Monday 7 April 2014

ምስራቀ ጸሓይ /ድንግል-ማርያም/

በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ  ኣሜን!
 
ነቢይ ሕዝቅኤል ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝተነበዩ ነቢያት ሓደ እዩ። እዚ ነቢይ እዚ ብነቢይ ኢሳይያስ ንዝተነግረ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም /ድንግልና/ ዘለዓለማዊ ምዃኑ ዚመስከረ እዩ። ምስክርነቱ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡'
''ብድሕሪ'ዚ ናብ መንገዲ እታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ ወሰደኒ።
ዕጽውቲ ኸኣ ኣያ። 
እግዚኣብሒር ድማ በለኒ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹም ኣይትከፈት ሰብውን ኣይእተዋ።
እግዚኣብሔር ኣምላከ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር'' ሕዝ44፡1-2
ምብራቕ ናይ ኣዴና ቅድስተ ድንግል ማርያም፣ መቕደስ ናይ ማህጸና፣ዕጽውቲ ደገ ናይ ማሕተመ ድንግልናኣ ምሳሌ እዩ። <<ዕጽውቲ ከኣ እያ>> ዝብል ቃል ንጐይታ ቅድሚ ምውላዳ ድንግል ከምዝነበረት ዝምስክር እዩ። <<ዕጽውቲ ትኹም ኣይትከፈት>> ዝብል ቃል ከኣ ንጐይታ ድሕሪ ምውላዳ ንዘለዓለም ድንግል ኮይና ከምትነብር ዘርእይ እዩ። ቀጺሉ'ውን ነቢይ ህዝቅኤል ሰብውን ኣይእተዋ ኢሉ'ዩ። እዚ ኸኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘይካ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ከም ዘይወለደት ዘርኢ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ነቢይ ብግልጺ ከም ዘቐመጦ  ከኣ ናይ እስራኤል ኣምላኽ እግዚኣብሔር ወልድ፣ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ኣብ ማህጸና ተጠኒሱ ተወሊዱ እዩ እሞ ኅትምት በድንግልና ሥርጉት በቅድስና ኮይና ንዘለዓለም ትነብር።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምብራቕ ምምሳላ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ምብራቅ ምውጻእ ጸሐይ እያ። ጸሐይ ምስ በረቐ ጸልማት ይርሕቕ እዩ፣ በዚ ምሳሌ ከኣ ንጸልማት ዲያብሎስ ዝሰዓረልና ንጸላም ሓጢኣት ዝደምሰሰልና ጸሐየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብምግላጹ ኣዴና ብምብራቅ ትምስለ። ነዚ ድማ ኢና ኣብ ኣርእተ ጽሑፍና /ምስራቀ-ጸሐይ/ ምብራቀ ጸሐይ ዝበልናያ። ኣብ ትንቢተ ሚልክያስ/ሚል4፡2/''ንዓኻትኩም ስመይ እትፈርሑ ግና ጸሐይ ጽድቅ ክትበርቀልኩም እያ'' ተባሂሉ'ዩ። ጸሓይ ቅድቕ ዝተባህለ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ጐይታና ንቅዱስ ጴጥሮስን ንቅዱስ ዮሓንስን ከምኡ'ውን ንቅዱስ ያዕቆብ ሒዙ ናብ ደብረ ታቦር ኣብ ዝወጸሉ እዋን <<ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርሀ>>ይብል /ማቴ17፡2/''ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ኣብ መንግስተ ሰማያት ከም ጸሓይ የብርሁ''/ማቴ13፡43/። እዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሓይ ጽድቅ ስለዝኾነ ንፈጣሪኦም መሲሎም ይነብሩ ማለት እዩ።
ኣብ ዓለመ ሥጋ ዘለዉ ሰባት ብናይ ጸሓይ ብርሃን ከምዝመላለሱ ንሕና ኸኣ ብናይ ክርስቶስ ብርሃን ክንመላለስ የድሊ። ንሱ <<ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን'የ ዝስዕበኒ ናይ ሕይወት ብርሃን ይኾነሉ እምበር ብጸልማት ኣይመላለስን'ዩ>> ኢሉ'ዩ /ዮሓ8፡12/ 9፣5።ወንጌላዊ ዮሓንስ ብርሃን ናይ ዓለም መጺኡ ዝበሎ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዩ/ዮሓ1፡9/።
ነዚ ዝተረዳእና ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ናይ ሕዝቅኤል ምብራቕ/መውጽኢ ጸሓይ/ ድንግል ማርያም ምዃና ኣሚንና ''ኣንቲ ምስራቅ ወወልድኪ ፀሐየ ጽድቅ'' ንስኺ ምብራቅ ኢኪ ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ 'ውን ንጸልማት ዘርሓቐ ጸሓይ ጽድቅ ኢዩ እንዳ በልና ነመስግን፡ ምኽንያቱ ካብኣ ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር እዩ /ዮሓ1፡1 /ሓዋ20፡28/።ስለዚ ንዓኣ ኣደ ኃያል እግዚኣብሔር ኢልና ንጽውዓ።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት 
ናይ ኣዴና ጸሎት ረዲኤት ኣይፈለየና !

1 comment:

  1. ዳግሚት ሰማይ ምጹኣ ጸሃይ
    ወላዲቱ ለኣዶናይ
    ናይ ቅደተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ረዲኤት ኣማላድነት ኣይፈለየና፡ ከጽልዎ ፍትዋት የሕዋት!

    ReplyDelete