Tuesday 30 June 2015

ክብረ በዓል ገዳም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ደብረሲና(ደብረሲሓት)


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
“መፍትው ትትሌዓል ደብረሲሓት ማዕዘንተ ገዳማት በጽድቅ፡ጸሓያ ወንጌል ሰረቀ ኣኮኑ እም ደብረሲና ምስራቅ”
ትርጉም
“ኣብ ምብራቕ ደብረሲና ጸሓይ ወንጌል ክርስትና ወጺኡ እዩ እሞ ደብረሲሓት ካብ ኩለን መኣዝን ገዳማት ክትዓቢይ ብሓቂ ይግባእ እዩ”


ወዲ ሰብ ንኽነንብር ማይ ፡መግብን መጽለልን የድልዮ።በዚ መሰረት ካኣ ዝተዝፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታን ዝተፈላለየ መግብን እና ተመገቡ ይነብሩ።ይኹን እምበር ወዲ ሰብ ንኽነብር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብ ኣድለዮ ፡ምንባር ኣብዛ ዓለም እዚኣ ግን ግዝያዊ መንብሮን ኮንቱን ምኻኑ እዩ። ስለዚ እዮም ካኣ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር “ እቶም ምእንቲ ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ብጹኣን እዮም” (ማቴ5፡6) ዝብል ቃል ተረዲኦም በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ከም ደረጃ ብቕዓቶም ጥጥቖ፡ኣቑጽልቲ ገዳምን መናን እና ተመገቡ ፡ነቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ እሞ በቲዝ ተዋህቦም ጸጋ ድማ ንእግዚኣብሔር ዘገልግሉ ድቂ ኣምላኽ ብጸሎት እና ደገፉን እና ተራድኡን ኣብ ጽምዋ በረኻ ማለት ኣብ ገዳም ፡ጉዕዞ ሂወቶም ኣብ ዓውዲ እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ብቅድስና እና ቀለሱ ፡ካብ ኩሉ ውዲ ሰብ ፍልይ ብዝበለ ኣነባብራ ንኽነብሩ ዝመረጹ።

