Friday 18 September 2015

ጻውዒት በርባናዊት ጉጅለ!!

ሓደ ግዜ ኣብ እስራኤል ኢዩ ዝኾነልኹም ዘሎ፣ በርባን ዝተባህለ ሽኦል (ውዑይ) መንእሰይ ጎቢዘ ምስበለ ሓሳብ ሓሲቡ፣ መቸስ ናይ በርባን ሓሳብ እንታይ ከምዝወልድ ኣይጠፍኣኩምን ይኸው፣ በሉ በርባን ሓሳብ ሓሲቡ! ሓሲቡ ውን ኣይተረፈን፣ እንተስ ካብ ከብሒ ኣዲኡ ካራ ሰሪቁ፣ እንተስ ናይ ኣብኡ ጎዞሞ መዚዙ፣ ነቶም ኣብ ዓዱ ዝነበሩ ሮማውያን ጽርግርግ ኣቢሉ መገዲ ዓዶም ክሳብ ዝጠፍኦም ክበታትኖም ተላዕለ። ሮማውያን ንመላእ ዓለም ብፍርህን ብራዕድን ጨቢጦም ዝገዝኡ ናይቲ ዘመን ጀጋኑ ሙኳኖም ንመርባን ኣይንታዩን'ዩ፣ መንከ ክነግሮ ንሱ ነቶም ኣብ ዕዳጋታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ገዛውቱን ሕልኽልኽ ዝብሉ ዝነበሩ ቁንጣሮ ወተሃደራት ኢዩ ዝርኢ ዝነበረ፣ በርባን ገርሂ፣ ሾቡ ንደቂ ገዛውቱን መጻውቱን ለዋሃት-መተዓቢቱን ሓሳቡ ነጊሩ ካራ ዘለዎ ካራ፣ ሰንጢ ዘለዎ ሰንጢ፣ ሰይፊ ናየቦታቶም ካብ ዘለዎ ቦታ ፈቲሖም ከምጽኡ እሞ ኣብሓደ ረፍዲ ንሮማውያን መላሲ ኣውያት ዘይብሎም ክድምስሶም ከም ዝኽእል ተላዕለ፣ ጨርሐ፣ ጻውዒት ጸውዐ፣ ስብእና ዝተሰምዖም ብወረ ኺናት ዝጸገቡ ዓወት ኣቦታቶም ወትሩ ኣብ ልቦም ዝደጋገም ህጻውንቲ፣ ነዚ ስምዒት ዝወለዶ ባርባናዊ ጻውዒት ሰሚዖም ኩላቶም፣ ዳዊትን ኢያሱን ጊዴዎንን ክኾኑ ብልቦም ተሃወጹ፣ ንግሆ ስድርኦም ንገሌኦም ናብ መጛሰ ንገሌኣቶም ናብ ዕዳጋ ምስ ለኣኹዎም ድማ በርባን ኣብ ጎደና ረኺቡ ኣእመኖ ኩላቶም ብዝወጽዎ ወጹ። ደድሕሪኡ ሆ እንዳበሉ ድማ ንኢየሩሳሌም ረበሽዋ. ብዙሓት ኣብ መገዲ ተሓወስዎም ኩላቶም ሆ ይብሉ ብዛዕባ ምንታይ ሆ ከምዝብሉ ግና ኣይፈልጡን፣ ኩላቶም ሰይፍ የልዕሉ ንመን ከምዝወግኡ ግና ኣየስተብህሉን፣ ኩላቶም ግና ስሙያት ኮይኖም ክርከቡ ስለ ዝደልዩ ድምጾም ክስማዕ ዓው ኢሎም ይጭርሑ፣ ጀጋኑ ክኾኑ ይደልዩ መኣስ ከም ዝዋግኡ ግና ኣይፈልጡን ንዕኦም ኺናት ማለት ሴይፍ ምልዓል ጥራሕ ኢዩ፣ .. ወይ በርባንንንን በርባን በዓል ጉድ ...... ንግሆ ቆሪሱ ቅጫ ኣዲኡ በሊዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝወጸ ቆልዓ ኩሉ በርባን ምሂሩ ዘመቶም፣ ኢየሩሳሌም ዋጭዋጭ ኮነት ኣደ ንወዳ ዘይትኣልየሉ ነዚ ዘመን ዝመስል ግዜ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ተኸስተ፣ ሮማውያን ገረሞም እቶም ትማሊ ዝፈልጥዎም ህጻውንቲ ሎሚ ካራን ሰይፍን ሒዞም ደድሕሪ ኣድራሻ ዘይብሉ ሰብ ይጎዩ .. ሮማውያን ኣስተውዓሉ ለኻስ በርባን ብትማሊ ዘይመሃር ናይ ክሳራ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ዕግርግር በርትዕ፣ ናብ ኺናት ተቀየረ፣ ዝወድቅ እምበር ዘውድቕ ኣይነበረን፣ ሮማዋን ከም ጸሊም ደመና ነታ ከተማ ወረሩዋ ኣውያትን ሓዘንን ኮነ፣ ብዙሓት ዝተላእኩዎ ጨውን በርበረ ከየብጽሑ ኣብ ጎደና ተረፉ፣ ካብቶም ዝወጹስ ተመልሰ እኻ ኣይነበረን። 
