Monday 15 June 2015

ውዕሎን ትሕዞን ግንዖን፣ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ!

እቲ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ተወኪሉ ኣብ መላእ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከካይዶ ዝጸንሐ ዑደት ንምቕጻል ሎሚ ውን ኣብታ ምዕራባዊት ግዝኣት ክፍሊ ናይታ ሃገር ኦክላንድ ኣብዝተባህለት ከተማ ቀጺሉ ውዒሉ። እቲ ንብጹኣን ኣቦታት ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ጴጥሮስን ምክትል ጸሓፊ ናይቲ ልኡክ ዲያቆን ግርማይን ኣኸቲሉ ተልእክኡ ከከናውን ዝወዓለ ልኡኽ: ኣዝዮም ኣገደስትን እዋናውያን ዛዕባታት ብምልዓል ዘትይሎምን ተዘራሪብሎምን።
ብተወሳኺ እቲ ልኡኽ ሕቶታትን ርእይቶታት ህዝቢን ብምስማዕ ንኹሉ ሕቶታቶም መሊሱ። ገለ ኣብቲ ጉባኤ ካብዝተላዕሉ ዛዕባታት

) ቦርድ ዝብል ቃል ኣብ ቃለ ኣዋዲ ከምዘየለን እንተ ኾነ ብገለ ክፋሉ ክስርሓሉ ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምእማን፣ ካብ ሕጂ ንንየው ግና እዚ ኣጸዋውዓ ክተርፍን ሃገረ ስብከት ብዝብል ስያሜ ክትካእን፣ ልክዕ ከምተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከባ ቤተክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገረ ስብከት ተማእኪለን ክኸዳን፣ ሰበኻ ጉባኤ ክንዲ ብቦርድ ከምቲ ቃለ ኣዋዲ ዝብሎ ብቕዱስ ሲኖዶስ ብምምእካል ብቐጥታ ምስ ሃገረ ስብከት ክራኸባን ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ።

) ንቃለ ኣዋዲ ኣብዚ ሕጂ እዋን' ምሉእ ብምሉእ ኣብትግባረ ከተውዕሎ ኣጸጋሚ እንተኾነ፣ነቲ ሓፈሻዊ ሓሳብ ቃለ ኣዋዲ በብቑሩብ ናብ ትግባረኡ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ክጸዓተሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣተሓሳሲቡ። ከመይ ቢሉ ኣብ ትግባረ ከም ዝውዕልን እቲ መሰረታዊ ዝኾነን ዝነበረን ምሕደራ ቤተክርስትያን ብዝግባእ ክዕየየሉን ክስርሓሉን ከም ዝግባእን ድማ መምርሒ ሂቡ።

) ክሳብ ሕጂ ብቦርድ ተማእኪለን ክኸዳ ዝጸንሓ ቤተ-ክርስትያናት ብምህላወን፣ ሰብካ ጉባኤ ናይዘን ቤተ-ክርስትያናት ተሓታትነቱ ንሃገረ ስብከት ድኣ እምበር ንቦርድ ከምዘይኮነ ብምግላጽ እቲ ቦርድ ዝበሃል ኣሰራርሓ ንቤተ-ክርስትያናዊ ስርዓት ምልኣት ዘይህብ ሙኻኑ ኣስሚሮሙሉ። እዚ ማለት እቲ ቦርድ ተኣልዩ እታ ቤተክርስትያን ተሓታትነታ ብቀጥታ ናብ ሃገረስብከት ይኸውን ወሲኖም።

) ሰበኻ ጉባኤ ብቤተክህነትን ምእመናንን ሓደ ካብ ትምህርቲ ሰንበትን ብቃለ ኣዋዲ መሰረት ክቐውም:

) ብመሰረት ቃለ ኣዋዲ ተጸውዓነቶም ናብ ሃገረ ስብከት ዝኾኑ ንኡሳት ሃገረ ስብከታት ክቖሙ ተወሲኑ። እዚ ድማ ንራሕቅን ስፍሓትን ዝርግሐ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ግምት ዘእተወ ሙኳኑ ኣዘኻኺሩ። እዚ ዝቐውም ንኡስ ሃገረ ስብከት ፭ተ (ሓሙሽተ) ኣባላት ክህልዋን ሙኳኖም'ውን ኣስሚርሉ።
) ኩላቶም እቶም ብዝተፈላለየ ምክንያት ንብጹእ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ዕሽሽ ብምባል ክህነት ኮነ ዲቁና ካብ ካልእ ኣሓት ቤተክርስትያናት ዘምጽኡ ወይ ዝተሸሙ፤ ብዝግባእ ይቕሬታ ክሓቱን ብመልክዕ ጽሑፍ ናብ ሃገረ ስብከት ጉዳዮም ከሕልፉን ክምለሱን፣ ክሳብ ጉዳዮም ተራእዩ ዝግባእ መፍትሒ ዝግበረሎም ክህነቶም ኮነ ዲቁንኦም ትሑዝ ሙኳኑን ኣፍልጦ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ኣፍልጦ ከምዘይብሉን ብምልኣት ወሲኑ።
) እተን ካብ ኣሓት ቤተክርስትያናት ታባት ብምምጻእ ክሳብ ሕጂ ክግልገላ ዝጸንሓ ቤተ-ክርስትያናት: ንሃገረ ስብከት ክሕብራን እቲ ክጥቀማሉ ዝጸንሓ ታቦት ናብ ሃገረ ስብከት ከረክብኦን፣ ወይ ውን ናብተን ዝሃብአን ሃገራት ክመልስኦን፣ኩነታተን ዝገልጽ ደብዳቤ ንሲኖዶስ ብምሕባር ኣብትሕቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ጽላል ተማእኪለን ክኸዳ ሙኳነን ክሕብራ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ጉዳየን ብምርኣይ ብመገዲ ሃገረ ስብከተን ታቦት ዝረኽባሉ መገዲ ከም ዝፈጥርን ዝገብኦ ኣገልግሎት ብቅዱስ ሲኖዶስ ተማእኪለን ክቕጽላን መኺሩ።
) ንዋሕዲ ኣገልገልቲ ብምምላእ፣ ምእመናን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያን ክገብርዋን ከበርክትዋን ንዝጸንሑ ኣገልግሎት ድሕሪ ምንኣድን ምምስጋንን፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣቦ መንበር ወይ ኣመሓዳሪ ናይ ቤተ-ክርስትያን ካህን ክኸውን ወሲኑ።
) እቶም ካብ ቅድስ ቤተ-ክርስትያን ኮብሊሎምን ወጺኦምን ተወጊዞምን ዝጸንሑ ምእመናን ኮነ ኣገልገልቲ፣ ብመልክዕ ጽሑፍ ይቕሬታ ብምሕታት ክምለሱን ንውግዘቶም ድማ ቅዱስ ሲኖዶስ መርሚሩ ናይ ይቕሬትኦም ንስሓ ክቕበል ድልው ብምህላዉ ነቶም ካብ ደንበ ቤተ-ክርስትያን ብምርሓቅ ፈቖድኡ ዝሰፈሩ ምእመናንን ኣገልገልትን ብግልጺ ጸዊዑ።
ብሓፈሻ ኣቡዚ ዝወዓለ ኣኼባ ስርዓተ ምሕደራ ናብ ዳግመ ስርርዕ ዝመርሕን ብሓድሽ መንፈስ ንቕድሚት ዝመርሕን ዘደንፍዕን ዛዕባ ዝሓዘለን ብምንባሩ፣ንብዙሓት ነቶም ትንሳኤ ቤተ-ክርስትያን ዝጽበዩ ዘበስርን' ኔሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ኣቦታት ዕቱብ መንፈስን፣ተባዕ ውሳኔን፣ ብሱል ኣመራርሓን ዝተራእየሉ ጉባኤ፣ነቲ ብድኻም ዘይስነፍ ኣባትነቶም ዘጉልሕ ምንባሩ ምስክር ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ነዛ ብብዙሕ ፈተናን ብናይ ምፍልላይ መንፈስን ክትሕመስ ዝጸንሐት ቤተ-ክርስትያን፣ ናብ ዳግማይ ምሕዳስ፣ ኣብ ሕቑፊ ኣቦታታ ሃዲኣ እትነብረሩ ምቹእ ባይታ ክፍጠር፣ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ሙኳኑን ንሓድነትታ ኩሉ ሰብ ክጽዕትን ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ ዕዮ ሙኳኑን ብተወሳኺ እቶም ኣቦታት ኣስሚሮሙሉ። ኣቶም ናይ ኩሉ ጻዕርናን ፍጻሜናን "ፍቕሪ እያ" ዝበሉ ኣቦታት ኩሉ ብፍቕርን ሰናይ ሓሳብን ክምእዘዝ ኣዘኻኺሮም። እዛ ቤተ-ክርስትያን እትናፍቖ ንሱ እዩ' ቅንዕናኹም ኣብኩሉን ልዕልሊ ኩሉን ዓዚዙ ይንበር ብምባል ነቲ ኣስታት ፬ተ (ኣርባዕተ) ሰዓታት ዝወሰደ ጉባኤ ብጸሎት ዛዚሞም ንውዕልኦም በቲ ሰናይ ትሕዝኦም፣ ጉንዖ ሰላም መጢዎምና ውዒሎም።
በረኸቶም ምስ ኩልና ይኹን።

Oakland

ካብ  (ብርዒ ዲ/ን መሪሕ DM) ዝተወስደ ጽሑፍ ዩ!

No comments:

Post a Comment