 ኣግኣዚት ሃገረ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብተን ስፍራ ቅዱሳን ክትከውን ዝበቕዔት ሃገር ኮይና ኣስታት ኣርባዓ ዝኣኽሉ ናእሽቱን ዓበይትን ገዳማት ሓቑፋ ትርከብ።
እምበኣርከስ ክርስቶሳውያን ብጥንታውነቱ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገዳማት ንገዳም ኣቡነ ሊባኖስ (ሃም) ፡ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ (ጻዕዳ ጸበሉ)፡ ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ( ደብረቢዘን) ኣኸቲሉ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ጥንታውን መሰረት ሃይማኖት ክርስትና ዝተነብረሉን ገዳም ደብረሲና እዩ።
ገዳም ደብረሲና 70ኪሎ ሜተር ካብ ኣስመራ ናብ ዒላበርዕድ፡ካብ ዒላበርዕድ ድማ ንየማን ብእግሪ መንገዲ ክልተ ሰዓት ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ውሽጢ ዞባ ዓንሰባ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ኮይኑ ብ328-330(ዓመተ ምሕረት ግዕዝ) ዘሎ ግዜ ብኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ድሕሪ ምምስራቱ 474 ዓመተ ምሕረት ግዕዝ ብኣባ ዮሓኒ ተገዲሙ ማለት ከም ገዳም ስሩዕ ኣገልጉለቱ (ስርዓተ ጳኪሚስ) ዝጀመረ ዓቢይን ጥንታውን ገዳም እዩ።ይኹን ኣምበር ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ስርዓተ ኣምልኾ ይፍጸመሉ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ገጽ ንጉስ ሄሮድስ ማለት ካብ ቤተልሔም ናብ ግብጺ ኣብ ዝትሰደደትሉ ግዜ ንእትበልዖ ንመግቢ ይኹን ንእትሰትዮ ማይ ምስ ሰኣነት ፍቁር ውላዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባረኹን ዝተሓርዩም ህዝቢ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኣብ ወገን ደቡብ ከም ዘለዉ ንኣዲኡ ብምምልካት ኣብ ዘመን ንጉስ ባዜን ብሓደ ግንቦት ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ብምድረ ናግራን (ናቕፋ) ኣቢላ ፡ኣብ ደብረሲና ኣብዛ ሕጂ ቤተ መቕደስ ኮይና ዘላ በዓቲ ወለንሳ ፡ጎይታ ብኢዱ ብምድህሳስ ብተኣምራት ኣፍ ደጌን መስኮትን ምስ ከፈተላ፡ኣብኣ ተቐመጠት ።ሎሚ እዛ በዓቲ ቤተ መቕደስ ኣፍደጌኣ ክልተ እግሪ ከም ዘይብሉ መንበር እያ እትመስል ።ብምስትውዓል ንዝርእያ ካኣ መሬት ዝተንከፈት ኣይትመስልን።
ንጉስ ባዜን ምምጻእ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ኤርትራ ( ደብርሲና) ብሕልሚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ምስ ነገሮ ፣ሰራዊቱ ኣኸቲሉ ካብ ኣኽሱም ናብ ደብረሲና መጸ፣፣ኣብ ውሽጢ እቲ ብተኣምራት ዝተኸፍተ በዓቲ ምስ ረኣዮም ካኣ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደሎም በቲ ዝረኸቦ ናይ በረኸት ሱታፌ ድማ ብሓጎስ ንኣምላኹ ኣመገነ፣፣ብዙሕ ሽግ ( መብራህቲ) ብምውላዕ እውን ዓቢ ድግስ ገበረ ፣፣ደብርሲና ገዳም ቅድት ድንግል ማርያም ክትከውን ድማ ፈቐደ፣፣ኣብ ደብርሲና ኣርባዕተ ወርሒ ተቐሚጣ ናብ ኢትዮጵያ ክትከይድ ከላ ንንጉስ ባዜን በቲ ዝገበረላ ሰናይ ተግባር ብኢድ ውላዳ ባረኸቶ ፣፣እዛ ኣዕሪፈላ ዝቐነኹ ቦታ ዝተባረኸትን ዝተቐደሰትን ትኹን ! ብስመይ ታቦት ክኣትዉ እዩ ! ናይ ቅዱሳን ድኣ እምበር ናይ ዓለማውያን ስፍራ ከይትኸውን እውን ሓልዋ! ናይ ወድይ ጠሊ ምሕረት ካኣ ኣይክፍለያን እዩ! ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኡ ዝሰገደላ ኣብኣ ተቐሚጡ እውን ዝጽልን ዘገልግልን በረኸት ስጋን ነፍስ ክረክብ እዩ! ብምባል ካኣ ባሪኻ ተፋነወቶ፣፣ ንጉስ ባዜን ድማ እዚ ዓቢ ትስፋ ምስ ሰምዔ ንኣምላኹ ኣመስገነ፣፣ኣብ ምድሪ ተደፊኡ እውን ሰገደ፣፣ነታ ተኣምራትዊት በዓቲ ድማ ኣብ ዙርያኣ ብዙሕ ኣእዋም ብምትካል ብዙሓን ዓለም ዝመነኑ (ዝነዓቑ) መነኮሳት ከም ዝቕመጥዋ ገበረ፣፣በዚ መሰረት ካኣ ብ 328-330 ዘሎ ግዜ ዓ.ም.ግ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ኤርትራ( ደብረሲና ) ኣተዉ ፣፣ጥምቀት ክርስትና ካኣ ኣብዚ ቦታ እዚ ጀመረ ፣፣ንኣርባዓ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ካኣ ብዙሓት ኣመንቲ ኣጠመቑን ወንጌል ኣስተምሃሩን፣፣ነገስታት ናይቲ ዘመን እቲዝነበሩ ኣብርሃ ወኣጽብሃ ድማ ምምጻእ ኣቡነ ሰላማ ናብ ደብረሲና ምስ ተበሰሩ ፣ናብ መድረሲና መጹ፣፣ብኢድ ኣባ ሰላማ ድማ ንሶምን ካልኦት ሸውዓተ ተኸተልቶምን ተጠምቁ፣፣ድሕሪ ኣቡነ ሰላማ ካኣ ብ474 ዓ.ም.ግ ኣብ ዘመን ሃጸይ ገብረመስቀል ወዲ ካሌብ፣ኣባ ዮሃኒ(ዮሓንስ) ካብ ግብጺ ምስ ታቦትን ምስ ብዙሓት መነኮሳት ኣቡነ ሊባኖስ ዝርከብዎም ናብ ደብረ ሲሓት (ደብረሲና) ምስ መጹ ን21 ሰነ ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ጽላት ብሱታፌ ሓጸይ ኣልኣሜዳ፣ጳጳስ ኣባ ናሆም ባሪኾም ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ፣፣

 ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ሕጂ በዓቲ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ቀደም ኣብ ደብረ ምጥማቕ (ግብጺ) ዝተገልጸት ካብ ጸሓይ ሸውዓተ ግዜ በሪሃ፣መላእክት፣ሰማእታትን ጻድቃንን ፣ብየማናን ጸጋማን ኣኸቲላ ተገልጸት እሞ ከምዚ ክትብል ካኣ ተዛረበቶ፣ “ ስመይ ዝጸውዔ ፣ብስመይ ኣብዛ ገዳም ዝጸለየ ጸሎቱ ክስማዕ ፣ናብዛ ገዳም እዚኣ እውን ዝነገደ ናብ ጌተ ሰማኒ መቓብረይ ከም ዝነገደ ክቑጸረሉ እዩ’’ ብምባል ብዙሕ ቃል ኪዳን ኣተወትሉ፣፣ንሱ ድማ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቕ ዓቢ በዓል ገበረ፣፣ዳግም እውን ድሕሪ ወርሒ ብ20 ሰኔ ጎይታ ምስ ኣዲኡ 12 ሃዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ከምቲ ቀደም ኣብ ፊሊጵስዮስ ዝሰርዖ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን ክሰርዕ ከሎ ምስ ረኣየ ዓቢ በዓል ገበረ፣፣በዚ ምኽንያት ካኣ 21 ግንቦትን 20- 21 ሰኔን ዓመታዊ በዓል ክኸውን ተሰርዔ፣፣
ብ480 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዘመን መንግስቲ ኣልኣሜዳ ወዲ ሰልዓዶባ ተስዓቱ ቅዱሳን ሮማውያን ኣቡነ ኣረጋዊ ( ዘሚካኤል) ዝርከብዎም ምእንቲ ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሃገሮም ሮማ ናብ ኤርትራ ምስ መጹ ኣብ ኣግዓሮ ፊት ገዳም ደብረ ሲሓት (ደበረሲና)፣ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ብርሃን ኣብ ደብረ ሲሓት ( ደብረ ሲና) ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ምስ ረኣዩ ደብረሲና ኢሎም ሰመይዋ ፣፣እቲ ብርሑቕ ዝረኣይዎ ትኹል ዓምደ ብርሃን ምስ ቀረቡ ይስወሮም ሰለ ዝነበረ ካኣ ድሕሪ ሰለሰተ ግዜ ምምልላስ ፣ኣብ መበል ሳልሳይ ግዜ ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ኣግዓሮ ክሳዕ ደብረ ሲና ዓበይቲ ኣእማን እና ጨርሑ ምስቶም ሸሞንቱ ቅዱሳን ናብቲ ብርሃን ዝዓሰሎ ገዳም ኣተዉ ፣፣ንመጀምርታ ካኣ እቲ ትኹል ዓምደ ብርሃን ንኣቡነ ኣረጋዊ ተገልጸሎም እሞ ኩሎም ካኣ ረኣይዎ፣፣በዚ ዝረኣይዎ ብርሃን ካኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ ንእግዚኣቤር እውን ኣመስገኑ ፣፣እቲ ሽዑ ዝገበርዎ ምልክት ጭርሒ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ፣፣
በቴ መቕደስ በዓቲ ወለንሳ መሰረት ዘይብሉ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝቖመ እኳ እንተ ኾነ ፣ውሕጅ ናብ ውሽጢ ብምእታው የሽግር ስለ ዝነብረ ሎሚ ብዙርያ ተነዲቑ ኪንኡ እውን ብ1951 ዓ.ም.ግ. ንማህሌት ዘገልግል ምስቲ በዓቲ ቤተ መቕደስ ለጊቡ ዝተሃንጸ ዓቢይ ቤተክርስቲያን ንኽትርእዮ ኣዝዩ ዝምስጥ ናይ ምስጋና ማሕደር ኮይኑ ኣሎ፣፣በዚ ድማ ስፍራ ብዙሓት መነኮሳት ክኸውን ከኣለ፣፣ብ1889 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ኣስራተ ማርያምን ብ1941 ዓ.ም.