በርባን ግና ንኻልእ ዛንታ ኽኸውን ተዓቁረ ተማረከ ድማ...... ወይ ወዐይዐይይይ. እንታይ ዝኣመሰልዎ ኢዩ ደቀይ። ባርባናዊ ጻውዒት ዕላማ እስራኤል ብሰንኺ ዘይ ምንባሩ ደቃ ኣብ ኣደባባያታ ተዘርዉ። ፍረ ዘይ ብሉ ጻውዒት ከምዚ ኢዩ። በርባን ግብሪ እስራኤል ዘይብሉ ስለስራኤል ክሓስብ ምተገብኦ'ዶ ይመስለኩም፣ ግና ከምኡ ኮነ። 
በርባን ተኣስረ፣ ተኣሲሩውን ኣይተረፈን በታ ጎይታ ዝተፈርደላ መዓልቲ እቲ ዓመጸኛ ተፈትሓ፣ ደጊሙ ግዲ ዘይተኣስረስ እንሆ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዘዝነገሰን ዘዝጸደቀን ይዕምጽ። ዘመንና ውን ነዚ ኢዩ ዝመስል፣ ከምዚ ንሰምዖ ዘለና በርባንን ሰዓብቱን ናይምንታይ ሕምነት ክንምስርት ኢዩም ዝደልዩና ዘለዉ? እቲ ትማሊ ደገ ዝወጸ ወጺኡ ውን ዘይተመልሰ በዓል ዕዳ፣ ከምዝ ጸምአ ከልቢ ከዕነኒ ከምዘይከረመ እንሆ ሎሚ ኣብ ማዕዶ ኾይኑ ይጽውዕና'ሎ። ኣቱም ሰባት ንዓ ግደፍ ቤትካ እቶ ደገ ደገ ፈቀዱኡ ኣይተንቀላውጥ፣ እንጀራ ሞግዚትነት ኣየዕግበኻን ኢዩ ክበሃል ከምዘይሓገየ ጎሮርኡ ምስ ተለኽተ፣ እንሆ ቤትኩም ቤት ኣቦኩም ገዲፍኩም ስዓቡኒ ይብል ኣሎ እቲ በዓል ደገ። ሓድነት ቤተ ክርስትያንስ ኣብ ክእለትናን ውሳኔናን ዝምርኮስ ከምዘይ ኮነ ኣንዳዕዲዕና ክንፈልጥ ይግባእ በርባን እሞ ኣበይ'ልዎ፣ ትማሊ ብዕላማ ራሕሪሕኻዮ ንዝከድኻ እምባ፣ ሎሚ ዕቤቱ መን ነገረካ፣ ትማሊ ብሕጎም ኣይዳነ ምስ ልሳኖም ኣይሳነ ብምባል ግደፍ ዝወደይ እንዳ ተባሃልካ ኣእጋር ንእስነተይ ይሕሸኒ ብምባል ዝጠንጠንካዮም ኣቦታት ደኣ ሎሚ እንታይ ኣናፈቀኻ፣ እንተ ዝበሃልስ በርባን እንታይ ምመለሰ? ብዘይ መጠምጠምይኡ ዝኾርዕ፣ ብዘይ በልዖ እንጌራ ዝጎስዕ ምኳንካ ዝነግረኻ እንተትረክብስ በርባን ክንደይ ኾን ናብ ውሽጥኻ ምተመለስኻ፣ ዝተባላሸወ ደኣ እሞ መኣስ ብማዕዶ ኼንኻ ኮይኑ ዝጽገን፣ ሰይጣን'ከ ካብ መኣስ ምፍታን ኣቓሪጹ ይፈልጥ? ግን ንስኻ ቤቶም ምስ ዝሃነጹ ጸገማቶም ናብ ዘወገዱ ኢልኻ ናብ ዝሓሰብካዮም ተወደንኻ፣ ኣብ ዘይምህላው ኼንኻ ድማ ንዘለዉ ካብ ምህላው ከተትርፍ ነቶም ቤቶም ንኸጽርዩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉዘለዉ ቅቡኣት ትፈታተን ኣሎኻ.. (በርባን) ። ርኢካ እዚ ኢዩ እቲ ስሩይ ዕላም፣ ክንዲ በዲለ፣ ንዑ፣ ክንዲ ይቅሬታ፣ተነስሑ፣ እንዳበልኻ ትነብሕ ዘለኻ፣ ሃገር ምሉእ ዝዕድም ደፋር በዓል ውራይ እኻ ከማኻ ኣይረኣኩን....