Wednesday 26 March 2014

ስንቂ ምክሪ

           በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ  ኣሜን!!!

ብመጀመረታ ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ኣምላክና  በኣና ብድኩማት  ባሮቱ ዘከበረን  ዝተመስገነን ይኩን። 
ከምዚ  እንዳ በልና ጸሑፍና ''ስንቂ  ምክሪ'' ንቅጽል፦

ኩሉ ሳዕ ሓሳብካ ቅኑዕን  ሓቅን  ይኩን። ካብ ተንኮልን  ሓሶትን   ረሓቅ፡ ኣብ  ሕልናካ ክፉእ ሓሳብ  ከይመጸካ ደገ ልቦናካ ብተዓቅቦ ዕጾ። ሓደ ሓደ ግዜ  ስጋዊ  ትምኒት ክስዕረካ ከም  ክፉእ ከልቢ ኮይኑ ክመጸካ ይክእል እዩ። ግን ትምኒት  ከይነግሰካ ክትኣስሮ ይግባኣካ። ዓለም ከየታለለትካ በቲ ሓሳዊ  ክብራ   ኣይትታለል። ዓለም  ሓሳዊት'ያ፡ ከም በቅሊ ንዝተጎርበታ  ትነድሕ፡  ከም  ህበይ ዓቅምካ ዓቂና ትግምግም'ያ፡ ናብራካ ብግዲ ምስ  ሰብ እንተድኣ ኮይኑ ብፍቅርን  ብትሕትናን ይኹን። ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ  ሰባት ባእዕላቶም ንዓካ ክፍትኑካ ይጽዕሩ፡ ግና  ከማኻ  ድኩማት ፍጡራት ምኻኖም ተረዲእካ ብትዕግስቲ  ሕለፎም። ውርደትካን ውድቀትካን እኳ ዝፈትዉ እንተኾኑ ከይተቐየምካዮም  ነገር እትሓልፍ ኩሉ ከኣሊ ኩን።  ''ህልክ ላማ ይውሕጥ''  ከም ዝበሃል ብህልክ እትገበሮ ሓደኳ ኣይሃልካ።
ዕድመ ገመድ ከም ዝበትኮ ግዜ ከም ዝቀረበ ኣይትረስዕ ንጽባሕ እትበሎ ስጋዊ  ወይ ካአ መንፈሳዊ  ተግባር ኣይሃልካ። መዓልትካ ሎሚ እያ ጽባሕ እሞ ናይ ካልእ ሰብ ምኻና  ኣይትረስዕ። ንሰብ መሃር ካብ ክፉእ ናብ ጽቡቅ ክትመልስ እንተኪኢልካ'ውን ጽቡቅ እዩ። ዝሓሸ ግን ንባዕልካ  (ንገዛእ ርእስካ ) መኺርካ ተቋጻጺርካ ምንባር ምክኣል እዩ። ዎ ሰብ ዓለም ጽላሎት እያ፣ ቆላ እንተወረድካ ትወርድ ከበሳ እንተደየብካ ድማ ትድይብ እንተሰዓብካያ ትሃድም ዘይትጭበጥ ግመ እያ። ኒዕቅካያ እንተ መነንካ  ከኣ ትስዕበካ።  ገዳም እንተኣቶካ ከኣ ምሳኻ ትኣቱ። ኣብዛ ከም ጽላሎት  ዝኾነት ዓለም  ተጠንቂቅካ ንበር። /መክ1፡1/

ናይ ዓለም ኮንትነት  ከም ዕንበባ ረጋፊ ከም ጽላሎት ሓላፊ ምኻኑ ተረዲእካ ክሳብ  መወዳእታ ሕይወት ካብ መጻወድያ ዓለም ምእንቲ ከድሕነካ ንፈጣሪካ ብጸሎት ለምኖ። ብግዲ ከይፈተኻ  ካብ ዓለም ምካድኻ ዘይተርፍ እዩ። ናብ ዓለም ሒዝካዮ ዝመጻእካ  ከምዘየሎ  ከምኡ ከኣ ካብ ዓለም ትማልኦ ነገር የለብልካን። ሓዲጋትካ ንክትከይድ  ዓለም  ከም ቆርበት ጤል ከይተልፍዐካ፡ ካብ ብናይ  ዓለም  ብልጭልጭን  መልክዕን ኣይትማረክ  ንፈጣሪኻ ክሳብ ምርሳዕ ከይተብጽሓካ፡ ካብ ዓለም  ብሞት ክትፍለ ብፈጣሪካ ክትጽዋዕ ከለኻ ምሳካ ዝከይድ ሃብቲ እነተሃልዩ  /ሃይማኖትን ግበርን/ እዩ። ስለዚ አብዛ ዓለም ከለኻ ነዘን ሃብትታት ሓልወን። ዋጋ ኣውሂበን ናይ ዘልኣለም ሕይወት  ንምውራስ ዘብቅዓኻ፡ ንእግዚኣብሔር ዘርእያኻ እዚአን እየን! ነዘን ናውቲ  እዚአን ከም ብሌን ዓይንኻ ተጠንቀቀለን፡ ከም ይሁዳ ብገንዘብ ከም ኤሳው  ብኹርንኡ ብብልዒ ሃይማኖትካ ኣይትሽጥ  ኣይትለውጥ ኣብ ተዋህዶ  ሃይማኖትካ ጸኒዕካ ብቱሩፋት ንበር!

ዘመን ተለዊጡ ዘመን ክትካእ በብእዋኑ ሓደስቲ ዝመስሉ ቁምነገር ዘይብሎም ከጋጥሙኻ እዮም። ኣይትደነቕ! ንስኻ ግን ኩሉ ሳዕ በቲ ላዕለዋይ ተስፋኻ  ጌረካ ንበር። ነቲ ብስጋ ተገሊጹ ናብ ዓለም ዝመጸ ወልደ እግዚኣብሔር ከይፍለየካ ተማሕጸኖ ካብ ኩሉ ፍጥረት  ኣብሊጹ ዘክበራ ኣዲኡ ቅድስት ድንግል  ማርያም ብምክባርን ብፍቅርን ብኣማላድነታ ተማህጸና። ጸጋ ክዕድለካ ዘክእል መድህን በትሪ ለምኖ። መድህን ከኣ ብቓሉ እሙን ስለዝኮነ ክህበካ እዩ። ዋላ ኳ ክፉእን ሓጢኣተኛን እንተኮንኻ ንንስሓ ዘብቅዕ ኣምላክ ናይ ጽድቂ ርፍራፍ ከምዘይከልኣካ ብምሉእ ልብካ ተስፋ ግበር /ማቴ15፡27-28/  ብእኡ ዝኣመነ ንዕኡ ዝለመነ ዝሓፈረ የልቦን፡ ከምዘይየሕፍረካ  ረግጸኛ ኮንካ ብእምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጸኒዕካ ንበር! 
ናይ እግዚኣብሔርምሕረት፡
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።            

                                                                              ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ !!!

3 comments:

  1. kale hiwet yesmalna yehwat...

    ReplyDelete
  2. Amen Amen Amen Kale hiywet yesmealna

    ReplyDelete
  3. አሜን አዕጽምቲ ዘለምልም ቃል ሂወት የስምዓልና ስድራ ክርስቶስ። አምላክ ቅዱሳን ብመንገዱ ክንመላለስ ውትሩ ብምሕረቱ ይደግፈና።

    ReplyDelete