ግ መምህር ኣባ ፍስሓ ቦኽረይን ናይዚ ገዳም እዚ ኣበምኔታት( መራሕቲ ገዳም) ካብ ዝነበሩ ኮይኖም ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ዓቢ ብራና ተኣምረ ማርያም ክሳዕ ሎሚ ነቲ ገዳም ክብሪ ሂብዎ ይርከብ፣፣ብድሕሪኦም ካኣ ቁጽሪ መነንቲ እና ሰሰነ ብምኻድ ፣በቲ ኣባ ዮሓኒ ዝሰርዕዎ ስሮኣተ ጳኲሚስ ፣እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዘይብሉ ብሓድነት እና ተአምርሑ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንዝመጽዎ መነንቲ ብማዕረ ይቅበል ኣሎ፣፣
ተጻብዖ ናይዚ ገደም እዚ ኲኖ እቲ ናይ ኣጋንንቲ ተጻብዖ ብ1527 ዓ.ም መሓመድ ግራኝ ዘብሔረ ዛይላ (ሶማል) ብዙሓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዘቃጸለ ፣ካልእ እውን ብዙሓት መሳፍንቲ ዓቢይ ሽግር ከም ዘውረድሉ ይግለጽ እዩ፣፣ብኣንጻሩ ድማ ብዙሓት ነገስታት እኒ በዓል ንጉስ ባዜን ነግሰታት ኣኽሱም ኣብርሃ ወኣጽብሃ፣ሓጸይ ኣላሜዳ፣ሓጸይ ዮሓንስ፣ራእሲ ወልደሚካኤልን ራእሲ ኣሉላን ንበረኸት ዝኾኖም ብወርቂ ዝዓደግዎ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ርስተ ጉልቲ ከም ዘበርከቱ ታሪኽ ይነግር፣፣
ሎሚ እዚ ጥንታውን ተባሃግን ገዳም እዚ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት 21 ግንቦትን 20-21 ሰኔን በዓል የኽብር ኣሎ፣፣ኣብዘን በዓላት እዚኤን ካኣ ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝሳቐዩ ከምኡ እውን ብኻልእ ነገራት ዝሽገሩን ናይ ልመና ጸሎት ክጽልዩ እተን ውላድ ዝሰኣና ድማ ኣብ ልዕሊእምኒ ወለንሳ ደይበን “በዓልቲ ወለንሳ ሓዳጊት ኣበሳ በዓልቲ በዓቲ ክፉእ ዘይትዝቲ” እና በላ መሪር ልመናዊ መዝሙር ፣ኣብራኸን ደም ክሳዕ ዝሰርብ እና ዘወራ ፣ጎድኒ ጎድኒ ምስቶም ንሰማዒኡ ኣዝዩ ዝምስጥ ያሬዳዊ ማህሌት እና ቃነዩ ዘብጽሑ ሊቃውንቲ ኣቦታት መዓልትንለይትን ክዝምራ ድሕሪ ምሕዳር ፣ብሓባር መብጽዓ ይኣትዉ/ዋ እሞ ድልየቶም ምስ ተፈጸመሎም ካኣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መብጽዕኦም ንምፍጻም ቀጻሊ ይነግዱ፣፣እቶም ኣስታት 45 ሽሕ ተኻፈልቲ በረኸት ንምዃን ዝነግዱ ኣመንቲ ክርስትናን ማስልምናን እውን ከይተረፉ ዓመት መጸ ብቑጽሪ እና ሰሰኑ ናብዚ ተኣምረታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ሲና ክውሕዙ ይረኣዩ፣፣ንሕና እውን ከምዛ ኢየሩሳሌማዊት ገዳም ደብረሲና ተጋቢእና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክንካፈል ምእንቲ ብሓይሊ ጸሎታ ሓይሊ ኣጋንንቲ ኣዐጊሳ ኣእጋርና ናብ ማሕደር ቅዱስ ስፍርኣ ክስጉማ፣ ባዕላ ትሓግዘናን ትደግፈናን፣፣ስለቲ ኩሉ ነገር ካኣ ነቲ ጸጋውን ርሕሩሕን ዝኾነ ኣምላኽ ቅዱሳን ኣቦታትና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ፣፣
ናይ ስለሴ ምሕረት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተረዳእነት ኣይፈለየና፣፣ኣሜን!!

 ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን፣፣

No comments:

Post a Comment