ኦይ ደፊረ'ዶ . (ከማኹም) ኣይረኣኩን ዝብል ኣፍ ኢዩ። እምበኣር እዚ ጻውዒት ብኢድኻ ካብ ተጻሕፈ ብልሳንኻ ውን ካብ ተነበ ልብኻ ይመዓደሉ፣ ራሕሪሕካዮ ዝኸድኻ ደምበ ድኣ እምበር፣ ጠንጢንናዮ ዝኸድና ቤት የብልናን። ናይ ቤት ኣቦኻ ሽግር ንግዳም ዘውጻእኻ ባዕልኻ ደኣ እምበር፣ ንሕናስ ኣይተታናኾልናን።.. መንቀላወጢ እኳ ኣይፍተወኒ ትብል ዓባየይ እንተኾነት... ነናይ ዝወጸ ጻውዒት እምበኣር ንእምነት ኣየስርሮን ኢዩ። ንስለዚ ኣይትጸውዓና ኣብዘይ ምህላው ኼንኻ ህያው'የ ኣይትበለና። እቲ ውራይና ኣጸቢቅና ኢና ንፈልጦ ብምህዳም ዘይኮነ ድማ ብምህላው ኢና ነሳልጦ። ናይ ክሳራ ዘመን ትማሊ ኣብ ቤትና ኣይተቆጽረን ሎሚ ውን ጎይታ ኢየሱስ ምሳና ኢዩ!!!! .. ወዮ ደኣ ዓቅልኻ ዓቕሊ ኣቦኻ ኮይና እምበር ...ኩሉ ንሰናይ ኢዩ እኻ ዝበሃል. ቃልሲ ሮማውያን መዓስ ጠፊኡና ተሸኪምናዮ ዘለና ንሕና እምበር ንስኻ ኣይኮንካን፣ በርባን ጻውዒትኻ ናብ ሮማውያን ( ኣጋንንቲ) ኣሕሊፉ ዝህብ ደኣ እምበር ዘናግፍ ኣይኮነን። ካብ ቤቱ ወጺኡ ዝተዓወተ የለን። ሓቢርኩም እንተጸሓፍኹም ከምኡ ውን እንተ መደርኹም ንበርባን ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ክደፍር ዝኽእል ጸጋ ከምዘይተዋህቦ ኣስተውዕሉ። 
እምበኣር በርባንን በርባናውያንን ኣይትተሃከዩ፣ ንይሁዳ እኻ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉ፣ ሰንኪ ዘይ ምምጽኡ ግና ተዘምተ. ጎይታ ኣብኡ'ሎ ትመቅደስ ውን ኣብኡ'ሎ ወረ ጸናጽሉን መቆምዩኡን ታቦት ኪዳኑን ህያው ኢዩ ዘሎ .... በርባናውያን ከዘኻኽረኩም ግዳ ... እቲ ዝራሕራሕኩምዎ መጠምጠምያን ነጸላን ተዓጺፉ ነቲ ናይ ዳሕራይ ወለዶ የመዓዱሎ .. በርባናውያን ናይ ምፍልላይን ክሕደትን ሰይፍ ካብ ምልዓል ንጥበብ ልበስዋ ነቦታትኩም ምሰሉ ንጎይታ ድለይዎ። ስለዚ ሓደ ኢና ሕጊ ጸሊእና ኢና ካብ ደምበ ወጺና ዝሽፈትና ዝብል ኣምር ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቅቡል ኣይኾነን'ሞ፣ ""መጠምጠምያ ኾነ ነጸላ ዝሸፈኖ ዕቡድ ዕላማ ትማሊ ኣብ ቤተክርስትያን ተገንጺሉ ኢዩ""" ። ነዚኣ ከይትርስዑ!!!!!!! እሞ እንታይ ደኣ ናብዚ ርኽሰት'ዚ ክንጉተት " እዝስ ኻባና የርሕቆ" ድምጽኹም ብልብኹም ኣዳምጽዎ ዝሓደግኹምዎ ቅርዓት ቅዱሳን በሩ ክፉት'ዩ። ...... በል በል በል.. እእእእ በሉ በሉ ከይ መስየና። 
ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!!
DM መሪሕ'የ 
2014
(ናይ ዘመና፣ አዋጅ በርባናዊት ጉጅለ, ስምዕዎ አብ youtube)
ካብ ቀይዲ ቤተ ክርስትያን ተሰዲዶም፣ ስርዓት አፍሪሶም፣ ሕገ ቤተ ክርስትያን አፍሪሶም፡.... መፍረስቲ ሕጊ፣ ሕጊ ፈሪሱ ይብሉ አለዎ!ነኣዳም ገረሞ'ዩ ነገሩ።
 

No comments:

Post a Comment