን፣ እዝን ወዲ ከምዝን እዩ እምበኣር ግርም መትከሊ እግሪ ኮይንዎም ነቲ ብፖለቲካ ዝዓወረ ህዝቢ እንዳ ሓባበሉ ክሳብ እዋኑ ዝበጽሕ ዝዳኽሩ ዘለዉ። እዚ ነጸላ ኮነ መጠምጠምያ ዝሸፈኖ ስሩይ ዕላማ' እምበኣር ምምስሳል ብምፍጣር ንሓድነት ቤተ-ክርስትያንና ዝፈታተኖ ዘሎ።
 ,, ካልእ ኣብዚ ክስገር ዘይግብኦ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ዝጸንሐን ዘሎን ቦርዳዊ ኣካይዳ ወይ ምሕደራ'ውን ኣብ ምስፍሕፋሕ ተሃድሶ ኣብ ውሽጢ' 10 ዓመታት' ዓቢ ተራ ተጻዊቱ' እንተተባህለ በዓል ኣቦይ 'ክስቶ' ይቕየሙና ይኾኑ፣ Fire ደኣ ከይብሉና'በር (employee ስለዝኾንና) እቲ ሓቅስ ንሱ'ዩ። ብመሰረት' "ጴጥሮኣ ወዲ ዮና ተፍቅረኒ ዲኻ?" እምበኣር ተፍቅረኒ እንተ ድኣ ኼንካስ ኣባጊዐይ ሓሉ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ህያው ቃል፣ ቤተ-ክርስትያን በዞም ሕያዎትን እዙዛትን ጋሶት ክንዲ ትመሓደር፣ ያኢ እቶም ሞጋሰ ልሳን ስለ ዘውጽኡ English ተዛሪቦም'ውን ስለ ዝኸኣሉ ንምሕደራ ቤተ-ክርስትያን በቲ ጸያፍ ልሳኖም ክቕልስዎ እዮም ፈቲኖም። ብዙሓት ምእመናን ዝሓሹ መሲልዎም ንኻህናት ዕሽሽ ብምባል ንቤተ-ክርስትያን ዘይንሕና ኢና ጨቐቕ ኢልና ዓመታት ዘሳለናያን ብዘይ ካህን ኮነ ዲያቆን ዘጽናሕናያን ዘጥረናያን እንዳበሉ ካብ ናይ ቤቶም ምሕደራ ብዘይፍለ ከመሓድርዋ ጸኒሖም። ካህን'ውን እንተ መጸ በቲ ዝሓገግዎ ደኣ እምበር በቲ ስርዓት ቤተ-ክርስትያን ከይምእዘዙ "እቶም ዘይምእዙዛት ሞጋሰ ነቶም ጋሶት ክጋስይዎም ጸኒሖም"".....ተካል ታሪኽ።
 ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ምሕደራ' ቅድስት ቤት ኣብ ተፈራህትን ተኸበርትን ሰብ እንዳባን እንዳ ዓቀይትን ኮይኑ' ጸኒሑ እንተበልና፣ ስምኩም ዝጸዋዕናኩም መሲሉኩም ኣቤት! ኣይትብሉን ግዲ ትኾኑ። እምበኣር እመኑ ከሓዱ "መሪሕነት ቦርድ ንተሃድሶ ሞግዚት ኮትኑ'ኣዕብይዎ እንተ በልኩ መኣስ ምግናን ኮይኑ።" ጽንዕቲ ኢድ ኣቦታትና ድኣ ክትረድኣና ጀሚራ' እምበር። እዚ እዩ እምበኣር ካህናትና ከይዓዩን ወንጌል ከየስፋሕፍሑን ዓንቂጽዎም ዝኸረመ። እቲ ምንታይ እቲ ርእሲ፣ ርእሲ መንፈስ-ቅደስ ብዘይብሎም ሰባት ስለ ዝተባሕተ። ገለ ተብዓት ካህናት ኮነ ዲያቆናት ክዓዩ ኮነ ክሰርሑ እንተ ደለዩ፣ ጸቕጢ ብምፍጣርን ብምስንኻልን ነዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ካብ 01 ዝንእሳ ዓመታት ጌሮመን ሓሊፎም። ብሰንኪ' ድማ ብዙሓት ካህናት ካብ ቤተ-ክርስትያን ብምውጻእ ኣደዳ ስደትን ናይ ተሃድሶ ረብሓን ኮይኖም፣ ኣብቲ ዘለውዎ ብሙኳን ምድሓን' ቤት ዝጽበዩ ዘለዉ። ገሊኦም ድማ ደቆም ንኸዕብዩ ኣብ ዝተባህልዎ እንዳ ኣተው ንዘይጽወር ጸይሮም እንዳ ተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ። ብዛዕባ መጽሓፍ ኣይትሓስብ መጽሔት ክትጽሕፍ ኣይትእምት፣ በቲ ወትሩ ሓዳሲኡ ዘይፍለጥ ኣብ ጸጽባሕ ዝሕደስ ሕጊ ቦርድ እንዳ ተጠምዘዝካ ትነብር። መብዛሕትኦም ኣብ መብዛሕትአን ሰበኻታትዝርከቡ ኣመሓደርቲ ምእመናን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ውን ዕዙዝ ዝኾነ ቦታ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም'ውን ንጡፋት ኣባላት ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት'ዮም። ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ረቒቕን ስዉሩን ዕላማ ተሃድሶ ክቃወምዎስ ይትረፍ ከስተውዕልሉ'ውን ኣይከኣሉን። ኣውደኣመት ኣብ ዝበዝሓሉን ዳስ ኣብ ዝተተኽለሉን ከኹዱዱን ኢኻ እትርእዮም። ከምዚ ክንብል ከለና ግና ኣዝዮም ብርቱዓትን ኣብነታውያንን ዜጋታት ንዓመታት ዝኣክል ብሓቅን ቅንዕናን ዘገልግሉ ንጽባሕ'ውን ኣምላኽ ዕድመ ሂቡ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ክባርኸሎም እትምነዮም ኣብ ሰበካታት ብምእታው ምስ ኣቦታቶም እንዳተረዳድኡ ዝዓዩ ብዙሓት ደቂ-ማርያም ኣይተሳእኑን። ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት መብዛሕትኦም ኣቦታት ቅድስት ቤተ-ክርስትያን ዝነበሮም ግደ ውሑዱን ድሩቱን'ዩ። ነዚ ጽሊኦም "ግቡእ እኳ እንተዘይኮነ" ቤተ-ክርስትያን ብምሕዳግ ኣብ ፈቐዶ ናይ ተሃድሶ ኣዳራሻት ተዓቒሮም ዘለዉ ኣገልገልቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።
........እሞ እንታይ ንግበር?
 .......ይቕጽል
ብዲያቆን መሪሕ ጠዓመ(DM)

No comments:

Post a Comment